ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 19
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ንሹማምንቲ እስራኤል እተለቕሰሎም ልቕሶ (1-14)

ህዝቅኤል 19:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:1

ህዝቅኤል 19:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:31-34፣ 2ዜና 36:4፣ ኤር 22:11, 12

ህዝቅኤል 19:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 22:17

ህዝቅኤል 19:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 28:15

ህዝቅኤል 19:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 80:8፣ ኢሳ 5:7

ህዝቅኤል 19:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣባትር።”

ህዝቅኤል 19:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 5:5፣ ህዝ 15:6
  • +2ነገ 23:34፣ 24:6፣ 25:5-7
  • +ዘዳ 32:22፣ ህዝ 15:4

ህዝቅኤል 19:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:48፣ ኤር 17:5, 6፣ 52:27

ህዝቅኤል 19:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣባትራ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 17:16, 18

ሓፈሻዊ

ህዝ. 19:32ዜና 36:1
ህዝ. 19:42ነገ 23:31-34፣ 2ዜና 36:4፣ ኤር 22:11, 12
ህዝ. 19:6ኤር 22:17
ህዝ. 19:7ምሳ 28:15
ህዝ. 19:10መዝ 80:8፣ ኢሳ 5:7
ህዝ. 19:12ኢሳ 5:5፣ ህዝ 15:6
ህዝ. 19:122ነገ 23:34፣ 24:6፣ 25:5-7
ህዝ. 19:12ዘዳ 32:22፣ ህዝ 15:4
ህዝ. 19:13ዘዳ 28:48፣ ኤር 17:5, 6፣ 52:27
ህዝ. 19:14ህዝ 17:16, 18
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 19:1-14

ህዝቅኤል

19 “ንስኻ ኸኣ ንሹማምንቲ እስራኤል ኣልቅሰሎም፡ 2 ከምዚ ድማ በል፦

‘ኣዴኻ እንታይ ነበረት፧ ኣብ መንጎ ኣናብስ እትርከብ ዋዕሮ።

ኣብ መንጎ ሽደናት ኣናብስ በጥ ኢላ ዀራዅራ ኣዕበየት።

 3 ሓደ ኻብቶም ኰራዅራ ኣዕበየት፣ ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ኰነ።+

ከመይ ገይሩ ግዳይ ከም ዚሰላልዕ ድማ ተማህረ፣

ሰባት እኳ በልዐ።

 4 ኣህዛብ ብዛዕባኡ ሰምዑ፣ ኣብ ጕድጓዶም ከኣ ሓዝዎ፣

ብዓንቃሪቦታት ድማ ናብ ምድሪ ግብጺ ወሰድዎ።+

 5 ንሳ ተጸበየት፣ ኪምለስ ተስፋ ኸም ዘይብሉ እውን ረኣየት።

ስለዚ፡ ካብ ኰራዅራ ኻልእ ወሲዳ፡ ሽደን ኣንበሳ ገይራ ሰደደቶ።

 6 ንሱ እውን ኣብ መንጎ ኣናብስ ተመላለሰ፣ ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ኰነ።

ከመይ ገይሩ ግዳይ ከም ዚሰላልዕ ድማ ተማህረ፣ ሰባት እኳ በልዐ።+

 7 ኣብ መንጎ እተዓርደ ግምብታቶም ተጸናተወ፡ ከተማታቶም ድማ ኣዕነወ፣

ስለዚ፡ እታ ዝባደመት ምድሪ ብደሃይ ምጕዛሙ መልአት።+

 8 ኣህዛብ ካብቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ኣውራጃታት መርበቦም ኪድርብዩሉ መጹ፣

ኣብ ጕድጓዶም ከኣ ተታሕዘ።

 9 ብዓንቃሪቦታት ድማ ኣብ ቆፎ እንስሳ ኣእትዮም ናብ ንጉስ ባቢሎን ወሰድዎ።

ድምጹ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ምእንቲ ኸይስማዕ ከኣ ኣብኡ ዳጐንዎ።

10 ኣዴኻ ኣብ ደምካ* ኣብ ጥቓ ማያት ከም እተተኽለት ተኽሊ ወይኒ ነበረት።+

ሳላ እቲ ብዙሕ ማይ ድማ፡ ፍረ ፈረየት፡ ብዙሕ ጨናፍር እውን ነበራ።

11 ንዘንግታት ገዛእቲ ዚኸውን ድልዱል ጨናፍር* ኣውጽአት።

ዓበየት፡ ካብ ካልኦት ኣእዋም እውን ነውሐት፣

ብንውሓታን ብብዝሒ እቲ ልሙዕ ጨናፍራን ከኣ እትርአ ዀነት።

12 ግናኸ፡ ብነድሪ ተማሕወት፡+ ናብ ምድሪ እውን ተደርበየት፣

ንፋስ ምብራቕ ድማ ፍሪኣ ኣንቀጸ።

ድልዱል ጨናፍራ ተሰልዐ፡ ነቐጸ፡+ ብሓዊ ኸኣ ተበልዐ።+

13 ሕጂ ኣብ በረኻ፡

ማይ ኣብ ዘይብሉ ምድሪ ኣጻምእ ተተኺላ ኣላ።+

14 ሓዊ ኻብ ጨናፍራ* ወጺኡ ንጠጥዓን ንፍሪኣን በልዖ፣

ድልዱል ጨንፈር ኰነ ንምግዛእ ዚኸውን ዘንጊ ድማ ኣይተረፈን።+

“‘እዚ ልቕሶ እዩ፣ ልቕሶ ኸኣ ኪኸውን እዩ።’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ