ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ሽዱሽተ ፈጸምቲ ፍርድን ቀርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይን (1-11)

        • ፍርዲ ኻብ መቕደስ ይጅምር (6)

ህዝቅኤል 9:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 172

ህዝቅኤል 9:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መትሓዝ ቀለም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 20:2፣ ህዝ 8:3
  • +2ዜና 4:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 173፡ 175፡ 238

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    6/2017፡ ገጽ 6

ህዝቅኤል 9:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 3:23፣ 8:3, 4፣ 11:22
  • +ህዝ 10:4

ህዝቅኤል 9:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 5:11
  • +መዝ 119:53፣ 2ጴጥ 2:7, 8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 173፡ 175፡ 176-179

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    6/2017፡ ገጽ 6

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    6/2016፡ ገጽ 16-17

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2008፡ ገጽ 5-6

    ንኣምላኽ ኣምልኽ፡ ገጽ 124

    ፍልጠት፡ ገጽ 180

ህዝቅኤል 9:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 32:26, 27፣ ህዝ 7:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 174-175፡ 180

ህዝቅኤል 9:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:17
  • +ዘጸ 12:23፣ እያ 2:17-19፣ ራእ 9:4
  • +2ነገ 25:18, 21፣ ኤር 25:29
  • +ህዝ 8:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 174-175፡ 179-180

ህዝቅኤል 9:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 2:21

ህዝቅኤል 9:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 18:23፣ ህዝ 11:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 176

ህዝቅኤል 9:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:14፣ ኢሳ 1:4
  • +2ነገ 21:16፣ ኤር 2:34፣ ማቴ 23:30
  • +ህዝ 22:29
  • +ኢሳ 29:15፣ ህዝ 8:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 176

ህዝቅኤል 9:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 5:11፣ 7:4

ሓፈሻዊ

ህዝ. 9:2ኤር 20:2፣ ህዝ 8:3
ህዝ. 9:22ዜና 4:1
ህዝ. 9:3ህዝ 3:23፣ 8:3, 4፣ 11:22
ህዝ. 9:3ህዝ 10:4
ህዝ. 9:4ህዝ 5:11
ህዝ. 9:4መዝ 119:53፣ 2ጴጥ 2:7, 8
ህዝ. 9:5ዘጸ 32:26, 27፣ ህዝ 7:4
ህዝ. 9:62ዜና 36:17
ህዝ. 9:6ዘጸ 12:23፣ እያ 2:17-19፣ ራእ 9:4
ህዝ. 9:62ነገ 25:18, 21፣ ኤር 25:29
ህዝ. 9:6ህዝ 8:11
ህዝ. 9:7ድጕ 2:21
ህዝ. 9:8ዘፍ 18:23፣ ህዝ 11:13
ህዝ. 9:92ዜና 36:14፣ ኢሳ 1:4
ህዝ. 9:92ነገ 21:16፣ ኤር 2:34፣ ማቴ 23:30
ህዝ. 9:9ህዝ 22:29
ህዝ. 9:9ኢሳ 29:15፣ ህዝ 8:12
ህዝ. 9:10ህዝ 5:11፣ 7:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 9:1-11

ህዝቅኤል

9 ኣብ ኣእዛነይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ነቶም ነዛ ኸተማ ዚቐጽዑ፡ ነፍሲ ወከፍ ዜጥፍእ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኺመጽእ፡ ጸውዓዮም!” ኢሉ ጨደረ።

2 ሽዱሽተ ሰብኡት፡ ነፍሲ ወከፍ ዚሕምሽሽ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብ ኣንፈት እቲ ናብ ሰሜን ገጹ ዘሎ ላዕለዋይ ኣፍ ደገ+ ኺመጹ ረኣኹ፣ በፍታ እተኸድነ፡ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም* እውን ኣብ ማዕጥቖኡ ዘለዎ ሓደ ሰብኣይ ድማ ኣብ መንጎኦም ነበረ፣ ኣትዮም ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ነሓሲ ቘሙ።+

3 ሽዑ፡ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል+ ካብቲ ዝዓረፎ፡ ካብ ልዕሊ ኪሩቤል ተላዒሉ ናብ ድርኵዂት እቲ ኣፍ ደገ ቤት ከደ፣+ ንሱ ኸኣ ነቲ በፍታ እተኸድነ፡ ኣብ ማዕጥቖኡ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ጸውዖ። 4 የሆዋ ኸኣ፡ “በታ ኸተማ ሕለፍ፡ ብየሩሳሌም ሕለፍ፣ ኣብ ግምባር እቶም በቲ ኣብታ ኸተማ ዚግበር ዘሎ ዅሉ ፍንፉን ነገራት+ እህህ ዚብሉን ዚግዕሩን+ ሰባት ምልክት ግበር” በሎ።

5 ነቶም ካልኦት ድማ እናሰማዕኩ ኸምዚ በሎም፦ “ደድሕሪኡ በታ ኸተማ ሓሊፍኩም ውቕዑ። ዓይንኹም ኣይትደንግጽ፣ ኣይትራሕርሑ እውን።+ 6 ኣረጊትን ጐበዝን ድንግልን ቈልዓን ጠሪስኩም ቅተሉ።+ ምልክት ናብ ዘለዎ ሰብ ግና ኣይትቕረቡ።+ ካብ መቕደሰይ ጀምሩ።”+ ስለዚ፡ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዝነበሩ ዓበይቲ ጀመሩ።+ 7 ንሱ ኸኣ፡ “ነታ ቤት ኣርክስዋ፡ ነቲ ኣጸዳት እውን ብቕቱላት ምልእዎ።+ ኪዱ!” በሎም። ወጺኦም ከኣ ኣብታ ኸተማ ንሰባት ወቕዑ።

8 ኪወቕዕዎም ከለዉ ድማ፡ ኣነ በይነይ ተረፍኩ፣ ብገጸይ ወዲቐ ኸኣ፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! ነድርኻ ኣብ የሩሳሌም ክትክዑ ኸለኻስ፡ ንዅሎም እቶም ተረፍ እስራኤልዶ ኸተጥፍኦም ኢኻ፧” ኢለ ጨራሕኩ።+

9 ንሱ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ስሕተት ቤት እስራኤልን ይሁዳን ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ።+ እታ ምድሪ ብምፍሳስ ደም መሊኣ ኣላ፣+ እታ ኸተማ ኸኣ ብብልሽውና መሊኣ ኣላ።+ ንሳቶምሲ፡ ‘የሆዋ ነዛ ምድሪ ሓዲግዋ እዩ፣ የሆዋ ኣይርእን እዩ’ ይብሉ ኣለዉ።+ 10 ኣነ ግና፡ ዓይነይ ኣይክትድንግጽን እያ፣ ኣነ እውን ኣይክርሕርሕን እየ።+ ሳዕቤናት መገዶም ኣብ ርእሶም ከምጽኣሎም እየ።”

11 ሽዑ፡ እቲ በፍታ እተኸድነ፡ ኣብ ማዕጥቖኡ እውን ቀርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ፡ “ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገይረ” ኢሉ ቓል ሒዙ ተመልሰ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ