ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 21
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ሰይፊ ፍርዲ ኣምላኽ ተመልሐት (1-17)

      • ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌም ኬጥቅዓ እዩ (18-24)

      • እኩይ ሹም እስራኤል ተወገደ (25-27)

        • “ዘውዲ ኣውጽእ” (26)

        • “እቲ ሕጋዊ መሰል ዘለዎ ኽሳዕ ዚመጽእ” (27)

      • ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ዓሞናውያን (28-32)

ህዝቅኤል 21:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 53

ህዝቅኤል 21:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:33

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 53

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2007፡ ገጽ 14

ህዝቅኤል 21:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሰብ።”

ህዝቅኤል 21:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:20

ህዝቅኤል 21:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሕቘኻ ራዕራዕ እናበለ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 22:4፣ ኤር 4:19፣ ህዝ 9:8

ህዝቅኤል 21:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ብፍርሂ ስለ ዚሸኑ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 7:15-17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1997፡ ገጽ 22

ህዝቅኤል 21:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 66:16፣ ኤር 12:12፣ ኣሞ 9:4

ህዝቅኤል 21:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ሰይፊ የሆዋ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:10፣ 2ሳሙ 7:12, 14

ህዝቅኤል 21:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:9፣ 51:20

ህዝቅኤል 21:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 9:8፣ 19:1፣ ሚክ 1:8

ህዝቅኤል 21:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እቲ ዘንጊ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 6:27
  • +2ነገ 25:7፣ ህዝ 19:14፣ 21:26

ህዝቅኤል 21:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:1, 2

ህዝቅኤል 21:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 21:7

ህዝቅኤል 21:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:24፣ ህዝ 5:13፣ 16:42

ህዝቅኤል 21:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኢድ።”

ህዝቅኤል 21:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 49:2፣ ህዝ 25:5፣ ኣሞ 1:14
  • +2ሳሙ 5:9፣ 2ዜና 26:9፣ 32:2, 5፣ 33:1, 14

ህዝቅኤል 21:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንተራፊም።”

ህዝቅኤል 21:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 32:24፣ 52:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2007፡ ገጽ 14

ህዝቅኤል 21:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ነበርቲ የሩሳሌም።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:11, 13፣ ህዝ 17:13
  • +2ነገ 25:6, 7

ህዝቅኤል 21:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብኢድ።”

ህዝቅኤል 21:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:11, 13፣ ኤር 24:8፣ 52:1, 2፣ ህዝ 17:19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 80

ህዝቅኤል 21:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:5-7፣ ኤር 52:8, 11፣ ህዝ 12:12, 13
  • +ህዝ 21:13
  • +መዝ 75:7፣ ዳን 4:17
  • +ዳን 4:37፣ ሉቃ 21:24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 89

ህዝቅኤል 21:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:10፣ መዝ 89:3, 4፣ 110:1፣ ኢሳ 9:6፣ 11:10፣ ሉቃ 1:32, 33፣ ራእ 5:5
  • +መዝ 2:6, 8፣ ዳን 7:13, 14፣ ሉቃ 22:29

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 88፡ 89-90

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2007፡ ገጽ 11

    ራእይ፡ ገጽ 59-60

ህዝቅኤል 21:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ክሳውዲ ቕቱላት።”

ህዝቅኤል 21:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 25:5

ህዝቅኤል 21:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 49:2, 3

ሓፈሻዊ

ህዝ. 21:3ዘሌ 26:33
ህዝ. 21:5ኤር 23:20
ህዝ. 21:6ኢሳ 22:4፣ ኤር 4:19፣ ህዝ 9:8
ህዝ. 21:7ህዝ 7:15-17
ህዝ. 21:9ኢሳ 66:16፣ ኤር 12:12፣ ኣሞ 9:4
ህዝ. 21:10ዘፍ 49:10፣ 2ሳሙ 7:12, 14
ህዝ. 21:11ኤር 25:9፣ 51:20
ህዝ. 21:12ህዝ 9:8፣ 19:1፣ ሚክ 1:8
ህዝ. 21:13ኤር 6:27
ህዝ. 21:132ነገ 25:7፣ ህዝ 19:14፣ 21:26
ህዝ. 21:142ነገ 25:1, 2
ህዝ. 21:15ህዝ 21:7
ህዝ. 21:17ኢሳ 1:24፣ ህዝ 5:13፣ 16:42
ህዝ. 21:20ኤር 49:2፣ ህዝ 25:5፣ ኣሞ 1:14
ህዝ. 21:202ሳሙ 5:9፣ 2ዜና 26:9፣ 32:2, 5፣ 33:1, 14
ህዝ. 21:22ኤር 32:24፣ 52:4
ህዝ. 21:232ዜና 36:11, 13፣ ህዝ 17:13
ህዝ. 21:232ነገ 25:6, 7
ህዝ. 21:252ዜና 36:11, 13፣ ኤር 24:8፣ 52:1, 2፣ ህዝ 17:19
ህዝ. 21:262ነገ 25:5-7፣ ኤር 52:8, 11፣ ህዝ 12:12, 13
ህዝ. 21:26ህዝ 21:13
ህዝ. 21:26መዝ 75:7፣ ዳን 4:17
ህዝ. 21:26ዳን 4:37፣ ሉቃ 21:24
ህዝ. 21:27ዘፍ 49:10፣ መዝ 89:3, 4፣ 110:1፣ ኢሳ 9:6፣ 11:10፣ ሉቃ 1:32, 33፣ ራእ 5:5
ህዝ. 21:27መዝ 2:6, 8፣ ዳን 7:13, 14፣ ሉቃ 22:29
ህዝ. 21:31ህዝ 25:5
ህዝ. 21:32ኤር 49:2, 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 21:1-32

ህዝቅኤል

21 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ የሩሳሌም ኣቢልካ ምለስ፣ ኣንጻር እቲ ቕዱስ ቦታታት ኣውጅ፣ ኣንጻር ምድሪ እስራኤል እውን ተነበ። 3 ንምድሪ እስራኤል ከምዚ በላ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እነኹ ኣንጻርኪ እየ፣ ሰይፈይ ድማ ካብ ሰገባኣ ኽመልሓ፡+ ካባኺ ኸኣ ጻድቕን እኩይን ክቘርጽ እየ። 4 ጻድቕን እኩይን ካባኺ ስለ ዝቘርጽ፡ ሰይፈይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኻብ ደቡብ ክሳብ ሰሜን ዘሎ ስጋ* ምእንቲ ኽትከውን፡ ካብ ሰገባኣ ኽትምላሕ እያ። 5 ኵሎም ሰባት ድማ ኣነ የሆዋ ሰይፈይ ካብ ሰገባኣ ኸም ዝመላሕኩ ኺፈልጡ እዮም። ኣይክትምለስን እውን እያ።”’+

6 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ራዕራዕ እናበልካ* እህህ በል፣ እወ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣምሪርካ እህህ በል።+ 7 ‘ስለምንታይ ኢኻ እህህ እትብል ዘለኻ፧’ እንተ ኢሎምኻ ኸኣ፡ ‘ብሰሪ ወረ’ በሎም። እዝስ ብርግጽ ኪመጽእ፡ ኵሉ ልቢ ድማ ብፍርሂ ኺመክኽ፡ ኵሉ ኢድ ከኣ ኪለምስ፡ ኵሉ መንፈስ ድማ ኪጕሂ፡ ኵሉ ብርኪ እውን ማይ ኪፈስሶ እዩ።*+ ‘እንሆ፡ ብርግጽ ኪመጽእ እዩ፣ ኪኸውን ከኣ እዩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”

8 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 9 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ከምዚ ኢልካ ተነበ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “‘ሰይፊ! ሰይፊ+ ተሳሒላን ተወልዊላን ኣላ። 10 ብዙሕ ምእንቲ ኽትሓርድ ተሳሒላ ኣላ፣ ከም በርቂ ማሕማሕ ክትብል ተወልዊላ ኣላ’ በል።”’”

“እሞኸ ኽንሕጐስዶ ኣይግባእን፧”

“‘ከምቲ ንዅሉ ኦም እትገብሮስ፡* ንዘንጊ ወደይ ክትንዕቆ ድያ፧+

11 “‘ክትውልወልን ብኢድ ክትተሓዝንሲ ኽትውሃብ እያ። እዛ ሰይፊ እዚኣ ኣብ ኢድ ቀታሊ ምእንቲ ኽትውሃብ፡ ተሳሒላን ተወልዊላን ኣላ።+

12 “‘ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣንጻር ህዝበይ መጺኣ፡ ኣንጻር ኵሎም ሹማምንቲ እስራኤል እውን እያ እሞ፡ ኣእውን ዋይዋይ በልን።+ እዚኣቶም ምስ ህዝበይ ግዳያት እታ ሰይፊ ኪዀኑ እዮም። ስለዚ፡ ብጓሂ ሰለፍካ ውቓዕ። 13 መርመራስ ተገይሩ ኣሎ፣+ እታ ሰይፊ ነቲ ዘንጊ እንተ ንዒቓቶ ደኣ እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ንሱ* ኣይኪህሉን እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።

14 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ ብኣእዳውካ ድማ ኣጣቕዕ፡ ‘ሰይፊ!’ ኢልካ ድማ ሰለስተ ሳዕ ድገም። ንሳ ሰይፊ እቶም ቅቱላት ግዳያት፡ እታ እትኸብቦም ሰይፊ ዓብዪ ማሕረዲ እያ።+ 15 ልቦም ብፍርሂ ኺመክኽ፡+ ብዙሓት ከኣ ኣብ ኣፍ ደገታት ከተማኦም ኪወድቁ እዮም፣ ብሰይፊ ማሕረዲ ኸምጽእ እየ። እወ፡ ከም በርቂ ማሕማሕ ትብል ኣላ፣ ንማሕረዲ እውን ተወልዊላ ኣላ! 16 ናብ የማን ቍረጽ! ናብ ጸጋም ወስ ኣብል! ስሕለትካ ናብ ዘበሎ ኺድ! 17 ኣነ ድማ ብኣእዳወይ ከጣቕዕ፡ ሃና ነድረይ እውን ከውጽእ እየ።+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ።”

18 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 19 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቲ ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን እትመጸሉ ኽልተ መገዲ ዚሕብር ምልክት ግበር። ክልቲኡ ኻብ ሓደ ሃገር ኪወጽእ እዩ፣ ኣብቲ እቲ መገዲ ናብ ክልተ ኸተማ ዚጭንፍረሉ ኸኣ መፈለጥታ* ግበር። 20 እታ ሰይፊ ናብ ራባ+ ናይ ዓሞናውያን እትመጸሉ ሓደ መገዲ ግበር፣ ናብ እተዓርደት የሩሳሌም፡+ ናብ ይሁዳ እትመጸሉ ድማ ካልእ መገዲ ግበር። 21 ንጉስ ባቢሎንሲ ኣብታ እቲ ኽልተ መገዲ ዚጭንፍረላ ቓራና መገዲ፡ ኪጥንቍል ደው ይብል እዩ። ፍላጻታቱ ይነኑ፣ ንጣኦታቱ* ይሓትት፣ ጸላም ከብዲ እውን ይምርምር እዩ። 22 ኣብ የማነይቲ ኢዱ ዘሎ ጥንቈላ፡ መፍረስ መካበብያ ንምድላው፡ ንማሕረዲ ትእዛዝ ንምሃብ፡ ጭድርታ ውግእ ንምድሃይ፡ መፍረስ መካበብያ ኣንጻር ኣፍ ደገታት ንምድላው፡ ዕርዲ ኸበባ ንምዅማር፡ መንደቕ ከበባ ንምህናጽ፡ ናብ የሩሳሌም የመልክት ኣሎ።+ 23 ኣብ ኣዒንቲ እቶም ማሕላ ዝመሓሉሎም* ግና፡ ናይ ሓሶት ጥንቈላ ኺመስል እዩ።+ ንሱ ግና በደሎም ኪዝክሮ፡ ኪሕዞም እውን እዩ።+

24 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣበሳኹም ብምቕላዕን ሓጢኣትኩም ብዅሉ ግብርኹም ብምርኣይን፡ በደልኩም ኣዘኪርኩም ኢኹም። ሕጂ ድማ ስለ እተዘከርኩም፡ ብሓይሊ* ኽትውሰዱ ኢኹም።’

25 “ግናኸ፡ ኣታ ብኸቢድ ዝቘሰልካ እኩይ ሹም እስራኤል፡+ መዓልትኻ፡ ግዜ እታ ናይ መወዳእታ መቕጻዕትኻ መጺኣ ኣላ። 26 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘መጠምጠምያ ቐንጥጥ፣ ዘውዲ ኣውጽእ።+ እዝስ ከምዚ ዘለዎ ኣይኪቕጽልን እዩ።+ ንትሑት ልዕል ኣብል፣+ ንልዑል ከኣ ኣትሕት።+ 27 ጥፍኣት፡ ጥፍኣት፡ ጥፍኣት ከምጽኣላ እየ። እቲ ሕጋዊ መሰል ዘለዎ ኽሳዕ ዚመጽእ ድማ፡+ ናይ ሓደ እኳ ኣይክትከውንን እያ፣ ኣነ እውን ንዕኡ ኽህቦ እየ።’+

28 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብዛዕባ ዓሞናውያንን ብዛዕባ ጸርፎምን ከምዚ ይብል’ ኢልካ ተነበ። ከምዚ በል፦ ‘ሰይፊ! ሰይፊ ንማሕረዲ ተመሊሓ ኣላ፣ ክትውሕጥን ከም በርቂ ማሕማሕ ክትብልን ተወልዊላ ኣላ። 29 ብዛዕባኻ ናይ ሓሶት ራእያትን ናይ ሓሶት ጥንቈላን እኳ እንተሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ቅቱላት፡* ኣብ ልዕሊ እቶም መዓልቶም፡ ግዜ ናይ መወዳእታ መቕጻዕቶም ዝመጸቶም እኩያት ክትድርበ ኢኻ። 30 ናብ ሰገባኣ ምለሳ። ኣብታ እተፈጠርካላ ቦታ፡ ኣብ ምድሪ መበቈልካ ኽፈርደካ እየ። 31 ቍጥዓይ ኣብ ልዕሌኻ ክኽዑ እየ። ሓዊ ነድረይ ኡፍ ክብለልካ፡ ኣብ ኢድ እቶም ኢደ ጥበበኛታት ጥፍኣት ዝዀኑ ሕሱማት ሰባት ድማ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ።+ 32 ንሓዊ ዚኸውን ነዳዲ ኽትከውን ኢኻ፣+ ደምካ ኣብታ ምድሪ ኺፈስስ እዩ፣ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ እሞ፡ ደጊም ኣይክትዝከርን ኢኻ።’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ