ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ብዛዕባ ጢሮስ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-18)

ኢሳይያስ 23:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:17, 22፣ 47:4፣ ህዝ 26:3፣ 27:2፣ ዮኤ 3:4፣ ኣሞ 1:9, 10፣ ዘካ 9:3, 4
  • +2ዜና 9:21፣ ህዝ 27:25
  • +ዘፍ 10:2, 4፣ ኤር 2:10፣ ህዝ 27:6

ኢሳይያስ 23:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:15፣ ህዝ 27:8

ኢሳይያስ 23:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዘርኢ።”

  • *

    ማለት፡ ጨንፈር ፈለግ ኒል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:18
  • +ህዝ 27:32, 33፣ 28:4

ኢሳይያስ 23:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ደናግል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 47:4

ኢሳይያስ 23:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 19:1, 16
  • +ህዝ 27:35፣ 28:19

ኢሳይያስ 23:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 28:2

ኢሳይያስ 23:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 4:37፣ ያእ 4:6

ኢሳይያስ 23:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ወደብ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 23:1፣ ህዝ 26:14, 17

ኢሳይያስ 23:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 26:5, 15

ኢሳይያስ 23:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 26:13
  • +ህዝ 27:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2007፡ ገጽ 17

ኢሳይያስ 23:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 13:19፣ ኣን 1:6
  • +ኢሳ 10:12፣ ናሆ 3:18፣ ጸፎ 2:13
  • +ህዝ 26:8, 9

ኢሳይያስ 23:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 23:1

ኢሳይያስ 23:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:8, 11፣ 27:3, 6

ኢሳይያስ 23:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክራር።”

ኢሳይያስ 23:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 60:5

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 23:1ኤር 25:17, 22፣ 47:4፣ ህዝ 26:3፣ 27:2፣ ዮኤ 3:4፣ ኣሞ 1:9, 10፣ ዘካ 9:3, 4
ኢሳ. 23:12ዜና 9:21፣ ህዝ 27:25
ኢሳ. 23:1ዘፍ 10:2, 4፣ ኤር 2:10፣ ህዝ 27:6
ኢሳ. 23:2ዘፍ 10:15፣ ህዝ 27:8
ኢሳ. 23:3ኤር 2:18
ኢሳ. 23:3ህዝ 27:32, 33፣ 28:4
ኢሳ. 23:4ኤር 47:4
ኢሳ. 23:5ኢሳ 19:1, 16
ኢሳ. 23:5ህዝ 27:35፣ 28:19
ኢሳ. 23:8ህዝ 28:2
ኢሳ. 23:9ዳን 4:37፣ ያእ 4:6
ኢሳ. 23:10ኢሳ 23:1፣ ህዝ 26:14, 17
ኢሳ. 23:11ህዝ 26:5, 15
ኢሳ. 23:12ህዝ 26:13
ኢሳ. 23:12ህዝ 27:6
ኢሳ. 23:13ኢሳ 13:19፣ ኣን 1:6
ኢሳ. 23:13ኢሳ 10:12፣ ናሆ 3:18፣ ጸፎ 2:13
ኢሳ. 23:13ህዝ 26:8, 9
ኢሳ. 23:14ኢሳ 23:1
ኢሳ. 23:15ኤር 25:8, 11፣ 27:3, 6
ኢሳ. 23:18ኢሳ 60:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 23:1-18

ኢሳይያስ

23 ብዛዕባ ጢሮስ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+

ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡+ ዋይዋይ በላ!

ወደብሲ ጠፊኡ እዩ፣ ኪእቶ ኣይከኣልን እዩ።

ካብ ምድሪ ኪቲም+ ተገሊጹሎም ኣሎ።

 2 ኣቱም ነበርቲ ገምገም ባሕሪ፡ ስቕ በሉ።

እቶም ባሕሪ ዚሳገሩ ነጋዶ ሲዶን+ መሊኦምኺ ኣለዉ።

 3 እኽሊ* ሺሖር፡*+ ምህርቲ ኒል፡ ኣታዊኣ፡

መኽሰብ ኣህዛብ ኬምጽእ፡+

ብልዕሊ ብዙሕ ማያት ከይዱ።

 4 ኣቲ ሲዶን፡ ኣቲ ዕርዲ ባሕሪ፡ ሕፈሪ፣

ባሕርስ ከምዚ ኢሉ እዩ፦

“ቅልውላው ኣይሓዘንን፡ ኣይወለድኩን ከኣ፣

ኣጕባዝ ኣየዕበኹን፡ ኣዋልድ* እውን ኣየዕበኹን።”+

 5 ከምቲ ወረ ግብጺ ምስ ሰምዑ ዝዀንዎ፡+

በቲ ወረ ጢሮስ ኪሳቐዩ እዮም።+

 6 ናብ ተርሲስ ተሳገሩ!

ኣቱም ነበርቲ ገምገም ባሕሪ፡ ዋይዋይ በሉ!

 7 እታ ኻብ ቀደም፡ ካብ ጥንቲ ፍስህቲ ዝነበረት ከተማኹምሲ እዚኣ ድያ፧

ኣእጋራ ኸኣ ኣብኡ ኽትነብር ናብ ርሑቕ ሃገራት ይወስዳኣ ነይረን።

 8 ኣብ ልዕሊ እታ ወሃቢት ዘውድታት ዝነበረት፡

መሳፍንቲ ዝነጋዶኣ፡

ኣብ ኵላ ምድሪ ዚኽበሩ ድማ ዝሸቃጦኣ ጢሮስ፡+

እዚ ዝወሰነ መን እዩ፧

 9 ብጽባቐኣ ዘለዋ ትምክሕቲ ኼርክስ፡

ነቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚኽበሩ ድማ ኬዋርድ ኢሉ፡+

የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ ወሲንዎ።

10 ኣቲ ጓል ተርሲስ፡ ከም ፈለግ ኒል ኴንኪ ምድርኺ ተሳገሪ።

ደጊም መዐሸጊ መርከብ* የልቦን።+

11 ንሱ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርጊሑ፡

ንመንግስትታት ድማ ኣናዊጽዎም ኣሎ።

የሆዋ፡ ዕርድታት ፊንቄ ኺጠፍእ ኣዚዙ ኣሎ።+

12 “ኣቲ ጭቍንቲ፡ ኣቲ ድንግል ጓል ሲዶን፡

ደጊም ኣይክትፍስህን ኢኺ።+

ተንስኢ፡ ናብ ኪቲም ተሳገሪ።+

ኣብኡ እኳ ዕረፍቲ ኣይክትረኽብን ኢኺ” ድማ ይብል ኣሎ።

13 እንሆ፡ ምድሪ ከለዳውያን።+

እዚ ህዝቢ እዚ እዩ፡—ኣሶር+ ኣይኰነን፡—

እወ፡ ንሳቶም ስፍራ ነበርቲ ምድረ በዳ ገይሮምዋ።

ግምቢ ኸበባ ኣቚሞም፣

ንዓኣ ዑና ገይሮም ድማ

ንእተዓርደ ግምብታታ ጥራዩ ገይሮምዎ።+

14 ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡

ዕርድኽን ጠፊኡ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በላ።+

15 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጢሮስ ከም ዕድመ* ሓደ ንጉስ፡ ን70 ዓመት ክትርሳዕ እያ።+ ኣብ መወዳእታ 70 ዓመት፡ ከምቲ ኣብ ደርፊ ኣመንዝራ ዚብሃል ክትከውን እያ፦

16 “ኣቲ ርስዕቲ ኣመንዝራ፡ መሰንቆ* ውሰዲ፡ ኣብ ከተማ ዙሪ።

መሰንቆኺ ጽቡቕ ጌርኪ ውቕዒ፣

ምእንቲ ኺዝክሩኽስ፡

ብዙሕ ደርፍታት ድረፊ።”

17 ኣብ መወዳእታ 70 ዓመት፡ የሆዋ ንጢሮስ ቈላሕታ ኺገብረላ፡ ንሳ እውን ናብ ዓስባ ኽትምለስ፡ ኣብ ገጽ ምድሪ ምስ ዘለዋ ዅለን መንግስትታት ዓለም ድማ ክትምንዝር እያ። 18 መኽሰባን ዓስባን ግና ንየሆዋ እተቐደሰ ኪኸውን እዩ። ዓስባ ነቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚቕመጡ ስለ ዚኸውን፡ ንሳቶም ክሳዕ ዚጸግቡ ምእንቲ ኺበልዑን ብሉጽ ክዳውንቲ ምእንቲ ኪኽደኑንሲ፡+ ኣይኪኽዘንን ወይ ኣይኪንበርን እዩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ