ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 19
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ዳዊት ንኣቤሴሎም ሓዘነሉ (1-4)

      • ዮኣብ ንዳዊት ገንሖ (5-8ሀ)

      • ዳዊት ናብ የሩሳሌም ተመልሰ (8ለ-15)

      • ሺምዒ ይቕረታ ሓተተ (16-23)

      • መፊቦሸት ንጹህ ምዃኑ ተረጋገጸ (24-30)

      • ንጉስ ንባርዚላይ ኣኽበሮ (31-40)

      • ኣብ መንጎ እቶም ነገዳት እተላዕለ ኽትዕ (41-43)

2 ሳሙኤል 19:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 18:5, 14

2 ሳሙኤል 19:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ድሕነት።”

2 ሳሙኤል 19:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 17:24

2 ሳሙኤል 19:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 18:33

2 ሳሙኤል 19:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻን ነፍሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 3:2-5፣ 5:14-16
  • +2ሳሙ 13:1
  • +2ሳሙ 5:13፣ 15:16

2 ሳሙኤል 19:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንልቢ ገላዉኻ ድማ ተዛረብ።”

2 ሳሙኤል 19:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 18:17

2 ሳሙኤል 19:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 17:50፣ 18:7፣ 19:5፣ 2ሳሙ 5:25፣ 8:5
  • +2ሳሙ 15:14

2 ሳሙኤል 19:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 15:10, 12
  • +2ሳሙ 18:14

2 ሳሙኤል 19:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:17፣ 15:25፣ 1ነገ 1:8
  • +1ሳሙ 22:20፣ 30:7፣ 2ሳሙ 15:24፣ 1ዜና 15:11, 12
  • +2ሳሙ 2:4

2 ሳሙኤል 19:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 17:25፣ 1ዜና 2:16, 17
  • +2ሳሙ 8:16፣ 18:5, 14

2 ሳሙኤል 19:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ጠወየ።”

2 ሳሙኤል 19:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 5:9፣ 1ሳሙ 11:14

2 ሳሙኤል 19:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 16:5፣ 1ነገ 2:8, 9

2 ሳሙኤል 19:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 9:2, 10፣ 16:1

2 ሳሙኤል 19:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንሳቶም” ኪኸውን ይኽእል።

2 ሳሙኤል 19:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 16:5

2 ሳሙኤል 19:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 23:18
  • +2ሳሙ 2:18
  • +ዘጸ 22:28፣ 2ሳሙ 16:7፣ 1ነገ 21:13

2 ሳሙኤል 19:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 3:39፣ 16:10

2 ሳሙኤል 19:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 2:8, 9

2 ሳሙኤል 19:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ሸነብ ወይ ጭሕሚ ላዕለዋይ ከንፈር።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 9:3, 6፣ 16:3, 4

2 ሳሙኤል 19:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኻብ” ኪኸውን ይኽእል።

2 ሳሙኤል 19:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 9:9
  • +2ሳሙ 4:4

2 ሳሙኤል 19:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 19:16፣ 2ሳሙ 16:3

2 ሳሙኤል 19:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 9:7-10

2 ሳሙኤል 19:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 16:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    8/2018፡ ገጽ 6

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2005፡ ገጽ 18

2 ሳሙኤል 19:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 17:27-29፣ 1ነገ 2:7

2 ሳሙኤል 19:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 3:27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    9/2018፡ ገጽ 9

2 ሳሙኤል 19:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 11:25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2007፡ ገጽ 14

2 ሳሙኤል 19:34

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት ዓመታት።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2007፡ ገጽ 14

2 ሳሙኤል 19:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 90:10
  • +መክ 2:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    9/2018፡ ገጽ 9-10

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2017፡ ገጽ 23

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2007፡ ገጽ 14-15

2 ሳሙኤል 19:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 50:13
  • +1ነገ 2:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2007፡ ገጽ 14-15

2 ሳሙኤል 19:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 31:55፣ 1ሳሙ 20:41፣ ግብ 20:37

2 ሳሙኤል 19:40

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 11:14
  • +2ሳሙ 2:4

2 ሳሙኤል 19:41

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 8:1፣ 12:1፣ 2ሳሙ 19:15

2 ሳሙኤል 19:42

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 78:68, 70

ሓፈሻዊ

2 ሳሙ. 19:12ሳሙ 18:5, 14
2 ሳሙ. 19:32ሳሙ 17:24
2 ሳሙ. 19:42ሳሙ 18:33
2 ሳሙ. 19:52ሳሙ 3:2-5፣ 5:14-16
2 ሳሙ. 19:52ሳሙ 13:1
2 ሳሙ. 19:52ሳሙ 5:13፣ 15:16
2 ሳሙ. 19:82ሳሙ 18:17
2 ሳሙ. 19:91ሳሙ 17:50፣ 18:7፣ 19:5፣ 2ሳሙ 5:25፣ 8:5
2 ሳሙ. 19:92ሳሙ 15:14
2 ሳሙ. 19:102ሳሙ 15:10, 12
2 ሳሙ. 19:102ሳሙ 18:14
2 ሳሙ. 19:112ሳሙ 8:17፣ 15:25፣ 1ነገ 1:8
2 ሳሙ. 19:111ሳሙ 22:20፣ 30:7፣ 2ሳሙ 15:24፣ 1ዜና 15:11, 12
2 ሳሙ. 19:112ሳሙ 2:4
2 ሳሙ. 19:132ሳሙ 17:25፣ 1ዜና 2:16, 17
2 ሳሙ. 19:132ሳሙ 8:16፣ 18:5, 14
2 ሳሙ. 19:15እያ 5:9፣ 1ሳሙ 11:14
2 ሳሙ. 19:162ሳሙ 16:5፣ 1ነገ 2:8, 9
2 ሳሙ. 19:172ሳሙ 9:2, 10፣ 16:1
2 ሳሙ. 19:192ሳሙ 16:5
2 ሳሙ. 19:212ሳሙ 23:18
2 ሳሙ. 19:212ሳሙ 2:18
2 ሳሙ. 19:21ዘጸ 22:28፣ 2ሳሙ 16:7፣ 1ነገ 21:13
2 ሳሙ. 19:222ሳሙ 3:39፣ 16:10
2 ሳሙ. 19:231ነገ 2:8, 9
2 ሳሙ. 19:242ሳሙ 9:3, 6፣ 16:3, 4
2 ሳሙ. 19:262ሳሙ 9:9
2 ሳሙ. 19:262ሳሙ 4:4
2 ሳሙ. 19:27ዘሌ 19:16፣ 2ሳሙ 16:3
2 ሳሙ. 19:282ሳሙ 9:7-10
2 ሳሙ. 19:292ሳሙ 16:4
2 ሳሙ. 19:312ሳሙ 17:27-29፣ 1ነገ 2:7
2 ሳሙ. 19:32ምሳ 3:27
2 ሳሙ. 19:33ምሳ 11:25
2 ሳሙ. 19:35መዝ 90:10
2 ሳሙ. 19:35መክ 2:8
2 ሳሙ. 19:37ዘፍ 50:13
2 ሳሙ. 19:371ነገ 2:7
2 ሳሙ. 19:39ዘፍ 31:55፣ 1ሳሙ 20:41፣ ግብ 20:37
2 ሳሙ. 19:401ሳሙ 11:14
2 ሳሙ. 19:402ሳሙ 2:4
2 ሳሙ. 19:41መሳ 8:1፣ 12:1፣ 2ሳሙ 19:15
2 ሳሙ. 19:42መዝ 78:68, 70
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ሳሙኤል 19:1-43

2 ሳሙኤል

19 ንዮኣብ ድማ፡ “ንጉስ ብዛዕባ ኣቤሴሎም ይበክን ይሓዝንን ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ።+ 2 ኵሉ እቲ ህዝቢ፡ ንጉስ ብዛዕባ ወዱ ይጕሂ ኸም ዘሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ እቲ ዓወት* በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ሓዘን ተቐየረ። 3 እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ከምቲ ኣብ ውግእ ብምህዳሙ ዝሓፈረ ህዝቢ ዀይኑ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣጽቂጡ ናብ ከተማ ተመልሰ።+ 4 ንጉስ ድማ ገጹ ሸፊኑ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ኣቤሴሎም ወደይ! ኣቤሴሎም ወደይ፡ ወደይ!” ኢሉ ይጭድር ነበረ።+

5 ዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ ናብታ ቤት ኣትዩ ኸምዚ በለ፦ “ሎሚ፡ ንዅሎም እቶም በዛ መዓልቲ እዚኣ ህይወትካን ህይወት* ኣወዳትካን+ ኣዋልድካን+ ኣንስትኻን ኣንስቲ ወሰንካን+ ዘድሓኑ ገላዉኻ ኣሕፊርካዮም። 6 ንኣሕሉቕካን ንገላዉኻን ግዲ ኸም ዘይብልካ ሎሚ ኣነጺርካ ኢኻ እሞ፡ ነቶም ዚጸልኡኻ ኣፍቂርካ፡ ነቶም ዜፍቅሩኻ ድማ ጸሊእካ ኢኻ። ኣቤሴሎም ሎሚ ብህይወት እንተ ዚህሉ፡ ንሕና ዅልና ግና እንተ ንመውት፡ ንዓኻ ቕኑዕ ኰይኑ ኸም ዚረኣየካ ኣረጋጊጸ እየ። 7 ሕጂ ኸኣ፡ ተንሲእካ ውጻእ፡ ንገላዉኻ ድማ ኣተባብዓዮም፣* እንተ ዘይወጺእካስ፡ ሎሚ ለይቲ ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኸም ዘይሓድር፡ ብየሆዋ እምሕል ኣለኹ። እዚ ድማ ካብቲ ኻብ ንእስነትካ ኣትሒዙ ኽሳዕ ሕጂ ዝመጸካ ጕድኣት ኪኸፍኣካ እዩ።” 8 ንጉስ ከኣ ተንሲኡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ተቐመጠ፣ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ድማ፡ “ሕጂ ንጉስ ኣብ ኣፍ ደገ ተቐሚጡ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። ሽዑ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ናብ ቅድሚ ንጉስ መጸ።

እስራኤል ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ሃዲሙ ነበረ።+ 9 ኣብ ኵሉ ነገዳት እስራኤል ዝነበረ ዅሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ተኻትዐ፦ “ንጉስ ካብ ኢድ ጸላእትና ኣድሒኑና፡+ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን እውን ኣናጊፉና፣ ሕጂ ግና ብሰሪ ኣቤሴሎም ካብዛ ምድሪ ሃዲሙ ኣሎ።+ 10 እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ፡+ ኣብ ውግእ ሞይቱ።+ ሕጂ ኸኣ፡ ንምምላስ ንጉስ ዋላ ሓንቲ ዘይትገብሩ ዘለኹም ስለምንታይ ኢኹም፧”

11 ንጉስ ዳዊት ድማ ንጻዶቅን+ ንኣብያታርን+ እቶም ካህናት ከምዚ ኢሉ ለኣኸሎም፦ “ንዓበይቲ ይሁዳ ኸምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፦+ ‘ዘረባ ዅሉ እስራኤል ናብ ንጉስ ናብ ቤቱ መጺኡ ኸሎስ፡ ስለምንታይ ንስኻትኩም ንንጉስ ናብ ቤቱ ንምምላስ ዳሕሮት ኴንኩም፧ 12 ንስኻትኩም ኣሕዋተይ ኢኹም፣ ንስኻትኩም ዓጽመ ስጋይ ኢኹም። ስለምንታይ ደኣ ንምምላስ ንጉስ ዳሕሮት ኴንኩም፧’ 13 ንዓማሳ+ ኸኣ፡ ‘ንስኻስ ዓጽመ ስጋይ ደይኰንካን፧ ንስኻ ኻብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ክንዲ ዮኣብ ሓለቓ ሰራዊተይ እንተ ዘይኴንካ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ እውን ይወስኸሉ’ በልዎ።”+

14 ንልቢ ዅሎም ሰብ ይሁዳ ድማ ከም ሓደ ሰብ ገይሩ ማረኸ፣* ንሳቶም ከኣ ናብ ንጉስ፡ “ንስኻን ኵሎም ገላዉኻን ተመለሱ” ኢሎም ለኣኹ።

15 ንጉስ ከኣ ኪምለስ ጀመረ፡ ናብ ዮርዳኖስ እውን በጽሐ፣ ሰብ ይሁዳ ድማ ንንጉስ ኪቕበልዎን ኣሰንዮም ዮርዳኖስ ኬሳግርዎን ናብ ጊልጋል+ መጹ። 16 ሺምዒ+ ወዲ ጌራ እቲ ብንያማዊ ብዓል ባሑሪም ከኣ፡ ንንጉስ ዳዊት ኪቕበሎ ምስ ሰብ ይሁዳ ተቐላጢፉ ወረደ፣ 17 ምስኡ ድማ ካብ ብንያም 1,000 ሰብኡት ነበሩ። ጺባ+ ጊልያ ቤት ሳኦል እውን ምስ 15 ኣወዳቱን 20 ገላዉኡን፡ ቀቅድሚ ንጉስ ናብ ዮርዳኖስ ተቐላጢፉ ወረደ። 18 ንሱ* ድማ ንቤተ ሰብ ንጉስ ንምስጋር፡ ዝደለዮ ዘበለ እውን ኪገብረሉ ኢሉ ነቲ መሳገሪ ተሳገረ። ሺምዒ ወዲ ጌራ ኸኣ፡ ንጉስ ንዮርዳኖስ ኪሳገር ምስ በለ፡ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ። 19 ንንጉስ ድማ፡ “ጐይታይ ኣበሳይ ኣይሓዘለይ፣ በታ ጐይታይ ንጉስ ካብ የሩሳሌም ዝወጸላ መዓልቲ ጊልያኻ ዝበደሎ ኣይዘክሮ።+ ንጉስ ኣብ ልቡ ኣየንብሮ። 20 ኣነ ኸም ዝበደልኩኻስ፡ ጊልያኻ ኣጸቢቑ ፈሊጡ እዩ፣ ስለዚ፡ ሎሚ ንጐይታይ ንጉስ ንምቕባል፡ ካብ ኵላ ቤት ዮሴፍ ቀዳማይ ኰይነ ወሪደ ኣለኹ” በሎ።

21 ሽዑ፡ ኣቢሻይ+ ወዲ ጽሩያ፡+ “ሺምዒ ንቕቡእ የሆዋ ረጊሙ እዩ እሞ፡ በዚ ኺመውትዶ ኣይግብኦን፧” በለ።+ 22 ዳዊት ግና፡ “ኣቱም ደቂ ጽሩያ፡ ሎሚ እትጻረሩንስ፡ እዚ ምሳኻትኩም እንታይ ኣለዎ፧+ ሎሚዶ ኣብ እስራኤል ሰብ ይመውት፧ ሎሚ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ከም ዝዀንኩስ ኣይፈልጥን ድየ፧” በለ። 23 ንጉስ ከኣ ንሺምዒ፡ “ኣይክትመውትን ኢኻ” በሎ። ንጉስ ድማ መሓለሉ።+

24 መፊቦሸት+ ወዲ ወዱ ንሳኦል እውን ንንጉስ ኪቕበሎ ወረደ። ንሱ ኻብታ ንጉስ ዝኸደላ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ብሰላም እተመልሰላ መዓልቲ፡ እግሩ ኣይተኸናኸነን፡ ጭሕሙ* ድማ ኣይቀምቀመን፡ ክዳውንቱ እውን ኣይሓጸበን። 25 ንንጉስ ኪቕበሎ ናብ* የሩሳሌም ምስ መጸ፡ ንጉስ፡ “መፊቦሸት፡ ስለምንታይ ምሳይ ዘይከድካ፧” በሎ። 26 ንሱ ኸኣ፡ “ጐይታይ ንጉስ፡ ጊልያይ ኣታሊሉኒ።+ ጊልያኻ ስንኩል ስለ ዝዀነስ፡+ ‘ኣድጊ ጽዒነ፡ ተወጢሐያ ምስ ንጉስ ክኸይድ’ ኢሉ ነይሩ። 27 ንሱ ግና ንጊልያኻ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ሓምይዎ።+ ግናኸ፡ ጐይታይ ንጉስ ከም መልኣኽ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ጽቡቕ ዝመሰለካ ግበር። 28 ኵሎም ቤተ ሰብ ኣቦይሲ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ሞት ይግብኣና ነይሩ እዩ፣ ንስኻ ግና ንጊልያኻ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ መኣድኻ ዚበልዑ ኣቐሚጥካዮ።+ ደጊምከ ኣብ ንጉስ ንምጥራዕ እንታይ መሰል ኣሎኒ፧” በለ።

29 ግናኸ፡ ንጉስ፡ “ስለምንታይ መሊስካ ኸምዚ እትዛረብ፧ ነቲ ግራት ንስኻን ጺባን ክትማቐልዎ ወሲነ እየ” በለ።+ 30 መፊቦሸት ድማ ንንጉስ፡ “ጐይታይ ንጉስ ብሰላም ናብ ቤቱ ኻብ ተመልሰስ፡ ኵሉ እኳ ይውሰዶ” በሎ።

31 ባርዚላይ+ እቲ ጊልዓዳዊ ኸኣ፡ ንንጉስ ናብ ዮርዳኖስ ንምስናይ፡ ካብ ሮግሊም ናብ ዮርዳኖስ ወረደ። 32 ባርዚላይ ድማ ኣዝዩ ኣሪጉ፡ ወዲ 80 ዓመት ኰይኑ ነበረ፣ ንሱ ኸኣ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ንጉስ ኣብ ማሓናዪም ተቐሚጡ ኸሎ፡ ይምግቦ ነበረ።+ 33 ንጉስ ድማ ንባርዚላይ፡ “ምሳይ ተሳገር እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ክምግበካ እየ” በሎ።+ 34 ባርዚላይ ግና ንንጉስ ከምዚ በሎ፦ “ምስ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ዝድይብሲ፡ ክንደይ መዓልትታት* ህይወተይ እየን ተሪፈናኒ፧ 35 ኣነ ሎሚ ወዲ 80 ዓመት እየ።+ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ክፈሊዶ እኽእል እየ፧ ኣነ ጊልያኻስ ጣዕሚ እቲ ዝበልዖን ዝሰትዮን ክፈልጥዶ እኽእል እየ፧ ገናዶ ድምጺ ዚደርፉን ዚደርፋን ክሰምዕ እኽእል እየ፧+ ስለምንታይ ደኣ ጊልያኻ ንጐይታይ ንጉስ ተወሳኺ ጾር ዝዀኖ፧ 36 ጊልያኻ ንንጉስ ናብ ዮርዳኖስ ኬምጽኦ ምኽኣሉ፡ እኹል እዩ። ስለምንታይከ ንጉስ በዚ ዓስቢ እዚ ዚኽሕሰኒ፧ 37 በጃኻ፡ ጊልያኻ ይመለስ፣ ኣብ ከተማይ፡ ኣብ ጥቓ መቓብር ኣቦይን ኣደይን ከኣ እሙት።+ ጊልያኻ ኪምሃም ግና እንሆ።+ ንሱ ምስ ጐይታይ ንጉስ ይሳገር፣ ጽቡቕ ዝመሰለካ ድማ ግበረሉ።”

38 ንጉስ ከኣ፡ “ኪምሃም ምሳይ ኪሳገር እዩ፣ ንዕኡ ድማ ጽቡቕ ዝመሰለካ ኽገብረሉ እየ፣ ንዓኻ እውን እትሓትተኒ ዘበለ ኽገብረልካ እየ” በሎ። 39 ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ዮርዳኖስ ተሳገረ፣ ንጉስ ኪሳገር ከሎ ኸኣ፡ ንጉስ ንባርዚላይ ስዒሙ+ መረቖ፣ ድሕርዚ፡ ባርዚላይ ናብ ቦታኡ ተመልሰ። 40 ንጉስ ድማ ናብ ጊልጋል ኪሳገር ከሎ፡+ ኪምሃም ምስኡ ተሳገረ። ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ፍርቂ ህዝቢ እስራኤልን ከኣ ንንጉስ ኣሳገርዎ።+

41 ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ቀሪቦም፡ “ኣሕዋትና ሰብ ይሁዳ ዝሰረቑኻን ንንጉስን ንቤተ ሰቡን ምስ ኵሎም ገላዉ ዳዊት ዮርዳኖስ ዘሳገርዎምን ስለምንታይ እዮም፧” በልዎ።+ 42 ኵሎም ሰብ ይሁዳ ኸኣ ንሰብ እስራኤል፡ “ንጉስ ንዓና ስለ ዚቐርብ ኢና።+ ንስኻትኩምከ ስለምንታይ ኢኹም በዚ እተቘጣዕኩም፧ ካብ ንጉስዶ ገለ በሊዕና ኢና፧ ወይ ገለ ህያብዶ ተዋሂቡና እዩ፧” ኢሎም መለሱሎም።

43 ሰብ እስራኤል ግና ንሰብ ይሁዳ፡ “ንሕና ኣብ ንጉስ ዓሰርተ ኢድ ኣሎና፣ ስለዚ፡ ኣብ ዳዊት ዝበለጸ ግደ ኣሎና። ስለምንታይ ደኣ ንዒቕኩምና፧ ንንጉስና ንምምላስ፡ ንሕና ቐዳሞት ክንከውንዶ ኣይግብኣናን እዩ፧” ኢሎም መለሱሎም። ግናኸ፡ ካብ ዘረባ ሰብ እስራኤልሲ ዘረባ ሰብ ይሁዳ ሓየለ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ