ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 29
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ኣቲ ኣርኤል፡ ወይለኺ! (1-16)

        • ብኸናፍር ጥራይ ዚቐርብ ኣገልግሎት ተዀነነ (13)

      • ጸማማት ኪሰምዑ፡ ዕዉራት ኪርእዩ እዮም (17-24)

ኢሳይያስ 29:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “እቶን መሰውኢ ኣምላኽ” ኪኸውን ይኽእል፣ ንየሩሳሌም ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 5:7, 9
  • +ዘዳ 16:16

ኢሳይያስ 29:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:53-55
  • +ኢሳ 51:19፣ ድጕ 1:4
  • +ኤር 15:14፣ ጸፎ 1:7

ኢሳይያስ 29:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:11፣ 25:1

ኢሳይያስ 29:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 51:23

ኢሳይያስ 29:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ባዕዲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 13:19፣ 14:22፣ 21:9
  • +ኢሳ 13:11፣ 17:13
  • +ኢሳ 47:9፣ 48:3

ኢሳይያስ 29:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 2:10፣ ኤር 50:25፣ ናሆ 1:3

ኢሳይያስ 29:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:12, 14

ኢሳይያስ 29:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምስ ነቕሐ፡ ነፍሱ ጥራያ እያ።”

  • *

    ወይ፡ “ምስ ነቕሐ፡ ድኹም እዩ፡ ነፍሱ እውን ጽምእቲ እያ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 10:12፣ ኤር 51:24

ኢሳይያስ 29:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣን 1:5
  • +ኢሳ 6:9

ኢሳይያስ 29:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 6:10፣ ሮሜ 11:8
  • +ኤር 14:14፣ 27:15
  • +ሚክ 3:7

ኢሳይያስ 29:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 8:16

ኢሳይያስ 29:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 48:1፣ ኤር 5:2
  • +ማቴ 15:7-9፣ ማር 7:6-8

ኢሳይያስ 29:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 28:21፣ ኣን 1:5
  • +ኤር 8:9፣ 1ቈረ 1:19

ኢሳይያስ 29:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምኽሮም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:1
  • +ህዝ 8:12

ኢሳይያስ 29:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከመይ ዝበልኩም ቄናናት ኰን ኢኹም!”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 64:8
  • +ኤር 18:6
  • +ሮሜ 9:20, 21

ኢሳይያስ 29:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 35:1፣ 41:19
  • +ኢሳ 32:14, 15

ኢሳይያስ 29:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ካብ ድነን ጸልማትን ኪርእያ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 35:5፣ 42:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!፡ ገጽ 232-233፡ 235

ኢሳይያስ 29:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ትሑታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 41:16

ኢሳይያስ 29:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 2:1

ኢሳይያስ 29:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንገናሒ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣሞ 5:10
  • +ህዝ 13:19

ኢሳይያስ 29:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ብሕፍረት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 9:7፣ ሚክ 7:20
  • +ዮኤ 2:27

ኢሳይያስ 29:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 45:11
  • +ኢሳ 8:13፣ ሆሴ 3:5

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 29:12ሳሙ 5:7, 9
ኢሳ. 29:1ዘዳ 16:16
ኢሳ. 29:2ዘዳ 28:53-55
ኢሳ. 29:2ኢሳ 51:19፣ ድጕ 1:4
ኢሳ. 29:2ኤር 15:14፣ ጸፎ 1:7
ኢሳ. 29:32ነገ 24:11፣ 25:1
ኢሳ. 29:4ኢሳ 51:23
ኢሳ. 29:5ኢሳ 13:19፣ 14:22፣ 21:9
ኢሳ. 29:5ኢሳ 13:11፣ 17:13
ኢሳ. 29:5ኢሳ 47:9፣ 48:3
ኢሳ. 29:61ሳሙ 2:10፣ ኤር 50:25፣ ናሆ 1:3
ኢሳ. 29:7ኤር 25:12, 14
ኢሳ. 29:8ኢሳ 10:12፣ ኤር 51:24
ኢሳ. 29:9ኣን 1:5
ኢሳ. 29:9ኢሳ 6:9
ኢሳ. 29:10ኢሳ 6:10፣ ሮሜ 11:8
ኢሳ. 29:10ኤር 14:14፣ 27:15
ኢሳ. 29:10ሚክ 3:7
ኢሳ. 29:11ኢሳ 8:16
ኢሳ. 29:13ኢሳ 48:1፣ ኤር 5:2
ኢሳ. 29:13ማቴ 15:7-9፣ ማር 7:6-8
ኢሳ. 29:14ኢሳ 28:21፣ ኣን 1:5
ኢሳ. 29:14ኤር 8:9፣ 1ቈረ 1:19
ኢሳ. 29:15ኢሳ 30:1
ኢሳ. 29:15ህዝ 8:12
ኢሳ. 29:16ኢሳ 64:8
ኢሳ. 29:16ኤር 18:6
ኢሳ. 29:16ሮሜ 9:20, 21
ኢሳ. 29:17ኢሳ 35:1፣ 41:19
ኢሳ. 29:17ኢሳ 32:14, 15
ኢሳ. 29:18ኢሳ 35:5፣ 42:16
ኢሳ. 29:19ኢሳ 41:16
ኢሳ. 29:20ሚክ 2:1
ኢሳ. 29:21ኣሞ 5:10
ኢሳ. 29:21ህዝ 13:19
ኢሳ. 29:22ነህ 9:7፣ ሚክ 7:20
ኢሳ. 29:22ዮኤ 2:27
ኢሳ. 29:23ኢሳ 45:11
ኢሳ. 29:23ኢሳ 8:13፣ ሆሴ 3:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 29:1-24

ኢሳይያስ

29 “ኣቲ ኣርኤል፡* ኣቲ ዳዊት ዝሰፈረኪ+ ኸተማ ኣርኤል፡ ወይለኺ!

ዓመት ዓመት ቀጽሉ፣

እቲ ዑደት በዓላት+ ይቐጽል።

 2 ንኣርኤል ግና ጭንቂ ኸምጽኣላ እየ፣+

ሓዘንን ልቕሶን ከኣ ኪኸውን እዩ፣+

ንሳ ድማ ከም እቶን መሰውኢ ኣምላኽ ክትኰነኒ እያ።+

 3 ብዅሉ ሸነኻ ኽሰፍር፡

ብሓጹር ከኣ ክኸብባ፡

መኽበቢ እውን ከተንስኣላ እየ።+

 4 ክትዋረዲ ኢኺ፣

ካብ ምድሪ ኽትዛረቢ፡

እቲ እትብልዮ ድማ ብሓመድ ኪዕበስ እዩ።

ድምጽኺ ኸም ድምጺ ጠያቒ መናፍስቲ ዀይኑ፡

ካብ ምድሪ ኺመጽእ፡+

ቃልኪ እውን ካብ ሓመድ ጭቝጭቝ ኪብል እዩ።

 5 ጭፍራ ጸላእትኺ* ኸም ድኹም ተጐጓ፡+

ጭፍራ እቶም ጨቈንቲ ድማ ከም ዚውሰድ ብቝቡቝ ኪኸውን እዩ።+

ብቕጽበትን ብሃንደበትን እውን ኪኸውን እዩ።+

 6 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት

ብነጕድን ብምንቅጥቃጥ ምድርን ብብርቱዕ ደሃይን፡

ብብርቱዕ ንፋስን ብህቦብላን ብሃልሃልታ ዚባላዕ ሓውን ቈላሕታኡ ኺገብረልኪ እዩ።”+

 7 ሽዑ፡ ጭፍራ እቶም ምስ ኣርኤል ዚዋግኡ ዅሎም ኣህዛብ፡+

—ኵሎም እቶም ምስኣ ዚዋግኡን

እቲ ኣንጻራ እተገብረ ዕርዲ ኸበባን

እቶም ዜጨንቕዋን፡—

ከም ሕልሚ፡ ከም ራእይ ለይቲ ኪዀኑ እዮም።

 8 እወ፡ ከምቲ ጥሙይ ብሕልሙ ዚበልዕ፡

ግናኸ፡ ብጥሙዩ ዚነቅሕ፡*

ከምቲ ጽሙእ ድማ ብሕልሙ ዚሰቲ፡

ግናኸ፡ ብድኹሙን ብጽሙኡን ዚነቅሕ ኪኸውን እዩ።*

እቶም ምስ ከረን ጽዮን ዚዋግኡ+

ጭፍራ ዅሎም ኣህዛብ እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም።

 9 ተዓነዱን ተገረሙን፣+

ዑሩን ዕዉራት ኩኑን።+

ንሳቶምሲ ሰኺሮም እዮም፡ ግናኸ ብወይኒ ኣይኰኑን፣

ሰንከልከል ይብሉ ኣለዉ፡ ግናኸ ብኣልኮላዊ መስተ ኣይኰኑን።

10 የሆዋስ መንፈስ ከቢድ ድቃስ ኣፍሲሱሎም ኣሎ፣+

ንኣዒንትኹም፡ ነቶም ነብያት ደፊንዎም፡+

ንኣራእስኩም፡ ነቶም ሰብ ራእይ እውን ኣጐልቢብዎም ኣሎ።+

11 ኵሉ ራእይ ከም ቃላት ሕቱም መጽሓፍ ኰይኑኩም ኣሎ።+ “በጃኻ ነዚ ዓው ኢልካ ኣንብቦ” ኢሎም ኬንብብ ንዚኽእል ምስ ዚህብዎ፡ “ሕቱም እዩ እሞ፡ ኣይክእልን እየ” ኺብል እዩ። 12 “በጃኻ ነዚ ኣንብቦ” ኢሎም ኬንብብ ንዘይክእል ምስ ዚህብዎ ድማ፡ “ንባብ ከቶ ኣይክእልን እየ” ኺብል እዩ።

13 የሆዋ ኸኣ ከምዚ ይብል፦ “እዚ ህዝቢ እዚ ብኣፉ ይቐርበኒ፡

ብኸናፍሩ እውን የኽብረኒ፣+

ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ፣

ንዓይ ዘለዎም ፍርሃት ድማ ኣብቲ እተማህርዎ ትእዛዛት ሰብ እተመስረተ እዩ።+

14 ስለዚ፡ እቲ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ድንቂ ኣብ ልዕሊ ድንቂ ብምግባር፡

ከም ብሓድሽ ዜደንቕ ነገራት ዚገብር፡ ኣነ እየ፣+

ጥበብ እቶም ጥበበኛታቶም ኪጠፍእ፡

ኣእምሮ እቶም ኣስተውዓልቶም እውን ኪሕባእ እዩ።”+

15 እቶም ውጥናቶም* ካብ የሆዋ ኺሓብኡ ብዙሕ ዚጽዕሩ ወይለኦም!+

“መን ይርእየና፧

መንከ ብዛዕባና ይፈልጥ” እናበሉ+

ተግባሮም ኣብ ጸልማት ይገብሩ።

16 ክንደይ ኰን ኢኹም ነገራት እተቕንኑ!*

ሰራሕ ካይላዶ ኸም ካይላ ጌርካ ኺርአ ይግባእ እዩ፧+

እተገብረዶ ንገባሪኡ፡

“ኣይገበረንን” ኪብሎ ይግባእ እዩ፧+

እተደኰነዶኸ ብዛዕባ ደኳኒኡ፡

“ኣይርድኦን እዩ” ኺብል ይግባእ እዩ፧+

17 ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ሊባኖስ ናብ ግራት ፍረታት ኪልወጥ፡+

እቲ ግራት ፍረታት ድማ ከም ዱር ጌርካ ኺርአ እዩ።+

18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጸማማት ንቓላት እቲ መጽሓፍ ኪሰምዕዎ እዮም፣

ኣዒንቲ ዕዉራት ድማ ካብ ድነን ጸልማትን ወጺአን ኪርእያ* እየን።+

19 ዓቃላት* ብየሆዋ ብዙሕ ባህ ኪብሎም እዩ፣

ኣብ መንጎ ሰባት ዘለዉ ድኻታት ከኣ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኪሕጐሱ እዮም።+

20 ከመይሲ፡ ጨቋኒ ኣይኪህሉን፡

ምኩሕ ድማ ኪውዳእ እዩ፣

ኵሎም እቶም ኪጐድኡ ዜተኵሩ እውን ኪጠፍኡ እዮም።+

21 እቶም ብቓል ሓሶት ንኻልኦት በደልቲ ዚገብሩ፡

ንተማጓቲ* ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ መጻወድያታት ዚገብሩሉ፡+

ብባዶ መጐተታት እውን ንጻድቕ ፍትሒ ዚኸልእዎ፡ ኪጠፍኡ እዮም።+

22 ስለዚ፡ እቲ ንኣብርሃም+ እተበጀዎ የሆዋ ንቤት ያእቆብ ከምዚ ይብላ ኣሎ፦

“ያእቆብሲ ደጊም ኣይኪሓፍርን፡

ገጹ እውን ኣይኪጽምሉን* እዩ።+

23 ንደቁ፡ ነቶም ግብሪ ኣእዳወይ፡

ኣብ ማእከሉ ምስ ረኣዮምሲ፡+

ንሳቶም ንስመይ ኪቕድሱ እዮም፣

እወ፡ ነቲ ናይ ያእቆብ ቅዱስ ኪቕድስዎ፡

ንኣምላኽ እስራኤል እውን ኪፈርህዎ እዮም።+

24 እቶም ብመንፈስ ፋሉላት ዝዀኑ፡ ኣእምሮ ኼጥርዩ፡

እቶም ዜማርሩ ኸኣ ትምህርቲ ኪቕበሉ እዮም።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ