ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 27
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ያእቆብ ምርቓ ይስሃቅ ረኸበ (1-29)

      • ኤሳው ዘይተነስሐ ኽነሱ፡ ኪምረቕ ደለየ (30-40)

      • ኤሳው ንያእቆብ ጸልኦ (41-46)

ዘፍጥረት 27:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:28

ዘፍጥረት 27:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:27

ዘፍጥረት 27:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ።”

ዘፍጥረት 27:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:30

ዘፍጥረት 27:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:28

ዘፍጥረት 27:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:30, 31

ዘፍጥረት 27:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:13, 43

ዘፍጥረት 27:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2004፡ ገጽ 11

ዘፍጥረት 27:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:25፣ 27:23

ዘፍጥረት 27:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:21

ዘፍጥረት 27:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:8, 43

ዘፍጥረት 27:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:23, 26

ዘፍጥረት 27:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:25፣ 27:11

ዘፍጥረት 27:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:9

ዘፍጥረት 27:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐንስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:31-33፣ ሮሜ 9:10-12
  • +ዘፍ 27:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2007፡ ገጽ 30

    1/10/2007፡ ገጽ 31

ዘፍጥረት 27:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:11, 12

ዘፍጥረት 27:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:16

ዘፍጥረት 27:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 11:20

ዘፍጥረት 27:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይ ክትምርቐካ እያ።”

ዘፍጥረት 27:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 48:10

ዘፍጥረት 27:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:27፣ 27:15

ዘፍጥረት 27:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 11:11
  • +ዘሁ 13:26, 27
  • +ዘፍ 27:37፣ ዘዳ 7:13

ዘፍጥረት 27:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:23
  • +ዘፍ 12:1, 3፣ 28:1, 3፣ 31:42፣ ህዝ 25:12, 13

ዘፍጥረት 27:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:3

ዘፍጥረት 27:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐንስ።”

ዘፍጥረት 27:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:25, 31፣ እብ 12:16

ዘፍጥረት 27:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 12:16, 17

ዘፍጥረት 27:36

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ተሓዝ ሸዀና፣ ወሳድ ቦታ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:26፣ 32:28፣ ሆሴ 12:3
  • +ዘፍ 25:32-34
  • +ዘፍ 27:28

ዘፍጥረት 27:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:23፣ 27:29፣ ሮሜ 9:10, 12
  • +ዘዳ 33:28

ዘፍጥረት 27:38

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 12:16, 17

ዘፍጥረት 27:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 24:4፣ እብ 11:20

ዘፍጥረት 27:40

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 32:6፣ ዘሁ 20:18
  • +ዘፍ 25:23፣ 2ሳሙ 8:14፣ ሚል 1:2, 3
  • +2ነገ 8:20፣ 2ዜና 28:17

ዘፍጥረት 27:41

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣሞ 1:11
  • +ዘፍ 35:28, 29

ዘፍጥረት 27:42

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንዓኻ ቐቲሉ ኺጸናናዕ ይደሊ ኣሎ።”

ዘፍጥረት 27:43

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 28:5

ዘፍጥረት 27:46

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 26:34, 35፣ 28:8
  • +ዘፍ 24:2, 3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/9/2006፡ ገጽ 21-22

    1/7/1995፡ ገጽ 23

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 27:1ዘፍ 25:28
ዘፍ. 27:3ዘፍ 25:27
ዘፍ. 27:5ዘፍ 27:30
ዘፍ. 27:6ዘፍ 25:28
ዘፍ. 27:7ዘፍ 27:30, 31
ዘፍ. 27:8ዘፍ 27:13, 43
ዘፍ. 27:11ዘፍ 25:25፣ 27:23
ዘፍ. 27:12ዘፍ 27:21
ዘፍ. 27:13ዘፍ 27:8, 43
ዘፍ. 27:15ዘፍ 25:23, 26
ዘፍ. 27:16ዘፍ 25:25፣ 27:11
ዘፍ. 27:17ዘፍ 27:9
ዘፍ. 27:19ዘፍ 25:31-33፣ ሮሜ 9:10-12
ዘፍ. 27:19ዘፍ 27:4
ዘፍ. 27:21ዘፍ 27:11, 12
ዘፍ. 27:22ዘፍ 27:16
ዘፍ. 27:23እብ 11:20
ዘፍ. 27:26ዘፍ 48:10
ዘፍ. 27:27ዘፍ 25:27፣ 27:15
ዘፍ. 27:28ዘዳ 11:11
ዘፍ. 27:28ዘሁ 13:26, 27
ዘፍ. 27:28ዘፍ 27:37፣ ዘዳ 7:13
ዘፍ. 27:29ዘፍ 25:23
ዘፍ. 27:29ዘፍ 12:1, 3፣ 28:1, 3፣ 31:42፣ ህዝ 25:12, 13
ዘፍ. 27:30ዘፍ 27:3
ዘፍ. 27:32ዘፍ 25:25, 31፣ እብ 12:16
ዘፍ. 27:34እብ 12:16, 17
ዘፍ. 27:36ዘፍ 25:26፣ 32:28፣ ሆሴ 12:3
ዘፍ. 27:36ዘፍ 25:32-34
ዘፍ. 27:36ዘፍ 27:28
ዘፍ. 27:37ዘፍ 25:23፣ 27:29፣ ሮሜ 9:10, 12
ዘፍ. 27:37ዘዳ 33:28
ዘፍ. 27:38እብ 12:16, 17
ዘፍ. 27:39እያ 24:4፣ እብ 11:20
ዘፍ. 27:40ዘፍ 32:6፣ ዘሁ 20:18
ዘፍ. 27:40ዘፍ 25:23፣ 2ሳሙ 8:14፣ ሚል 1:2, 3
ዘፍ. 27:402ነገ 8:20፣ 2ዜና 28:17
ዘፍ. 27:41ኣሞ 1:11
ዘፍ. 27:41ዘፍ 35:28, 29
ዘፍ. 27:43ዘፍ 28:5
ዘፍ. 27:46ዘፍ 26:34, 35፣ 28:8
ዘፍ. 27:46ዘፍ 24:2, 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
  • 44
  • 45
  • 46
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 27:1-46

ዘፍጥረት

27 ይስሃቅ ኣሪጉ ኣዒንቱ ምርኣይ ክሳዕ ዚስእና ምስ ደኸማ፡ ንኤሳው እቲ ዓብዪ ወዱ ጸዊዑ፡+ “ወደየ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ” ኢሉ መለሰ። 2 ንሱ ድማ፡ “ሕጂ ኣሪገ እየ። መዓልቲ ሞተይ ከኣ ኣይፈልጥን እየ። 3 ሕጂ ድማ በጃኻ ኣጽዋርካ፡ ማለት ጕልድባኻን ቀስትኻን፡ ውሰድ እሞ፡ ንመሮር ወፊርካ፡ ሃዲንካ ኣምጽኣለይ።+ 4 ኣነ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኸኣ ሰሪሕካ ኣምጽኣለይ። ሽዑ፡ ቅድሚ ሙማተይ ምእንቲ ኽምርቐካስ፡* ክበልዖ እየ” በለ።

5 ርብቃ ግና ይስሃቅ ንወዱ ኤሳው ኪዛረቦ ኸሎ ትሰምዖ ነበረት። ኤሳው ድማ ሃዲኑ ኼምጽእ ናብ መሮር ወፈረ።+ 6 ርብቃ ኸኣ ንወዳ ያእቆብ፡+ “ኣቦኻ ንሓውካ ኤሳው ከምዚ ኢሉ ኺዛረቦ ሰሚዐ፦ 7 ‘ሃዲንካ ጥዑም ብልዒ ሰሪሕካ ኣምጽኣለይ። ኣነ ድማ ቅድሚ ሞተይ፡ በሊዐ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽምርቐካ እየ።’+ 8 ሕጂ ኸኣ ወደየ፡ ተጠንቂቕካ ስማዕ፡ ከምቲ ዝእዝዘካ ድማ ግበር።+ 9 በጃኻ ናብተን መጓሰ ኼድካ፡ ካብአን ክልተ ብሉጻት መሓስእ ኣምጽኣለይ፣ ኣነ ኸኣ ንዓታተን ከምቲ ኣቦኻ ዚፈትዎ ጥዑም ብልዒ ገይረ ኽሰርሓሉ እየ። 10 ሽዑ፡ ቅድሚ ሞቱ ምእንቲ ኺምርቐካስ፡ ናብ ኣቦኻ ትወስዶ” በለቶ።

11 ያእቆብ ድማ ንኣዲኡ ርብቃ፡ “ሓወይ ኤሳው ግና ጸጓር ሰብኣይ እዩ፣+ ኣነ ኸኣ ልሙጽ ሰብኣይ እየ። 12 ኣቦይ እንተ ዳህሰሰኒኸ፧+ ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብርግጽ መላገጺ ክኸውን እየ፣ ኣብ ልዕለይ ከኣ ኣብ ክንዲ ምርቓስ፡ መርገም ከምጽእ እየ” በላ። 13 ኣዲኡ ድማ፡ “ወደየ፡ እቲ ንዓኻ እተባህለ መርገምሲ ኣባይ ይብጻሕ። ከምቲ ዝበልኩኻ ግዳ ግበር፡ ኬድካ ኸኣ ኣምጽኣለይ” በለቶ።+ 14 ከይዱ ድማ ወሰደን፡ ንኣዲኡ እውን ኣምጽኣላ፣ ኣዲኡ ኸኣ ከምቲ ኣቦኡ ዚፈትዎ ጥዑም ብልዒ ሰርሐት። 15 ድሕርዚ፡ ርብቃ ነቲ ኣብ ቤት ዝነበረ ብሉጽ ክዳውንቲ ኤሳው እቲ ዓብዪ ወዳ ወሲዳ፡ ንያእቆብ እቲ ንእሽቶ ወዳ+ ኸደነቶ። 16 ኣብ ኣእዳዉን ኣብቲ ጸጕሪ ዘይብሉ ኽፋል ክሳዱን ከኣ፡ ቈርበት እተን መሓስእ ገበረትሉ።+ 17 ሽዑ፡ ነቲ ዝሰርሓቶ ጥዑም ብልዕን እንጌራን ንወዳ ያእቆብ ሃበቶ።+

18 ንሱ ድማ ናብ ኣቦኡ ኣትዩ፡ “ኣቦየ” በሎ። ንሱ ድማ፡ “እነኹ። ወደይ ንስኻ መን ኢኻ፧” በለ። 19 ያእቆብ ከኣ ንኣቦኡ፡ “ኣነ ኤሳው በዅርኻ እየ።+ ከምቲ ዝበልካኒ ገይረ ኣለኹ። በጃኻ ቕንዕ ኢልካ ኾፍ በል እሞ ምእንቲ ኽትምርቐንስ፡* ካብዚ ሃዲነ ዘምጻእክዎ ብላዕ” በሎ።+ 20 ይስሃቅ ድማ ንወዱ፡ “ወደየ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ኽንድዚ ብቕልጡፍ ረኺብካ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “የሆዋ ኣምላኽካ ስለ ዘጓነፈለይ እዩ” ኢሉ መለሰ። 21 ይስሃቅ ድማ ንያእቆብ፡ “ወደየ፡ ብሓቂ ንስኻ ወደይ ኤሳው እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ በጃኻ ኽድህስሰካ ቕረብ” በሎ።+ 22 ያእቆብ ከኣ ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ቀረበ፣ ንሱ ኸኣ ዳህሰሶ እሞ፡ “ድምጽስ ድምጺ ያእቆብ እዩ፣ ኣእዳው ግና ኣእዳው ኤሳው እየን” በለ።+ 23 ኣእዳዉ ኸም ኣእዳው ሓዉ ኤሳው ጸጓራት ኰይነን ስለ ዝነበራ፡ ኣየለለዮን። ስለዚ፡ መረቖ።+

24 ድሕሪኡ፡ “ብሓቂዶ ወደይ ኤሳው ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “እወ፡ ኣነ እየ” ኢሉ መለሰ። 25 ንሱ ድማ፡ “ወደየ፡ ካብቲ ሃድን ክበልዕሲ ኣቕርበለይ፣ ድሕሪኡ፡ ክምርቐካ እየ”* በለ። ምስ ኣቕረበሉ፡ ንሱ በልዐ፣ ወይኒ እውን ኣቕረበሉ፡ ንሱ ድማ ሰተየ። 26 ኣቦኡ ይስሃቅ ከኣ፡ “ወደየ፡ በጃኻ ቐሪብካ ስዓመኒ” በሎ።+ 27 ቀሪቡ ድማ ሰዓሞ፣ ንሱ ድማ ጨና ኽዳውንቱ ኣጫነወ።+ ሽዑ፡ ከምዚ ኢሉ መረቖ፦

“እንሆ፡ ጨና ወደይ ከም ጨና እቲ የሆዋ ዝባረኾ መሮር እዩ። 28 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ኣውሊ ሰማያትን+ ፍርያም ሓመድ ምድርን+ ኣኺሉ ዚተርፍ እኽልን ጕዕሽ ወይንን ይሃብካ።+ 29 ህዝብታት ይገዝኡኻ፡ ኣህዛብ ድማ ይስገዱልካ። ጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፡ ደቂ እኖኻ እውን ይስገዱልካ።+ ዚረግመካ ርጉም፡ ዚምርቐካ ድማ ምሩቕ ይኹን።”+

30 ይስሃቅ ንያእቆብ መሪቑ ምስ ወድአ፡ ያእቆብ ድማ ካብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሃቅ ውጽእ ምስ በለ፡ ሓዉ ኤሳው ካብ ሃድን ተመልሰ።+ 31 ንሱ እውን ጥዑም ብልዒ ኣዳልዩ፡ ናብ ኣቦኡ ኣቕረቦ። ንኣቦኡ ኸኣ፡ “ምእንቲ ኽትምርቐንስ፡* ኣቦይ ተንሲኡ ኻብ ሃድን ወዱ ይብላዕ” በሎ። 32 ኣቦኡ ይስሃቅ ከኣ፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ ኤሳው በዅሪ ወድኻ እየ”+ በለ። 33 ሽዑ፡ ይስሃቅ ራዕራዕ በለ፡ “እቲ ሃዲኑ ዘምጽኣለይ ደኣ መን እዩ፧ ቅድሚ ምምጻእካ ድማ ኣነ በሊዐ መሪቐዮ እየ፣ ብርግጽ ድማ ምሩቕ ኪኸውን እዩ” ኸኣ በለ።

34 ኤሳው ዘረባ ኣቦኡ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ዓው ኢሉ ኣምሪሩ ገዓረ፣ ንኣቦኡ ኸኣ፡ “ኣቦየ፡ ንዓይ እውን መርቐኒ” በሎ።+ 35 ንሱ ግና፡ “እቲ ንዓኻ እተባህለ ምርቓስ፡ ሓውካ ኣታሊሉ ወሲድዎ” በሎ። 36 ንሱ ኸኣ፡ “ክልተ ሳዕ ቦታይ ኪወስድሲ፡ ስሙዶ ግዳ ያእቆብ* ኣይተባህለን፧+ ድሮ ብዅርናይ ወሲዱ እዩ፣+ ሕጂ ኸኣ ምርቓይ ወሲዱ!”+ በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ንዓይከ ምርቓዶ ኣየትረፍካለይን፧” በለ። 37 ይስሃቅ ግና ንኤሳው፡ “እንሆ፡ ጐይታኻ ገይረዮ፡+ ኵሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ገላዉኡ ገይረ ሂበዮ፡ ብእኽልን ብጕዕሽ ወይንን ከኣ ኣጸግየዮ እየ።+ ወደየ፡ ንዓኻ ዝገብረልካ ደኣ እንታይ ዝተረፈ ኣልዩ፧” ኢሉ መለሰሉ።

38 ኤሳው ድማ ንኣቦኡ፡ “ኣቦየ፡ ሓንቲ ምርቓ ጥራይ ድያ ዘላትካ፧ ኣቦየ፡ ንዓይ እውን መርቐኒ” በሎ። ኤሳው ከኣ ዓው ኢሉ በኸየ።+ 39 ኣቦኡ ይስሃቅ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦

“እንሆ፡ ምቕማጥካ ኻብ ፍርያም ሓመድ ምድሪ ዝረሓቐ ኪኸውን፡ ካብ ኣውሊ ናይ ላዕሊ ሰማያት እውን ዝረሓቐ ኪኸውን እዩ።+ 40 ብሰይፍኻ ኽትነብር ኢኻ፣+ ንሓውካ ድማ ክትግዝኦ ኢኻ።+ ዕረፍቲ ምስ ሰኣንካ ግና፡ ኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽትሰብር ኢኻ።”+

41 ኤሳው ግና ብምኽንያት እቲ ኣቦኡ ዝመረቖ ምርቓ፡ ንያእቆብ ጸልኦ።+ ኤሳው ከኣ ብልቡ፡ “ንኣቦይ እንሓዝነሉ መዓልትታት ይቐርባ ኣለዋ።+ ሽዑ፡ ንሓወይ ያእቆብ ክቐትሎ እየ” በለ። 42 ንርብቃ ድማ ዘረባ ኤሳው ዓብዪ ወዳ ምስ ተነግራ፡ ብኡብኡ ንያእቆብ እቲ ንእሽቶ ወዳ ጸዊዓ፡ “እንሆ፡ ሓውካ ኤሳው ሕነ ኺፈዲ ኢሉ ኪቐትለካ ይደሊ ኣሎ።* 43 ሕጂ ኸኣ ወደየ፡ ከምዚ ዝብለካ ግበር፣ ተንስእ እሞ ናብ ሓወይ ላባን፡ ናብ ካራን ህደም።+ 44 ነድሪ ሓውካ ኽሳዕ ዚሃድእ፡ ንግዜኡ ምስኡ ተቐመጥ። 45 ቍጥዓ ሓውካ ኽሳዕ ዚዝሕል፡ እቲ ዝገበርካዮ ድማ ክሳዕ ዚርስዖ ምስኡ ጽናሕ። ሽዑ፡ ልኢኸ ኻብኡ ኸምጽኣካ እየ። ስለምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝስእነኩም፧” በለቶ።

46 ድሕርዚ፡ ርብቃ ንይስሃቅ፡ “ብምኽንያት ኣዋልድ ሔት፡ ንህይወተይ ፈንፊነያ እየ።+ ያእቆብ ካብ ኣዋልድ ሔት፡ ከምዘን ኣዋልድ እዛ ምድሪ እዚኣ፡ ሰበይቲ እንተ ወሲዱ፡ ህይወት እንታይ ትዓብሰለይ፧” ትብሎ ነበረት።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ