ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 15
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ኣምላኽ ንኣብራም ዝኣተወሉ ኺዳን (1-21)

        • ን400 ዓመት ዚወርድ ግፍዒ ኣቐዲሙ ተነግረ (13)

        • ኣምላኽ ንኣብራም ዘተስፈዎ ተስፋ ተደግመ (18-21)

ዘፍጥረት 15:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 27:1፣ ኢሳ 41:10፣ ሮሜ 8:31፣ እብ 13:6
  • +ዘዳ 33:29፣ ምሳ 30:5
  • +ዘፍ 17:5, 6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2010፡ ገጽ 8

ዘፍጥረት 15:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 24:2, 3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 125

ዘፍጥረት 15:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ወዲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:7፣ ግብ 7:5

ዘፍጥረት 15:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ካብ ከርስኻ ዝወጸ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:15, 16፣ 21:12

ዘፍጥረት 15:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 22:17፣ ዘዳ 1:10፣ ሮሜ 4:18፣ እብ 11:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2004፡ ገጽ 27

    15/1/1998፡ ገጽ 10-11

ዘፍጥረት 15:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 11:8
  • +ሮሜ 4:13, 22፣ ገላ 3:6፣ ያእ 2:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    12/2023፡ ገጽ 3-7

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2008፡ ገጽ 21

    15/1/2004፡ ገጽ 27

    15/1/1998፡ ገጽ 10-11

ዘፍጥረት 15:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 11:31፣ ነህ 9:7

ዘፍጥረት 15:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 21:9፣ ዘጸ 1:13, 14፣ 3:7፣ ግብ 7:6, 7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    7/2016፡ ገጽ 14-15

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2004፡ ገጽ 27

    15/9/1998፡ ገጽ 12-13

ዘፍጥረት 15:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 7:4፣ ዘሁ 33:4
  • +ዘጸ 3:22፣ መዝ 105:37

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/9/1998፡ ገጽ 12-13

ዘፍጥረት 15:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:8

ዘፍጥረት 15:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 21:26፣ 2ነገ 21:11
  • +እያ 14:1፣ ግብ 7:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 62-63

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/1/2010፡ ገጽ 14

    15/1/2004፡ ገጽ 28

    1/6/1999፡ ገጽ 5

    1/4/1997፡ ገጽ 17-18

ዘፍጥረት 15:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:19፣ 22:17
  • +1ነገ 4:21
  • +ዘጸ 3:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/1/2010፡ ገጽ 13

    1/10/2005፡ ገጽ 11

ዘፍጥረት 15:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:6

ዘፍጥረት 15:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 1:4
  • +ዘጸ 3:17
  • +እያ 17:15

ዘፍጥረት 15:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 7:1

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 15:1መዝ 27:1፣ ኢሳ 41:10፣ ሮሜ 8:31፣ እብ 13:6
ዘፍ. 15:1ዘዳ 33:29፣ ምሳ 30:5
ዘፍ. 15:1ዘፍ 17:5, 6
ዘፍ. 15:2ዘፍ 24:2, 3
ዘፍ. 15:3ዘፍ 12:7፣ ግብ 7:5
ዘፍ. 15:4ዘፍ 17:15, 16፣ 21:12
ዘፍ. 15:5ዘፍ 22:17፣ ዘዳ 1:10፣ ሮሜ 4:18፣ እብ 11:12
ዘፍ. 15:6እብ 11:8
ዘፍ. 15:6ሮሜ 4:13, 22፣ ገላ 3:6፣ ያእ 2:23
ዘፍ. 15:7ዘፍ 11:31፣ ነህ 9:7
ዘፍ. 15:13ዘፍ 21:9፣ ዘጸ 1:13, 14፣ 3:7፣ ግብ 7:6, 7
ዘፍ. 15:14ዘጸ 7:4፣ ዘሁ 33:4
ዘፍ. 15:14ዘጸ 3:22፣ መዝ 105:37
ዘፍ. 15:15ዘፍ 25:8
ዘፍ. 15:161ነገ 21:26፣ 2ነገ 21:11
ዘፍ. 15:16እያ 14:1፣ ግብ 7:7
ዘፍ. 15:18ዘፍ 17:19፣ 22:17
ዘፍ. 15:181ነገ 4:21
ዘፍ. 15:18ዘጸ 3:8
ዘፍ. 15:191ሳሙ 15:6
ዘፍ. 15:20እያ 1:4
ዘፍ. 15:20ዘጸ 3:17
ዘፍ. 15:20እያ 17:15
ዘፍ. 15:21ዘዳ 7:1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 15:1-21

ዘፍጥረት

15 ድሕርዚ፡ ቃል የሆዋ ብራእይ ከምዚ ኢሉ ናብ ኣብራም መጸ፦ “ኣብራም፡ ኣይትፍራህ።+ ዋልታኻ ኣነ እየ።+ ዓስብኻ ኣዝዩ ብዙሕ ኪኸውን እዩ።”+ 2 ኣብራም ከኣ፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣነ ውሉድ ዘይብለይ እኸይድ ካብ ኣለኹ፡ ንቤተይ ዚወርስ ከኣ ኤልዔዘር+ ብዓል ደማስቆ ኻብ ኰነስ፡ እንታይ እሞ ኽትህበኒ ኢኻ፧” ኢሉ መለሰ። 3 ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብራም፡ “ገለ ዘርኢ ኣይሃብካንን፡+ ሓደ ኣባል* ቤተ ሰበይ ድማ ኪወርሰኒ እዩ” በለ። 4 እንሆ ኸኣ፡ ቃል የሆዋ፡ “ወድኻ* ደኣ እዩ ዚወርሰካ እምበር፡ እዝስ ኣይኪወርሰካን እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+

5 ንግዳም ኣውጺኡ ድማ፡ “በጃኻ ናብ ሰማያት ጠምት እሞ፡ ምቝጻሮም እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ከዋኽብቲ ቝጸር” በሎ። “ዘርእኻ ኸምኡ ኪኸውን እዩ” ድማ በሎ።+ 6 ብየሆዋ ኸኣ ኣመነ፣+ ንሱ ድማ ጽድቂ ገይሩ ቘጸረሉ።+ 7 ሽዑ፡ “ኣነ ነዛ ምድሪ እዚኣ ርስቲ ገይረ ኽህበካ ኢለ ኻብ ኡር ናይ ከለዳውያን ዘውጻእኩኻ የሆዋ እየ” ድማ በሎ።+ 8 ንሱ ኸኣ፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝርስተያ ብምንታይ እፈልጥ፧” በለ። 9 ንሱ ድማ፡ “ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ኣርሕን ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ድዑልን ባሬቶን ጫቚት ርግብን ኣምጽኣለይ” ኢሉ መለሰሉ። 10 ነዚ ዅሉ ኣምጺኡ ድማ ኣብ ከክልተ ቘረጾ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምቃል ከኣ ኣብ መንጽር እቲ ኻልእ ኣቐመጦ፣ ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይቈረጸንን። 11 ሽዑ፡ ኣሞራታት ናብቲ ስጋ ወረዱ፣ ኣብራም ግና ይሰጕጎም ነበረ።

12 ኣጋ ዕራርቦ ጸሓይ፡ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወሰዶ፣ ሽዑ፡ ዜፍርህ ድቕድቕ ጸልማት ወደቖ። 13 ንኣብራም ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮም ጓኖት ከም ዚዀኑን እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ህዝቢ ን400 ዓመት ከም ዚገዝእዎምን ከም ዚገፍዕዎምን፡ እዚ ብርግጽ ፍለጥ።+ 14 ኣነ ግና ነቲ ዚግዝእዎ ህዝቢ ኽዳንዮ እየ፣+ ድሕሪኡ ድማ፡ ብዙሕ ጥሪት ሒዞም ኪወጹ እዮም።+ 15 ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ፣ ብጽቡቕ እርጋን ድማ ክትቅበር ኢኻ።+ 16 ስሕተት ኣሞራውያን ገና መስፈሩ ስለ ዘይመልአ፡+ ኣብ ራብዓይ ወለዶ ናብዚ ኺምለሱ እዮም።”+

17 ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ግብ ዝበለ ጸልማት ከኣ ምስ ኰነ፡ ዚተክኽ እቶን ተራእየ፡ ብመንጎ እቲ ምቃላት ድማ ሃልሃልታ ፋና ሓለፈ። 18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወሉ፦+ “እዛ ምድሪ እዚኣ፡ ካብ ፈለግ ግብጺ ኽሳብ እቲ ዓብዪ ፈለግ፡ ፈለግ ኤፍራጥስ፡+ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ፣+ 19 ንሳ ድማ ምድሪ ቄናውያንን+ ቄኒዛውያንን ቃድሞናውያንን 20 ሔታውያንን+ ፈረዛውያንን+ ረፋይምን+ 21 ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ጊርጋሳውያንን ይቡሳውያንን እያ።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ