ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ሳሙኤል ምስ ሳኦል ተራኸበ (1-27)

1 ሳሙኤል 9:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 14:51፣ 1ዜና 8:33፣ ግብ 13:21
  • +መሳ 21:17

1 ሳሙኤል 9:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 11:15፣ 13:13፣ 15:26፣ 28:7፣ 31:4፣ 2ሳሙ 1:23

1 ሳሙኤል 9:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 10:2

1 ሳሙኤል 9:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 3:19

1 ሳሙኤል 9:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

1 ሳሙኤል 9:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 9:19፣ 2ሳሙ 15:27፣ 1ዜና 9:22፣ 29:29

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2005፡ ገጽ 22

1 ሳሙኤል 9:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 9:19

1 ሳሙኤል 9:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 7:9፣ 16:5፣ 1ነገ 3:2፣ 1ዜና 16:39፣ 2ዜና 1:3

1 ሳሙኤል 9:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እዝኑ ቐሊዑሉ።”

1 ሳሙኤል 9:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 18:11
  • +1ሳሙ 10:1፣ 15:1
  • +መዝ 106:43, 44፣ 107:19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2015፡ ገጽ 6

1 ሳሙኤል 9:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዚቕይዶም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 10:24፣ 15:17፣ ግብ 13:21

1 ሳሙኤል 9:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ እቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 9:13, 24

1 ሳሙኤል 9:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 9:3
  • +1ሳሙ 8:5, 19፣ 12:13

1 ሳሙኤል 9:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:46, 47

1 ሳሙኤል 9:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 9:13, 19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2015፡ ገጽ 6

1 ሳሙኤል 9:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 9:3, 10

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 9:11ሳሙ 14:51፣ 1ዜና 8:33፣ ግብ 13:21
1 ሳሙ. 9:1መሳ 21:17
1 ሳሙ. 9:21ሳሙ 11:15፣ 13:13፣ 15:26፣ 28:7፣ 31:4፣ 2ሳሙ 1:23
1 ሳሙ. 9:51ሳሙ 10:2
1 ሳሙ. 9:61ሳሙ 3:19
1 ሳሙ. 9:91ሳሙ 9:19፣ 2ሳሙ 15:27፣ 1ዜና 9:22፣ 29:29
1 ሳሙ. 9:111ሳሙ 9:19
1 ሳሙ. 9:121ሳሙ 7:9፣ 16:5፣ 1ነገ 3:2፣ 1ዜና 16:39፣ 2ዜና 1:3
1 ሳሙ. 9:16እያ 18:11
1 ሳሙ. 9:161ሳሙ 10:1፣ 15:1
1 ሳሙ. 9:16መዝ 106:43, 44፣ 107:19
1 ሳሙ. 9:171ሳሙ 10:24፣ 15:17፣ ግብ 13:21
1 ሳሙ. 9:191ሳሙ 9:13, 24
1 ሳሙ. 9:201ሳሙ 9:3
1 ሳሙ. 9:201ሳሙ 8:5, 19፣ 12:13
1 ሳሙ. 9:21መሳ 20:46, 47
1 ሳሙ. 9:251ሳሙ 9:13, 19
1 ሳሙ. 9:271ሳሙ 9:3, 10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 9:1-27

1 ሳሙኤል

9 ካብ ብንያም ድማ ቂስ+ ዝስሙ ወዲ ኣቢኤል፡ ወዲ ጸሮር፡ ወዲ በኮራት፡ ወዲ ኣፊያሕ ዝዀነ ኣዝዩ ሃብታም ብንያማዊ+ ሰብኣይ ነበረ። 2 ንሱ ኸኣ ሳኦል+ ዝስሙ ጽቡቕ መንእሰይ ወዲ ነበሮ፣ ካብ እስራኤላውያን ድማ ካብኡ ዚጽብቕ ሰብ ኣይነበረን። ካብ መንኵቡ ንላዕሊ ኸኣ ካብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ይነውሕ ነበረ።

3 ኣእዱግ ቂስ ኣቦ ሳኦል ምስ ጠፍኣ፡ ቂስ ንሳኦል ወዱ፡ “በጃኻ፡ ሓደ ኻብቶም ገላዉ ምሳኻ ውሰድ እሞ፡ ኬድካ ነተን ኣእዱግ ድለየን” በሎ። 4 ንሳቶም ከኣ ብኣኽራን ኤፍሬምን ብምድሪ ሻሊሻን ሓለፉ፣ ግናኸ፡ ኣይረኸብወንን። ብምድሪ ሻዓሊም ድማ ሓለፉ፣ እተን ኣእዱግ ግና ኣብኡ ኣይነበራን። ብዅላ ምድሪ ብንያማውያን ከኣ ሓለፉ፣ ግናኸ፡ ኣይረኸብወንን።

5 ናብ ምድሪ ጹፍ ድማ መጹ፣ ሳኦል ከኣ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ጊልያኡ፡ “ኣቦይ ብዛዕባ እተን ኣእዱግ ሓዲጉስ፡ ብዛዕባና ኸይጭነቕ፡ ንዓናይ ንመለስ” በሎ።+ 6 እቲ ጊልያ ግና፡ “እንሆ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣሎ፣ ንሱ ኽቡር ሰብኣይ እዩ። ኵሉ እቲ ዚብሎ እውን ብርግጽ ይፍጸም እዩ።+ ሕጂ ናብኡ ንኺድ። ምናልባት ናበየነይቲ መገዲ ኸም እንኸይድ ኪነግረና ይኽእል ይኸውን” ኢሉ መለሰሉ። 7 ሳኦል ከኣ ነቲ ጊልያኡ፡ “እንተ ኼድናስ፡ ነቲ ሰብኣይ እንታይ ክንወስደሉ ኢና፧ ኣብ ለቘታና እንጌራ የልቦን፣ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ እንወስደሉ ህያብ የብልናን። እንታይ እሞ ኣሎና፧” በሎ። 8 እቲ ጊልያ ድማ መሊሱ ንሳኦል፡ “እንሆ፡ ርብዒ ሲቃል* ብሩር ኣብ ኢደይ ኣሎ። ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ክህቦ እየ እሞ፡ ንሱ በየነይቲ መገዲ ኸም እንኸይድ ኪነግረና እዩ” ኢሉ መለሰሉ። 9 (እዚ ሎሚ ነብዪ ዚብሃል ዘሎ፡ ቀደም ረኣዪ ይብሃል ነበረ እሞ፡ ቀደም ኣብ እስራኤል፡ ሰብ ንኣምላኽ ኪሓትት ምስ ዚኸይድ፡ “ንዑ ናብ ረኣዪ+ ንኺድ” ይብል ነበረ።) 10 ሳኦል ድማ ነቲ ጊልያኡ፡ “ጽቡቕ ተዛሪብካ። ንዓናይ ንኺድ” በሎ። እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ናብ ዘለዋ ኸተማ ኸኣ ከዱ።

11 ንሳቶም በቲ ናብታ ኸተማ ዜደይብ ዓቐበት ኪድይቡ ኸለዉ፡ ማይ ኪወርዳ ዚወጻ ኣዋልድ ረኸቡ። ንዓታተን ድማ፡ “እቲ ረኣዪ+ ኣብዚዶ ኣሎ፧” ኢሎም ሓተትወን። 12 ንሳተን ከኣ ከምዚ ኢለን መለሳሎም፦ “እወ ኣሎ። እንሆ፡ ቀቅድሜኻ ኣሎ። እቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብቲ በሪኽ ይስውእ ስለ ዘሎ፡+ ሎሚ ናብዛ ኸተማ መጺኡ ኣሎ እሞ፡ ቀልጥፍ። 13 ናብታ ኸተማ ምስ ኣቶኹም፡ ኪበልዕ ናብቲ በሪኽ ቅድሚ ምድያቡ ኽትረኽብዎ ኢኹም። ነቲ መስዋእቲ ዚባርኾ ንሱ እዩ እሞ፡ እቲ ህዝቢ፡ ንሱ ኸይመጸ ኣይበልዕን እዩ። ድሕሪኡ፡ እቶም ዕዱማት ይበልዑ። ሕጂ ድማ፡ ቀልጢፍኩም ደይቡ እሞ፡ ክትረኽብዎ ኢኹም።” 14 ንሳቶም ከኣ ናብታ ኸተማ ደየቡ። ናብ ማእከል እታ ኸተማ ምስ መጹ፡ ሳሙኤል ናብቲ በሪኽ ንምድያብ ኪቕበሎም መጸ።

15 ሳኦል ቅድሚ ምምጻኡ ሓንቲ መዓልቲ ኣቐዲሙ፡ የሆዋ ንሳሙኤል ከምዚ ኢሉ ነጊርዎ* ነበረ፦ 16 “ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ኻብ ምድሪ ብንያም ሓደ ሰብኣይ ክሰድደልካ እየ።+ ንዕኡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኪኸውን ቅብኣዮ፣+ ንሱ ድማ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕኖ እዩ። ኣውያቶምሲ ናባይ በጺሑ እዩ፡ ጸበባ ህዝበይ ድማ ርእየ ኣለኹ።”+ 17 ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረኣዮ ኸኣ፡ የሆዋ፡ “እቲ ብዛዕባኡ፡ ‘እቲ ንህዝበይ ዜመሓድሮም* እዚ እዩ’ ዝበልኩኻ እንሆ” በሎ።+

18 ሳኦል ድማ ኣብ ማእከል እቲ ኣፍ ደገ ናብ ሳሙኤል ቀሪቡ፡ “ቤት እቲ ረኣዪ ኣበይ እያ፧ በጃኻ ንገረኒ” በሎ። 19 ሳሙኤል ከኣ ንሳኦል፡ “እቲ ረኣዪ ኣነ እየ። ቀቅድመይ ናብቲ በሪኽ ደይብ፣ ሎሚ ድማ ምሳይ ክትበልዑ ኢኹም።+ ንግሆ ኸኣ ክሰድደካ እየ፣ ክትፈልጦ እትደልዮ ዅሉ* እውን ክነግረካ እየ። 20 ብዛዕባ እተን ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ዝጠፍኣ ኣእዱግ ድማ፡+ ተረኺበን እየን እሞ፡ ብዛዕባአን ኣይትጨነቕ። ኵሉ እቲ ናይ እስራኤል ዘበለ ተባሃጊ ንመን ድዩ፧ ንዓኻን ንቤት ኣቦኻን ደይኰነን፧” ኢሉ መለሰሉ።+ 21 ሳኦል ከኣ፡ “ኣነስ ብንያማዊ፡ ካብቶም ዝነኣሱ ነገዳት እስራኤል ደይኰንኩን፧+ ዓሌተይከ እቲ ኻብ ኵሎም ዓሌታት ነገድ ብንያም ዝነኣሰ ደይኰነን፧ ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ኸምዚ ኢልካ እትዛረበኒ ዘለኻ፧” ኢሉ መለሰ።

22 ሳሙኤል ድማ ንሳኦልን ነቲ ጊልያኡን ናብቲ መመገቢ ኣዳራሽ ኣምጺኡ፡ ካብቲ ናይቶም ዕዱማት ዝበለጸ ቦታ ሃቦም፣ ኣስታት 30 ሰባት ከኣ ነበሩ። 23 ሳሙኤል ድማ ነቲ ኸሻኒ፡ “ነቲ፡ ‘በይኑ ኣንብሮ’ ኢለ ዝሃብኩኻ ግደ ኣምጽኣዮ” በሎ። 24 እቲ ኸሻኒ ኸኣ ነቲ እግርን ነቲ ኣብኡ ዝነበረን ኣልዒሉ፡ ኣብ ቅድሚ ሳኦል ኣንበሮ። ሳሙኤል ድማ፡ “እቲ እተሓዝአ ኣብ ቅድሜኻ ተነቢሩልካ ኣሎ። ‘ኣጋይሽ ዓዲመ ኣለኹ’ ስለ ዝበልክዎም፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኢሎም ንዓኻ እዮም ሓዚኦምልካ እሞ፡ ብላዕ” በለ። ሳኦል ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ሳሙኤል በልዐ። 25 ካብቲ በሪኽ ናብታ ኸተማ ምስ ወረዱ ድማ፡+ ኣብ ናሕሲ ዀይኑ ምስ ሳኦል ተዛረበ። 26 ኣንጊሆም ከኣ ተንስኡ፣ ኪወግሕ ከሎ ድማ፡ ሳሙኤል ኣብ ናሕሱ ዀይኑ ንሳኦል፡ “ከሰናብተካስ ተዳሎ” በሎ። ሳኦል ከኣ ተዳለወ፣ ንሱን ሳሙኤልን ድማ ናብ ግዳም ወጹ። 27 ናብ ወሰን እታ ኸተማ ኺወርዱ ኸለዉ፡ ሳሙኤል ንሳኦል፡ “ነዚ ጊልያ+ ኪቕድመና ንገሮ” በሎ፣ ንሱ ኸኣ ቀዲምዎም ከደ። “ንስኻ ግና፡ ቃል ኣምላኽ ከስምዓካስ፡ ሕጂ ደው በል” በሎ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ