ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • እቲ ማይ ኣይሂ ጐደለ (1-14)

        • ርግቢ ተሰድደት (8-12)

      • ካብ መርከብ ወጹ (15-19)

      • ኣምላኽ ንምድሪ ዝኣተወላ ቓል (20-22)

ዘፍጥረት 8:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዘከሮም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 6:19, 20፣ እብ 11:7

ዘፍጥረት 8:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተኸልከለ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 7:11, 12

ዘፍጥረት 8:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2003፡ ገጽ 5

ዘፍጥረት 8:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2013፡ ገጽ 14

    1/7/2009፡ ገጽ 13-14

    15/5/2003፡ ገጽ 5

ዘፍጥረት 8:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 7:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2013፡ ገጽ 14

    15/5/2003፡ ገጽ 5

ዘፍጥረት 8:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 6:16

ዘፍጥረት 8:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከብዲ እግራ እተዕርፈሉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 7:19

ዘፍጥረት 8:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 7:20፣ 8:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2004፡ ገጽ 31

    1/1/2004፡ ገጽ 31

ዘፍጥረት 8:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 7:6, 11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2013፡ ገጽ 14

    15/5/2003፡ ገጽ 5

ዘፍጥረት 8:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2013፡ ገጽ 14

    15/5/2003፡ ገጽ 5

ዘፍጥረት 8:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 7:7፣ 1ጴጥ 3:20፣ 2ጴጥ 2:5

ዘፍጥረት 8:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓሰኽሰኽ ኪብሉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 6:19, 20፣ 7:14, 15
  • +ዘፍ 1:22

ዘፍጥረት 8:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 6:10

ዘፍጥረት 8:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 7:13, 14

ዘፍጥረት 8:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:7
  • +ዘፍ 7:2፣ ዘሌ 20:25
  • +ዘዳ 27:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2013፡ ገጽ 15

ዘፍጥረት 8:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 6:5፣ መክ 7:20፣ ማቴ 15:19
  • +ዘፍ 3:17፣ 5:29
  • +ዘፍ 6:7, 17፣ 9:11፣ ኢሳ 54:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    6/2017፡ ገጽ 8

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2013፡ ገጽ 15

    1/11/1996፡ ገጽ 8

ዘፍጥረት 8:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 1:14፣ መዝ 74:17፣ መክ 1:4

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 8:1ዘፍ 6:19, 20፣ እብ 11:7
ዘፍ. 8:2ዘፍ 7:11, 12
ዘፍ. 8:5ዘፍ 7:20
ዘፍ. 8:6ዘፍ 6:16
ዘፍ. 8:9ዘፍ 7:19
ዘፍ. 8:11ዘፍ 7:20፣ 8:3
ዘፍ. 8:13ዘፍ 7:6, 11
ዘፍ. 8:16ዘፍ 7:7፣ 1ጴጥ 3:20፣ 2ጴጥ 2:5
ዘፍ. 8:17ዘፍ 6:19, 20፣ 7:14, 15
ዘፍ. 8:17ዘፍ 1:22
ዘፍ. 8:18ዘፍ 6:10
ዘፍ. 8:19ዘፍ 7:13, 14
ዘፍ. 8:20ዘፍ 12:7
ዘፍ. 8:20ዘፍ 7:2፣ ዘሌ 20:25
ዘፍ. 8:20ዘዳ 27:6
ዘፍ. 8:21ዘፍ 6:5፣ መክ 7:20፣ ማቴ 15:19
ዘፍ. 8:21ዘፍ 3:17፣ 5:29
ዘፍ. 8:21ዘፍ 6:7, 17፣ 9:11፣ ኢሳ 54:9
ዘፍ. 8:22ዘፍ 1:14፣ መዝ 74:17፣ መክ 1:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 8:1-22

ዘፍጥረት

8 ኣምላኽ ከኣ ንኖህን ምስኡ ኣብ መርከብ ንዝነበሩ ዅሎም እንስሳታት ዘገዳምን እንስሳታት ዘቤትን ቈላሕታ ገበረሎም፣*+ ኣምላኽ ድማ ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፡ እቲ ማያት ድማ ኪጐድል ጀመረ። 2 ዓይኒ ማያት እቲ መዓሙቝ ማይን መሳዅቲ ሰማያትን ተዓብሰ፣ እቲ ኻብ ሰማያት ዚዘንም ዝነበረ ዝናም እውን ዛረየ።*+ 3 ሽዑ፡ እቲ ማያት ካብ ምድሪ እናነከየ ኸደ። ኣብ መወዳእታ 150 መዓልቲ ኸኣ፡ እቲ ማይ ጐደለ። 4 ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 17 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ እታ መርከብ ኣብ ኣኽራን ኣራራት ዓረፈት። 5 እቲ ማያት ከኣ ክሳዕ ዓስረይቲ ወርሒ እናጐደለ ኸደ። ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኣራእስ እቲ ኣኽራን ተራእየ።+

6 ኣብ መወዳእታ እቲ 40 መዓልቲ፡ ኖህ ነቲ ኣብ መርከብ ዝሰርሖ መስኰት ከፊቱ፡+ 7 ኳዅ ሰደደ፣ ንሱ ኸኣ ማያት ካብ ምድሪ ኽሳዕ ዚነቅጽ፡ ኣብ ወጻኢ ይነፍርን ይምለስን ነበረ።

8 ጸኒሑ፡ እቲ ማያት ካብ ገጽ ምድሪ ጐዲሉ እንተ ዀይኑ ኺርኢ፡ ርግቢ ሰደደ። 9 እቲ ማያት ንገጽ ብዘላ ምድሪ ኣጐልቢብዋ ስለ ዝነበረ፡ እታ ርግቢ መዕለቢ* ስኢና ናብኡ ናብ መርከብ ተመልሰቶ።+ ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ወሰዳ፡ ናብ መርከብ ከኣ ኣእተዋ። 10 ገና ኻልእ ሸውዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ፡ ነታ ርግቢ መሊሱ ኻብ መርከብ ሰደዳ። 11 እታ ርግቢ ኣጋ ምሸት ምስ ተመልሰቶ፡ ሓድሽ እተቐንጠበ ቘጽሊ ኣውልዕ ኣብ መትኰባ ረኣየ። ሽዑ፡ ኖህ እቲ ማያት ካብ ምድሪ ኸም ዝጐደለ ፈለጠ።+ 12 ገና ኻልእ ሸውዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ፡ ነታ ርግቢ ሰደዳ፣ ድሕሪኡ ግና ኣይተመልሰቶን።

13 ኣብ መበል 601 ዓመት፡+ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ እቲ ማያት ካብ ምድሪ ነጸፈ፣ ኖህ ከኣ መኽደኒ እታ መርከብ ቀልዐ፡ ገጽ እታ ምድሪ ይነቅጽ ከም ዝነበረ ድማ ረኣየ። 14 ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 27 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ምድሪ ነቐጸት።

15 ኣምላኽ ድማ ንኖህ ከምዚ በሎ፦ 16 “ንስኻን ሰበይትኻን ደቅኻን ኣንስቲ ደቅኻን ካብ መርከብ ውጹ።+ 17 ህያው ፍጡር ዘበለ ዅሉ ስጋን+ በረርቲ ፍጡራትን እንስሳታትን ኵሎም ለመምቲ ምድርን፡ ኣብ ምድሪ ኺስስኑ፡* ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸኣ ኪፋረዩን ኪባዝሑን ምሳኻ ኣውጽኣዮም።”+

18 ሽዑ፡ ኖህ ምስ ደቁን+ ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ወጸ። 19 ኵሉ ህያው ፍጡርን ኵሉ ለማምን ኵሉ በራሪ ፍጡርን ኣብ ምድሪ ዚንቀሳቐስ ዘበለ ዅሉን ድማ በብዓሌቶም ካብ መርከብ ወጹ።+ 20 ኖህ ድማ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ፣+ ካብ ኵሉ ንጹህ እንስሳን ካብ ኵሉ ንጹህ በራሪ ፍጡርን+ ወሲዱ ኸኣ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረበ።+ 21 የሆዋ ድማ ነቲ ጥዑም ጨና ኣጫነዎ። ስለዚ፡ የሆዋ ብልቡ፡ “ዝንባለ ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ እሞ፡+ ድሕሪ ደጊም ብሰሪ ሰብ ንምድሪ ኣይክረግማን እየ፣+ ድሕሪ ደጊም እውን ከምቲ ዝገበርክዎ፡ ህያው ንዘበለ ዅሉ መሊሰ ኣይክወቅዕን እየ።+ 22 ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ምድሪ፡ ዘርእን ዓጺድን፡ ዛሕልን ዋዕን፡ ሓጋይን ክረምትን፡ መዓልትን ለይትን ኣይኬቋርጽን እዩ” በለ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ