ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መሃልየ መሃልይ 4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

መሃልየ መሃልይ—ትሕዝቶ

    • እታ ሹላማዊት ኣብ የሩሳሌም (3:6–8:4)

መሃልየ መሃልይ 4:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 32:1፣ ዘዳ 3:12፣ መሃ 6:5-7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2006፡ ገጽ 19

መሃልየ መሃልይ 4:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መታልሕኪ።”

መሃልየ መሃልይ 4:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 1:10
  • +2ሳሙ 8:7፣ 2ነገ 11:10
  • +ነህ 3:25፣ መሃ 7:4

መሃልየ መሃልይ 4:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 7:3

መሃልየ መሃልይ 4:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዓልቲ ኽሳዕ ፍሽፍሽ ዚብል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መክ 2:5

መሃልየ መሃልይ 4:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 4:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2015፡ ገጽ 30

    15/11/2006፡ ገጽ 20

መሃልየ መሃልይ 4:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መንጽር ሊባኖስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 3:25
  • +ዘዳ 3:8, 9፣ መዝ 133:3

መሃልየ መሃልይ 4:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 5:18, 19

መሃልየ መሃልይ 4:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 7:12
  • +መሃ 1:2, 4
  • +ኣስ 2:12፣ መሃ 1:12

መሃልየ መሃልይ 4:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 16:24
  • +መሃ 5:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2015፡ ገጽ 30

    15/11/2006፡ ገጽ 19

መሃልየ መሃልይ 4:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2015፡ ገጽ 32

    15/11/2006፡ ገጽ 20

    1/11/2000፡ ገጽ 11-12

መሃልየ መሃልይ 4:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቈርበትኪ” ኪኸውን ይኽእል።

  • *

    ወይ፡ “ስፍራ ኣታኽልቲ።”

መሃልየ መሃልይ 4:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ምዑዝ ሻምብቆ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 12:3
  • +ኢሳ 43:24
  • +ምሳ 7:17
  • +መዝ 45:8
  • +ዘጸ 30:23, 24, 34፣ ህዝ 27:2, 22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2014፡ ገጽ 10

መሃልየ መሃልይ 4:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 18:14

መሃልየ መሃልይ 4:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ፍሽፍሽ በል።”

ሓፈሻዊ

መሃ. 4:1ዘሁ 32:1፣ ዘዳ 3:12፣ መሃ 6:5-7
መሃ. 4:4መሃ 1:10
መሃ. 4:42ሳሙ 8:7፣ 2ነገ 11:10
መሃ. 4:4ነህ 3:25፣ መሃ 7:4
መሃ. 4:5መሃ 7:3
መሃ. 4:6መክ 2:5
መሃ. 4:7መሃ 4:1
መሃ. 4:8ዘዳ 3:25
መሃ. 4:8ዘዳ 3:8, 9፣ መዝ 133:3
መሃ. 4:9ምሳ 5:18, 19
መሃ. 4:10መሃ 7:12
መሃ. 4:10መሃ 1:2, 4
መሃ. 4:10ኣስ 2:12፣ መሃ 1:12
መሃ. 4:11ምሳ 16:24
መሃ. 4:11መሃ 5:1
መሃ. 4:14ዮሃ 12:3
መሃ. 4:14ኢሳ 43:24
መሃ. 4:14ምሳ 7:17
መሃ. 4:14መዝ 45:8
መሃ. 4:14ዘጸ 30:23, 24, 34፣ ህዝ 27:2, 22
መሃ. 4:15ኤር 18:14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መሃልየ መሃልይ 4:1-16

መሃልየ መሃልይ

4 “እነኺ፡ ፍቕርተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ።

እነኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ።

ኣዒንትኺ ብድሕሪ መጐልበቢኺ ኸም ናይ ረገቢት እየን።

ጸጕርኺ ኸምተን ካብ ኣኽራን ጊልዓድ ዚወርዳ

መጓሰ ኣጣል እዩ።+

 2 ኣስናንኪ ኸምተን መማንታ ዝወለዳ፡

ዋላ ሓንቲአን ድማ ዕየታ ዘይሞታ

ተሓጺበን ዚድይባ

እተቐምቀማ ኣባጊዕ እየን።

 3 ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ፡

ዘረባኺ ኸኣ ደስ ዜብል እዩ።

መዓጕርትኺ* ብድሕሪ መጐልበቢኺ

ኸም ምቃል ሮማን እየን።

 4 ክሳድኪ+ ኸምቲ ብመስርዕ እምኒ እተሃንጸ፡

ሽሕ ዋልታ፡

ኵሉ ኸቢብ ዋላቱ ጀጋኑ ዚስቀሎ+

ግምቢ ዳዊት እዩ።+

 5 ክልቲአን ኣጥባትኪ ኸምተን

ኣብ መንጎ ዕምባባታት ሹሻን ዚበልዓ ኽልተ ማሕስእ፡

ከምተን ናይ ሰስሓ ማንታ እየን።”+

 6 “መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡* ጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሃድምሲ፡

ናብ ከረን ከርበ፡

ናብ ኵርባ ጻዕዳ ዕጣን ክኸይድ እየ።”+

 7 “ፍቕርተየ፡ ኵለንትናኺ ጽብቕቲ ኢኺ፣+

ኣበር የብልክን።

 8 መርዓተየ፡ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፣

ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ።+

ካብ ርእሲ ኣማና፡*

ካብ ርእሲ ሰኒር፡ ካብ ርእሲ ሄርሞን፡+

ካብ ሰፈር ኣናብስ፡ ካብ ኣኽራን ኣናብር ውረዲ።

 9 ሓብተየ፡ መርዓተየ፡ ልበይ ማሪኽክዮ፣+

ብሓንቲ ቘላሕታ ኣዒንትኺ፡

ብሓንቲ ዕንቊ ስልማት ክሳድኪ ልበይ ማሪኽክዮ።

10 ሓብተየ፡ መርዓተየ፡ መግለጺ ፍትወትኪ ኽንደይ ይጽብቕ!+

መግለጺ ፍትወትኪ ኻብ ወይኒ፡+

መዓዛ ቕብእኺ ኻብ ኵሉ ጥዑም ጨና ኣጸቢቑ ይበልጽ!+

11 መርዓተየ፡ ከናፍርኪ ኻብ ጎጎኡ ወለል ዚብል መዓር የንጠብጥብ።+

ኣብ ትሕቲ ልሳንኪ መዓርን ጸባን ኣሎ፣+

መዓዛ ኽዳውንትኺ ድማ ከም መዓዛ ሊባኖስ እዩ።

12 ሓብተየ፡ መርዓተየ፡ ከም እተሸጐረ ስፍራ ኣታኽልቲ፡

እወ፡ ከም እተሸጐረ ስፍራ ኣታኽልቲ፡ ከም ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ።

13 ጨናፍርኪ* ገነት* ሮማን፡

ምስ ሕሩይ ፍረታት፡ ምስ ሒናን ኣትክልቲ ናርዶስን እዩ።

14 ናርዶስን+ ሳፍሮንን፡ ቃንጫን*+ ቃርፋን፡+

ምስ ኵሉ ዓይነት ኣእዋም ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን ዓልወን፡+

ምስ ብሉጽ ጥዑም ጨና+ ድማ እዩ።

15 ናይ ስፍራ ኣታኽልቲ ዓይኒ ማይ፡ ፈልፋሊ ማይ ዒላ፡

ካብ ሊባኖስ ዚውሕዝ ወሓይዝ ኢኺ።+

16 ኣታ ንፋስ ሰሜን፡ ንቓሕ፣

ኣታ ንፋስ ደቡብ፡ ንዓ።

ኣብ ልዕሊ ስፍራ ኣታኽልተይ ንፈስ።*

መዓዛኡ ይዘርጋሕ።”

“ፍቱወይ ናብ ስፍራ ኣታኽልቱ ይምጻእ፡

ሕሩይ ፍረታቱ ድማ ይብላዕ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ