መሳፍንቲ
1 ድሕሪ ሞት እያሱ፡+ እስራኤላውያን* ንየሆዋ፡ “ምስ ከነኣናውያን ንምውጋእ፡ ካባና መን ቅድም ይደይብ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+ 2 የሆዋ ኸኣ፡ “ይሁዳ ይደይብ።+ እንሆ፡ እታ ምድሪ ኣብ ኢዱ እህቦ* ኣለኹ” ኢሉ መለሰ። 3 ይሁዳ ድማ ንስምኦን ሓዉ፡ “ምስ ከነኣናውያን ክዋጋእሲ፡ ናብ ብጽሒተይ* ምሳይ ደይብ።+ ኣነ ኸኣ ናብ ብጽሒትካ ምሳኻ ክኸይድ እየ” በሎ። ስምኦን ድማ ምስኡ ኸደ።
4 ይሁዳ ምስ ደየበ፡ የሆዋ ንከነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ኣብ ኢዶም ሃቦም፣+ ንሳቶም ከኣ ኣብ ቤዜቅ ን10,000 ሰብኡት ሰዓሩ። 5 ንኣዶኒ-ቤዜቅ ድማ ኣብ ቤዜቅ ረኸብዎ እሞ ተዋግእዎ፣ ንከነኣናውያንን+ ንፈረዛውያንን ከኣ ሰዓርዎም።+ 6 ኣዶኒ-ቤዜቅ ምስ ሃደመ፡ ደድሕሪኡ ስዒቦም ሓዝዎ፡ ዓበይቶ ኢደ እግሩ ኸኣ ቈረጽዎ። 7 ሽዑ፡ ኣዶኒ-ቤዜቅ፡ “ዓበይቶ ኢደ እግሮም እተቘርጹ 70 ነገስታት ኣብ ትሕቲ መኣደይ ዚብላዕ ይኣርዩ ነይሮም እዮም። ኣምላኽ ከምቲ ግብረይ ፈድዩኒ” በለ። ድሕርዚ፡ ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎ፡+ ኣብኣ ድማ ሞተ።
8 ሰብ ይሁዳ ኸኣ ንየሩሳሌም ተዋግእዋን+ ሓዝዋን፣ ብሰይፊ ድማ ወቕዕዋ፣ ነታ ኸተማ ኸኣ ብሓዊ ኣንደድዋ። 9 ድሕሪኡ፡ ሰብ ይሁዳ ምስቶም ኣብ ኣኽራንን ኣብ ነጌብን ኣብ ሼፈላን ዚነብሩ ከነኣናውያን ኪዋግኡ ወረዱ።+ 10 ይሁዳ ድማ ናብቶም ኣብ ኬብሮን ዚቕመጡ ዝነበሩ ከነኣናውያን ከደ፣ (ቅድሚኡ ስም ኬብሮን፡ ቂርያት-ኣርባዕ ነበረ)፣ ንሸሻይን ንኣሒማንን ንታልማይን ከኣ ወቕዕዎም።+
11 ካብኡ ድማ ንነበርቲ ደቢር ኪጻረሩ ኸዱ።+ (ቅድሚኡ ስም ደቢር፡ ቂርያት-ሰፈር ነበረ።)+ 12 ካሌብ ከኣ፡+ “ንቂርያት-ሰፈር ዚወቕዓን ዚሕዛን፡ ዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኽህቦ እየ” በለ።+ 13 ዖትኒኤል+ ወዲ ቄናዝ፡+ ንእሽቶ ሓዉ ንካሌብ ድማ ሓዛ። ስለዚ፡ ዓክሳ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ። 14 ንሳ ናብ ቤት ክትከይድ ከላ፡ ካብ ኣቦኣ ግራት ኪልምን ደፋፍኣቶ። ካብ ኣድጋ ድማ ወረደት።* ካሌብ ከኣ፡ “እንታይ ደሊኺ፧” ኢሉ ሓተታ። 15 ንሳ ኸኣ፡ “በረኸት ግዳ ሃበኒ፣ ኣብ ደቡብሲ* ምድሪ ሂብካኒ ኢኻ፣ ጉሎት-ማይም* እውን ሃበኒ” በለቶ። ንሱ ድማ ላዕለዋይ ጉሎትን ታሕተዋይ ጉሎትን ሃባ።
16 ደቂ ቄኒ+ ሓሙ ሙሴ ኸኣ፡+ ምስ ደቂ ይሁዳ ኻብ ከተማ ኣእዋም ተምሪ+ ናብቲ ብደቡብ ዓራድ ዘሎ በረኻ ይሁዳ ደየቡ።+ ናብኡ ኸይዶም ድማ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ተቐመጡ።+ 17 ይሁዳ ኸኣ ምስ ሓዉ ስምኦን ከደ፣ ነቶም ኣብ ጽፋት ዚነብሩ ከነኣናውያን ድማ ኣጥቅዕዎም፡ ንዓኣ ኸኣ ኣጥፍእዋ።+ ስለዚ፡ ስም እታ ኸተማ፡ ሖርማ* ተባህለ።+ 18 ይሁዳ ኸኣ ንጋዛን+ ንኸባቢኣን ንኣሽቀሎንን+ ንኸባቢኣን ንዔቅሮንን ንኸባቢኣን ሓዘን።+ 19 የሆዋ ምስ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ ነቲ ኣኽራን ተረስተይዎ፣ ንነበርቲ እቲ ጐልጐል* ግና፡ ማዕጺድ ሓጺን ዘለወን ሰረገላታት* ስለ ዝነበራኦም፡ ኪሰጕግዎም ኣይከኣሉን።+ 20 ንካሌብ ድማ፡ ከምቲ ሙሴ ዘተስፈዎ፡ ኬብሮን ሃብዎ፣+ ንሱ ኸኣ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ ካብኣ ሰጐጎም።+
21 ብንያማውያን ግና ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ይቡሳውያን ኣይሰጐጕዎምን፣ እቶም ይቡሳውያን ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ምስ ብንያማውያን ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ኣለዉ።+
22 ቤት ዮሴፍ+ ድማ ንቤት-ኤል ኪጻረርዋ ደየቡ፡ የሆዋ ኸኣ ምሳታቶም ነበረ።+ 23 ቤት ዮሴፍ ድማ ንቤት-ኤል ይስልይዋ ነበሩ፣ (ቅድሚኡ ስም እታ ኸተማ፡ ሉዝ ነበረ)፣+ 24 እቶም ሰለይቲ ኸኣ፡ ሓደ ሰብኣይ ካብታ ኸተማ ኺወጽእ ረኣዩ። ንዕኡ ድማ፡ “በጃኻ፡ መእተዊ እዛ ኸተማ ኣርእየና እሞ፡ ክንልውሃልካ* ኢና” በልዎ። 25 እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ መእተዊ እታ ኸተማ ኣርኣዮም፣ ንሳቶም ድማ ነታ ኸተማ ብሰይፊ ወቕዕዋ፣ ነቲ ሰብኣይን ንዓሌቱን ግና ይኺዱ ሓደግዎም።+ 26 እቲ ሰብኣይ ከኣ ናብ ምድሪ ሔታውያን ከይዱ፡ ከተማ ሰርሐ እሞ፡ ሉዝ ኢሉ ሰመያ፣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ስማ ንሱ እዩ።
27 ምናሴ ኸኣ ንቤት-ሸኣንን ንዓድታታን፡ ንታዓናክን+ ንዓድታታን፡ ንነበርቲ ዶርን ዓድታታን፡ ንነበርቲ ዪብልዓምን ዓድታታን፡ ንነበርቲ መጊዶን ዓድታታን ኣይወረሶምን።+ እቶም ከነኣናውያን ከኣ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ኺነብሩ ቘረጹ። 28 እስራኤል ምስ በርትዐ፡ ነቶም ከነኣናውያን ብግዲ ኣሸቀሎም እምበር፡+ ጠሪሱ ኣይሰጐጎምን።+
29 ኤፍሬም እውን ነቶም ኣብ ጌዘር ዚቕመጡ ዝነበሩ ከነኣናውያን ኣይሰጐጎምን። እቶም ከነኣናውያን ድማ ኣብ መንጎኦም ኣብ ጌዘር ተቐመጡ።+
30 ዛብሎን ንነበርቲ ቂጥሮንን ንነበርቲ ናሃሎልን ኣይሰጐጎምን።+ እቶም ከነኣናውያን ከኣ ኣብ መንጎኦም ተቐመጡ፡ ብግዲ ዚሽቅሉ እውን ኰኑ።+
31 ኣሴር ንነበርቲ ዓኮን ንነበርቲ ሲዶንን+ ኣሕላብን ኣክዚብን+ ሔልባን ኣፊቅን+ ሬሖብን ኣይሰጐጎምን።+ 32 ኣሴራውያን ስለ ዘይሰጐጕዎም ድማ፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ከነኣናውያን ተቐመጡ።
33 ንፍታሌም ኣብ መንጎ እቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ከነኣናውያን ተቐመጠ እምበር፡+ ንነበርቲ ቤት-ሸመሽን ንነበርቲ ቤት-ዓናትን+ ኣይሰጐጎምን። ነበርቲ ቤት-ሸመሽን ቤት-ዓናትን ከኣ ንዓታቶም ብግዲ ዚሽቅሉ ዀኑ።
34 እቶም ኣሞራውያን ድማ ንዳናውያን ኣብ ኣኽራን ደረትዎም እምበር፡ ናብ ጐልጐል* ኪወርዱ ኣይሓደግዎምን።+ 35 እቶም ኣሞራውያን ከኣ ኣብ ከረን ሔረስን ኣብ ኣያሎንን+ ኣብ ሻዓልቢምን+ ኪቕመጡ ቘረጹ። ቤት ዮሴፍ እናሓየለት* ምስ ከደት ግና፡ ብግዲ ዚሽቅሉ ዀኑ። 36 ሃገር ኣሞራውያን ድማ ካብ ዓቐበት ዓቅራቢም፡+ ካብ ሴላዕ ናብ ላዕሊ ነበረ።