29 ድሕሪ ብዙሕ መግናሕቲ ኽሳዱ ዜትርር ሰብ፡+
ብሃንደበት ከም ዘይሓዊ ዀይኑ ይስበር።+
2 ጻድቃን እንተ በዝሑ፡ ህዝቢ ይሕጐስ፣
እኩይ እንተ ገዝአ ግና፡ ህዝቢ እህህ ይብል።+
3 ጥበብ ዚፈቱ ሰብ ንኣቦኡ የሐጕሶ፣+
ምስ ኣመናዝር ዚቀራረብ ግና፡ ሃብቱ ይዘሩ።+
4 ንጉስ ብፍትሒ ኣብ ሃገር ርግኣት የምጽእ፣+
ጉቦ ዚደሊ ሰብ ግና የጥፍኣ።
5 ንብጻዩ ዚሽሕጦ ሰብ
ንኣእጋሩ መርበብ ይዝርግሓሉ።+
6 ንእኩይ ሰብሲ ኣበሳኡ ይፍንጥሮ፣+
ጻድቕ ግና እልል ይብል፡ ይሕጐስ እውን።+
7 ጻድቕሲ ሕጋዊ መሰላት ድኻታት የተሓሳስቦ፣+
እኩይ ግና እዚ ኣየተሓሳስቦን።+
8 ምኩሓት ሰባት፡ ከተማ የቃጽሉ፣+
ጥበበኛታት ግና ቍጥዓ ይመልሱ።+
9 ጥበበኛ ምስ ዓሻ ምስ ዚከራኸር፡
ታዕታዕን ላግጽን እምበር፡ ዕግበት ኣይረክብን።+
10 ደም ዝጸምኡ ሰባት ንንጹህ ይጸልእዎ፣+
ህይወት ቅኑዓት ኬጥፍኡ ድማ ይደልዩ።
11 ዓሻ ንዅሉ ስምዒቱ ይድርጕሖ፣+
ጥበበኛ ግና ብህድኣት ይቈጻጸሮ።+
12 ገዛኢ ኣብ ሓሶት ምስ ዜቕልብ፡
ኵሎም ገላዉኡ እኩያት ይዀኑ።+
13 ድኻ ሰብን ጭቁንን ሓደ ሓባራዊ ነገር ኣለዎም፣
የሆዋ ንኣዒንቲ ኽልቲኦም ብርሃን ይህበን።
14 ንጉስ ንድኻ ብቕንዕና ምስ ዚፈርዶ፡+
ዝፋኑ ወትሩ ይጸንዕ።+
15 ሻቦጥን መግናሕትን ጥበብ ይህብ፣+
ስዲ እተሓድገ ውሉድ ግና ንኣዲኡ የሕፍራ።
16 እኩያት ምስ ዚበዝሑ፡ ኣበሳ ይበዝሕ፣
ጻድቃን ግና ውድቀቶም ይርእዩ።+
17 ንወድኻ ገስጾ እሞ ኼዕርፈካ፡
ብዙሕ እውን ባህ ኬብለካ እዩ።+
18 ራእይ ኣብ ዘይብሉ፡ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፣+
ሕጊ ዚሕልዉ ግና ሕጉሳት እዮም።+
19 ጊልያ እንተ ተረድኦ እኳ ኣይእዘዝን እዩ እሞ፡
ብቓላት ኣይእረምን እዩ።+
20 ተሃዊኹ ዚዛረብ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፧+
ካብኡስ ንዓሻ ዝያዳ ተስፋ ኣለዎ።+
21 ካብ ንእስነቱ ዝሓንቀቐ ጊልያ፡
ደሓር ዘየመስግን ይኸውን።
22 ቍጡዕ ሰብ፡ ባእሲ የለዓዕል፣+
ነዳሪ ድማ ብዙሕ ይእብስ።+
23 ንሰብ ትዕቢቱ የትሕቶ፣+
ትሑት ዝመንፈሱ ግና ክብሪ ይረክብ።+
24 መሻርኽቲ ሰራቒ ንርእሱ ይጸልኣ።
ኪምስክር ጻውዒት ሰሚዑስ፡ ገለ እኳ ኣይገልጽን።+
25 ፍርሂ ሰብ መፈንጠራ እዩ፣+
ብየሆዋ ዚእመን ግና ይዕቈብ።+
26 ብዙሓት ኣብ ቅድሚ ገዛኢ ኪቐርቡ ይደልዩ፣
ሰብ ፍትሒ ዚረክብ ግና ካብ የሆዋ እዩ።+
27 ዓማጺ ሰብ ኣብ ጻድቃን ፍንፉን እዩ፣+
ቅኑዕ ዝመገዱ ኸኣ ኣብ እኩይ ፍንፉን እዩ።+