13 ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ብራእይ ዝረኣዮ ኣንጻር ባቢሎን+ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦
2 “ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ከረን መላጥ ኣኻውሕ ኣልዕሉ።+
ብኣፍ ደገታት ልዑላን ኪኣትዉስ፡
ተደሃይዎም፡ ኢድኩም ኣወዛውዙ።
3 ነቶም ዝሸምክዎም ኣዚዘዮም ኣለኹ።+
ቍጥዓይ ንምግላጽ ንጀጋኖይ፡
ብዅርዓት ንዚፍስሁ ጸዊዐዮም ኣለኹ።
4 ስምዑ! ህዝቢ ኣብ ኣኽራን ኣሎ፣
ናይ ብዙሕ ህዝቢ ደሃይ ኣሎ!
ስምዑ! ናይ መንግስትታትን
ናይ እኩባት ኣህዛብን ያዕያዕታ!+
የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነቲ ሰራዊት ንውግእ ይእክቦ ኣሎ።+
5 የሆዋን ኣጽዋር ቍጥዓኡን፡
ንዅላ ምድሪ ኼጥፍኡስ፡+
ካብ ርሑቕ ሃገር፡+
ካብ ወሰን ሰማያት ይመጹ ኣለዉ።
6 መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ እሞ፡ ዋይዋይ በሉ!
ከም ጥፍኣት ኰይና ኻብቲ ዅሉ ዚኽእል ክትመጽእ እያ።+
7 ስለዚ፡ ኵለን ኣእዳው ኪለምሳ እየን፣
ልቢ ዅሉ ሰብ ድማ ብፍርሂ ኺመክኽ እዩ።+
8 ሰባት ሰምቢዶም እዮም።+
ቅልውላው ከም ዝሓዛ ሰበይቲ፡
ብምንፍርፋርን ብቕልውላውን ተታሒዞም እዮም።
ሰኪሖም ንሓድሕዶም ይጠማመቱ ኣለዉ፣
ገጾም ብጓሂ ጓህሪ መሲሉ ኣሎ።
9 እንሃ፡ መዓልቲ የሆዋ
ነታ ምድሪ መሰክሒ ኽትገብራ፡+
ንሓጥኣን እታ ምድሪ ድማ ካብኣ ኸተጥፍኦም፡
ብነድርን ብዚነድድ ቍጥዓን ትመጽእ ኣላ።
10 ከዋኽብቲ ሰማያትን ናታቶም ጭፍራታት ከዋኽብትንሲ፡+
ብርሃኖም ኣይኬብርሁን እዮም፣
ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኽትጽልምት፡
ወርሒ ኸኣ ብርሃና ኣይከተብርህን እያ።
11 ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፡+
ንእኩያት ድማ ስለ ስሕተቶም ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ።
ንዅርዓት ተዳፈርቲ መወዳእታ ኽገብረሉ፡
ንትዕቢት ጨቈንቲ ኸኣ ከዋርዶ እየ።+
12 ንመዋቲ ሰብ ካብ ጽሩይ ወርቂ ንላዕሊ ብርቂ፡+
ንሰብ ድማ ካብ ወርቂ ኦፊር+ ንላዕሊ ብርቂ ኽገብሮ እየ።
13 ስለዚ፡ ንሰማያት ከንቀጥቅጦ እየ፣
ምድሪ ኸኣ ብነድሪ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡
ብመዓልቲ እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ፡ ካብ ቦታኣ ኽትናወጽ እያ።+
14 ከም እተሃድነት ሰስሓን ኣካቢ ኸም ዘይብለን መጓሰን፡
ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቡ ኺምለስ፡
ነፍሲ ወከፍ ነናብ ምድሩ ኺሃድም እዩ።+
15 እተረኽበ ዘበለ ኺውጋእ፡
እተታሕዘ ዘበለ ድማ ብሰይፊ ኺወድቕ እዩ።+
16 ደቆም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኪሕምሸሹ፡+
ኣባይቶም ኪዝመት፡
ኣንስቶም ከኣ ኪዕመጻ እየን።
17 እንሆ፡ ኣንጻሮም ንሜዶናውያን፡+
ነቶም ንብሩር ከም ዘይረብሕ ዚቘጽሩ፡
ብወርቂ ድማ ደስ ዘይብሎም ከተንስእ እየ።
18 ቀስትታቶም ንኣጕባዝ ኪሕምሽሽ እዩ፣+
ንሳቶም ከኣ ንፍረ ኸርሲ ኣይኪድንግጹን፡
ንውሉዳት ድማ ኣይኪምሕሩን እዮም።
19 ባቢሎን፡ እታ ኻብ መንግስትታት ዝኸበረት፡+
እታ ጽባቐን ትምክሕትን ከለዳውያን፡+
ከምቲ ኣምላኽ ንሶዶምን ንጎሞራን ምስ ገልበጠን ዝዀናኦ ኽትከውን እያ።+
20 ሰብ ኣብኣ ኸቶ ኣይኪነብርን፡
ንውሉድ ወለዶ ኸኣ መንበሪት ኣይክትከውንን እያ።+
ዓረብ ኣብኣ ድንኳኑ ኣይኪተክልን እዩ፣
ጓሶት ድማ መጓሰኦም ኣይኬዕርፉላን እዮም።
21 ኣራዊት ምድረ በዳ ኣብኣ በጥ ኪብሉ እዮም፣
ኣባይቶም ብጕንጓታት ኪመልእ እዩ።
ሰገናት ኣብኣ ኺነብራ እየን፣+
ኣጣል በረኻ ኸኣ ኣብኡ ኺሰራሰራ እየን።
22 ዚንቅዉ እንስሳታት ኣብ ግምብታታ፡
ወኻሩ ድማ ኣብቲ ምሹእ ኣብያተ መንግስታ ኺንቅዉ እዮም።
ግዜኣ ቐሪቡ እዩ፣ መዓልትታታ ኸኣ ኣይኪናዋሕን እዩ።”+