እዮብ
17 “መንፈሰይ ተሰይሩ፡ መዓልትታተይ ጠፊኡ፣
መቓብር ይጽበየኒ ኣሎ።+
2 መላገጽቲ ይኸብቡኒ፣+
ዓይነይ ከኣ ንዕልወቶም ትጥምት።
3 በጃኻ፡ ትሕጃይ ውሰድ እሞ ምሳኻ ሓዞ።
ብዘይካኻስ መንዶ ኺውሓሰኒ ኢሉ ኢድ ኪጠቕዓለይ እዩ፧+
4 ንምስትውዓልሲ ኻብ ልቦም ሓቢእካዮ ኣለኻ፣+
ስለዚ ኢኻ ልዕል ዘይተብሎም።
5 ኣዒንቲ ደቁ ጠሊመን ከለዋስ፡
ንፈተውቱ ኸካፍል ይብል።
7 ኣዒንተይ ብጓሂ ይሓምቃ ኣለዋ፣+
ኵሉ መሓውረይ ጽላሎት ኰይኑ ኣሎ።
8 ቅኑዓት በዚ ተገሪሞም ይጥምቱ፣
ንጹህ ድማ፡ ኣምላኽ ብዘይብሉ* ይርበሽ።
10 ግናኸ፡ ኵላትኩም ተመሊስኩም ክትማጐቱኒ ትኽእሉ ኢኹም፣
ኣብ መንጎኹምሲ ሓደ ጥበበኛ እኳ ኣይረኸብኩን።+
12 ንለይቲ ናብ መዓልቲ ይልውጥዎ፣
‘ጸልማት ስለ ዝዀነ፡ ብርሃን ቀሪቡ ኪኸውን ኣለዎ’ ኸኣ ይብሉ።
ንሓሰኻ፡ ‘ኣደይን ሓብተይን!’ ኢለ ኽጽውዕ እየ።
15 ተስፋይ ደኣ ኣበይ ኣላ፧+
ንተስፋይሲ መን ክርእየለይ ይኽእል፧