ኢሳይያስ
38 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዚቐርብ ሓመመ።+ ነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ድማ ናብኡ መጺኡ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ክትመውት ኢኻ እምበር፡ ኣይክትሓውን ኢኻ እሞ፡ ንቤተ ሰብካ ተላቦ’” በሎ።+ 2 ህዝቅያስ ከኣ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ከምዚ ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ፦ 3 “ኦ የሆዋ፡ እልምነካ ኣለኹ፣ ኣብ ቅድሜኻ ብተኣማንነትን ብምሉእ ልብን ከም እተመላለስኩ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እውን ጽቡቕ ከም ዝገበርኩ በጃኻ ዘክር።”+ ህዝቅያስ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።
4 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ኢሳይያስ መጸ፦ 5 “ተመሊስካ ንህዝቅያስ ከምዚ በሎ፦+ ‘የሆዋ ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል፦ “ጸሎትካ ሰሚዐ፡+ ንብዓትካ እውን ርእየ እየ።+ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዕድመኻ* 15 ዓመት እውስኸልካ ኣለኹ፣+ 6 ንዓኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከናግፈኩም እየ፣ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ክከላኸለላ እየ።+ 7 የሆዋ ነቲ እተዛረቦ ቓል ከም ዚፍጽሞስ፡ እቲ ኻብ የሆዋ ዝመጸ ምልክት እዚ እዩ፦+ 8 እንሆ፡ እቲ ኣብ መደያይቦ ኣሓዝ ዚወርድ ዘሎ ጽላሎት ጸሓይ ዓሰርተ ደረጃ ንድሕሪት ኪምለስ እዩ።”’”*+ ስለዚ፡ ጸሓይ ካብቲ ወሪዳትሉ ዝነበረት መደያይቦ፡ ዓሰርተ ደረጃ ንድሕሪት ተመልሰት።
9 ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሓሚሙ ኻብ ሕማሙ ምስ ሓወየ ዝጸሓፎ ጽሑፍ።*
10 ኣነስ፡ “ኣብ መንጎ ህይወተይ፡
ናብ ኣፍ ደገታት መቓብር* ክኸይድ እየ።
ነዚ ዝተረፈ ዓመታተይ ክኽልከል እየ” ኢለ ነይረ።
11 ከምዚ ድማ ኢለ ነይረ፦ “ንያህ፡* ንያህ ኣብ ምድሪ ህያዋን ኣይክርእዮን እየ።+
ምስ ነበርቲ እቲ ዅሉ ዜቋርጸሉ ቦታ ምስ ኰንኩ፡
ደጊም ሰብ ኣይክርእን እየ።
12 መንበርየይ ከም ድንኳን ጓሳ፡
ካባይ ተመንቊሳን ኣልጊሳን ኣላ።+
ንህይወተይ ከም ኣላማይ ጠቕሊለያ ኣለኹ፣
ንሱ ኸም ቅጥኒ ይቘርጸኒ።
ካብ መዓልቲ ኽሳዕ ለይቲ፡ ንስኻ ናብ መወዳእታ ተምጽኣኒ።+
13 ክሳዕ ንግሆ ንርእሰይ ኣህዲአ።
ንሱ ኸም ኣንበሳ፡ ንዅሉ ኣዕጽምተይ ይሰብሮ ኣሎ።
ካብ መዓልቲ ኽሳዕ ለይቲ፡ ንስኻ ናብ መወዳእታ ተምጽኣኒ።+
ኣዒንተይ ናብ ላዕሊ ብምርኣይ ደኺመን፦+
15 እንታይ እሞ ኽብል እኽእል፧
ንሱ ተዛሪቡኒ፡ ገይርዎ ኸኣ።
16 ‘ኦ የሆዋ፡ ኵሉ ሰብ በዚ ነገራት እዚ* ይነብር፣
ኣብኡ ኸኣ ህይወት መንፈሰይ ኣሎ።
ጥዕና ኽትህበንን ብህይወት ከተንብረንን ኢኻ።+
እቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ፡ ብተኣማንነትካ ተስፋ ኺገብሩ ኣይክእሉን እዮም።+
19 ከምቲ ኣነ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽገብሮ ዝኽእል፡
ህያው፡ እወ ህያው እዩ ኺውድሰካ ዚኽእል።
ኣቦ ንደቁ ብዛዕባ ተኣማንነትካ ኼፍልጦም ይኽእል እዩ።+
21 ኢሳይያስ ድማ፡ “ምእንቲ ኺሓውስ፡ ጎጎ በለስ ኣምጽኡ፡ ኣብቲ ምጕልንጭዋ ግበሩሉ” በለ።+ 22 ህዝቅያስ ከኣ፡ “ናብ ቤት የሆዋ ኸም ዝድይብ፡ ምልክቱ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓቲቱ ነበረ።+