ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 24
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ዳዊት ንህዝቢ ብምቝጻሩ ዝፈጸሞ ሓጢኣት (1-14)

      • ብለበዳ 70,000 ሞቱ (15-17)

      • ዳዊት መሰውኢ ሰርሐ (18-25)

        • ‘ዋጋ ዘይተኸፍለሉ መስዋእቲ ኣየቕርብን’ (24)

2 ሳሙኤል 24:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዳዊት ምስ ተለዓዓለ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 27:23, 24
  • +1ዜና 21:1-3
  • +2ሳሙ 21:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2005፡ ገጽ 19

2 ሳሙኤል 24:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:16፣ 20:23
  • +መሳ 20:1

2 ሳሙኤል 24:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 1:2፣ 1ዜና 21:4

2 ሳሙኤል 24:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብደቡብ።”

  • *

    ወይ፡ “ርባ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 2:36፣ እያ 13:8, 9
  • +ዘሁ 32:34, 35

2 ሳሙኤል 24:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 32:40
  • +ዘፍ 10:15፣ 49:13፣ እያ 11:8

2 ሳሙኤል 24:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:24, 29
  • +እያ 11:19
  • +እያ 15:1
  • +ዘፍ 21:31፣ እያ 15:21, 28

2 ሳሙኤል 24:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 2:32፣ 26:51፣ 1ዜና 21:5, 6፣ 27:23

2 ሳሙኤል 24:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሕልናኡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:5፣ ሮሜ 2:15
  • +2ሳሙ 12:13
  • +1ዜና 21:8-13
  • +መዝ 130:3፣ ሆሴ 14:2፣ 1ዮሃ 1:9

2 ሳሙኤል 24:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 22:5፣ 1ዜና 29:29

2 ሳሙኤል 24:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 3:12

2 ሳሙኤል 24:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:18, 20፣ 2ሳሙ 21:1
  • +ዘሌ 26:14, 17
  • +ዘሌ 26:16

2 ሳሙኤል 24:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 103:8፣ 119:156
  • +እብ 12:6
  • +2ዜና 28:1, 5

2 ሳሙኤል 24:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 16:46፣ 1ዜና 27:24
  • +2ሳሙ 24:2
  • +1ዜና 21:14, 15

2 ሳሙኤል 24:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጐሃየ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 78:38፣ ኤር 26:19፣ ዮኤ 2:13
  • +2ዜና 3:1
  • +ዘፍ 10:15, 16፣ እያ 15:8

2 ሳሙኤል 24:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 95:7
  • +1ዜና 21:16, 17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2005፡ ገጽ 19

2 ሳሙኤል 24:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 21:18-23፣ 2ዜና 3:1

2 ሳሙኤል 24:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 16:46, 47፣ 25:8፣ 2ሳሙ 24:15

2 ሳሙኤል 24:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ጽቡቕ ዝዀነ።”

2 ሳሙኤል 24:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 21:24-28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    7/2022፡ ገጽ 7

2 ሳሙኤል 24:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:25፣ 1ዜና 22:1
  • +2ሳሙ 21:14፣ 2ዜና 33:13

ሓፈሻዊ

2 ሳሙ. 24:11ዜና 27:23, 24
2 ሳሙ. 24:11ዜና 21:1-3
2 ሳሙ. 24:12ሳሙ 21:1
2 ሳሙ. 24:22ሳሙ 8:16፣ 20:23
2 ሳሙ. 24:2መሳ 20:1
2 ሳሙ. 24:4ዘሁ 1:2፣ 1ዜና 21:4
2 ሳሙ. 24:5ዘዳ 2:36፣ እያ 13:8, 9
2 ሳሙ. 24:5ዘሁ 32:34, 35
2 ሳሙ. 24:6ዘሁ 32:40
2 ሳሙ. 24:6ዘፍ 10:15፣ 49:13፣ እያ 11:8
2 ሳሙ. 24:7እያ 19:24, 29
2 ሳሙ. 24:7እያ 11:19
2 ሳሙ. 24:7እያ 15:1
2 ሳሙ. 24:7ዘፍ 21:31፣ እያ 15:21, 28
2 ሳሙ. 24:9ዘሁ 2:32፣ 26:51፣ 1ዜና 21:5, 6፣ 27:23
2 ሳሙ. 24:101ሳሙ 24:5፣ ሮሜ 2:15
2 ሳሙ. 24:102ሳሙ 12:13
2 ሳሙ. 24:101ዜና 21:8-13
2 ሳሙ. 24:10መዝ 130:3፣ ሆሴ 14:2፣ 1ዮሃ 1:9
2 ሳሙ. 24:111ሳሙ 22:5፣ 1ዜና 29:29
2 ሳሙ. 24:12ምሳ 3:12
2 ሳሙ. 24:13ዘሌ 26:18, 20፣ 2ሳሙ 21:1
2 ሳሙ. 24:13ዘሌ 26:14, 17
2 ሳሙ. 24:13ዘሌ 26:16
2 ሳሙ. 24:14መዝ 103:8፣ 119:156
2 ሳሙ. 24:14እብ 12:6
2 ሳሙ. 24:142ዜና 28:1, 5
2 ሳሙ. 24:15ዘሁ 16:46፣ 1ዜና 27:24
2 ሳሙ. 24:152ሳሙ 24:2
2 ሳሙ. 24:151ዜና 21:14, 15
2 ሳሙ. 24:16መዝ 78:38፣ ኤር 26:19፣ ዮኤ 2:13
2 ሳሙ. 24:162ዜና 3:1
2 ሳሙ. 24:16ዘፍ 10:15, 16፣ እያ 15:8
2 ሳሙ. 24:17መዝ 95:7
2 ሳሙ. 24:171ዜና 21:16, 17
2 ሳሙ. 24:181ዜና 21:18-23፣ 2ዜና 3:1
2 ሳሙ. 24:21ዘሁ 16:46, 47፣ 25:8፣ 2ሳሙ 24:15
2 ሳሙ. 24:241ዜና 21:24-28
2 ሳሙ. 24:25ዘጸ 20:25፣ 1ዜና 22:1
2 ሳሙ. 24:252ሳሙ 21:14፣ 2ዜና 33:13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ሳሙኤል 24:1-25

2 ሳሙኤል

24 ሓደ ኸኣ ንዳዊት፡ “ኪድ እሞ፡ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቍጸሮም”+ ኢሉ ኣንጻሮም ምስ ኣለዓዓሎ፡*+ ቍጥዓ የሆዋ መሊሱ ኣብ እስራኤል ነደደ።+ 2 ንጉስ ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ዮኣብ+ እቲ ሓለቓ ሰራዊት፡ “ቍጽሪ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ በጃኻ፡ ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፡ ካብ ዳን ክሳብ ብኤር-ሸባዕ+ ዜርካ ነቲ ህዝቢ መዝግቦ” በሎ። 3 ዮኣብ ግና ንንጉስ፡ “የሆዋ ኣምላኽካ ነቲ ህዝቢ ሚእቲ ሳዕ የብዝሓዮ፡ ኣዒንቲ ጐይታይ ንጉስ ከኣ ይርኣያኦ፣ ግናኸ፡ ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጉስ ከምዚ ኺገብር ደልዩ፧” በሎ።

4 ቃል ንጉስ ግና ንዮኣብን ንኣሕሉቕ ሰራዊትን ሰዓሮም። ዮኣብን እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ከኣ ንህዝቢ እስራኤል ኪምዝግቡ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ወጹ።+ 5 ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ ኣብ ዓሮዔር፡+ ብየማን* እታ ኸተማ ኣብ ማእከል እቲ ስንጭሮ* ሰፈሩ፣ ናብ ጋዳውያን፡ ናብ ያዕዜር+ ኣቢሎም እውን ከዱ። 6 ድሕርዚ፡ ናብ ጊልዓድን+ ናብ ምድሪ ታሕቲም-ሖድሺን ከዱ፣ ናብ ዳን-ያዓን መጺኦም ድማ፡ ናብ ሲዶን+ ኣቢሎም ዞሩ። 7 ናብ ዕርዲ ጢሮስን+ ናብ ኵለን ከተማታት ሒዋውያንን+ ከነኣናውያንን ከኣ ከዱ፣ ኣብ ነጌብ+ ናይ ይሁዳ ኣብ ብኤር-ሸባዕ+ ድማ ዛዘሙ። 8 በዚ ኸምዚ፡ ንዅላ እታ ምድሪ ዞይሮም ኣብ መወዳእታ ትሽዓተ ወርሕን 20 መዓልትን ናብ የሩሳሌም መጹ። 9 ዮኣብ ከኣ ቍጽሪ እቶም እተመዝገቡ ህዝቢ ንንጉስ ሃቦ። እስራኤል ድማ ሰይፊ እተዓጥቁ 800,000 ተዋጋእቲ ዀኑ፣ ሰብ ይሁዳ ኸኣ 500,000 ኰኑ።+

10 ዳዊት ግና ነቲ ህዝቢ ምስ ቈጸሮ፡ ልቡ* ብጣዕሳ ወቕዖ።+ ዳዊት ድማ ንየሆዋ፡ “እዚ ብምግባረይ ብዙሕ ሓጢአ እየ።+ ብዙሕ ከኣ ዓሽየ እየ እሞ፡+ ሕጂ ድማ ኦ የሆዋ፡ በጃኻ፡ ንስሕተት ጊልያኻ ይቕረ በል”+ በሎ። 11 ዳዊት ንግሆ ምስ ተንስአ ኸኣ፡ ቃል የሆዋ ናብ ነብዪ ጋድ፡+ ናይ ዳዊት ብዓል ራእይ፡ መጺኡ ኸምዚ በሎ፦ 12 “ኪድ እሞ ንዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሰለስተ ኣማራጺ እህበካ ኣለኹ። ኣብ ልዕሌኻ ኸምጽኦስ፡ ሓዲኡ ሕረ።”’”+ 13 ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ “ኣብ ምድርኻ ሸውዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጸካዶ፧+ ወይ ሰለስተ ወርሒ ተጻረርትኻ እናሰጐጉኻ ኻብ ቅድሚኦም ክትሃድምዶ፧+ ወይ ኣብ ምድርኻ ሰለስተ መዓልቲ ለበዳ ኪኸውንዶ፧+ ሕጂ ነቲ ዝለኣኸኒ እንታይ ኢለ ኸም ዝምልሰሉ ተጠንቂቕካ ሕሰብ” ኢሉ ነገሮ። 14 ዳዊት ከኣ ንጋድ፡ “ኣዝዩ ጨኒቑኒ ኣሎ። ግናኸ፡ ምሕረቱ ዓብዪ እዩ እሞ፡+ ኣብ ኢድ የሆዋ ደኣ ንውደቕ እምበር፡+ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይውደቕ”+ በሎ።

15 ሽዑ፡ የሆዋ ኻብ ንግሆ ኣትሒዙ ኽሳዕ እታ ምድብቲ ግዜ ናብ እስራኤል ለበዳ ሰደደ፣+ ካብቲ ህዝቢ ድማ፡ ካብ ዳን ክሳብ ብኤር-ሸባዕ፡+ 70,000 ሰባት ሞቱ።+ 16 እቲ መልኣኽ ንየሩሳሌም ኬጥፍኣ ኢሉ ኢዱ ምስ ዘርግሐ፡ የሆዋ በቲ መዓት ተጣዕሰ፣*+ ነቲ ንህዝቢ ዜጥፍእ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ “ይኣክል! ሕጂ ኢድካ ኣውርዳ” በሎ። መልኣኽ የሆዋ ድማ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኣራውና+ እቲ ይቡሳዊ+ ነበረ።

17 ዳዊት ነቲ ንህዝቢ ዚወቅዕ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ረኣዮ፡ ንየሆዋ፡ “ኣነ እየ ሓጢአ፡ ኣነ እየ በዲለ፣ እዘን ኣባጊዕ+ እዚአን ግና እንታይ ገይረን፧ በጃኻ፡ ኢድካ ኣንጻረይን ኣንጻር ቤት ኣቦይን ትኹን” በሎ።+

18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጋድ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ “ደይብ እሞ፡ ኣብ ዓውዲ ኣራውና እቲ ይቡሳዊ ንየሆዋ መሰውኢ ኣቝም” በሎ።+ 19 ዳዊት ከኣ ከም ቃል ጋድ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ደየበ። 20 ኣራውና ድማ ኣንቈልቊሉ ጠሚቱ፡ ንጉስን ገላዉኡን ናብኡ ኺመጹ ምስ ረኣየ፡ ብኡብኡ ኣራውና ወጺኡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ንንጉስ ሰገደሉ። 21 ኣራውና ኸኣ፡ “ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጉስ ናብ ጊልያኡ መጺኡ፧” ኢሉ ሓተቶ። ዳዊት ድማ፡ “እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝመጸ መቕዘፍቲ ደው ምእንቲ ኺብል፡ ንየሆዋ መሰውኢ ኽሰርሓሉስ፡ ነዚ ዓውዲ እዚ ኻባኻ ኽዕድጎ” ኢሉ መለሰሉ።+ 22 ኣራውና ኸኣ ንዳዊት፡ “ጐይታይ ንጉስ ይውሰዶ፡ ጽቡቕ ዝመሰሎ* ድማ የቕርበሉ። ንዚሓርር መስዋእቲ ዚዀኑ ኸብቲ፡ ንዕንጨይቲ ዚኸውን ድማ እቲ መኼድን እቲ ናውቲ እቶም ከብትን እንሆ። 23 ኦ ንጉስ፡ እዚ ዅሉ፡ ኣራውና ንንጉስ ሂብዎ እዩ” በሎ። ኣራውና ኸኣ ንንጉስ፡ “የሆዋ ኣምላኽካ ሞገስ የርኢኻ” በሎ።

24 ንጉስ ግና ንኣራውና፡ “ኣይፋልን፡ ብዋጋ ደኣ እየ ኻባኻ ዝዕድጎ። ዋጋ ብዘይከፈልኩሉስ ንየሆዋ ኣምላኸይ ዚሓርር መስዋእቲ ኣየቕርበሉን እየ” በሎ። ዳዊት ድማ ነቲ ዓውድን ነቶም ከብትን ብ50 ሲቃል* ብሩር ዓደጎም።+ 25 ዳዊት ከኣ ኣብኡ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ፣+ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን እውን ኣቕረበ። የሆዋ ኸኣ ንልማኖ እታ ምድሪ መለሰ፡+ እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝመጸ መቕዘፍቲ ኸኣ ደው በለ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ