ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 32
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • መላእኽቲ ንያእቆብ ረኸብዎ (1, 2)

      • ያእቆብ ንኤሳው ኪረኽቦ ተዳለወ (3-23)

      • ያእቆብ ምስ መልኣኽ ተቓለሰ (24-32)

        • ያእቆብ፡ እስራኤል ተባህለ (28)

ዘፍጥረት 32:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ክልተ ሰፈር።”

ዘፍጥረት 32:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መሮር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:39፣ 36:8፣ ዘዳ 2:5፣ እያ 24:4
  • +ዘፍ 25:30

ዘፍጥረት 32:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ስደተኛ ዀይነ ተቐሚጠ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 31:41

ዘፍጥረት 32:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 30:43፣ 33:11

ዘፍጥረት 32:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 33:1, 2

ዘፍጥረት 32:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:41፣ 32:11

ዘፍጥረት 32:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 31:3, 13

ዘፍጥረት 32:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 28:15፣ መዝ 100:5
  • +ዘፍ 28:10፣ 30:43፣ 32:7

ዘፍጥረት 32:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:41
  • +መዝ 34:4

ዘፍጥረት 32:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 28:14፣ 46:2, 3፣ ዘጸ 1:7፣ 32:13፣ ግብ 7:17

ዘፍጥረት 32:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 33:10

ዘፍጥረት 32:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 30:43

ዘፍጥረት 32:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 33:8

ዘፍጥረት 32:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 43:11፣ 1ሳሙ 25:18

ዘፍጥረት 32:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 29:30፣ ሩት 4:11
  • +ዘፍ 30:3, 9
  • +ዘዳ 3:16፣ እያ 12:2፣ መሳ 11:13

ዘፍጥረት 32:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 12:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2003፡ ገጽ 25

ዘፍጥረት 32:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 32:31, 32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 4/2020፡ ገጽ 3

ዘፍጥረት 32:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 12:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2002፡ ገጽ 29

ዘፍጥረት 32:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ምስ ኣምላኽ ተቓላሲ (ተጻዋሪ)፣” ወይ፡ “ኣምላኽ ይቃለስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 12:3
  • +ዘፍ 35:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2003፡ ገጽ 25

ዘፍጥረት 32:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 13:17, 18

ዘፍጥረት 32:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይ።”

  • *

    ትርጉሙ፡ “ገጽ ኣምላኽ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 16:7, 13፣ መሳ 6:22፣ ዮሃ 1:18
  • +1ነገ 12:25

ዘፍጥረት 32:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንጰኒኤል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 32:25

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 32:3ዘፍ 27:39፣ 36:8፣ ዘዳ 2:5፣ እያ 24:4
ዘፍ. 32:3ዘፍ 25:30
ዘፍ. 32:4ዘፍ 31:41
ዘፍ. 32:5ዘፍ 30:43፣ 33:11
ዘፍ. 32:6ዘፍ 33:1, 2
ዘፍ. 32:7ዘፍ 27:41፣ 32:11
ዘፍ. 32:9ዘፍ 31:3, 13
ዘፍ. 32:10ዘፍ 28:15፣ መዝ 100:5
ዘፍ. 32:10ዘፍ 28:10፣ 30:43፣ 32:7
ዘፍ. 32:11ዘፍ 27:41
ዘፍ. 32:11መዝ 34:4
ዘፍ. 32:12ዘፍ 28:14፣ 46:2, 3፣ ዘጸ 1:7፣ 32:13፣ ግብ 7:17
ዘፍ. 32:13ዘፍ 33:10
ዘፍ. 32:15ዘፍ 30:43
ዘፍ. 32:18ዘፍ 33:8
ዘፍ. 32:20ዘፍ 43:11፣ 1ሳሙ 25:18
ዘፍ. 32:22ዘፍ 29:30፣ ሩት 4:11
ዘፍ. 32:22ዘፍ 30:3, 9
ዘፍ. 32:22ዘዳ 3:16፣ እያ 12:2፣ መሳ 11:13
ዘፍ. 32:24ሆሴ 12:3
ዘፍ. 32:25ዘፍ 32:31, 32
ዘፍ. 32:26ሆሴ 12:4
ዘፍ. 32:28ሆሴ 12:3
ዘፍ. 32:28ዘፍ 35:10
ዘፍ. 32:29መሳ 13:17, 18
ዘፍ. 32:30ዘፍ 16:7, 13፣ መሳ 6:22፣ ዮሃ 1:18
ዘፍ. 32:301ነገ 12:25
ዘፍ. 32:31ዘፍ 32:25
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 32:1-32

ዘፍጥረት

32 ያእቆብ ድማ መገዱ ኸደ፣ መላእኽቲ ኣምላኽ ከኣ ተጓነፍዎ። 2 ያእቆብ ርእይ ምስ ኣበሎም፡ “እዚ ሰፈር ሰራዊት ኣምላኽ እዩ” በለ። ስለዚ፡ እታ ቦታ እቲኣ ማሓናዪም* ተባህለት።

3 ሽዑ፡ ያእቆብ ናብ ሓዉ ኤሳው፡ ናብ ምድሪ ሰዒር፡+ ናብ ምድሪ* ኤዶም+ ቀቅድሚኡ ልኡኻት ለኣኸ፣ 4 ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፦ “ንጐይታይ ኤሳው ከምዚ በልዎ፦ ‘ጊልያኻ ያእቆብ ከምዚ ይብል፦ “ምስ ላባን ክሳዕ ሕጂ ንነዊሕ ግዜ ተቐሚጠ* ነበርኩ።+ 5 ኣብዑርን ኣእዱግን ኣባጊዕን ገላዉን ኣግራድን ከኣ ኣጥረኹ፣+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ምእንቲ ኽረክብ ድማ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ንጐይታይ ክነግር ለኣኽኩ።”’”

6 እቶም ልኡኻት ከኣ ናብ ያእቆብ ተመሊሶም፡ “ንኤሳው ሓውካ ረኺብናዮ፣ ንሱ ኸኣ ኪቀባበለካ ይመጽእ ኣሎ፣ ምስኡ እውን 400 ሰብኡት ኣለዉ” በልዎ።+ 7 ያእቆብ ከኣ ኣዝዩ ፈርሀ፡ ተጨነቐ እውን።+ ስለዚ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ጤለ በጊዕን ከብትን ኣግማልን ኣብ ክልተ ሰፈር መቐለ። 8 “ኤሳው ነዚ ሓደ ሰፈር እንተ ኣጥቂዕዎ፡ እቲ ኻልእ ሰፈር ኬምልጥ ይኽእል” ከኣ በለ።

9 ድሕርዚ፡ ያእቆብ ከምዚ በለ፦ “ኦ ኣምላኽ ኣቦይ ኣብርሃምን ኣምላኽ ኣቦይ ይስሃቅን፡ ኣታ፡ ‘ናብ ምድርኻን ናብ ኣዝማድካን ተመለስ፡ ኣነ ድማ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ’ ዝበልካኒ የሆዋ፡+ 10 እዚ ንጊልያኻ ጌርካዮ ዘለኻ ዅሉ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ኵሉ ተኣማንነትን ዘይግብኣኒ እዩ።+ ከመይሲ፡ ነዛ ዮርዳኖስ እዚኣ በትረይ ጥራይ ሒዘ እየ እተሳገርክዋ፡ ሕጂ ግና ክልተ ሰፈር ኰይነ ኣለኹ።+ 11 መጺኡ ኸየጥቅዓኒ፡+ ንኣዴታትን ንደቀንን ከኣ ከየጥቅዕ እፈርሆ ኣለኹ እሞ፡ በጃኻ ኻብ ኢድ ሓወይ ኤሳው ኣናግፈኒ።+ 12 ‘ብርግጽ ጽቡቕ ክገብረልካ፡ ንዘርእኻ እውን ከምቲ ኻብ ብዝሑ እተላዕለ ዘይቍጸር ሑጻ ባሕሪ ኽገብሮ እየ’ ድማ ኢልካ ኢኻ።”+

13 በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ኣብኣ ሓደረ። ካብቲ ጥሪቱ ድማ፡ ንሓዉ ኤሳው ህያብ ወሰደ፦+ 14 200 ጤልን 20 ድቤላን፡ 200 በጊዕን 20 ድዑልን፡ 15 30 እተጥቡ ገመል መምስ ውላደን፡ 40 ላምን 10 ዝራብዕን፡ 20 ኣንስተይቲ ኣድግን 10 ተባዕታይ ኣድግን ሃቦ።+

16 ነዚኣተን ከኣ በብመጋርያ ኸፋፊሉ ንገላዉኡ ሃቦም፣ ንገላዉኡ ድማ፡ “ቀቅድመይ ስገሩ፡ መጋርያ ኻብ መጋርያ ኸኣ ኣረሓሕቑ” በሎም። 17 ነቲ ቐዳማይ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ሓወይ ኤሳው እንተ ተጓኒፉካ እሞ፡ ‘ናይ መን ኢኻ፧ ናበይከ ትኸይድ ኣለኻ፧ እዘን ቀቅድሜኻ ዘለዋኸ ናይ መን እየን፧’ ኢሉ እንተ ሓቲቱካ፡ 18 ‘ናይ ጊልያኻ ያእቆብ እየን። ንጐይታይ ኤሳው ዝሰደደን ህያብ እየን።+ እንሆ፡ ንሱ ብድሕሬና ኣሎ’ በሎ።” 19 ነቲ ኻልኣይን ነቲ ሳልሳይን ንዅሎም እቶም መጓሰ ዚኽብክቡን እውን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ንኤሳው ምስ ረኸብኩምዎ፡ ከምዚ ዘረባ እዚ ተዛረብዎ። 20 ‘እንሆ፡ ጊልያኻ ያእቆብ ብድሕሬና ኣሎ’ እውን በልዎ።” ከመይሲ፡ ‘ቀቅድመይ ህያብ ብምልኣኽ እንተ ኣዝሒለዮ፡+ ድሕሪኡ ምስ ረኣኽዎ ብጽቡቕ ይቕበለኒ ይኸውን’ ኢሉ ነበረ። 21 ስለዚ፡ እቲ ህያብ ቀቅድሚኡ ሰገረ፣ ንሱ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ሓደረ።

22 በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ተንሲኡ ኽልቲአን ኣንስቱን+ ክልቲአን ኣግራዱን+ 11 ደቁን ወሲዱ፡ መሳገሪ ያቦቅ ተሳገረ።+ 23 ወሲዱ ኸኣ፡ ርባ ኣሳገሮም፣ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣሳገረ።

24 ያእቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሽዑ፡ ሓደ ሰብኣይ ክሳዕ ዚወግሕ ተቓለሶ።+ 25 ኬሕምቖ ኸም ዘይክእል ምስ ረኣየ፡ መላግቦ ምሕኵልቱ ተንከዮ፣ ኪቃለሶ ኸሎ ኸኣ፡ መላግቦ ምሕኵልቲ ያእቆብ መለቘ።+ 26 ድሕርዚ፡ “ይወግሕ ኣሎ እሞ፡ ሕደገኒ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ከይባረኽካንስ ኣይሓድገካን እየ” በለ።+ 27 ሽዑ፡ ንሱ፡ “መን እዩ ስምካ፧” በሎ፣ ንሱ ድማ፡ “ያእቆብ” በለ። 28 ንሱ ኸኣ፡ “ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ተቓሊስካ፡+ ኣሕሚቕካ ኢኻ እሞ፡ ደጊም ስምካ እስራኤል* ደኣ እምበር፡ ያእቆብ ኣይብሃልን” በሎ።+ 29 ያእቆብ ድማ፡ “በጃኻ ስምካ ንገረኒ” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ግና፡ “ስለምንታይ ብዛዕባ ስመይ ትሓትት፧” በለ።+ ኣብኡ ኸኣ ባረኾ። 30 ያእቆብ ድማ፡ “ንኣምላኽ ገጽ ንገጽ ርእየዮ ኽነሰይሲ፡ ህይወተይ* ድሒና”+ ኢሉ ስም እታ ቦታ እቲኣ ጰኒኤል* ኣውጽኣላ።+

31 ንጰኑኤል* ምስ ሓለፈ፡ ጸሓይ በረቐቶ፣ ንሱ ግና ብምኽንያት ምሕኵልቱ ይሕንክስ ነበረ።+ 32 ነቲ ምስ ጅማት ሰለፍ ዘሎ መላግቦ ምሕኵልቲ ያእቆብ ስለ ዝተንከዮ፡ ስለዚ ደቂ እስራኤል ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነቲ ኣብ መላግቦ ምሕኵልቲ ዚርከብ ጅማት ሰለፍ ኣይበልዑን እዮም።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ