ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ዘይእሙናት ዝዀና ኽልተ ኣሓት (1-49)

        • ኦሆላ ምስ ኣሶር መንዘረት (5-10)

        • ኦሆሊባ ምስ ባቢሎንን ግብጽን መንዘረት (11-35)

        • ኣብተን ክልተ ኣሓት ዚወርድ መቕጻዕቲ (36-49)

ህዝቅኤል 23:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 3:6, 7

ህዝቅኤል 23:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 17:7፣ ዘዳ 29:16, 17፣ እያ 24:14፣ ህዝ 20:8

ህዝቅኤል 23:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ድንኳና።”

  • *

    ትርጉሙ፡ “ድንኳነይ ኣብኣ እዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:23, 24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 166፡ 239

ህዝቅኤል 23:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 14:16፣ 21:25, 26
  • +2ነገ 15:19፣ 17:3፣ ሆሴ 5:13፣ 7:11
  • +ሆሴ 2:5

ህዝቅኤል 23:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 5:3

ህዝቅኤል 23:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምንዝርናኦም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 32:1, 4፣ 1ነገ 12:28, 29፣ 2ነገ 10:29

ህዝቅኤል 23:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 15:29፣ 1ዜና 5:26

ህዝቅኤል 23:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 2:10
  • +2ነገ 17:6፣ 18:11

ህዝቅኤል 23:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 3:6-8፣ ህዝ 16:46, 47

ህዝቅኤል 23:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 16:7

ህዝቅኤል 23:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:19

ህዝቅኤል 23:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 16:29

ህዝቅኤል 23:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብምንዝርናኦም።”

  • *

    ወይ፡ “ነፍሳ ፈንፊናቶም።”

ህዝቅኤል 23:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከምቲ ነፍሰይ ንሓብታ ፈንፊናታ ኻብኣ ዘልገሰት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 3:2፣ ህዝ 16:36, 37
  • +መዝ 106:39, 40፣ ኤር 6:8፣ 12:8

ህዝቅኤል 23:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 20:7
  • +ህዝ 16:25

ህዝቅኤል 23:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 23:3
  • +እያ 24:14

ህዝቅኤል 23:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነቶም ነፍስኺ ፈንፊናቶም ካባታቶም ዘልገሰት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 16:37፣ ኣን 1:6
  • +ኤር 6:22፣ 12:9

ህዝቅኤል 23:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ጽዉዓትን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 21:19
  • +2ነገ 24:2
  • +ኤር 50:21

ህዝቅኤል 23:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    መብዛሕትኡ ግዜ ብቐስተኛታት ዚጽወር።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 39:5

ህዝቅኤል 23:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 15:7፣ 20:47

ህዝቅኤል 23:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 13:22፣ ራእ 17:16
  • +ኢሳ 3:18-23፣ ኤር 4:30፣ ህዝ 16:39

ህዝቅኤል 23:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 23:3
  • +ኢሳ 27:9፣ ህዝ 16:41፣ 22:15

ህዝቅኤል 23:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኺ ፈንፊናቶም ካባታቶም ዘልገሰት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 21:7

ህዝቅኤል 23:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:49, 51
  • +ህዝ 16:36, 37, 39

ህዝቅኤል 23:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:18
  • +መዝ 106:35, 36፣ ህዝ 6:9፣ 23:7

ህዝቅኤል 23:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 3:8፣ ህዝ 16:46, 47
  • +2ነገ 21:13፣ ኤር 25:15፣ ዳን 9:12

ህዝቅኤል 23:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 51:17
  • +ዘዳ 28:37፣ 1ነገ 9:7፣ ድጕ 2:15

ህዝቅኤል 23:33

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ክትምልኢ።”

ህዝቅኤል 23:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 75:8

ህዝቅኤል 23:35

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ናብ ዝባንኪ ስለ ዝደርበኽንን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 14:9፣ ነህ 9:26፣ ኢሳ 17:10፣ ኤር 2:32፣ 13:25

ህዝቅኤል 23:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 23:4

ህዝቅኤል 23:37

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ መንፈሳዊ ዝሙት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 1:2፣ ያእ 4:4
  • +ዘሌ 18:21፣ 2ነገ 17:17, 18፣ ህዝ 16:36

ህዝቅኤል 23:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 7:31
  • +ዘሌ 20:3

ህዝቅኤል 23:40

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 57:9
  • +ኤር 4:30

ህዝቅኤል 23:41

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 57:7
  • +ህዝ 8:10, 11
  • +ህዝ 16:17, 18
  • +ኢሳ 65:11

ህዝቅኤል 23:45

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:3, 4፣ መዝ 106:38፣ ህዝ 23:37
  • +ዘሌ 20:10
  • +ዘፍ 9:6፣ ህዝ 16:38

ህዝቅኤል 23:46

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 15:4፣ 25:9፣ ህዝ 16:40

ህዝቅኤል 23:47

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:2
  • +2ዜና 36:17
  • +2ነገ 25:9, 10፣ ኤር 39:8

ህዝቅኤል 23:48

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ጴጥ 2:6

ህዝቅኤል 23:49

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 6:13

ሓፈሻዊ

ህዝ. 23:2ኤር 3:6, 7
ህዝ. 23:3ዘሌ 17:7፣ ዘዳ 29:16, 17፣ እያ 24:14፣ ህዝ 20:8
ህዝ. 23:41ነገ 16:23, 24
ህዝ. 23:51ነገ 14:16፣ 21:25, 26
ህዝ. 23:52ነገ 15:19፣ 17:3፣ ሆሴ 5:13፣ 7:11
ህዝ. 23:5ሆሴ 2:5
ህዝ. 23:7ሆሴ 5:3
ህዝ. 23:8ዘጸ 32:1, 4፣ 1ነገ 12:28, 29፣ 2ነገ 10:29
ህዝ. 23:92ነገ 15:29፣ 1ዜና 5:26
ህዝ. 23:10ሆሴ 2:10
ህዝ. 23:102ነገ 17:6፣ 18:11
ህዝ. 23:11ኤር 3:6-8፣ ህዝ 16:46, 47
ህዝ. 23:122ነገ 16:7
ህዝ. 23:132ነገ 17:19
ህዝ. 23:16ህዝ 16:29
ህዝ. 23:18ኤር 3:2፣ ህዝ 16:36, 37
ህዝ. 23:18መዝ 106:39, 40፣ ኤር 6:8፣ 12:8
ህዝ. 23:19ህዝ 20:7
ህዝ. 23:19ህዝ 16:25
ህዝ. 23:21ህዝ 23:3
ህዝ. 23:21እያ 24:14
ህዝ. 23:22ህዝ 16:37፣ ኣን 1:6
ህዝ. 23:22ኤር 6:22፣ 12:9
ህዝ. 23:23ህዝ 21:19
ህዝ. 23:232ነገ 24:2
ህዝ. 23:23ኤር 50:21
ህዝ. 23:24ኤር 39:5
ህዝ. 23:25ህዝ 15:7፣ 20:47
ህዝ. 23:26ኤር 13:22፣ ራእ 17:16
ህዝ. 23:26ኢሳ 3:18-23፣ ኤር 4:30፣ ህዝ 16:39
ህዝ. 23:27ህዝ 23:3
ህዝ. 23:27ኢሳ 27:9፣ ህዝ 16:41፣ 22:15
ህዝ. 23:28ኤር 21:7
ህዝ. 23:29ዘዳ 28:49, 51
ህዝ. 23:29ህዝ 16:36, 37, 39
ህዝ. 23:30ኤር 2:18
ህዝ. 23:30መዝ 106:35, 36፣ ህዝ 6:9፣ 23:7
ህዝ. 23:31ኤር 3:8፣ ህዝ 16:46, 47
ህዝ. 23:312ነገ 21:13፣ ኤር 25:15፣ ዳን 9:12
ህዝ. 23:32ኢሳ 51:17
ህዝ. 23:32ዘዳ 28:37፣ 1ነገ 9:7፣ ድጕ 2:15
ህዝ. 23:34መዝ 75:8
ህዝ. 23:351ነገ 14:9፣ ነህ 9:26፣ ኢሳ 17:10፣ ኤር 2:32፣ 13:25
ህዝ. 23:36ህዝ 23:4
ህዝ. 23:37ሆሴ 1:2፣ ያእ 4:4
ህዝ. 23:37ዘሌ 18:21፣ 2ነገ 17:17, 18፣ ህዝ 16:36
ህዝ. 23:39ኤር 7:31
ህዝ. 23:39ዘሌ 20:3
ህዝ. 23:40ኢሳ 57:9
ህዝ. 23:40ኤር 4:30
ህዝ. 23:41ኢሳ 57:7
ህዝ. 23:41ህዝ 8:10, 11
ህዝ. 23:41ህዝ 16:17, 18
ህዝ. 23:41ኢሳ 65:11
ህዝ. 23:452ነገ 24:3, 4፣ መዝ 106:38፣ ህዝ 23:37
ህዝ. 23:45ዘሌ 20:10
ህዝ. 23:45ዘፍ 9:6፣ ህዝ 16:38
ህዝ. 23:46ኤር 15:4፣ 25:9፣ ህዝ 16:40
ህዝ. 23:47ዘሌ 20:2
ህዝ. 23:472ዜና 36:17
ህዝ. 23:472ነገ 25:9, 10፣ ኤር 39:8
ህዝ. 23:482ጴጥ 2:6
ህዝ. 23:49ህዝ 6:13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
  • 44
  • 45
  • 46
  • 47
  • 48
  • 49
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 23:1-49

ህዝቅኤል

23 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣዋልድ ሓንቲ ኣደ ዝዀና ኽልተ ኣንስቲ ነበራ።+ 3 ንሳተን ኣብ ግብጺ መንዘራ፣+ ካብ ንእስነተን ኣትሒዘን መንዘራ። ኣብኡ ኣጥባተን ተጸቕጠ፡ እቲ ድንግል ሕቝፈን እውን ተደርዘ። 4 ስማተን ከኣ፡ እታ ዓባይ ኦሆላ፡* እታ ሓብታ ድማ ኦሆሊባ* ይብሃላ ነበራ። ናተይ ኰና፣ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለዳ። ብዛዕባ ስማተን ከኣ፡ ኦሆላ ሰማርያ እያ፡+ ኦሆሊባ ድማ የሩሳሌም እያ።

5 “ኦሆላ ኸኣ ናተይ ከላ መንዘረት።+ ደድሕሪ እቶም ኣዝዮም ዜፍቅርዋ፡ ጐረባብታ ኣሶራውያን+ ብፍትወት ሰዓበት።+ 6 ንሳቶም ሰማያዊ እተኸድኑ ሹማምንትን መኳንንትን፡ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ እተወጥሑ ተብሃግቲ ኣጕባዝ ነበሩ። 7 ምስ ኵሎም ሕሩያት ደቂ ኣሶር ድማ መንዘረት፣ ብፍትወት ምስ ዝሰዓበቶም ጽዩፋት ጣኦታት* ከኣ ረኸሰት።+ 8 ብንእስነታ ምስኣ ደቂሶምን ንድንግል ሕቝፋ ደሪዞምን ፍትወቶም* ክዕዮምላን ነይሮም እዮም እሞ፡ ነቲ ኣብ ግብጺ እትገብሮ ዝነበረት ምንዝርና ኣይሓደገቶን።+ 9 ስለዚ፡ ኣብ ኢድ እቶም ኣዝዮም ዜፍቅርዋ፡ ብፍትወት እውን ዝሰዓበቶም ደቂ ኣሶር ኣሕሊፈ ሃብክዋ።+ 10 ንሳቶም ከኣ ዕርቃና ቐልዑ፡+ ንኣወዳታን ንኣዋልዳን ድማ ወሰድዎም፡+ ብሰይፊ እውን ቀተልዋ። ኣብ መንጎ ኣንስቲ ዕልልቲ ዀነት፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊኣ ፍርዲ ፈጸሙ።

11 “ሓብታ ኦሆሊባ እዚ ምስ ረኣየት፡ ፍትወታ ኻብኣ ዝገደደ ዀነ፣ ምንዝርናኣ ድማ ካብቲ ናይ ሓብታ ኸፍአ።+ 12 ንጐረባብታ ደቂ ኣሶር፡+ ነቶም ግርማ እተኸድኑን ኣብ ኣፍራስ እተወጥሑን ኵሎም ተብሃግቲ ኣጕባዛ ዝዀኑ ሹማምንትን መኳንንትን ብፍትወት ሰዓበቶም። 13 ምስ ረኸሰት፡ ክልቲአን ሓደ መገዲ ኸም ዝሰዓባ ረኣኹ።+ 14 ንሳ ግና ንምንዝርናኣ ወሰኸትሉ። ኣብ መንደቕ እተቐርጹ ሰብኡት፡ ብቐይሕ እተቐርጸ ምስሊ ከለዳውያን ረኣየት፣ 15 ንሳቶም ኣብ ሕቘኦም ዕጣቕ ተዓጢቖም፡ ኣብ ርእሶም ዚንጥልጠል ዘለዎ መጠምጠምያ ገይሮም ነበሩ፣ ትርኢት ተዋጋእቲ ዘለዎም፡ ኵላቶም ከም ደቂ ባቢሎን ዝትርኢቶም፡ ኣብ ምድሪ ከለዳውያን እተወልዱ ነበሩ። 16 ምስ ረኣየቶም፡ ብፍትወት ሰዓበቶም፣ ናብ ከለዳ ድማ ልኡኻት ለኣኸትሎም።+ 17 ስለዚ፡ ደቂ ባቢሎን ናብቲ ዓራት ፍቕራ መጺኦም ብፍትወቶም* ኣርከስዋ። ንሳ ብኣታቶም ምስ ረኸሰት፡ ፈንፊናቶም* ካባታቶም ኣልገሰት።

18 “መሊሳ ኸይሓነኸት ምስ መንዘረትን ዕርቃና ምስ ቀልዐትን፡+ ከምቲ ንሓብታ ፈንፊነያ ኻብኣ ዘልገስኩ፡* ንዓኣ እውን ፈንፊነያ ኻብኣ ኣልገስኩ።+ 19 ንሳ ኸኣ ነቲ ብመዓልትታት ንእስነታ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝመንዘረቶ ዘኪራ፡+ ምንዝርናኣ ኣብዝሐት።+ 20 ከም ኣንስቲ ወሰን እቶም ከም ናይ ኣድጊ ዝመትሎኦምን ከም ናይ ፈረስ ዝብልዕቶምን ሰብኡት፡ ብፍትወት ሰዓበቶም። 21 ነቲ ኣብ ግብጺ ሕቝፍኺ፡ ኣጥባት ንእስነትኪ ኺደርዙ ኸለዉ+ ዝገበርክዮ ጽያፍ ንእስነትኪ ናፈቕኪ።+

22 “ስለዚ፡ ኣቲ ኦሆሊባ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣነ ነቶም ፈንፊንክዮም ካባታቶም ዘልገስኪ* ኣፍቀርትኺ አለዓዕሎም ኣለኹ፣+ ካብ ኵሉ ኣንፈት ድማ ኣንጻርኪ ኺመጹ እዮም፣+ 23 ደቂ ባቢሎንን+ ኵሎም ከለዳውያንን፡+ ሰብ ጴኮድን+ ሾዓን ቆዓን፡ ምስ ኵሎም ደቂ ኣሶር ኪመጹ እዮም። ኵላቶም ተብሃግቲ ኣጕባዝ፡ ሹማምንትን መኳንንትን፡ ተዋጋእትን ምሩጻትን፡* ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ እተወጥሑ እዮም። 24 ሰረገላታትን መንኰራዅርን ደርጓዕጓዕ እናኣበሉ፡ ዓብዪ ኣኼባ ሰራዊት ሒዞም፡ ዓብዪ ዋልታን ንእሽቶ ዋልታን* ቍራዕ ርእስን ገይሮም ኬጥቅዑኺ እዮም። ኣብ ዙርያኺ ኪቘሙ እዮም፣ ኪፈርዱኺ ድማ ስልጣን ክህቦም እየ፣ ከም ዝመሰሎም ከኣ ኪፈርዱኺ እዮም።+ 25 ኣብ ልዕሌኺ ቝጥዓይ ክገልጽ እየ፣ ንሳቶም ድማ ብነድሪ ስጕምቲ ኺወስዱልኪ እዮም። ኣፍንጫኽን ኣእዛንክን ኪቘርጹ እዮም፣ እቶም ካባኺ ዚተርፉ ድማ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም። ንኣወዳትክን ንኣዋልድክን ኪወስድዎም፡ እቶም ካባኺ ዚተርፉ እውን ብሓዊ ኺብልዑ እዮም።+ 26 ክዳውንትኺ ኪቕንጥጡ፡+ ጽቡቕ ስልማትኪ እውን ኪምንዝዑ እዮም።+ 27 ነቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝጀመረ+ ጽያፍክን ምንዝርናኽን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።+ ናባታቶም ምጥማት ክትሓድግዮ፡ ንግብጺ እውን ደጊም ኣይክትዝክርያን ኢኺ።’

28 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣነ ኣብ ኢድ እቶም እትጸልእዮም፡ ኣብ ኢድ እቶም ፈንፊንክዮም ካባታቶም ዘልገስኪ* ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ።+ 29 ብጽልኢ ስጕምቲ ኺወስዱልኪ፡ ኵሉ እቲ ዝጸዓርክሉ ኺወስዱ፡+ ጥራይክን ዕርቕትን ገይሮም ኪሓድጉኺ እዮም። እቲ ዜሕፍር ዕርቃን ርኽሰትክን ጽያፍክን ምንዝርናኽን ኪቕላዕ እዩ።+ 30 ከም ኣመንዝራ ደድሕሪ ኣህዛብ ስለ ዝሰዓብኪ፡+ ብጽዩፋት ጣኦታቶም ከኣ ስለ ዝረኸስኪ፡+ እዚ ነገር እዚ ኣብ ልዕሌኺ ኺግበር እዩ። 31 መገዲ ሓብትኺ ስዒብኪ ኢኺ፣+ ኣነ ድማ ጽዋኣ ኣብ ኢድኪ ኽገብር እየ።’+

32 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

‘እታ ዓማቝን ገፋሕን ጽዋእ ሓብትኺ ኽትሰትዪ፡+

ከምቲ እታ ጽዋእ ብብዝሒ ሒዛቶ ዘላ እውን መስሓቕን መላገጽን ክትኰኒ ኢኺ።+

33 ብስኽራንን ብጓህን፡

ብጽዋእ ምስካሕን ምብዳምን፡

ብጽዋእ ሓብትኺ ሰማርያ ኽትስነፊ* ኢኺ።

34 ክትሰትይያን ክትጭልጥያን+ ንኣጋልዓ ኽትሓይክን ኢኺ፣

ድሕሪኡ፡ ንኣጥባትኪ ኽትቅንጥስየን ኢኺ።

“ኣነስ ተዛሪበ እየ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።’

35 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ስለ ዝረሳዕክንን ጠሪስኪ ዕሽሽ ስለ ዝበልክንን፡*+ ሳዕቤናት ጽያፍክን ምንዝርናኽን ክትጾሪ ኢኺ።’”

36 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንኦሆላን ንኦሆሊባን+ ክትፈርደን፡ እቲ ጽዩፍ ተግባራተን እውን ክትነግረን ዲኻ፧ 37 ዘምየን* እየን፣+ ኣብ ኣእዳወን ድማ ደም ኣሎ። ምስቶም ጽዩፋት ጣኦታተን ጥራይ ኣይኰናን ዘምየን፣ ነቶም ዝወለዳለይ ደቀይ፡ ብልዒ ጣኦታተን ኪዀኑስ ብሓዊ ኣሕሊፈን እየን።+ 38 ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ፡ ከምዚ ገይረናኒ እየን፦ በታ መዓልቲ እቲኣ መቕደሰይ ኣርኪሰን፡ ሰናብተይ እውን ኣርኪሰን እየን። 39 ደቀን ነቶም ጽዩፋት ጣኦታተን መስዋእቲ ኪዀኑ ምስ ሓረዳ፡+ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ መቕደሰይ ኣትየን ኣርኪሰናኣ እየን።+ ኣብ ውሽጢ ቤተይ ከምኡ እየን ገይረን። 40 አረ ሰብኡት ካብ ርሑቕ ኪመጹ እውን ልኡኻት ልኢኸን እየን።+ ኪመጹ ኸለዉ ኸኣ፡ ንስኺ ተሓጺብኪ፡ ኣዒንትኺ ተዃሒልኪ፡ ስልማት እውን ተሰሊምኪ ኢኺ።+ 41 ኣብ ብሉጽ ዓራት ተቐሚጥኪ ኢኺ፣+ ኣብ ቅድሚኡ ድማ ዕጣነይን+ ዘይተይን+ ዘንበርክሉ ሰደቓ ተዳልዩ ነይሩ።+ 42 ደሃይ ቅሱናት ህዝቢ ኸኣ ኣብኡ ተሰሚዑ፣ ኣብ መንጎኦም ድማ ካብ በረኻ ዝመጹ ሰኽራማት ነይሮም። ንሳቶም ከኣ ኣብ ኣእዳው ኣንስቲ ኣምባራት፡ ኣብ ኣራእሰን እውን ጽቡቕ ዘውድታት ገይሮም እዮም።

43 “ሽዑ፡ ብዛዕባ እታ ብዝሙት ዝበለየት፡ ‘ሕጂ እውን ክትምንዝር እያ’ ኢለ። 44 ስለዚ፡ ከምቲ ናብ ኣመንዝራ ዚኸዱ፡ ናብኣ እውን ይኸዱ ነይሮም። ከምኡ ኢሎም እዮም ናብተን ጽዩፋት ኣንስቲ ዝዀና ኦሆላን ኦሆሊባን ዚኸዱ ዝነበሩ። 45 ግናኸ፡ ንሳተን ዘመውቲ እየን፡ ኣብ ኣእዳወን እውን ደም ኣሎ እሞ፡+ ጻድቃን ብሰንኪ ዝሙትን+ ምፍሳስ ደምን+ ግቡእ ፍርዲ ኺፈርድዋ እዮም።

46 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ንመሰክሕን ንዘመተን ኪገብርወንሲ፡ ኣንጻረን ሰራዊት ኪመጹ እዮም።+ 47 እቶም ሰራዊት ኣእማን ኪድርብዩለን፡+ ብኣስያፎም ድማ ኪቘራርጽወን እዮም። ንኣወዳተንን ንኣዋልደንን ኪቐትልዎም፡+ ኣባይተን እውን ብሓዊ ኼንድዱ እዮም።+ 48 ነቲ ጽያፍ ኣብታ ምድሪ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፣ ኵለን ኣንስቲ ኸኣ ኪምሃራ፡ ጽያፍክን እውን ኣይኪቐድሓን እየን።+ 49 ሳዕቤናት ጽያፍክንን ምስቶም ጽዩፋት ጣኦታት ዝገበርክናኦ ሓጢኣትክንን ኣብ ልዕሌኽን ኬምጽኡ እዮም፣ ኣነ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንኩ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጣ ኢኽን።’”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ