ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 29
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ኣንጻር ፈርኦን እተዘርበ ትንቢት (1-16)

      • ግብጺ ንባቢሎን ዓስቢ ዀይና ኽትውሃብ እያ (17-21)

ህዝቅኤል 29:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:17, 19፣ 43:10, 11፣ ህዝ 31:2

ህዝቅኤል 29:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብዝን ኣብ ታሕትን፡ “ኒል” ንፈለግ ኒልን ነቲ ናይ መስኖ መትረባቱን የመልክት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 32:2
  • +ህዝ 29:9
  • +ኤር 46:25፣ ህዝ 31:18

ህዝቅኤል 29:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 78-80

ህዝቅኤል 29:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:33
  • +ህዝ 32:4

ህዝቅኤል 29:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሻምብቆ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 36:6፣ ኤር 37:5-7፣ ህዝ 17:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 78

ህዝቅኤል 29:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንምሕኵልቶም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 17:5

ህዝቅኤል 29:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 46:14፣ ህዝ 30:4፣ 32:12

ህዝቅኤል 29:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንሱስ፡ ‘ፈለግ ኒል ናተይ እዩ፣ ኣነ እየ ገይረዮ’ ኢሉ ነይሩ እዩ እሞ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 43:11-13
  • +ህዝ 29:3

ህዝቅኤል 29:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 44:1
  • +ህዝ 30:6, 7
  • +ህዝ 30:12

ህዝቅኤል 29:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 31:12፣ 32:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2007፡ ገጽ 8

ህዝቅኤል 29:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 46:19
  • +ህዝ 30:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2007፡ ገጽ 8

ህዝቅኤል 29:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 46:25, 26

ህዝቅኤል 29:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:13, 14፣ ህዝ 30:14

ህዝቅኤል 29:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 30:13
  • +ህዝ 32:2

ህዝቅኤል 29:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:2፣ 36:4, 6፣ ኤር 2:18፣ 37:5-7

ህዝቅኤል 29:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:9፣ 27:3, 6
  • +ህዝ 26:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2007፡ ገጽ 8

ህዝቅኤል 29:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 43:10, 12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2007፡ ገጽ 8-9

ህዝቅኤል 29:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ኣንጻር ጢሮስ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 30:9, 10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2007፡ ገጽ 8-9

ህዝቅኤል 29:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንቤት እስራኤል ከበርትዓ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 2:10፣ ሉቃ 1:69

ሓፈሻዊ

ህዝ. 29:2ኤር 25:17, 19፣ 43:10, 11፣ ህዝ 31:2
ህዝ. 29:3ህዝ 32:2
ህዝ. 29:3ህዝ 29:9
ህዝ. 29:3ኤር 46:25፣ ህዝ 31:18
ህዝ. 29:5ኤር 25:33
ህዝ. 29:5ህዝ 32:4
ህዝ. 29:6ኢሳ 36:6፣ ኤር 37:5-7፣ ህዝ 17:17
ህዝ. 29:7ኤር 17:5
ህዝ. 29:8ኤር 46:14፣ ህዝ 30:4፣ 32:12
ህዝ. 29:9ኤር 43:11-13
ህዝ. 29:9ህዝ 29:3
ህዝ. 29:10ኤር 44:1
ህዝ. 29:10ህዝ 30:6, 7
ህዝ. 29:10ህዝ 30:12
ህዝ. 29:11ህዝ 31:12፣ 32:13
ህዝ. 29:12ኤር 46:19
ህዝ. 29:12ህዝ 30:23
ህዝ. 29:13ኤር 46:25, 26
ህዝ. 29:14ዘፍ 10:13, 14፣ ህዝ 30:14
ህዝ. 29:15ህዝ 30:13
ህዝ. 29:15ህዝ 32:2
ህዝ. 29:16ኢሳ 30:2፣ 36:4, 6፣ ኤር 2:18፣ 37:5-7
ህዝ. 29:18ኤር 25:9፣ 27:3, 6
ህዝ. 29:18ህዝ 26:7
ህዝ. 29:19ኤር 43:10, 12
ህዝ. 29:20ህዝ 30:9, 10
ህዝ. 29:211ሳሙ 2:10፣ ሉቃ 1:69
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 29:1-21

ህዝቅኤል

29 ኣብ ዓስረይቲ ዓመት፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 12 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቢልካ ምለስ እሞ ኣንጻሩን ኣንጻር ኵላ ግብጽን ተነበ።+ 3 እዚ ቓላት እዚ ተዛረብ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“ኣታ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ፡

ኣታ ኣብ መንጎ ወሓይዝ ኒል* በጥ እትብል ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ፡+

ኣታ፡ ‘ፈለግ ኒል ናተይ እዩ።

ኣነ ንርእሰይ እየ ገይረዮ’ እትብል፡+ እንሆ ኣንጻርካ እየ።+

 4 ኣብ ምንጋጋኻ ኸኣ ዓንቃሪቦታት ክገብር፡ ንዓሳታት ኒል ኣብ ቅርፍትኻ ኸላግቦም እየ።

ምስ ኵሎም እቶም ኣብ ቅርፍትኻ ዝለገቡ ዓሳታት ካብ ኒልካ ኸውጽኣካ እየ።

 5 ንዓኻ ምስ ኵሎም እቶም ዓሳታት ኒልካ ኣብ ምድረ በዳ ኽሓድገካ እየ።

ኣብ መሮር ክትወድቕ ኢኻ፣ ኣይክትእረን፡ ኣይክትእከብን እውን ኢኻ።+

ንኣራዊት ምድርን ንኣዕዋፍ ሰማይን ምግቢ ገይረ ኽህበካ እየ።+

 6 ሽዑ፡ ኵሎም ነበርቲ ግብጺ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም፣

ንሳቶምሲ ንቤት እስራኤል ካብ ሓሰር* ዘይሓይሽ ደገፍ እዮም ነይሮም።+

 7 ብኢዶም ምስ ሓዙኻ፡ ተጨፍሊቕካ፣

መንኵቦም ድማ ሰንጢቕካ።

ኣባኻ ምስ ተደገፉ፡ ተሴርካ፣

ንኣእጋሮም* ከኣ ሰንከልከል ኣቢልካ።”+

8 “‘ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ሰይፊ አምጽኣልካ ኣለኹ፣+ ካባኻ ድማ ሰብን እንስሳን ክምንቍስ እየ። 9 ምድሪ ግብጺ ኽትባድምን ክትዓኑን እያ፣+ ንስኻስ፡ ‘ፈለግ ኒል ናተይ እዩ፣ ኣነ እየ ገይረዮ’ ኢልካ ኔርካ ኢኻ እሞ፡*+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። 10 ስለዚ፡ ኣነ ኣንጻርካን ኣንጻር ኒልካን እየ፣ ንምድሪ ግብጺ፡ ካብ ሚግዶል+ ክሳብ ሴኔ+ ኽሳብ ዶብ ኢትዮጵያ ኸዕንዋን ከንቅጻን ከባድማን+ እየ። 11 ሰብ ኰነ ማል ብእግሪ ኣይኪሓልፋን እዩ፣+ ን40 ዓመት እውን ነባሪ ኣይኪህልዋን እዩ። 12 ንምድሪ ግብጺ ኻብ ኵለን ሃገራት ኣዝያ ዝባደመት ክገብራ እየ፣ ከተማታታ ኸኣ ን40 ዓመት ኣዝየን ዝባደማ ኪዀና እየን፣+ ንግብጻውያን ድማ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ከብሎም፡ ኣብ መንጎ ሃገራት እውን ክብትኖም እየ።”+

13 “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “ድሕሪ 40 ዓመት ንግብጻውያን ካብቶም ፋሕ ዝበሉሎም ህዝብታት ክእክቦም እየ፣+ 14 ንምሩኻት ግብጻውያን ናብ ምድሪ ጳጥሮስ፡+ ናብታ ምድሪ መበቈሎም ክመልሶም እየ፣ ዘይትረብሕ መንግስቲ ድማ ኪዀኑ እዮም። 15 ግብጺ ኻብ ካልኦት መንግስትታት ክትትሕት እያ፣ ንኻልኦት ኣህዛብ ከኣ ደጊም ኣይክትዕብልልን እያ።+ ንኻልኦት ኣህዛብ ከይገዝኡ ድማ ሒደት ክገብሮም እየ።+ 16 ንቤት እስራኤል ምንጪ እምንቶ ኣይክትከውንን እያ፣+ ነቲ ረድኤት ደልዮም ናብ ግብጻውያን ቍሊሕ ብምባሎም ዝገበርዎ ስሕተት ጥራይ ከተዘክሮም እያ። ኣነ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።”’”

17 ኣብ መበል 27 ዓመት፡ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 18 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቡካድነጻር*+ ንጉስ ባቢሎን ንሰራዊቱ ኣንጻር ጢሮስ ብዙሕ ኣጽዒርዎም እዩ።+ ኵሉ ርእሲ ነዂዑ፡ ኵሉ መንኵብ እውን ተመሊጡ እዩ። ንሱን ሰራዊቱን ግና ነቲ ኣብ ጢሮስ ዝጸዓርዎ ጻዕሪ ዓስቢ ኣይረኸቡሉን።

19 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ምድሪ ግብጺ ንነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን እህቦ ኣለኹ፣+ ንሱ ድማ ሃብታ ኺወስድ፡ ካብኣ እውን ብዙሕ ኪማርኽን ኪዘምትን እዩ፣ ንሰራዊቱ ኸኣ ዓስቢ ኽትከውን እያ።’

20 “‘ምእንታይ ስለ ዝገበርዎ፡ ጻማ እቲ ኣንጻራ* ዝጸዓሮ ጻዕሪ፡ ምድሪ ግብጺ ኽህቦ እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።

21 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ኸብቍል* እየ፣+ ኣብ መንጎኦም ክትዛረብ እውን ኣጋጣሚ ክኸፍተልካ እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ