ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ካብ መንጎ እቲ መንኰራዅር እተወስደ ሓዊ (1-8)

      • እቶም ኪሩቤልን እቲ መንኰራዅርን ተገልጹ (9-17)

      • ክብሪ ኣምላኽ ካብታ ቤተ መቕደስ ከደ (18-22)

ህዝቅኤል 10:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 6:1፣ ህዝ 1:22, 26፣ ራእ 4:2, 3

ህዝቅኤል 10:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 9:2
  • +ህዝ 1:16
  • +ህዝ 1:13
  • +2ነገ 25:8, 9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2007፡ ገጽ 11

ህዝቅኤል 10:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 1:27, 28፣ 9:3
  • +ዘጸ 40:35፣ 2ዜና 5:13፣ ህዝ 43:5

ህዝቅኤል 10:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 29:3, 4፣ ህዝ 1:24፣ ዮሃ 12:28, 29

ህዝቅኤል 10:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 1:13
  • +ህዝ 9:2

ህዝቅኤል 10:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 1:8

ህዝቅኤል 10:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 1:15-18

ህዝቅኤል 10:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 4:6, 8

ህዝቅኤል 10:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 38

ህዝቅኤል 10:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ካብቶም ኪሩቤል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 1:6, 10፣ ራእ 4:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 44

ህዝቅኤል 10:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንሱስ እቲ ኣብ ፈለግ ኬባር ዝረኣኽዎ ህያው ፍጡር እዩ ነይሩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 1:3

ህዝቅኤል 10:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 1:19-21

ህዝቅኤል 10:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እቲ መንፈስ እቶም ህያዋን ፍጡራት።”

  • *

    ማለት፡ ኣብቲ መንኰራዅር።

ህዝቅኤል 10:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 1:27, 28
  • +ህዝ 9:3፣ 10:4

ህዝቅኤል 10:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 11:22

ህዝቅኤል 10:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እዚ እቲ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ርባ ኬባር ዝረኣኽዎ ህያው ፍጡር እዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 1:1, 22

ህዝቅኤል 10:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 1:8

ህዝቅኤል 10:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 1:10
  • +ህዝ 1:12፣ 10:11

ሓፈሻዊ

ህዝ. 10:1ኢሳ 6:1፣ ህዝ 1:22, 26፣ ራእ 4:2, 3
ህዝ. 10:2ህዝ 9:2
ህዝ. 10:2ህዝ 1:16
ህዝ. 10:2ህዝ 1:13
ህዝ. 10:22ነገ 25:8, 9
ህዝ. 10:4ህዝ 1:27, 28፣ 9:3
ህዝ. 10:4ዘጸ 40:35፣ 2ዜና 5:13፣ ህዝ 43:5
ህዝ. 10:5መዝ 29:3, 4፣ ህዝ 1:24፣ ዮሃ 12:28, 29
ህዝ. 10:7ህዝ 1:13
ህዝ. 10:7ህዝ 9:2
ህዝ. 10:8ህዝ 1:8
ህዝ. 10:9ህዝ 1:15-18
ህዝ. 10:12ራእ 4:6, 8
ህዝ. 10:14ህዝ 1:6, 10፣ ራእ 4:7
ህዝ. 10:15ህዝ 1:3
ህዝ. 10:16ህዝ 1:19-21
ህዝ. 10:18ህዝ 1:27, 28
ህዝ. 10:18ህዝ 9:3፣ 10:4
ህዝ. 10:19ህዝ 11:22
ህዝ. 10:20ህዝ 1:1, 22
ህዝ. 10:21ህዝ 1:8
ህዝ. 10:22ህዝ 1:10
ህዝ. 10:22ህዝ 1:12፣ 10:11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 10:1-22

ህዝቅኤል

10 ክጥምት ከለኹ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣራእስ እቶም ኪሩቤል ዘሎ ጠፈር፡ ትርኢቱ ኸም እምኒ ሰፊሮስ ዝበለ ነገር ኣብ ልዕሊኦም ረኣኹ፣ ትርኢቱ ድማ ዝፋን ይመስል ነበረ።+ 2 ንሱ ኸኣ ነቲ በፍታ እተኸድነ ሰብኣይ፡+ “ኣብ መንጎ እቲ ተንኰርኰርቲ፡+ ኣብ ትሕቲ እቶም ኪሩቤል እቶ፣ ካብ መንጎ እቶም ኪሩቤል ብኣእዳውካ ጕሁር ጓህሪ+ ሓፊንካ ድማ ናብ ልዕሊ እታ ኸተማ ደርብዮ” በሎ።+ ንሱ ኸኣ እናጠመትኩ ኣተወ።

3 እቲ ሰብኣይ ኪኣቱ ኸሎ፡ እቶም ኪሩቤል ኣብ የማን እታ ቤት ቈይሞም ነበሩ፣ ደበና ኸኣ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ መልኦ። 4 ክብሪ የሆዋ+ ድማ ካብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ተላዒሉ ናብ ድርኵዂት መእተዊ እታ ቤት ኣበለ፣ እታ ቤት ከኣ በብቝሩብ በቲ ደበና መልአት፣+ እቲ ኣጸድ እውን ብድምቀት ክብሪ የሆዋ መልአ። 5 ደሃይ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ድማ፡ ከምቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ ዜስምዖ ደሃይ፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ኪስማዕ ይኽእል ነበረ።+

6 ሽዑ፡ ነቲ በፍታ እተኸድነ ሰብኣይ፡ “ካብ መንጎ እቲ ተንኰርኰርቲ፡ ካብ መንጎ እቶም ኪሩቤል ሓዊ ውሰድ” ኢሉ ኣዘዞ፣ ንሱ ድማ ኣትዩ ኣብ ጥቓ እቲ መንኰርኰር ደው በለ። 7 ሓደ ኻብቶም ኪሩቤል ከኣ ኢዱ ናብቲ ኣብ መንጎ እቲ ኪሩቤል ዘሎ ሓዊ ዘርግሐ።+ ገለ ኻብኡ ወሲዱ ድማ ኣብ ክልቲኡ ኢድ እቲ በፍታ እተኸድነ ሰብኣይ ኣንበሮ፣+ ንሱ እውን ነዚ ወሲዱ ወጸ። 8 እቶም ኪሩቤል ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ከም ኣእዳው ሰብ ዚመስል ነበሮም።+

9 ክጥምት ከለኹ ኸኣ፡ ኣብ ጥቓ እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ መንኰርኰር፡ ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ሓደ መንኰርኰር ነበረ፣ ትርኢት እቲ መንኰራዅር ድማ ከም እምኒ ክሪሶሊት ዜንጸባርቕ ነበረ።+ 10 ትርኢቱ ኸኣ፡ ኣርባዕቲኡ ይመሳሰል ነበረ፣ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰርኰር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ። 11 ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ከይተጠውየ ናብቲ ርእሲ ዚቐንዓሉ ቦታ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ከይተጠውየ ብዝዀነ ኻብቲ ኣርባዕተ ኣንፈት ኪኸይድ ይኽእል ነበረ። 12 ኵሉ ሰብነቶምን ዝባኖምን ኣእዳዎምን ኣኽናፎምን እቲ መንኰራዅርን ኵሉ እቲ ናይ ኣርባዕቲኦም መንኰራዅርን ብዙርያኡ ኣዒንቲ መሊእዎ ነበረ።+ 13 ነቲ መንኰራዅር ከኣ፡ “ተንኰርኰርቲ!” ኢሉ ዝጽውዖም ድምጺ ሰማዕኩ።

14 ነፍሲ ወከፍ* ኣርባዕተ ገጽ ነበሮ። እቲ ቐዳማይ ገጽ ናይ ኪሩብ ገጽ፡ እቲ ኻልኣይ ገጽ ናይ ሰብ ገጽ፡ እቲ ሳልሳይ ናይ ኣንበሳ ገጽ፡ እቲ ራብዓይ ናይ ንስሪ ገጽ ነበረ።+

15 እቶም ኪሩቤል ይልዓሉ ነበሩ፡—ንሳቶምሲ እቶም ኣብ ፈለግ ኬባር ዝረኣኽዎም ህያዋን ፍጡራት እዮም ነይሮም፡*+— 16 እቶም ኪሩቤል ኪንቀሳቐሱ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዅር ምሳታቶም ይንቀሳቐስ ነበረ፣ እቶም ኪሩቤል ካብ ምድሪ ልዕል ኪብሉ ኣኽናፎም ኬልዕሉ ኸለዉ ድማ፡ እቲ መንኰራዅር ካብ ጐድኖም ኣየልግስን ወይ ኣይርሕቕን ነበረ።+ 17 እቲ ኣብቶም ህያዋን ፍጡራት ዚዓዪ መንፈስ* ኣብኡ* እውን ነበረ እሞ፡ ደው ኪብሉ ኸለዉ፡ ደው ይብል ነበረ፣ ካብ ምድሪ ኺልዓሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ምሳታቶም ይልዓል ነበረ።

18 ክብሪ የሆዋ+ ኻብ ልዕሊ እቲ ድርኵዂት ኣፍ ደገ እታ ቤት ነቒሉ ኣብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ቈመ።+ 19 እቶም ኪሩቤል ድማ እናጠመትክዎም ኣኽናፎም ኣልዒሎም ካብ ምድሪ ተላዕሉ። እቲ መንኰራዅር እውን ኪነቕሉ ኸለዉ ኣብ ጥቓኦም ነበረ። ኣብ መእተዊ እቲ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ድማ ደው በሉ፣ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ።+

20 እዚኣቶም እቶም ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ፈለግ ኬባር ዝረኣኽዎም ህያዋን ፍጡራት እዮም፣*+ ስለዚ፡ ኪሩቤል ምዃኖም ፈለጥኩ። 21 ኣርባዕቲኦም ኣርባዕተ ገጽ፡ ኣርባዕተ ኽንፊ፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ድማ ኣእዳው ሰብ ዚመስል ነበሮም።+ 22 ትርኢት ገጻቶም ከኣ፡ ከምቲ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር ዝረኣኽዎ ገጻት ይመስል ነበረ።+ ነፍሲ ወከፎም ትኽ ኢሎም ንቕድሚት ይኸዱ ነበሩ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ