ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 38
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ህዝቅያስ ሓመመን ሓወየን (1-22)

        • መዝሙር ምስጋና (10-20)

ኢሳይያስ 38:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:24
  • +2ነገ 19:20፣ ኢሳ 1:1
  • +2ነገ 20:1-3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 11/2022፡ ገጽ 8

ኢሳይያስ 38:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 11/2022፡ ገጽ 8

ኢሳይያስ 38:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 31:20, 21
  • +ነህ 13:22፣ መዝ 20:1-3፣ እብ 6:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 11/2022፡ ገጽ 8

ኢሳይያስ 38:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታትካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 20:4-6
  • +ምሳ 15:29፣ 1ዮሃ 5:14
  • +መዝ 39:12፣ 56:8
  • +ዘዳ 32:39፣ 1ሳሙ 2:6

ኢሳይያስ 38:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:22

ኢሳይያስ 38:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 20:8-11

ኢሳይያስ 38:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ምናልባት እቲ መደያይቦ ኸም ሰዓት ጸሓይ ግዜ ንምቝጻር ዜገልግል እዩ ነይሩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 10:12, 13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2007፡ ገጽ 8

ኢሳይያስ 38:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዝደረሶ ድርሰት።”

ኢሳይያስ 38:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ኢሳይያስ 38:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    “ያህ” ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 6:5፣ መክ 9:5

ኢሳይያስ 38:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 146:4፣ መክ 8:8
  • +እዮ 17:1

ኢሳይያስ 38:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 39:10

ኢሳይያስ 38:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ገርኑቕ” ኪኸውን ይኽእል።

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዋሕሰይ ኩን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 102:7
  • +ኢሳ 59:11
  • +መዝ 39:7
  • +መዝ 39:12፣ 119:82, 123

ኢሳይያስ 38:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምረት ነፍሰይ።”

  • *

    ወይ፡ “ብቝም ነገር።”

ኢሳይያስ 38:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ብቓላትን ብተግባራትን ኣምላኽ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 2:6፣ እዮ 33:28፣ መዝ 71:20

ኢሳይያስ 38:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሰይ ስለ ዝፈቶኻያ።”

  • *

    ወይ፡ “ኵሉ ሓጢኣተይ ካብ ቅድሜኻ ኣርሒቕካዮ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 30:3፣ 86:13፣ ዮና 2:6
  • +ኢሳ 43:25፣ ሚክ 7:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 264

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2003፡ ገጽ 18

ኢሳይያስ 38:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሲኦልሲ፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 30:9
  • +መዝ 6:5፣ 115:17
  • +መክ 9:5, 10

ኢሳይያስ 38:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 18:19፣ ዘዳ 4:9፣ እያ 4:21-24

ኢሳይያስ 38:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 20:5፣ መዝ 84:2
  • +መዝ 30:11, 12

ኢሳይያስ 38:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 20:7

ኢሳይያስ 38:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 20:8

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 38:12ዜና 32:24
ኢሳ. 38:12ነገ 19:20፣ ኢሳ 1:1
ኢሳ. 38:12ነገ 20:1-3
ኢሳ. 38:32ዜና 31:20, 21
ኢሳ. 38:3ነህ 13:22፣ መዝ 20:1-3፣ እብ 6:10
ኢሳ. 38:52ነገ 20:4-6
ኢሳ. 38:5ምሳ 15:29፣ 1ዮሃ 5:14
ኢሳ. 38:5መዝ 39:12፣ 56:8
ኢሳ. 38:5ዘዳ 32:39፣ 1ሳሙ 2:6
ኢሳ. 38:62ዜና 32:22
ኢሳ. 38:72ነገ 20:8-11
ኢሳ. 38:8እያ 10:12, 13
ኢሳ. 38:11መዝ 6:5፣ መክ 9:5
ኢሳ. 38:12መዝ 146:4፣ መክ 8:8
ኢሳ. 38:12እዮ 17:1
ኢሳ. 38:13መዝ 39:10
ኢሳ. 38:14መዝ 102:7
ኢሳ. 38:14ኢሳ 59:11
ኢሳ. 38:14መዝ 39:7
ኢሳ. 38:14መዝ 39:12፣ 119:82, 123
ኢሳ. 38:161ሳሙ 2:6፣ እዮ 33:28፣ መዝ 71:20
ኢሳ. 38:17መዝ 30:3፣ 86:13፣ ዮና 2:6
ኢሳ. 38:17ኢሳ 43:25፣ ሚክ 7:18
ኢሳ. 38:18መዝ 30:9
ኢሳ. 38:18መዝ 6:5፣ 115:17
ኢሳ. 38:18መክ 9:5, 10
ኢሳ. 38:19ዘፍ 18:19፣ ዘዳ 4:9፣ እያ 4:21-24
ኢሳ. 38:202ነገ 20:5፣ መዝ 84:2
ኢሳ. 38:20መዝ 30:11, 12
ኢሳ. 38:212ነገ 20:7
ኢሳ. 38:222ነገ 20:8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 38:1-22

ኢሳይያስ

38 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዚቐርብ ሓመመ።+ ነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ድማ ናብኡ መጺኡ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ክትመውት ኢኻ እምበር፡ ኣይክትሓውን ኢኻ እሞ፡ ንቤተ ሰብካ ተላቦ’” በሎ።+ 2 ህዝቅያስ ከኣ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ከምዚ ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ፦ 3 “ኦ የሆዋ፡ እልምነካ ኣለኹ፣ ኣብ ቅድሜኻ ብተኣማንነትን ብምሉእ ልብን ከም እተመላለስኩ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እውን ጽቡቕ ከም ዝገበርኩ በጃኻ ዘክር።”+ ህዝቅያስ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።

4 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ኢሳይያስ መጸ፦ 5 “ተመሊስካ ንህዝቅያስ ከምዚ በሎ፦+ ‘የሆዋ ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል፦ “ጸሎትካ ሰሚዐ፡+ ንብዓትካ እውን ርእየ እየ።+ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዕድመኻ* 15 ዓመት እውስኸልካ ኣለኹ፣+ 6 ንዓኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከናግፈኩም እየ፣ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ክከላኸለላ እየ።+ 7 የሆዋ ነቲ እተዛረቦ ቓል ከም ዚፍጽሞስ፡ እቲ ኻብ የሆዋ ዝመጸ ምልክት እዚ እዩ፦+ 8 እንሆ፡ እቲ ኣብ መደያይቦ ኣሓዝ ዚወርድ ዘሎ ጽላሎት ጸሓይ ዓሰርተ ደረጃ ንድሕሪት ኪምለስ እዩ።”’”*+ ስለዚ፡ ጸሓይ ካብቲ ወሪዳትሉ ዝነበረት መደያይቦ፡ ዓሰርተ ደረጃ ንድሕሪት ተመልሰት።

9 ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሓሚሙ ኻብ ሕማሙ ምስ ሓወየ ዝጸሓፎ ጽሑፍ።*

10 ኣነስ፡ “ኣብ መንጎ ህይወተይ፡

ናብ ኣፍ ደገታት መቓብር* ክኸይድ እየ።

ነዚ ዝተረፈ ዓመታተይ ክኽልከል እየ” ኢለ ነይረ።

11 ከምዚ ድማ ኢለ ነይረ፦ “ንያህ፡* ንያህ ኣብ ምድሪ ህያዋን ኣይክርእዮን እየ።+

ምስ ነበርቲ እቲ ዅሉ ዜቋርጸሉ ቦታ ምስ ኰንኩ፡

ደጊም ሰብ ኣይክርእን እየ።

12 መንበርየይ ከም ድንኳን ጓሳ፡

ካባይ ተመንቊሳን ኣልጊሳን ኣላ።+

ንህይወተይ ከም ኣላማይ ጠቕሊለያ ኣለኹ፣

ንሱ ኸም ቅጥኒ ይቘርጸኒ።

ካብ መዓልቲ ኽሳዕ ለይቲ፡ ንስኻ ናብ መወዳእታ ተምጽኣኒ።+

13 ክሳዕ ንግሆ ንርእሰይ ኣህዲአ።

ንሱ ኸም ኣንበሳ፡ ንዅሉ ኣዕጽምተይ ይሰብሮ ኣሎ።

ካብ መዓልቲ ኽሳዕ ለይቲ፡ ንስኻ ናብ መወዳእታ ተምጽኣኒ።+

14 ከም ለዃዂቶ ወይ ከም ጭሩ* ጭቝጭቝ እብል ኣለኹ፣+

ከም ርግቢ ኩኩ እብል ኣለኹ።+

ኣዒንተይ ናብ ላዕሊ ብምርኣይ ደኺመን፦+

‘ኦ የሆዋ፡ ብዙሕ እጭነቕ ኣለኹ፣

ደገፈይ ኩን!’*+

15 እንታይ እሞ ኽብል እኽእል፧

ንሱ ተዛሪቡኒ፡ ገይርዎ ኸኣ።

ብሰንኪ መሪር ጭንቀይ፡*

ኵለን ዓመታተይ ብትሕትና* ኽመላለስ እየ።

16 ‘ኦ የሆዋ፡ ኵሉ ሰብ በዚ ነገራት እዚ* ይነብር፣

ኣብኡ ኸኣ ህይወት መንፈሰይ ኣሎ።

ጥዕና ኽትህበንን ብህይወት ከተንብረንን ኢኻ።+

17 እንሆ፡ ኣብ ክንዲ ሰላም፡ ዓብዪ ምረት ነይሩኒ፣

ንዓይ ስለ ዝፈቶኻኒ* ግና፡

ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ኣድሒንካኒ።+

ኵሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻዮ።*+

18 መቓብርሲ* ኼሞግሰካ ኣይክእልን፡+

ሞት እውን ኪውድሰካ ኣይክእልን እዩ።+

እቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ፡ ብተኣማንነትካ ተስፋ ኺገብሩ ኣይክእሉን እዮም።+

19 ከምቲ ኣነ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽገብሮ ዝኽእል፡

ህያው፡ እወ ህያው እዩ ኺውድሰካ ዚኽእል።

ኣቦ ንደቁ ብዛዕባ ተኣማንነትካ ኼፍልጦም ይኽእል እዩ።+

20 ኦ የሆዋ፡ ኣድሕነኒ እሞ፡

ብዅለን መዓልትታት ህይወትና ኣብ ቤት የሆዋ፡+

መዛሙረይ ብበገና ኽንወቕዓልካ ኢና።’”+

21 ኢሳይያስ ድማ፡ “ምእንቲ ኺሓውስ፡ ጎጎ በለስ ኣምጽኡ፡ ኣብቲ ምጕልንጭዋ ግበሩሉ” በለ።+ 22 ህዝቅያስ ከኣ፡ “ናብ ቤት የሆዋ ኸም ዝድይብ፡ ምልክቱ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓቲቱ ነበረ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ