ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ሳኦል ንዓሞናውያን ሰዓሮም (1-11)

      • ንግስና ሳኦል ተሓደሰ (12-15)

1 ሳሙኤል 11:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ውዕል ንግበር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 2:19
  • +መሳ 21:8፣ 1ሳሙ 31:11, 12

1 ሳሙኤል 11:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/1995፡ ገጽ 9-10

1 ሳሙኤል 11:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 10:26፣ 14:2

1 ሳሙኤል 11:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:9, 10፣ 6:34፣ 11:29፣ 14:5, 6፣ 1ሳሙ 10:10, 11፣ 16:13

1 ሳሙኤል 11:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ከም ሓደ ሰብ ኰይኖም።”

1 ሳሙኤል 11:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 11:3

1 ሳሙኤል 11:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ካብ ለይቲ ሰዓት 2:00 ቅ.ቀ. ኽሳዕ ወጋሕታ ሰዓት 6:00 ቅ.ቀ. ኣቢሉ ይኸውን።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 11:1

1 ሳሙኤል 11:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 10:26, 27

1 ሳሙኤል 11:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 19:22

1 ሳሙኤል 11:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 7:15, 16
  • +1ሳሙ 10:17, 24

1 ሳሙኤል 11:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 7:11
  • +1ነገ 1:39, 40፣ 2ነገ 11:12, 14፣ 1ዜና 12:39, 40

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 11:1ዘዳ 2:19
1 ሳሙ. 11:1መሳ 21:8፣ 1ሳሙ 31:11, 12
1 ሳሙ. 11:41ሳሙ 10:26፣ 14:2
1 ሳሙ. 11:6መሳ 3:9, 10፣ 6:34፣ 11:29፣ 14:5, 6፣ 1ሳሙ 10:10, 11፣ 16:13
1 ሳሙ. 11:101ሳሙ 11:3
1 ሳሙ. 11:111ሳሙ 11:1
1 ሳሙ. 11:121ሳሙ 10:26, 27
1 ሳሙ. 11:132ሳሙ 19:22
1 ሳሙ. 11:141ሳሙ 7:15, 16
1 ሳሙ. 11:141ሳሙ 10:17, 24
1 ሳሙ. 11:15ዘሌ 7:11
1 ሳሙ. 11:151ነገ 1:39, 40፣ 2ነገ 11:12, 14፣ 1ዜና 12:39, 40
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 11:1-15

1 ሳሙኤል

11 ናሓሽ እቲ ዓሞናዊ+ ድማ ደዪቡ ኣንጻር እታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ያቤሽ+ ሰፈረ። ኵሎም ሰብ ያቤሽ ከኣ ንናሓሽ፡ “ኪዳን እተወልና* እሞ፡ ክንግዝኣካ ኢና” በልዎ። 2 ናሓሽ እቲ ዓሞናዊ ድማ፡ “የማነይቲ ዓይኒ ዅልኹም ብምንቋር፡ በዚ እየ ምሳኻትኩም ኪዳን ዝኣቱ። እዚ ድማ ንዅሉ እስራኤል ከዋርድ እየ ዝገብሮ” በሎም። 3 እቶም ዓበይቲ ያቤሽ ከኣ፡ “ናብ ኵላ ሃገር እስራኤል ልኡኻት ክንሰድድሲ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ሃበና። ዜናግፈና እንተ ዘየልቦ፡ ሽዑ ንዓኻ ኢድና ኽንህብ ኢና” ኢሎም መለሱሉ። 4 እቶም ልኡኻት ድማ ናብታ ናይ ሳኦል ጊብዓ መጺኦም፡+ እቶም ህዝቢ እናሰምዑ እዚ ቓላት እዚ ተዛረቡ፣ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም በኸዩ።

5 ግናኸ፡ ሳኦል ካብ መሮር ደድሕሪ ኸብቲ ይመጽእ ነበረ፣ ሳኦል ከኣ፡ “እዚ ህዝቢ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ ስለምንታይ እዩ ዚበኪ ዘሎ፧” በለ። ንሳቶም ድማ፡ ቃላት ሰብ ያቤሽ ነገርዎ። 6 ሳኦል፡ እዚ ቓላት እዚ ምስ ሰምዐ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣኽእሎ ሃቦ እሞ፡+ ብቝጥዓ ነደደ። 7 ጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ድማ ቈራረጾም። ነዚ ኸኣ ብኢድ ልኡኻት ገይሩ ናብ ኵላ ሃገር እስራኤል ሰደዶ፣ ንሳቶም ድማ፡ “ንሳኦልን ንሳሙኤልን ዘይስዕብ ዘበለ፡ ከብቱ ኸምዚ ኺግበሩ እዮም” በሉ። ፍርሂ የሆዋ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ወደቐ እሞ፡ ብሓደ ሰሚሮም* ወጹ። 8 ንሱ ድማ ኣብ ቤዜቅ ቈጸሮም፣ 300,000 እስራኤላውያንን 30,000 ሰብ ይሁዳን ከኣ ኰኑ። 9 ነቶም ዝመጹ ልኡኻት ድማ ከምዚ በልዎም፦ “ንሰብ እታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ያቤሽ፡ ‘ጽባሕ ጸሓይ ምስ ሞቐት፡ ድሕነት ክትረኽቡ ኢኹም’ በልዎም።” እቶም ልኡኻት ከኣ መጺኦም ንሰብ ያቤሽ ነገርዎም፣ ንሳቶም ድማ ተሓጐሱ። 10 ሰብ ያቤሽ ከኣ፡ “ጽባሕ ንዓኻትኩም ኢድና ኽንህብ ኢና፣ ሽዑ፡ ጽቡቕ ዀይኑ እተራእየኩም ግበሩና” በሉ።+

11 ንጽብሒቱ፡ ሳኦል ነቲ ህዝቢ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ፣ ብግዜ ሓለዋ ንግሆ* ድማ ናብ ማእከል እቲ ሰፈር ኣትዮም መዓልቲ ኽሳዕ ዚድህር ንዓሞናውያን ወቕዕዎም።+ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ክልተ እኳ ብሓደ ኸይተረፉ ፋሕ በሉ። 12 ሽዑ፡ እቶም ህዝቢ ንሳሙኤል፡ “እቲ፡ ‘ሳኦልዶ ኣብ ልዕሌና ኺነግስ እዩ፧’ ዝበለ መን እዩ፧+ ነቶም ሰባት ኣሕሊፍኩም ሃቡና እሞ፡ ክንቀትሎም ኢና” በልዎ። 13 ሳኦል ግና፡ “ሎሚ የሆዋ ንእስራኤል ኣናጊፍዎ እዩ እሞ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ ሰብ እኳ ኣይቀተል” በለ።+

14 ሳሙኤል ከኣ ነቶም ህዝቢ፡ “ንዑ፡ ናብ ጊልጋል ንኺድ፡+ ኣብኡ ድማ ነቲ ንግስና ንሓድሶ” በሎም።+ 15 ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ናብ ጊልጋል ከዱ፣ ኣብ ጊልጋል ድማ ንሳኦል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣንገስዎ። ኣብኣ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ሕብረት ሰውኡ፣+ ሳኦልን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ድማ ብዙሕ ተሓጐሱ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ