ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • እኩያት መሳፍንቲ ተዀነኑ (1-13)

        • እታ ኸተማ ምስ ቍራዕ ተመሳሰለት (3-12)

      • ተስፋ ምምላስ (14-21)

        • “ሓድሽ መንፈስ” ተዋህበ (19)

      • ክብሪ ኣምላኽ ካብ የሩሳሌም ከደ (22, 23)

      • ህዝቅኤል ብራእይ ናብ ከለዳ ተመልሰ (24, 25)

ህዝቅኤል 11:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 10:19
  • +ኢሳ 1:23፣ ህዝ 22:27

ህዝቅኤል 11:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣንጻር እዛ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1997፡ ገጽ 8

ህዝቅኤል 11:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንሳ።” ማለት፡ እታ ዕቝባ ዚረኽቡላ ዝመሰሎም ኸተማ የሩሳሌም።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 12:27
  • +ህዝ 24:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1997፡ ገጽ 8

ህዝቅኤል 11:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 3:17፣ 20:46፣ 21:2

ህዝቅኤል 11:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እቲ ኣብ መንፈስኩም ዝመጸ ነገራት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ጴጥ 1:21

ህዝቅኤል 11:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 7:23፣ 22:3, 4

ህዝቅኤል 11:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 24:6

ህዝቅኤል 11:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 38:19

ህዝቅኤል 11:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 39:6, 7፣ 52:24-27

ህዝቅኤል 11:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:18-21፣ 2ዜና 36:17
  • +2ነገ 14:25፣ ኤር 52:27
  • +ህዝ 6:13

ህዝቅኤል 11:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:29-31፣ 2ዜና 28:1, 3፣ መዝ 106:34
  • +እዝ 9:7፣ ነህ 9:34

ህዝቅኤል 11:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 9:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1997፡ ገጽ 8-9

ህዝቅኤል 11:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:14, 15፣ ኤር 24:5
  • +ዘሌ 26:44

ህዝቅኤል 11:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 11:11, 12፣ ኤር 30:10, 11፣ ህዝ 34:13, 14፣ ኣሞ 9:14, 15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 101፡ 106

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1997፡ ገጽ 19-20

ህዝቅኤል 11:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 37:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 100-101

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1997፡ ገጽ 20

ህዝቅኤል 11:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ንመምርሒ ኣምላኽ ቅልጡፍ ምላሽ ዚህብ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 24:7፣ 31:33፣ 32:39
  • +መዝ 51:10፣ ህዝ 36:31
  • +ዘካ 7:12
  • +ህዝ 36:26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 102-103፡ 107

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1997፡ ገጽ 20

ህዝቅኤል 11:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1997፡ ገጽ 20

ህዝቅኤል 11:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 1:19
  • +ህዝ 10:18, 19

ህዝቅኤል 11:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 9:3፣ 10:4
  • +ዘካ 14:4

ሓፈሻዊ

ህዝ. 11:1ህዝ 10:19
ህዝ. 11:1ኢሳ 1:23፣ ህዝ 22:27
ህዝ. 11:3ህዝ 12:27
ህዝ. 11:3ህዝ 24:3
ህዝ. 11:4ህዝ 3:17፣ 20:46፣ 21:2
ህዝ. 11:52ጴጥ 1:21
ህዝ. 11:6ህዝ 7:23፣ 22:3, 4
ህዝ. 11:7ህዝ 24:6
ህዝ. 11:8ኤር 38:19
ህዝ. 11:9ኤር 39:6, 7፣ 52:24-27
ህዝ. 11:102ነገ 25:18-21፣ 2ዜና 36:17
ህዝ. 11:102ነገ 14:25፣ ኤር 52:27
ህዝ. 11:10ህዝ 6:13
ህዝ. 11:12ዘዳ 12:29-31፣ 2ዜና 28:1, 3፣ መዝ 106:34
ህዝ. 11:12እዝ 9:7፣ ነህ 9:34
ህዝ. 11:13ህዝ 9:8
ህዝ. 11:162ነገ 24:14, 15፣ ኤር 24:5
ህዝ. 11:16ዘሌ 26:44
ህዝ. 11:17ኢሳ 11:11, 12፣ ኤር 30:10, 11፣ ህዝ 34:13, 14፣ ኣሞ 9:14, 15
ህዝ. 11:18ህዝ 37:23
ህዝ. 11:19ኤር 24:7፣ 31:33፣ 32:39
ህዝ. 11:19መዝ 51:10፣ ህዝ 36:31
ህዝ. 11:19ዘካ 7:12
ህዝ. 11:19ህዝ 36:26
ህዝ. 11:22ህዝ 1:19
ህዝ. 11:22ህዝ 10:18, 19
ህዝ. 11:23ህዝ 9:3፣ 10:4
ህዝ. 11:23ዘካ 14:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 11:1-25

ህዝቅኤል

11 መንፈስ ከኣ ኣልዓለኒ እሞ ናብ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ፡ ናብቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዘሎ ኣፍ ደገ ኣምጽኣኒ።+ ኣብኡ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ 25 ሰብኡት ረኣኹ፣ ኣብ መንጎኦም ድማ ያዛንያ ወዲ ዓዙርን ጰላጥያ ወዲ በናያን፡ እቶም መሳፍንቲ ህዝቢ፡ ነበሩ።+ 2 ከምዚ ኸኣ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ኣብዛ* ኸተማ እዚኣ ኽፉእ ዚሓስቡን እከይ ዚመኽሩን ሰብኡት እዚኣቶም እዮም። 3 ‘ኣባይቲ ዚህነጸሉ ግዜ ደይኰነን፧+ እዛ ኸተማ* ቝራዕ እያ፣+ ንሕና ድማ ስጋ ኢና’ ይብሉ ኣለዉ።

4 “ስለዚ፡ ኣንጻሮም ተነበ። ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ።”+

5 ሽዑ፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕለይ መጸ፣+ ከምዚ ኸኣ በለኒ፦ “ከምዚ በል፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እቲ ዝበልኩምዎ ቕኑዕ እዩ፣ እንታይ ትሓስቡ ኸም ዘለኹም* እውን እፈልጥ እየ። 6 ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሓት ከም ዚሞቱ ጌርኩም ኢኹም፣ ንጐደናታታ ኸኣ ብምዉታት መሊእኩም ኢኹም።”’”+ 7 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እቶም ኣብታ ኸተማ ዛሕ ዘበልኩምዎም ሬሳታት፡ ንሳቶም ስጋ እዮም፣ እታ ኸተማ ድማ ቍራዕ እያ።+ ንስኻትኩም ግና ካብኣ ኽትወጹ ኢኹም።’”

8 “‘ሰይፊ ፈሪህኩም ኢኹም፣+ ሰይፊ ኸኣ ከምጽኣልኩም እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 9 ‘ካብኣ ኸውጽኣኩም፡ ኣብ ኢድ ጓኖት ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም፡ ፍርዲ እውን ኣባኻትኩም ክፍጽም እየ።+ 10 ብሰይፊ ኽትወድቁ ኢኹም።+ ኣብ ዶብ እስራኤል ክፈርደኩም እየ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 11 እዛ ኸተማ ቝራዕ ኣይክትኰነልኩምን እያ፣ ኣብ ውሽጣ ድማ ስጋ ኣይክትኰኑን ኢኹም፣ ኣብ ዶብ እስራኤል ክፈርደኩም እየ፣ 12 ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም። ከመይሲ፡ ከም ፍርድታት እቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ደኣ ኢኹም ጌርኩም እምበር፡+ ብስርዓታተይ ኣይተመላለስኩምን፡ ፍርድታተይ እውን ኣይፈጸምኩምን።’”+

13 ምስ ተነበኹ ኸኣ፡ ብኡብኡ ጰላጥያ ወዲ በናያ ሞተ፣ ኣነ ድማ ብገጸይ ወደቕኩ እሞ ዓው ኢለ፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! ነቶም ተረፍ እስራኤልዶ ኸተጽንቶም ኢኻ፧” ኢለ ጨራሕኩ።+

14 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 15 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣሕዋትካ፡ እቶም መሰል ምብጃው ዘለዎም ኣሕዋትካ ምስ ብዘላ ቤት እስራኤል፡ ‘ካብ የሆዋ ርሓቑ። እዛ ምድሪ ናትና እያ፣ ርስቲ ጌርካ ተዋሂባትና እያ’ ተባሂሉ ብነበርቲ የሩሳሌም ተነጊርዎም ኣሎ። 16 ስለዚ፡ ከምዚ በል፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ናብ መንጎ ኣህዛብ እኳ እንተ ኣርሓቕክዎም፡ ኣብ መንጎ ሃገራት እውን ፋሕ እኳ እንተ ኣበልክዎም፡+ ንቝሩብ ግዜ ኣብተን ዝኸድወን ሃገራት መቕደስ ክዀኖም እየ።”’+

17 “ስለዚ፡ ከምዚ በል፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ካብ ህዝብታት ድማ ክእክበኩም፡ ካብተን ፋሕ ዝበልኩምለን ሃገራት እውን ክእክበኩም እየ፣ ምድሪ እስራኤል ከኣ ክህበኩም እየ።+ 18 ናብኣ ተመሊሶም ድማ ኵሉ ጽዩፍ ነገራትን ፍንፉን ተግባራትን ካብኣ ኼርሕቑ እዮም።+ 19 ሓደ ልቢ ኽህቦም፡+ ሓድሽ መንፈስ እውን ኣብ ውሽጦም ከንብር እየ፣+ ካብ ሰብነቶም ልቢ እምኒ ኸርሕቕ፡+ ልቢ ስጋ* ኸኣ ክህቦም እየ።+ 20 ብሕግታተይ ምእንቲ ኺመላለሱን ፍርድታተይ ምእንቲ ኺሕልዉን ምእንቲ ኺእዘዝዎንሲ፡ ከምኡ ኽገብር እየ። ሽዑ፡ ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ፡ ኣነ እውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።”’

21 “‘“እቶም ብጽዩፍ ነገራትን ብፍንፉን ተግባራትን ኪመላለሱ ልቦም ዝቘረጸ ግና፡ ሳዕቤናት መገዶም ኣብ ርእሶም ከምጽኣሎም እየ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።’”

22 ሽዑ፡ እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣልዓሉ፣ እቲ መንኰራዅር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ነበረ፣+ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ።+ 23 ሽዑ፡ ክብሪ የሆዋ+ ኻብታ ኸተማ ዓሪጉ ኣብ ልዕሊ እቲ ብምብራቕ እታ ኸተማ ዘሎ ኸረን ቈመ።+ 24 መንፈስ ከኣ፡—ብመንፈስ ኣምላኽ ብራእይ፡—ኣልዓለኒ እሞ ናብቶም ኣብ ከለዳ ዘለዉ ምሩኻት ኣምጽኣኒ። እቲ ዝረኣኽዎ ራእይ ድማ ሓደገኒ። 25 ነቶም ምሩኻት ከኣ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ዘርኣየኒ ነገርክዎም።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ