ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 20
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ታሪኽ ዕልወት እስራኤል (1-32)

      • ንእስራኤል እተተስፈወ ምምላስ (33-44)

      • ኣንጻር ደቡብ እተዘርበ ትንቢት (45-49)

ህዝቅኤል 20:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:12, 15፣ ህዝ 14:3

ህዝቅኤል 20:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 16:51፣ 22:2፣ ሉቃ 11:47

ህዝቅኤል 20:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኢደይ ኣልዓልኩሉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 7:6
  • +ዘጸ 4:31፣ 6:7, 8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2012፡ ገጽ 24-25

ህዝቅኤል 20:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዝሰለኽዋ።”

  • *

    ወይ፡ “ጌጽ ኵለን ሃገራት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 3:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2012፡ ገጽ 24-25

ህዝቅኤል 20:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:3፣ ዘዳ 29:16, 17፣ እያ 24:14
  • +ዘሌ 20:7

ህዝቅኤል 20:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 32:4

ህዝቅኤል 20:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ንእስራኤል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 14:13-16፣ ዘዳ 9:27, 28፣ 1ሳሙ 12:22
  • +ዘጸ 32:11, 12፣ እያ 2:9, 10፣ 9:3, 9፣ 1ሳሙ 4:7, 8

ህዝቅኤል 20:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 13:17, 18፣ 15:22

ህዝቅኤል 20:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 8:3፣ 30:16
  • +ዘዳ 4:8

ህዝቅኤል 20:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 31:13፣ 35:2
  • +ዘጸ 20:8-10፣ ዘሌ 23:3, 24፣ 25:4, 11

ህዝቅኤል 20:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 32:8፣ ዘሁ 14:22, 23
  • +ዘሁ 14:11, 12

ህዝቅኤል 20:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ንእስራኤል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 7:9፣ ህዝ 36:22

ህዝቅኤል 20:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጌጽ ኵለን ሃገራት ዝዀነት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 13:26, 27
  • +ዘሁ 14:30፣ መዝ 95:11፣ 106:26, 27

ህዝቅኤል 20:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 32:1, 4፣ ዘሁ 25:1, 2፣ ግብ 7:42

ህዝቅኤል 20:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዓይነይ ደንገጸትሎም።”

ህዝቅኤል 20:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 14:33
  • +መዝ 78:8

ህዝቅኤል 20:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:1

ህዝቅኤል 20:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 17:22
  • +ዘጸ 31:13

ህዝቅኤል 20:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 25:1፣ ዘዳ 9:23
  • +ኢሳ 63:10

ህዝቅኤል 20:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ንእስራኤል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 25:11፣ 79:9፣ ኤር 14:7፣ ዳን 9:19
  • +መዝ 78:38

ህዝቅኤል 20:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:33፣ መዝ 106:26, 27

ህዝቅኤል 20:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣዒንቶም እውን ደድሕሪ ጽዩፋት ጣኦታት ኣቦታቶም ነበረ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:15, 16
  • +ኤር 2:7

ህዝቅኤል 20:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 81:12

ህዝቅኤል 20:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:21፣ ኤር 7:31

ህዝቅኤል 20:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 23:5
  • +ዘዳ 12:2

ህዝቅኤል 20:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 16:24, 25

ህዝቅኤል 20:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:19፣ 2ዜና 21:13፣ ኤር 13:26, 27

ህዝቅኤል 20:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 18:10, 12፣ መዝ 106:36፣ ኤር 7:31
  • +ኢሳ 1:15
  • +ዘካ 7:13

ህዝቅኤል 20:32

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዜገልግሉ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንፈስኩም ዘሎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 44:17

ህዝቅኤል 20:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 21:5፣ ህዝ 8:18

ህዝቅኤል 20:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 27:13፣ ህዝ 34:16

ህዝቅኤል 20:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:9

ህዝቅኤል 20:37

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ማእሰር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 27:32፣ ህዝ 34:17

ህዝቅኤል 20:38

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 34:20, 21
  • +ህዝ 13:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 107

ህዝቅኤል 20:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 10:14፣ መዝ 81:12
  • +ኢሳ 1:13፣ ህዝ 23:39

ህዝቅኤል 20:40

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 2:2, 3፣ 66:20
  • +ኢሳ 56:7፣ ዘካ 8:22
  • +ሚል 3:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 101፡ 106-107

ህዝቅኤል 20:41

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 11:11፣ ኤር 23:3
  • +ኢሳ 5:16፣ ህዝ 38:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 107-109

ህዝቅኤል 20:42

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 11:17
  • +ህዝ 36:23

ህዝቅኤል 20:43

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ገጽኩም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:40፣ ህዝ 6:9፣ 16:61
  • +ኤር 31:18

ህዝቅኤል 20:44

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 79:9፣ ህዝ 36:22, 23

ህዝቅኤል 20:47

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:22፣ ኤር 21:14
  • +ኢሳ 66:24

ህዝቅኤል 20:48

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሰብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 7:20፣ ድጕ 2:17

ህዝቅኤል 20:49

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብምስላታት።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2007፡ ገጽ 14

ሓፈሻዊ

ህዝ. 20:3ኢሳ 1:12, 15፣ ህዝ 14:3
ህዝ. 20:4ህዝ 16:51፣ 22:2፣ ሉቃ 11:47
ህዝ. 20:5ዘዳ 7:6
ህዝ. 20:5ዘጸ 4:31፣ 6:7, 8
ህዝ. 20:6ዘጸ 3:8
ህዝ. 20:7ዘሌ 18:3፣ ዘዳ 29:16, 17፣ እያ 24:14
ህዝ. 20:7ዘሌ 20:7
ህዝ. 20:8ዘጸ 32:4
ህዝ. 20:9ዘሁ 14:13-16፣ ዘዳ 9:27, 28፣ 1ሳሙ 12:22
ህዝ. 20:9ዘጸ 32:11, 12፣ እያ 2:9, 10፣ 9:3, 9፣ 1ሳሙ 4:7, 8
ህዝ. 20:10ዘጸ 13:17, 18፣ 15:22
ህዝ. 20:11ዘዳ 8:3፣ 30:16
ህዝ. 20:11ዘዳ 4:8
ህዝ. 20:12ዘጸ 31:13፣ 35:2
ህዝ. 20:12ዘጸ 20:8-10፣ ዘሌ 23:3, 24፣ 25:4, 11
ህዝ. 20:13ዘጸ 32:8፣ ዘሁ 14:22, 23
ህዝ. 20:13ዘሁ 14:11, 12
ህዝ. 20:14እያ 7:9፣ ህዝ 36:22
ህዝ. 20:15ዘሁ 13:26, 27
ህዝ. 20:15ዘሁ 14:30፣ መዝ 95:11፣ 106:26, 27
ህዝ. 20:16ዘጸ 32:1, 4፣ ዘሁ 25:1, 2፣ ግብ 7:42
ህዝ. 20:18ዘሁ 14:33
ህዝ. 20:18መዝ 78:8
ህዝ. 20:19ዘዳ 4:1
ህዝ. 20:20ኤር 17:22
ህዝ. 20:20ዘጸ 31:13
ህዝ. 20:21ዘሁ 25:1፣ ዘዳ 9:23
ህዝ. 20:21ኢሳ 63:10
ህዝ. 20:22መዝ 25:11፣ 79:9፣ ኤር 14:7፣ ዳን 9:19
ህዝ. 20:22መዝ 78:38
ህዝ. 20:23ዘሌ 26:33፣ መዝ 106:26, 27
ህዝ. 20:24ዘሌ 26:15, 16
ህዝ. 20:24ኤር 2:7
ህዝ. 20:25መዝ 81:12
ህዝ. 20:26ዘሌ 18:21፣ ኤር 7:31
ህዝ. 20:28እያ 23:5
ህዝ. 20:28ዘዳ 12:2
ህዝ. 20:29ህዝ 16:24, 25
ህዝ. 20:30መሳ 2:19፣ 2ዜና 21:13፣ ኤር 13:26, 27
ህዝ. 20:31ዘዳ 18:10, 12፣ መዝ 106:36፣ ኤር 7:31
ህዝ. 20:31ኢሳ 1:15
ህዝ. 20:31ዘካ 7:13
ህዝ. 20:32ኤር 44:17
ህዝ. 20:33ኤር 21:5፣ ህዝ 8:18
ህዝ. 20:34ኢሳ 27:13፣ ህዝ 34:16
ህዝ. 20:35ኤር 2:9
ህዝ. 20:37ዘሌ 27:32፣ ህዝ 34:17
ህዝ. 20:38ህዝ 34:20, 21
ህዝ. 20:38ህዝ 13:9
ህዝ. 20:39መሳ 10:14፣ መዝ 81:12
ህዝ. 20:39ኢሳ 1:13፣ ህዝ 23:39
ህዝ. 20:40ኢሳ 2:2, 3፣ 66:20
ህዝ. 20:40ኢሳ 56:7፣ ዘካ 8:22
ህዝ. 20:40ሚል 3:4
ህዝ. 20:41ኢሳ 11:11፣ ኤር 23:3
ህዝ. 20:41ኢሳ 5:16፣ ህዝ 38:23
ህዝ. 20:42ህዝ 11:17
ህዝ. 20:42ህዝ 36:23
ህዝ. 20:43ዘሌ 26:40፣ ህዝ 6:9፣ 16:61
ህዝ. 20:43ኤር 31:18
ህዝ. 20:44መዝ 79:9፣ ህዝ 36:22, 23
ህዝ. 20:47ዘዳ 32:22፣ ኤር 21:14
ህዝ. 20:47ኢሳ 66:24
ህዝ. 20:482ዜና 7:20፣ ድጕ 2:17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
  • 44
  • 45
  • 46
  • 47
  • 48
  • 49
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 20:1-49

ህዝቅኤል

20 ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት፡ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ድማ፡ ገለ ኻብቶም ዓበይቲ እስራኤል ንየሆዋ ኺሓትቱ መጺኦም ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ። 2 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 3 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቶም ዓበይቲ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ክትሓትቱኒ ዲኹም መጺእኩም፧ ‘ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡ ንሕቶኹም ምላሽ ኣይህብን እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”’

4 “ክትፈርዶምዶ ተዳሊኻ ኢኻ፧ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ክትፈርዶምዶ ተዳሊኻ ኢኻ፧ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ፍንፉን ነገራት ኣፍልጦም።+ 5 ከምዚ እውን በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “በታ ንእስራኤል ዝሓረኹላ መዓልቲ፡+ ንዘርኢ ቤት ያእቆብ እውን መሓልኩሉ፣* ኣብ ምድሪ ግብጺ ድማ ተፈለጥኩሎም።+ እወ፡ ‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ’ ኢለ መሓልኩሎም። 6 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ንዓታቶም ኢለ ናብ ዝዳህሰስክዋ* ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸም ዘውጽኦም መሓልኩሎም።+ ንሳ ኻብ ኵለን ሃገራት ኣዝያ እትጽብቕ* ነበረት። 7 ሽዑ፡ ‘ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዘሎ ፍንፉን ነገራት ደርብዩ፣ ብጽዩፋት ጣኦታት* ግብጺ ኣይትርከሱ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ’+ በልክዎም።

8 “‘“ንሳቶም ግና ካባይ ዓለዉ፡ ኪሰምዑኒ እውን ኣይፈተዉን። ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ፍንፉን ነገራት ኣይደርበይዎን፡ ንጽዩፋት ጣኦታት ግብጺ እውን ኣይሓደጉን።+ ስለዚ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ነድረይ ኣባታቶም ክኽዑ፡ ቍጥዓይ እውን ምሉእ ብምሉኡ ኽፍኑ ቓል ኣቶኹ። 9 ግናኸ፡ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ከይረክስ ኢለ ገበርኩ።+ ስለምንታይሲ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ኣውጻእክዎም፡ ኣብ ቅድሚ እዞም ኣህዛብ እዚኦም ተፈሊጠሎም እየ።*+ 10 ስለዚ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጻእክዎም፡ ናብ በረኻ እውን መራሕክዎም።+

11 “‘“ሽዑ፡ ሕግታተይ ሃብክዎም፣ ሰብ ስዒብዎ ብህይወት ምእንቲ ኺነብር ከኣ፡+ ፍርድታተይ ኣፍለጥክዎም።+ 12 እቲ ዚቕድሶም፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጡ ድማ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ምልክት ኪኸውን+ ሰናብተይ ሃብክዎም።+

13 “‘“ግናኸ፡ ቤት እስራኤል ኣብ በረኻ ኻባይ ዓለዉ።+ ብሕግታተይ ኣይተመላለሱን፣ ነቲ ሰብ እንተ ስዒብዎ ብህይወት ዚነብረሉ ፍርድታተይ እውን ነጸግዎ። ሰናብተይ ጠሪሶም ኣርከሱ። ስለዚ፡ ኣብቲ በረኻ ኸጽንቶምሲ፡ ነድረይ ኣባታቶም ክኽዑ ቓል ኣቶኹ።+ 14 ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ዘውጻእክዎም* ኣህዛብ ከይረክስ ኢለ ገበርኩ።+ 15 ናብታ ዝሃብክዎም ምድሪ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ+ ካብ ኵለን ሃገራት ኣዝያ ዝጸበቐት* ምድሪ ኸም ዘየእትዎም እውን ኣብ በረኻ መሓልኩሎም፣+ 16 ከመይሲ፡ ልቦም ንጽዩፋት ጣኦታት ይስዕብ ብምንባሩ፡+ ፍርድታተይ ነጸጉ፡ ብሕግታተይ ከኣ ኣይተመላለሱን፡ ሰናብተይ ድማ ኣርከሱ።

17 “‘“ግናኸ፡ ደንገጽኩሎም፡* ኣየጥፋእክዎምን እውን፣ ኣብቲ በረኻ ኣየጽነትክዎምን። 18 ንደቆም ከኣ ኣብቲ በረኻ ኸምዚ በልክዎም፦+ ‘ብስርዓታት ኣቦታትኩም ኣይትመላለሱ፣+ ፍርድታቶም ድማ ኣይትሓልዉ፣ ብጽዩፋት ጣኦታቶም እውን ኣይትርከሱ። 19 ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። ብሕግታተይ ተመላለሱ፣ ፍርድታተይ ሓልዉ፡ ፈጽምዎ እውን።+ 20 ሰናብተይ ቀድሱ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡስ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ምልክት ኪኸውን እዩ።’+

21 “‘“ግናኸ፡ ደቆም ካባይ ዓለዉ።+ ብሕግታተይ ኣይተመላለሱን፣ ነቲ ሰብ እንተ ስዒብዎ ብህይወት ዚነብረሉ ፍርድታተይ ከኣ ኣይሓለዉን፡ ኣይፈጸምዎን እውን። ሰናብተይ ኣርከሱ። ስለዚ፡ ኣብቲ በረኻ ነድረይ ኣባታቶም ክኽዑ፡ ቍጥዓይ እውን ምሉእ ብምሉእ ክፍኑ ቓል ኣቶኹ።+ 22 ግናኸ፡ ምእንቲ ስመይ+ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ዘውጻእክዎም* ኣህዛብ ከይረክስ ኢለ ርእሰይ ገታእኩን+ ገበርኩን። 23 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ከም ዘብሎምን ኣብ መንጎ ሃገራት ከም ዝብትኖምን እውን ኣብቲ በረኻ መሓልኩሎም፣+ 24 ከመይሲ፡ ፍርድታተይ ኣይፈጸሙን፡ ሕግታተይ ከኣ ነጸጉ፡+ ሰናብተይ ድማ ኣርከሱ፡ ደድሕሪ ጽዩፋት ጣኦታት ኣቦታቶም እውን ሰዓቡ።*+ 25 ጽቡቕ ዘይኰነ ስርዓታትን ብህይወት ኪነብሩሉ ዘይክእሉ ፍርድታትን ኪስዕቡ ድማ ሓደግክዎም።+ 26 ኣነ የሆዋ ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጡስ፡ ምእንቲ ኸብርሶም ኢለ፡ ንዅሉ በዅሪ ውሉዶም ብሓዊ ብምሕላፍ፡+ ብመስዋእቶም ኪረኽሱ ሓደግክዎም።”’

27 “ስለዚ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቦታትኩም ንዓይ ብምጥላም፡ በዚ እውን ጸረፉኒ። 28 ናብታ ኽህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣምጻእክዎም።+ ንዅሉ ዅርባታትን ልሙዕ ኣእዋምን ምስ ረኣዩ፡+ መስዋእቶምን ዜዀሪ መባኦምን ኣቕረቡ። ኣብኡ ነቲ ጥዑም ጨና መስዋእቶም ኣቕረቡ፡ መስዋእቲ መስተ እውን ከዓዉ። 29 ስለዚ፡ ከምዚ ኢለ ሓተትክዎም፦ ‘እዚ እትኸድዎ ዘለኹም በሪኽ እንታይ ማለት እዩ፧ (ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ በሪኽ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ።)’”’+

30 “ሕጂ፡ ንቤት እስራኤል ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንስኻትኩም ከምቲ ኣቦታትኩም ብመንፈሳዊ መዳይ ንምምንዛር ደድሕሪ ጽዩፋት ጣኦታት ብምኻድ ዝገበርዎ ብምግባርዶ ትረኽሱ ኣለኹም፧+ 31 ንዅሎም ጽዩፋት ጣኦታትኩም ንደቅኹም ብሓዊ እናኣሕለፍኩም መስዋእቲ ብምቕራብዶ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ትረኽሱ ኣለኹም፧+ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እሞኸ ኣነዶ ንሕቶኹም ምላሽ ክህብ እየ፧”’+

“‘ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ንሕቶኹም ምላሽ ኣይህብን እየ።+ 32 እቲ፡ “ከምቶም ዕንጨይትን እምንን ዜምልኹ* ኣህዛብ፡ ከምቶም ዓሌታት ካልኦት ሃገራት ንኹን”+ ኢልኩም ኣብ ሓሳብኩም እትሓስብዎ ዘለኹም* ድማ፡ ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ።’”

33 “‘ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዚፈስስ ነድርን ክነግሰኩም እየ።+ 34 ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዚፈስስ ነድርን ካብ ህዝብታት ከውጽኣኩም፡ ካብቲ ፋሕ ዝበልኩምሉ ሃገራት ድማ ክእክበኩም እየ።+ 35 ናብ በረኻ ህዝብታት ከኣ ከምጽኣኩም፡ ኣብኡ እውን ምሳኻትኩም ገጽ ንገጽ ናብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ።+

36 “‘ከምቲ ምስ ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ምድሪ ግብጺ ናብ ፍርዲ ዝኣቶኹ፡ ምሳኻትኩም እውን ናብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 37 ‘ብትሕቲ በትሪ ጓሳ ኸሕልፈኩም፡+ ኣብ ትሕቲ ግዴታ* ኺዳን እውን ከእትወኩም እየ። 38 ነቶም ካባይ ዝዓለዉን ነቶም ዝኣበሱን ግና ካባኻትኩም ከወግድ እየ።+ ካብ ምድሪ ስደቶምሲ ኸውጽኦም እየ፣ ናብ ምድሪ እስራኤል ግና ኣይኪኣትዉን እዮም፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።’

39 “ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ነፍሲ ወከፍኩም ኪዱ ነቶም ጽዩፋት ጣኦታትኩም ኣገልግሉ።+ ድሕሪኡ ግና እንተ ዘይሰሚዕኩምኒ፡ ብመስዋእትኹምን በቶም ጽዩፋት ጣኦታትኩምን ነቲ ቕዱስ ስመይ ከተርክሱ ኣይክትክእሉን ኢኹም።’+

40 “‘ቤት እስራኤል ዘበሉ ዅሎምሲ፡ ኣብቲ ቕዱስ ከረነይ፡ ኣብቲ ነዊሕ ከረን እስራኤል፡+ ኣብታ ምድሪ ኼገልግሉኒ እዮም’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘ኣነ ኣብኡ ብኣታቶም ባህ ኪብለኒ፣ መባእኩምን በዅሪ መስዋእትኹምን፡ ኵሉ እተቐደሰ ነገርኩም ክደልዮ እየ።+ 41 ካብ ህዝብታት ከውጽኣኩምን ካብቲ ፋሕ ዝበልኩምሉ ሃገራት ክእክበኩምን ከለኹ፡+ በቲ ጥዑም ጨና፡ ብኣኻትኩም ባህ ኪብለኒ እዩ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣህዛብ ድማ ኣብ መንጎኹም ክቕደስ እየ።’+

42 “‘ናብ ምድሪ እስራኤል፡ ናብታ ንኣቦታትኩም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣምጻእኩኹም ከኣ፡+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 43 ኣብኣ ድማ ኣካይዳኹምን ንዅሉ እቲ ዝረኸስኩምሉ ተግባራትኩምን ክትዝክሩ ኢኹም፣+ ብዅሉ እቲ ዝገበርኩምዎ ኽፉእ ከኣ ርእስኹም* ክትፍንፍኑ ኢኹም።+ 44 ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ከምቲ እኩይ ኣካይዳኹም ወይ ከምቲ ብልሹው ተግባራትኩም ዘይኰነስ፡ ምእንቲ ስመይ ኢለ ምስ ገበርኩልኩም፡+ ሽዑ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”

45 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 46 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ምለስ፣ ናብ ደቡብ ከኣ ኣውጅ፣ ናብ ዱር መሮር ደቡብ ድማ ተነበ። 47 ነቲ ዱር ደቡብ ከኣ ከምዚ በሎ፦ ‘ቃል የሆዋ ስማዕ። እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣባኻ ሓዊ ኸባርዕ እየ፣+ ኣባኻ ንዘሎ ዅሉ ጥሉል ኦምን ኵሉ ንቑጽ ኦምን እውን ኪበልዕ እዩ። እቲ ዚነድድ ሃልሃልታ ኣይኪጠፍእን፡+ ኵሉ ገጽ ከኣ ካብ ደቡብ ክሳብ ሰሜን ብእኡ ኺሓርር እዩ። 48 ኵሉ ስጋ* ድማ፡ እቲ ሓዊ ምእንቲ ኸይጠፍእሲ ዝኣጐድክዎ፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪርኢ እዩ።”’”+

49 ኣነ ኸኣ፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! ብዛዕባይ፡ ‘ብሕንቅሕንቅሊተያት* ጥራይ ደይኰነን ዚዛረብ፧’ ይብሉ ኣለዉ” በልኩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ