ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ኤርምያስ ነብዪ ዀይኑ ተሸመ (1-10)

      • ራእይ ኦም ለውዚ (11, 12)

      • ራእይ ቍራዕ (13-16)

      • ኤርምያስ ንመዝነቱ መተባብዒ ተዋህቦ (17-19)

ኤርምያስ 1:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “የሆዋ ልዕል የብል” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 21:8, 18

ኤርምያስ 1:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:1, 2
  • +2ነገ 21:19, 20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 3

ኤርምያስ 1:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:1፣ 2ዜና 36:4
  • +2ነገ 24:18, 19
  • +2ነገ 25:8, 11፣ ኤር 52:12, 15

ኤርምያስ 1:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓርየካ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ።”

  • *

    ወይ፡ “ፈልየካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 13:5፣ መዝ 139:15, 16
  • +ሉቃ 1:13, 15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 6-7

ኤርምያስ 1:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 3:5, 7
  • +ዘጸ 4:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2011፡ ገጽ 29

    ኤርምያስ፡ ገጽ 7

ኤርምያስ 1:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 7:1, 2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 191

ኤርምያስ 1:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 2:6
  • +ዘጸ 3:11, 12፣ ኤር 15:20፣ ግብ 18:9, 10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 188-191

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 9

    15/12/2005፡ ገጽ 24

ኤርምያስ 1:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 6:7
  • +ዘጸ 4:12, 15፣ ህዝ 33:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 33-34

ኤርምያስ 1:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 18:7-10፣ 24:5, 6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2011፡ ገጽ 30፡ 31-32

    ኤርምያስ፡ ገጽ 168

ኤርምያስ 1:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መንቅሒ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 8-9

ኤርምያስ 1:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2011፡ ገጽ 28-29

    15/3/2007፡ ገጽ 8-9

ኤርምያስ 1:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እተነፍሓሉ፣ እተንበድበደ።” ኣብ ትሕቲኡ ሓዊ እተንበድበደሉ ምዃኑ ይሕብር።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 14-15

ኤርምያስ 1:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 6:1፣ 10:22

ኤርምያስ 1:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 5:15፣ 6:22፣ 25:9
  • +ኤር 39:3
  • +ዘዳ 28:52፣ ኤር 34:22፣ 44:6

ኤርምያስ 1:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 24:20፣ 2ነገ 22:17፣ 2ዜና 7:19, 20
  • +ህዝ 8:10, 11፣ ሆሴ 11:2
  • +ኢሳ 2:8

ኤርምያስ 1:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 2:6

ኤርምያስ 1:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 26:12
  • +ኤር 15:20፣ 20:11፣ ህዝ 3:8፣ ሚክ 3:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2011፡ ገጽ 32

ኤርምያስ 1:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 28:15፣ ዘጸ 3:12፣ እያ 1:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 88-89

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/4/2000፡ ገጽ 17-18

ሓፈሻዊ

ኤር. 1:1እያ 21:8, 18
ኤር. 1:22ነገ 22:1, 2
ኤር. 1:22ነገ 21:19, 20
ኤር. 1:32ነገ 24:1፣ 2ዜና 36:4
ኤር. 1:32ነገ 24:18, 19
ኤር. 1:32ነገ 25:8, 11፣ ኤር 52:12, 15
ኤር. 1:5መሳ 13:5፣ መዝ 139:15, 16
ኤር. 1:5ሉቃ 1:13, 15
ኤር. 1:61ነገ 3:5, 7
ኤር. 1:6ዘጸ 4:10
ኤር. 1:7ዘጸ 7:1, 2
ኤር. 1:8ህዝ 2:6
ኤር. 1:8ዘጸ 3:11, 12፣ ኤር 15:20፣ ግብ 18:9, 10
ኤር. 1:9ኢሳ 6:7
ኤር. 1:9ዘጸ 4:12, 15፣ ህዝ 33:7
ኤር. 1:10ኤር 18:7-10፣ 24:5, 6
ኤር. 1:14ኤር 6:1፣ 10:22
ኤር. 1:15ኤር 5:15፣ 6:22፣ 25:9
ኤር. 1:15ኤር 39:3
ኤር. 1:15ዘዳ 28:52፣ ኤር 34:22፣ 44:6
ኤር. 1:16እያ 24:20፣ 2ነገ 22:17፣ 2ዜና 7:19, 20
ኤር. 1:16ህዝ 8:10, 11፣ ሆሴ 11:2
ኤር. 1:16ኢሳ 2:8
ኤር. 1:17ህዝ 2:6
ኤር. 1:18ኤር 26:12
ኤር. 1:18ኤር 15:20፣ 20:11፣ ህዝ 3:8፣ ሚክ 3:8
ኤር. 1:19ዘፍ 28:15፣ ዘጸ 3:12፣ እያ 1:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 1:1-19

ኤርምያስ

1 ቃላት ኤርምያስ* ወዲ ሒልቅያ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ዓናቶት+ ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት እዚ እዩ። 2 ብዘመን ዮስያስ+ ወዲ ኣሞን፡+ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ መበል 13 ዓመት ንግስናኡ፡ ቃል የሆዋ መጾ። 3 ብዘመን ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ መወዳእታ መበል 11 ዓመት ጼዴቅያስ+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ እቲ የሩሳሌም ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናብ ምርኮ ዝኸደትሉ ግዜ እውን መጾ።+

 4 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦

 5 “ኣብ ከርሲ ኸይደኰንኩኻ ፈሊጠካ፣*+

ከይተወለድካ* ድማ ቀዲሰካ።*+

ንኣህዛብ ከኣ ነብዪ ገይረካ።”

 6 ኣነ ግና፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ!

ኣነ ቘልዓ እየ እሞ፡+ ከመይ ከም ዝዛረብ ኣይፈልጥን እየ”+ በልኩ።

 7 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦

“‘ኣነ ቘልዓ እየ’ ኣይትበል።

ናብ ኵሎም እቶም ዝልእከካ ኺድ፣

ኵሉ እቲ ዝእዝዘካ እውን ንገሮም።+

 8 ብትርኢቶም ኣይትፍራህ፣+

‘ከድሕነካስ ኣነ ምሳኻ እየ’+ ይብል የሆዋ።”

9 ሽዑ፡ የሆዋ ኢዱ ዘርጊሑ ኣፈይ ተንከየ።+ የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኣንቢረ ኣለኹ።+ 10 ርአ፡ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብን ኣብ ልዕሊ መንግስትታትን ክትከውን፡ ክትምሑን ከተፍርስን፡ ከተጥፍእን ከተዕኑን፡ ክትሃንጽን ክትተክልን መዚዘካ ኣለኹ።”+

11 ድሕርዚ፡ “ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ። ኣነ ድማ፡ “ጨንፈር ኦም ለውዚ* እርኢ ኣለኹ” በልኩ።

12 የሆዋ ኸኣ፡ “ቃለይ ንምፍጻም፡ ኣጸቢቐ ንቑሕ እየ እሞ፡ ጽቡቕ ርኢኻ” በለኒ።

13 “እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ካልኣይ ሳዕ መጸኒ። ኣነ ድማ፡ “ዚፈልሕ* ቍራዕ እርኢ ኣለኹ፣ ኣፉ ኸኣ ካብ ሰሜን ንንየው ኣቢሉ ዝቐነነ እዩ” በልኩ። 14 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦

“መዓት ካብ ሰሜን

ናብ ኵሎም ነበርቲ እታ ምድሪ ኺፍኖ እዩ።+

15 ከመይሲ፡ ‘ንዅሎም ዓሌታት መንግስትታት ሰሜን እጽውዖም ኣለኹ’ ይብል የሆዋ፡+

‘ንሳቶም ከኣ ኪመጹ፣

ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገታት የሩሳሌም፡+

ኣብ ዙርያ እቲ መካበብያኣን

ኣብ ኵሉ ኸተማታት ይሁዳን ዝፋኑ ኬቕውም እዩ።+

16 ንዓይ ስለ ዝሓደጉኒ፡+

ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ስለ ዝዓጠኑ፡+

ንግብርታት ኣእዳዎም እውን ስለ ዝሰገዱ፡+

ብሰሪ ዅሉ እከዮም፡ ኣንጻሮም ፍርድታተይ ክነግር እየ።’

17 ግናኸ፡ ሕቘኻ ተዓጠቕ፣

ተንስእ እሞ ዅሉ እቲ ዝእዝዘካ ንገሮም።

ኣነ ኣብ ቅድሚኦም ከየሸብረካስ፡

ብኣታቶም ኣይትሸበር።+

18 ሎምስ ኣንጻር ኵላ እታ ምድሪ፡

ኣንጻር ነገስታት ይሁዳን መሳፍንታን፡

ኣንጻር ካህናታን ህዝቢ እታ ምድርን፡+

እተዓርደት ከተማን ዓንዲ ሓጺንን መካበብያ ነሓስን ገይረካ እየ።+

19 ንሳቶም ብርግጽ ኪዋግኡኻ እዮም፣

ግናኸ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም፣

‘ከድሕነካስ ኣነ ምሳኻ እየ’+ ይብል የሆዋ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ