ንኣላዪ፣ ብጊቲት። ናይ ዳዊት መዝሙር።
8 ኦ የሆዋ ጐይታና፡ ስምካስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም ኰን እዩ፣
ክብርኻ ኻብ ሰማያት ዚልዕል ጌርካዮ!+
 2 ስለ ተጻረርትኻ፡
ንጸላእን ንፈዳይ ሕነን ስቕ ንምባል፡
ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን+ ብርታዐ ሰሪትካ።
 3 ሰማያትካ፡ እቲ ግብሪ ኣጻብዕካ፡
እቲ ዘዳሎኻዮ ወርሕን ከዋኽብትን ክርኢ ኸለኹ፡+
 4 ንስኻ እትዝክሮስ፡ መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧
ወይስ እትሓልየሉ፡ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ፧+
 5 ከም ኣምላኽ ካብ ዝበሉ ቝሩብ ኣንኢስካዮ፣
ኣኽሊል ክብርን ግርማን ደፊእካሉ።
 6 ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ኣግዚእካዮ፣+
ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ፦
 7 ንዅለን መጓሰን ከብትን፡
ከምኡ ድማ ንእንስሳታት ዘገዳም፡+
 8 ንኣዕዋፍ ሰማያትን ንዓሳ ባሕርን፡
ብመገድታት ባሕርታት ንዚሓልፍ ዘበለ።
 9 ኦ የሆዋ ጐይታና፡ ስምካስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም ኰን እዩ!