ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅላ እስራኤል ነገሰ (1-5)

      • የሩሳሌም ተታሕዘት (6-16)

        • ጽዮን፡ ከተማ ዳዊት (7)

      • ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ሰዓሮም (17-25)

2 ሳሙኤል 5:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:1, 11፣ 1ዜና 12:23
  • +1ዜና 11:1-3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2005፡ ገጽ 17

2 ሳሙኤል 5:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንእስራኤል እተውጽእን እተእቱን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:13፣ 25:28
  • +ዘፍ 49:10፣ 1ሳሙ 16:1፣ 25:30፣ 2ሳሙ 6:21፣ 7:8፣ 1ዜና 28:4፣ መዝ 78:71

2 ሳሙኤል 5:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 11:17
  • +1ሳሙ 16:13፣ 2ሳሙ 2:4፣ ግብ 13:22

2 ሳሙኤል 5:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 29:26, 27

2 ሳሙኤል 5:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 14:18

2 ሳሙኤል 5:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 23:23፣ እያ 15:63፣ መሳ 1:8, 21
  • +1ዜና 11:4-6

2 ሳሙኤል 5:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 2:10፣ ነህ 12:37

2 ሳሙኤል 5:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ ዳዊት እትጸልኦም።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/1997፡ ገጽ 9-10

2 ሳሙኤል 5:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኢሉ ሰመያ” ኪኸውን ይኽእል።

  • *

    ወይ፡ “ሚሎ።” “ምላእ” ዝትርጉሙ ቓል እብራይስጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 9:15, 24፣ 11:27፣ 1ዜና 11:7-9፣ 2ዜና 32:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1519

2 ሳሙኤል 5:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 16:13፣ 2ሳሙ 3:1
  • +1ሳሙ 17:45

2 ሳሙኤል 5:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 5:1, 8
  • +2ዜና 2:3
  • +2ሳሙ 7:2፣ 1ዜና 14:1, 2

2 ሳሙኤል 5:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:16፣ መዝ 41:11፣ 89:21
  • +1ነገ 10:9፣ 2ዜና 2:11
  • +መዝ 89:27

2 ሳሙኤል 5:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 15:16
  • +1ዜና 3:5-9፣ 14:3-7

2 ሳሙኤል 5:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 3:23, 31
  • +2ሳሙ 12:24

2 ሳሙኤል 5:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 5:3
  • +መዝ 2:2
  • +1ሳሙ 22:1, 5፣ 24:22፣ 2ሳሙ 23:14፣ 1ዜና 14:8

2 ሳሙኤል 5:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 15:8, 12፣ 1ዜና 11:15፣ 14:9

2 ሳሙኤል 5:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 27:21
  • +1ዜና 14:10-12

2 ሳሙኤል 5:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ጐይታ ምፍንጣስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 22:41
  • +ኢሳ 28:21

2 ሳሙኤል 5:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 15:8, 12፣ 1ዜና 11:15፣ 14:13-17

2 ሳሙኤል 5:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:7
  • +እያ 18:21, 24
  • +እያ 16:10

ሓፈሻዊ

2 ሳሙ. 5:12ሳሙ 2:1, 11፣ 1ዜና 12:23
2 ሳሙ. 5:11ዜና 11:1-3
2 ሳሙ. 5:21ሳሙ 18:13፣ 25:28
2 ሳሙ. 5:2ዘፍ 49:10፣ 1ሳሙ 16:1፣ 25:30፣ 2ሳሙ 6:21፣ 7:8፣ 1ዜና 28:4፣ መዝ 78:71
2 ሳሙ. 5:32ነገ 11:17
2 ሳሙ. 5:31ሳሙ 16:13፣ 2ሳሙ 2:4፣ ግብ 13:22
2 ሳሙ. 5:41ዜና 29:26, 27
2 ሳሙ. 5:5ዘፍ 14:18
2 ሳሙ. 5:6ዘጸ 23:23፣ እያ 15:63፣ መሳ 1:8, 21
2 ሳሙ. 5:61ዜና 11:4-6
2 ሳሙ. 5:71ነገ 2:10፣ ነህ 12:37
2 ሳሙ. 5:91ነገ 9:15, 24፣ 11:27፣ 1ዜና 11:7-9፣ 2ዜና 32:5
2 ሳሙ. 5:101ሳሙ 16:13፣ 2ሳሙ 3:1
2 ሳሙ. 5:101ሳሙ 17:45
2 ሳሙ. 5:111ነገ 5:1, 8
2 ሳሙ. 5:112ዜና 2:3
2 ሳሙ. 5:112ሳሙ 7:2፣ 1ዜና 14:1, 2
2 ሳሙ. 5:122ሳሙ 7:16፣ መዝ 41:11፣ 89:21
2 ሳሙ. 5:121ነገ 10:9፣ 2ዜና 2:11
2 ሳሙ. 5:12መዝ 89:27
2 ሳሙ. 5:132ሳሙ 15:16
2 ሳሙ. 5:131ዜና 3:5-9፣ 14:3-7
2 ሳሙ. 5:14ሉቃ 3:23, 31
2 ሳሙ. 5:142ሳሙ 12:24
2 ሳሙ. 5:172ሳሙ 5:3
2 ሳሙ. 5:17መዝ 2:2
2 ሳሙ. 5:171ሳሙ 22:1, 5፣ 24:22፣ 2ሳሙ 23:14፣ 1ዜና 14:8
2 ሳሙ. 5:18እያ 15:8, 12፣ 1ዜና 11:15፣ 14:9
2 ሳሙ. 5:19ዘሁ 27:21
2 ሳሙ. 5:191ዜና 14:10-12
2 ሳሙ. 5:202ሳሙ 22:41
2 ሳሙ. 5:20ኢሳ 28:21
2 ሳሙ. 5:22እያ 15:8, 12፣ 1ዜና 11:15፣ 14:13-17
2 ሳሙ. 5:25ዘሌ 26:7
2 ሳሙ. 5:25እያ 18:21, 24
2 ሳሙ. 5:25እያ 16:10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ሳሙኤል 5:1-25

2 ሳሙኤል

5 ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጺኦም፡+ “እንሆ፡ ንሕና ዓጽምኻን ስጋኻን ኢና።+ 2 ኣቐዲሙ፡ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ነጊሱ ኸሎ፡ ንስኻ ንእስራኤል ኣብ ወፈራታቱ ትመርሖ* ኔርካ።+ የሆዋ ኸኣ ንዓኻ፡ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፣ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ኢሉካ እዩ” በልዎ።+ 3 ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ናብ ንጉስ ናብ ኬብሮን መጹ። ንጉስ ዳዊት ድማ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ።+ ሽዑ፡ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ቀብእዎ።+

4 ዳዊት ኪነግስ ከሎ ወዲ 30 ዓመት ነበረ፣ 40 ዓመት ድማ ነገሰ።+ 5 ኣብ ኬብሮን ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ 7 ዓመትን 6 ወርሕን ነገሰ፣ ኣብ የሩሳሌም+ ኰይኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤልን ይሁዳን 33 ዓመት ነገሰ። 6 ንጉስን ሰቡን ድማ ናብ የሩሳሌም፡ ነቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ይቡሳውያን ኪጻረሩ ኸዱ።+ ንሳቶም ከኣ ንዳዊት፡ “ናብዚ ኸቶ ኣይክትኣቱን ኢኻ! ዕዉራትን ሓንካሳትን እኳ ኺሰጕጉኻ እዮም” ኢሎም ኣባጨዉሉ። ‘ዳዊት ናብዚ ኸቶ ኣይኪኣቱን እዩ’ ኢሎም ሓሲቦም ነበሩ።+ 7 ዳዊት ግና ንዕርዲ ጽዮን፡ ንሳ ሕጂ ኸተማ ዳዊት፡ ሓዛ።+ 8 ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ “እቶም ንይቡሳውያን ዜጥቅዑ፡ ነቶም ዳዊት ዚጸልኦም* ‘ሓንካሳትን ዕዉራትን’ ንምውቃዕ በቲ መትረብ ማይ ኣቢሎም ይኺዱ!” በለ። ስለዚ እዩ፡ “ዕዉራትን ሓንካሳትን ናብ ቤት ከቶ ኣይእተዉ” እተባህለ። 9 ዳዊት ድማ ኣብቲ ዕርዲ ተቐመጠ እሞ፡ ከተማ ዳዊት ተባህለት።* ዳዊት ድማ ካብቲ ዅምራ* ኣትሒዙ ብዙርያኣን ኣብ ውሽጣን ሃነጸ።+ 10 በዚ ኸምዚ፡ ዳዊት እናዓበየ ኸደ፣+ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት ከኣ ምስኡ ነበረ።+

11 ሒራም+ ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻትን ኣዕጫው ቄድሮስን+ ጸረብትን ነደቕትን ሰደደሉ፣ ንሳቶም ከኣ ንዳዊት ቤት* ሃነጹሉ።+ 12 ዳዊት ድማ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘጽንዖ፡+ ነታ መንግስቱ እውን ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ+ ልዕል ከም ዘበላ ፈለጠ።+

13 ዳዊት ከኣ ካብ ኬብሮን ድሕሪ ምምጻኡ፡ ኣብ የሩሳሌም ተወሰኽቲ ኣንስቲ ወሰንን+ ኣንስትን ኣእተወ፣ ንዳዊት ድማ ተወሰኽቲ ኣወዳትን ኣዋልድን ተወልዱሉ።+ 14 ስማት እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ እዚ እዩ፦ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን+ ሰሎሞንን+ 15 ይብሓርን ኤሊሹዓን ነፈግን ያፊዓን 16 ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኤሊፈለጥን።

17 ፍልስጥኤማውያን ድማ፡ ዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ከም እተቐብአ ምስ ሰምዑ፡+ ኵሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ።+ ዳዊት ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ዕርዲ ወረደ።+ 18 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብ ስንጭሮ* ረፋይም ኣትዮም ፋሕ በሉ።+ 19 ዳዊት ድማ ንየሆዋ፡ “ኣንጻር ፍልስጥኤማውያንዶ ኽድይብ፧ ንዓታቶምከ ኣብ ኢደይዶ ኽትህበኒ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ የሆዋ ኸኣ ንዳዊት፡ “ንፍልስጥኤማውያን ብርግጽ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ደይብ” በሎ።+ 20 ዳዊት ድማ ናብ በዓል-ጰራጺም መጸ፣ ዳዊት ከኣ ኣብኣ ወቕዖም። ሽዑ፡ “ከምቲ ማያት ዚፍንጥስ፡ የሆዋ ንጸላእተይ ፈንጠሶም” በለ።+ ስለዚ እያ እታ ቦታ እቲኣ በዓል-ጰራጺም* እተሰምየት።+ 21 ፍልስጥኤማውያን ድማ ጣኦታቶም ኣብኡ ሓደጉ፣ ዳዊትን ሰቡን ከኣ ኣልዓልዎም።

22 ፍልስጥኤማውያን ድማ ከም ብሓድሽ ደዪቦም ኣብ ስንጭሮ* ረፋይም+ ፋሕ በሉ። 23 ዳዊት ከኣ ንየሆዋ ሓተቶ፣ ንሱ ድማ፡ “ብቐጥታ ኣይትደይብ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብድሕሪኦም ዙር እሞ፡ ብመንጽር እቲ ቘጥቋጣት ባኻ እተዎም። 24 ኣብ ርእሲ እቲ ቘጥቋጣት ባኻ ደሃይ ዚስጕሙ ምስ ሰማዕካ፡ የሆዋ ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪወቕዖም ቅድሜኻ ወጺኡ ኣሎ እሞ፡ ሽዑ ስጕምቲ ውሰድ” በሎ። 25 ዳዊት ከኣ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ፣ ንፍልስጥኤማውያን+ ድማ ካብ ጌባዕ+ ክሳብ ጌዘር+ ወቕዖም።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ