ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘካርያስ 11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘካርያስ—ትሕዝቶ

      • ንናይ ሓቂ ጓሳ ኣምላኽ ዘይምቕባል ዜስዕቦ ሳዕቤናት (1-17)

        • “ነተን መጓሰ ማሕረዲ ጓስየን” (4)

        • ክልተ በትሪ፦ ደስታን ሕብረትን (7)

        • ዓስቢ ጓሳ፦ 30 ብሩር (12)

        • እቲ ገንዘብ ናብ ቤት መዝገብ ተደርበየ (13)

ዘካርያስ 11:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተርሚን።”

ዘካርያስ 11:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 34:8

ዘካርያስ 11:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 22:25
  • +ነህ 5:8
  • +ህዝ 34:2, 4

ዘካርያስ 11:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 11:4
  • +ዘካ 11:10, 14

ዘካርያስ 11:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይ ክትዕገሶም ኣይከኣለትን።”

  • *

    ወይ፡ “ነፍሶም እውን ንዓይ ፈንፈነትኒ።”

ዘካርያስ 11:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 11:7

ዘካርያስ 11:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዘኑለይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 26:14, 15፣ 27:9፣ ማር 14:10, 11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 146

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 15

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2011፡ ገጽ 13

    1/12/2010፡ ገጽ 10

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 29-30

ዘካርያስ 11:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 21:32
  • +ማቴ 27:5, 6፣ ግብ 1:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 146

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 15

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2011፡ ገጽ 13

ዘካርያስ 11:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 11:7
  • +1ነገ 12:19, 20፣ ህዝ 37:16

ዘካርያስ 11:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 34:2, 4

ዘካርያስ 11:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:2፣ ህዝ 34:6፣ ማቴ 9:36
  • +ህዝ 34:21
  • +ዘፍ 31:38
  • +ህዝ 34:3, 10

ዘካርያስ 11:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኽትሓምቕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 10:12
  • +ኤር 23:1፣ ማቴ 23:13

ሓፈሻዊ

ዘካ. 11:4ህዝ 34:8
ዘካ. 11:5ህዝ 22:25
ዘካ. 11:5ነህ 5:8
ዘካ. 11:5ህዝ 34:2, 4
ዘካ. 11:7ዘካ 11:4
ዘካ. 11:7ዘካ 11:10, 14
ዘካ. 11:10ዘካ 11:7
ዘካ. 11:12ማቴ 26:14, 15፣ 27:9፣ ማር 14:10, 11
ዘካ. 11:13ዘጸ 21:32
ዘካ. 11:13ማቴ 27:5, 6፣ ግብ 1:18
ዘካ. 11:14ዘካ 11:7
ዘካ. 11:141ነገ 12:19, 20፣ ህዝ 37:16
ዘካ. 11:15ህዝ 34:2, 4
ዘካ. 11:16ኤር 23:2፣ ህዝ 34:6፣ ማቴ 9:36
ዘካ. 11:16ህዝ 34:21
ዘካ. 11:16ዘፍ 31:38
ዘካ. 11:16ህዝ 34:3, 10
ዘካ. 11:17ዮሃ 10:12
ዘካ. 11:17ኤር 23:1፣ ማቴ 23:13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘካርያስ 11:1-17

ዘካርያስ

11 “ሓዊ ንቔድሮሳትካ ምእንቲ ኺበልዖሲ፡

ኣታ ሊባኖስ፡ ኣፍ ደገታትካ ኽፈት።

 2 ኣታ ጽሕዲ፡* ቄድሮስ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በል፣

ግሩም ኣእዋምሲ ጠፊኡ እዩ!

ኣቱም ገዘፍቲ ኣእዋም ባሳን፡

እቲ ጽዑቕ ዱር ወሪዱ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በሉ!

 3 ግርማኦም በሪሱ እዩ እሞ፡

ዋይዋይታ ጓሶት ስምዑ!

ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ዘሎ ጽዑቕ ጣሻ ጠፊኡ እዩ እሞ፡

ምጕዛም ሽደናት ኣናብስ ስምዑ!

4 “የሆዋ ኣምላኸይ ከምዚ ይብል፦ ‘ነተን መጓሰ ማሕረዲ ጓስየን፣+ 5 ንዓታተን ዓደግተን ሓሪዶምወንሲ+ በደልቲ ኣይኰኑን። እቶም ዚሸጥወን ከኣ፡+ “ኣነ ኽህብትም እየ እሞ፡ የሆዋ ይወደስ” ይብሉ። ጓሶተን ድማ ኣይርሕርሑለንን።’+

6 “‘ኣነስ ንነበርቲ እታ ምድሪ ደጊም ኣይክርሕርሓሎምን እየ’ ይብል የሆዋ። ‘ስለዚ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኢድ ብጻዩን ንጉሱን ከውድቖ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ነታ ምድሪ ኺሕምሽሽዋ እዮም፣ ኣነ እውን ካብ ኢዶም ኣይከናግፎምን እየ።’”

7 ኣነ ድማ ነተን መጓሰ ማሕረዲ፡ ነተን ውጹዓት እተን መጓሰ፡ ምእንታኻትክን ጓሰኽወን።+ ስለዚ፡ ክልተ በትሪ ወሰድኩ፣ ነታ ሓንቲ ደስታ፡ ነታ ሓንቲ ኸኣ ሕብረት በልክወን፣+ ነተን መጓሰ እውን ጓሰኽወን። 8 ኣብ ሓንቲ ወርሒ ድማ ሰለስተ ጓሶት ሰጐጕኩ፣ ከመይሲ፡ ኣነ ኽዕገሶም ኣይከኣልኩን፡* ንሳቶም እውን ንዓይ ፈንፈኑኒ።* 9 ኣነ ኸኣ፡ “ድሕርዚ፡ ኣይክጓስየኩምን እየ። እታ እትመውት ትሙት፡ እታ እትጠፍእ እውን ትጥፋእ። እተን ዝተረፋ ድማ፡ ስጋ ሓድሕደን ይብልዓ” በልኩ። 10 ስለዚ፡ ነታ በትሪ ደስታ ወሲደ+ ቘረጽክዋ፡ ምስ ኵሎም ህዝብታት ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ድማ ኣፍረስክዎ። 11 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ተሰብረት፣ እተን ዚጥምታኒ ዝነበራ ውጹዓት እተን መጓሰ ድማ ቃል የሆዋ ምዃኑ ፈለጣ።

12 ሽዑ፡ “ጽቡቕ መሲሉ እንተ ተራእዩኩም፡ ዓስበይ ሃቡኒ፣ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ሕደግዎ” በልክዎም። ንሳቶም ከኣ ዓስበይ 30 ብሩር ከፈሉኒ።*+

13 ሽዑ፡ የሆዋ፡ “ነቲ ዋጋይ ገይሮም ዝገምገምዎ ኽቡር ዋጋ፡ ናብ ቤት መዝገብ ደርብዮ” በለኒ።+ ኣነ ድማ ነቲ 30 ብሩር ወሲደ ናብቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዘሎ ቤት መዝገብ ደርበኽዎ።+

14 ሽዑ፡ ነታ ኻልአይቲ በትረይ፡ ነታ ሕብረት ቈረጽክዋ፡+ ነቲ ኣብ መንጎ ይሁዳን እስራኤልን ዝነበረ ሕውነት ከኣ ኣፍረስክዎ።+

15 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ሕጂ፡ ናውቲ ዘይጠቅም ጓሳ ውሰድ።+ 16 ኣነስ ኣብታ ምድሪ፡ ጓሳ ኺትንስእ ክሓድግ እየ። ንሱ ነተን ዚጠፍኣ ዘለዋ ኣባጊዕ ኣይኪከናኸነንን እዩ፣+ ንዕያውቲ ኣይኪደልን፡ ንእተጐድኣ ኸኣ ኣይኪፍውስን፡+ ደው ኪብላ ንዚኽእላ ድማ ኣይኬብልዕን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ስጋ ስብሕቲ ኺበልዕ፡+ ሸዀናታት እተን ኣባጊዕ ከኣ ኪምንጭት እዩ።+

17 እቲ መጓሰ ዚሓድግ+ ዘይጠቅም ጓሳ ወይለኡ!+

ሰይፊ ንቕልጽሙን ንየማነይቲ ዓይኑን ኪወቕዖ እዩ።

ቅልጽሙ ጠሪሳ ኽትነቅጽ እያ፣

የማነይቲ ዓይኑ ድማ ጠሪሳ ኽትዓውር* እያ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ