ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መሳፍንቲ 7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

መሳፍንቲ—ትሕዝቶ

      • ጊዴዎንን 300 ሰቡን (1-8)

      • ሰራዊት ጊዴዎን ንሚድያን ሰዓሮ (9-25)

        • “ሰይፊ የሆዋን ጊዴዎንን!” (20)

        • ኣብ ሰፈር ሚድያናውያን እተፈጥረ ዕግርግር (21, 22)

መሳፍንቲ 7:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 6:11, 32

መሳፍንቲ 7:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 14:6፣ 2ዜና 14:11
  • +1ሳሙ 17:47

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2005፡ ገጽ 25-26

መሳፍንቲ 7:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 20:8

መሳፍንቲ 7:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 7:2

መሳፍንቲ 7:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 6:33

መሳፍንቲ 7:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:9, 10፣ 4:14

መሳፍንቲ 7:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣእዳውካ ኺብርትዓ እየን።”

መሳፍንቲ 7:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 6:33
  • +መሳ 6:3, 5

መሳፍንቲ 7:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 6:16

መሳፍንቲ 7:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 6:14
  • +መሳ 7:7

መሳፍንቲ 7:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 7:11

መሳፍንቲ 7:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 7:8

መሳፍንቲ 7:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ካብ ለይቲ ሰዓት 10:00 ድ.ቀ. ኽሳዕ ለይቲ ሰዓት 2:00 ቅ.ቀ. ኣቢሉ ይኸውን።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 7:8
  • +መሳ 7:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2005፡ ገጽ 16

መሳፍንቲ 7:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1997፡ ገጽ 31

መሳፍንቲ 7:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 14:25፣ 2ነገ 7:6, 7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1997፡ ገጽ 31

መሳፍንቲ 7:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 20:23
  • +1ነገ 19:16

መሳፍንቲ 7:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 6:35

መሳፍንቲ 7:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 83:11፣ ኢሳ 10:26
  • +መሳ 8:4

ሓፈሻዊ

መሳ. 7:1መሳ 6:11, 32
መሳ. 7:21ሳሙ 14:6፣ 2ዜና 14:11
መሳ. 7:21ሳሙ 17:47
መሳ. 7:3ዘዳ 20:8
መሳ. 7:7መሳ 7:2
መሳ. 7:8መሳ 6:33
መሳ. 7:9መሳ 3:9, 10፣ 4:14
መሳ. 7:12መሳ 6:33
መሳ. 7:12መሳ 6:3, 5
መሳ. 7:13መሳ 6:16
መሳ. 7:14መሳ 6:14
መሳ. 7:14መሳ 7:7
መሳ. 7:15መሳ 7:11
መሳ. 7:16መሳ 7:8
መሳ. 7:19መሳ 7:8
መሳ. 7:19መሳ 7:16
መሳ. 7:21ዘጸ 14:25፣ 2ነገ 7:6, 7
መሳ. 7:222ዜና 20:23
መሳ. 7:221ነገ 19:16
መሳ. 7:23መሳ 6:35
መሳ. 7:25መዝ 83:11፣ ኢሳ 10:26
መሳ. 7:25መሳ 8:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መሳፍንቲ 7:1-25

መሳፍንቲ

7 ሽዑ፡ የሩብበዓልን—ማለት ጊዴዎን፡+—ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኣብ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ከኣ ሰፈሩ፣ ሰፈር ሚድያን ድማ ብሰሜኑ፡ ኣብ ኵርባ ሞሬ፡ ኣብ ጐልጐል ስንጭሮ* ነበረ። 2 የሆዋ ንጊዴዎን፡ “ኣነ ንሚድያን ኣብ ኢዶም ከይህቦም፡ ምሳኻ ዘሎ ህዝቢ እምብዛ በዚሑ ኣሎ።+ እንተ ዘይኰነ፡ እስራኤል፡ ‘ኢደይ ኣድሒናትኒ’ ኢሉ ኺዕበየለይ እዩ።+ 3 ሕጂ ኸኣ በጃኻ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ፡ ‘ዚፈርህን ራዕራዕ ዚብልን ዘበለ ይመለስ’ ኢልካ ኣውጅ” በሎ።+ ሽዑ፡ ጊዴዎን ፈተኖም፣ ካብቲ ህዝቢ ድማ 22,000 ናብ ቤቶም ተመልሱ፣ 10,000 ከኣ ተረፉ።

4 የሆዋ ድማ ንጊዴዎን፡ “እዚ ህዝቢ እዚ ገና ብዙሕ እዩ። ኣብኡ ኽፍትነልካስ፡ ናብ ማይ ኣውርዶም። ‘እዚ ምሳኻ ይኺድ’ ምስ ዝብለካ፡ ንሱ ምሳኻ ይኺድ፣ ‘እዚ ምሳኻ ኣይኺድ’ ምስ ዝብለካ ኸኣ፡ ንሱ ኣይኺድ” በሎ። 5 ሽዑ፡ ንሱ ነቲ ህዝቢ ናብ ማይ ኣውረዶ።

የሆዋ ድማ ንጊዴዎን፡ “ንዅሉ እቲ ኸም ዚሽርብጥ ከልቢ ብልሳኑ ማይ እናሸርበጠ ዚሰቲ፡ ካብ ኵሉ እቲ ብብርኩ ተምበርኪኹ ዚሰቲ ፍለዮ” በሎ። 6 ቍጽሪ እቶም ኢዶም ናብ ኣፎም ብምምላስ እናሸርበጡ ዝሰትዩ ኸኣ፡ 300 ዀነ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና፡ ማይ ኪሰትዩ ብብርኮም ተምበርከኹ።

7 የሆዋ ድማ ንጊዴዎን፡ “በቶም ማይ እናሸርበጡ ዝሰተዩ 300 ሰብኡት ከድሕነኩም እየ፣ ንሚድያን ከኣ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ።+ እቲ ዝተረፈ ዅሉ ህዝቢ ግና፡ ነናብ ቦታኡ ይመለስ” በሎ። 8 ሽዑ፡ ካብቶም ህዝቢ ስንቅን መለኸትን ምስ ወሰዱ፡ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ነናብ ቤቶም ሰደዶም፣ ነቶም 300 ሰብኡት ጥራይ ምስኡ ኣትረፎም። ሰፈር ሚድያን ድማ ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ ጐልጐል ስንጭሮ ነበረ።+

9 በታ ለይቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ነቲ ሰፈር ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ተንሲእካ ኣጥቅዓዮ።+ 10 ንምጥቃዑ እንተ ፈሪህካ ግና፡ ምስ ጊልያኻ ጱራ ናብቲ ሰፈር ውረድ። 11 እቲ ዚዛረብዎ ድማ ስማዕ፣ ድሕሪኡ ኸኣ፡ ነቲ ሰፈር ንምጥቃዑ ኽትተብዕ ኢኻ።”* ሽዑ፡ ንሱን ጊልያኡ ጱራን ናብ ወሰን እቲ ዝሰፈረ ሰራዊት ወረዱ።

12 ሚድያንን ኣማሌቅን ኵሎም ደቂ ምብራቕን ድማ፡+ ከም ዕስለ ኣንበጣ ነቲ ጐልጐል ስንጭሮ ሸፊኖምዎ ነበሩ፣ ኣግማሎም ከኣ ቍጽሪ ዘይብለን፡+ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሐን ነበራ። 13 ጊዴዎን ድማ መጸ፣ ሓደ ሰብ ከኣ ንብጻዩ ሕልሚ ይነግሮ ነበረ፣ “እዚ ሕልሚ እዚ ሓሊመ። ጎጎ ስገም ናብ ሰፈር ሚድያን ኣንከራረወ። ናብ ድንኳን መጺኡ ኣበርቲዑ ስለ ዝወቕዖ ድማ፡ ወደቐ።+ እወ፡ ነቲ ድንኳን ገልበጦ፡ እቲ ድንኳን ከኣ ወደቐ” ድማ በሎ። 14 እቲ ብጻዩ ኸኣ፡ “እዚ ሰይፊ ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ፡ እቲ ናይ እስራኤል ሰብ፡ ጥራይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል።+ ኣምላኽ ንሚድያንን ንዅሉ ሰፈርን ኣብ ኢዱ ሂብዎ ኣሎ” በሎ።+

15 ጊዴዎን ከኣ፡ እቲ ሕልምን ትርጉሙን ኪንገር ከሎ ምስ ሰምዐ፡+ ሰገደ። ድሕርዚ፡ ናብ ሰፈር እስራኤል ተመሊሱ፡ “የሆዋ ንሰፈር ሚድያን ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም ኣሎ እሞ፡ ተንስኡ” በለ። 16 ነቶም 300 ሰብኡት ድማ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎም፡ ኣብ ኢድ ኵላቶም ከኣ መለኸትን+ ጥራዩ ዕትሮን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓታሩ ድማ ፋናታት ሃቦም። 17 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “ንዓይ ርኣዩኒ እሞ፡ ልክዕ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ግበሩ። ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በጻሕኩ፡ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ግበሩ። 18 ኣነ ምስ ኵሎም እቶም ምሳይ ዘለዉ ዀይነ መለኸት ምስ ነፋሕኩ፡ ንስኻትኩም እውን ኣብ ኵሉ ዙርያ እቲ ሰፈር መለኸት ንፍሑ፣ ‘ንየሆዋን ንጊዴዎንን!’ ኢልኩም ድማ ጨድሩ።”

19 ኣብ መጀመርታ ሓለዋ ፍርቂ ለይቲ፡* ዘብዐኛታት ምስ ተለወጡ፡ ብኡብኡ ጊዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ 100 ሰብኡትን ናብቲ ወሰን ሰፈር መጹ። መለኸት ከኣ ነፍሑ፡+ ነቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝነበረ ዓታሩ እውን ሓምሸሽዎ።+ 20 ሰለስቲኦም ጭፍራ ድማ መለኸቶም ነፍሑ፡ ነቲ ዓታሩ እውን ሰባበርዎ። ብጸጋመይቲ ኢዶም ፋናታት ሒዞም፡ ብየማነይቲ ኢዶም መለኸት ነፍሑ እሞ፡ “ሰይፊ የሆዋን ጊዴዎንን!” ኢሎም ጨደሩ። 21 ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ኣብ በቦታኡ ቘመ፣ ብዘሎ እቲ ሰራዊት ከኣ ጐየየ፡ እናጨርሐ እውን ሃደመ።+ 22 እቶም 300 ድማ መለኸት ነፍሑ፣ የሆዋ ኸኣ ኣብ ብዘሎ እቲ ሰፈር ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ብጻዩ ገበሮ።+ እቲ ሰራዊት ድማ ናብ ጸረራ ኣቢሉ ኽሳብ ቤት-ሺጣ፡ ክሳብ እቲ ጥቓ ጣባት ዘሎ ወሰን ኣቤል-መሖላ+ ሃደመ።

23 ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ንፍታሌምን ካብ ኣሴርን ካብ ኵሉ ምናሴን ተጸዋዊዖም ተኣከቡ እሞ፡+ ንሚድያን ሰጐጕዎ። 24 ጊዴዎን ድማ፡ “ንሚድያን ከተጥቅዕዎ ውረዱ፣ ነቲ ማያት ከኣ ክሳብ ቤት-ባራን ዮርዳኖስን ሓዝዎ” ኢሉ ናብ ኵሉ ኣኽራን ኤፍሬም ልኡኻት ለኣኸ። ሽዑ፡ ኵሎም ሰብ ኤፍሬም ተኣኪቦም፡ ነቲ ማያት ክሳብ ቤት-ባራን ዮርዳኖስን ሓዝዎ። 25 ንኽልቲኦም መሳፍንቲ ሚድያን፡ ማለት ንዖሬብን ንዝኤብን ከኣ ሓዝዎም፣ ንዖሬብ ኣብ ከውሒ ዖሬብ ቀተልዎ፡+ ንዝኤብ እውን ኣብ መጽመቝ ወይኒ ዝኤብ ቀተልዎ። ንሚድያን ከኣ ሰጐጕዎ፣+ ኣራእስ ዖሬብን ዝኤብን ድማ ናብ ጊዴዎን፡ ናብ ዞባ ዮርዳኖስ ኣምጽኡ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ