ህዝቅኤል
19 “ንስኻ ኸኣ ንሹማምንቲ እስራኤል ኣልቅሰሎም፡ 2 ከምዚ ድማ በል፦
‘ኣዴኻ እንታይ ነበረት፧ ኣብ መንጎ ኣናብስ እትርከብ ዋዕሮ።
ኣብ መንጎ ሽደናት ኣናብስ በጥ ኢላ ዀራዅራ ኣዕበየት።
3 ሓደ ኻብቶም ኰራዅራ ኣዕበየት፣ ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ኰነ።+
ከመይ ገይሩ ግዳይ ከም ዚሰላልዕ ድማ ተማህረ፣
ሰባት እኳ በልዐ።
4 ኣህዛብ ብዛዕባኡ ሰምዑ፣ ኣብ ጕድጓዶም ከኣ ሓዝዎ፣
ብዓንቃሪቦታት ድማ ናብ ምድሪ ግብጺ ወሰድዎ።+
5 ንሳ ተጸበየት፣ ኪምለስ ተስፋ ኸም ዘይብሉ እውን ረኣየት።
ስለዚ፡ ካብ ኰራዅራ ኻልእ ወሲዳ፡ ሽደን ኣንበሳ ገይራ ሰደደቶ።
6 ንሱ እውን ኣብ መንጎ ኣናብስ ተመላለሰ፣ ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ኰነ።
ከመይ ገይሩ ግዳይ ከም ዚሰላልዕ ድማ ተማህረ፣ ሰባት እኳ በልዐ።+
7 ኣብ መንጎ እተዓርደ ግምብታቶም ተጸናተወ፡ ከተማታቶም ድማ ኣዕነወ፣
ስለዚ፡ እታ ዝባደመት ምድሪ ብደሃይ ምጕዛሙ መልአት።+
8 ኣህዛብ ካብቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ኣውራጃታት መርበቦም ኪድርብዩሉ መጹ፣
ኣብ ጕድጓዶም ከኣ ተታሕዘ።
9 ብዓንቃሪቦታት ድማ ኣብ ቆፎ እንስሳ ኣእትዮም ናብ ንጉስ ባቢሎን ወሰድዎ።
ድምጹ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ምእንቲ ኸይስማዕ ከኣ ኣብኡ ዳጐንዎ።
10 ኣዴኻ ኣብ ደምካ* ኣብ ጥቓ ማያት ከም እተተኽለት ተኽሊ ወይኒ ነበረት።+
ሳላ እቲ ብዙሕ ማይ ድማ፡ ፍረ ፈረየት፡ ብዙሕ ጨናፍር እውን ነበራ።
11 ንዘንግታት ገዛእቲ ዚኸውን ድልዱል ጨናፍር* ኣውጽአት።
ዓበየት፡ ካብ ካልኦት ኣእዋም እውን ነውሐት፣
ብንውሓታን ብብዝሒ እቲ ልሙዕ ጨናፍራን ከኣ እትርአ ዀነት።
12 ግናኸ፡ ብነድሪ ተማሕወት፡+ ናብ ምድሪ እውን ተደርበየት፣
ንፋስ ምብራቕ ድማ ፍሪኣ ኣንቀጸ።
ድልዱል ጨናፍራ ተሰልዐ፡ ነቐጸ፡+ ብሓዊ ኸኣ ተበልዐ።+
13 ሕጂ ኣብ በረኻ፡
ማይ ኣብ ዘይብሉ ምድሪ ኣጻምእ ተተኺላ ኣላ።+
“‘እዚ ልቕሶ እዩ፣ ልቕሶ ኸኣ ኪኸውን እዩ።’”