ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 35
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ዮስያስ ዓብዪ ፋስጋ ኣብዓለ (1-19)

      • ዮስያስ ብፈርኦን ኔኮ ተቐትለ (20-27)

2 ዜና መዋእል 35:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:3-11፣ 2ነገ 23:21
  • +ዘሌ 23:5፣ ዘዳ 16:1
  • +ዘጸ 12:21

2 ዜና መዋእል 35:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 23:18፣ 31:2

2 ዜና መዋእል 35:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 33:10፣ 2ዜና 17:8, 9፣ ነህ 8:7, 8
  • +1ነገ 6:38፣ 2ዜና 5:7
  • +ዘሁ 4:15፣ 1ዜና 23:25, 26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/9/2009፡ ገጽ 18

    1/12/2005፡ ገጽ 20

2 ዜና መዋእል 35:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 23:6፣ 2ዜና 8:14

2 ዜና መዋእል 35:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ደቂ ህዝቢ።”

2 ዜና መዋእል 35:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:21፣ 2ዜና 30:1, 15

2 ዜና መዋእል 35:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 30:24

2 ዜና መዋእል 35:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:4፣ 2ዜና 34:14

2 ዜና መዋእል 35:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 23:6

2 ዜና መዋእል 35:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:3, 6
  • +2ዜና 29:34
  • +2ዜና 30:16

2 ዜና መዋእል 35:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጠበስዎ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:8፣ ዘዳ 16:6, 7

2 ዜና መዋእል 35:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 16:37
  • +1ዜና 23:5
  • +1ዜና 25:1, 2
  • +1ዜና 16:41, 42፣ 25:3
  • +1ዜና 26:12, 13

2 ዜና መዋእል 35:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:21
  • +ዘሌ 23:5

2 ዜና መዋእል 35:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:15፣ ዘሌ 23:6፣ ዘዳ 16:3፣ 2ዜና 30:1, 21

2 ዜና መዋእል 35:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:22, 23፣ 2ዜና 30:5, 26

2 ዜና መዋእል 35:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቤት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 46:2
  • +2ነገ 23:29

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    3/2017፡ ገጽ 26-27

2 ዜና መዋእል 35:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 22:30
  • +መሳ 1:27፣ 5:19፣ ዘካ 12:11፣ ራእ 16:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    3/2017፡ ገጽ 26-27

2 ዜና መዋእል 35:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:30፣ 2ዜና 34:28

2 ዜና መዋእል 35:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 1:1
  • +ኤር 9:17, 20

2 ዜና መዋእል 35:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:28

ሓፈሻዊ

2 ዜና 35:1ዘጸ 12:3-11፣ 2ነገ 23:21
2 ዜና 35:1ዘሌ 23:5፣ ዘዳ 16:1
2 ዜና 35:1ዘጸ 12:21
2 ዜና 35:22ዜና 23:18፣ 31:2
2 ዜና 35:3ዘዳ 33:10፣ 2ዜና 17:8, 9፣ ነህ 8:7, 8
2 ዜና 35:31ነገ 6:38፣ 2ዜና 5:7
2 ዜና 35:3ዘሁ 4:15፣ 1ዜና 23:25, 26
2 ዜና 35:41ዜና 23:6፣ 2ዜና 8:14
2 ዜና 35:6ዘጸ 12:21፣ 2ዜና 30:1, 15
2 ዜና 35:72ዜና 30:24
2 ዜና 35:82ነገ 23:4፣ 2ዜና 34:14
2 ዜና 35:101ዜና 23:6
2 ዜና 35:11ዘጸ 12:3, 6
2 ዜና 35:112ዜና 29:34
2 ዜና 35:112ዜና 30:16
2 ዜና 35:13ዘጸ 12:8፣ ዘዳ 16:6, 7
2 ዜና 35:151ዜና 16:37
2 ዜና 35:151ዜና 23:5
2 ዜና 35:151ዜና 25:1, 2
2 ዜና 35:151ዜና 16:41, 42፣ 25:3
2 ዜና 35:151ዜና 26:12, 13
2 ዜና 35:162ነገ 23:21
2 ዜና 35:16ዘሌ 23:5
2 ዜና 35:17ዘጸ 12:15፣ ዘሌ 23:6፣ ዘዳ 16:3፣ 2ዜና 30:1, 21
2 ዜና 35:182ነገ 23:22, 23፣ 2ዜና 30:5, 26
2 ዜና 35:20ኤር 46:2
2 ዜና 35:202ነገ 23:29
2 ዜና 35:221ነገ 22:30
2 ዜና 35:22መሳ 1:27፣ 5:19፣ ዘካ 12:11፣ ራእ 16:16
2 ዜና 35:242ነገ 23:30፣ 2ዜና 34:28
2 ዜና 35:25ኤር 1:1
2 ዜና 35:25ኤር 9:17, 20
2 ዜና 35:272ነገ 23:28
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 35:1-27

2 ዜና መዋእል

35 ዮስያስ ድማ ኣብ የሩሳሌም ንየሆዋ ፋስጋ ኣብዓለ፣+ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ+ ኸኣ መስዋእቲ ፋስጋ ሓረዱ።+ 2 ንሱ ድማ ነቶም ካህናት ኣብ ዕዮኦም መደቦም፡ ኣብ ቤት የሆዋ ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ እውን ኣተባብዖም።+ 3 ነቶም መምህራን ኵሉ እስራኤል ዝዀኑ ንየሆዋ እተቐደሱ ሌዋውያን+ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ነቲ ቕዱስ ታቦት ኣብታ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ዝሃነጻ ቤት ኣንብርዎ፣+ ደጊም ኣብ መንኵብኩም ኣይክትጾርዎን ኢኹም።+ ሕጅስ ንየሆዋ ኣምላኽኩምን ንህዝቡ እስራኤልን ደኣ ኣገልግልዎም። 4 ነቲ ዳዊት ንጉስ እስራኤልን ወዱ ሰሎሞንን ዝጸሓፍዎ ስዒብኩም ከኣ፡ በብማይ ቤትኩም በብኽፍልኹም ተዳለዉ።+ 5 በብማይ ቤት ኣሕዋትኩም እቶም ዝተረፉ ህዝቢ፡* በብጕጅለ ማይ ቤት ሌዋውያን፡ ተጐጂልኩም ኣብቲ መቕደስ ደው በሉ። 6 መስዋእቲ ፋስጋ ድማ ሕረዱ፡+ ተቐደሱ፣ ኣሕዋትኩም ከምቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ቓል የሆዋ ኺገብሩ ኸኣ ኣዳልውዎም።”

7 ዮስያስ ድማ ነቲ ህዝቢ፡ ንዅሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ ዘበሉ፡ ካብ መጓሰ ብድምር 30,000 ገንሸልን* ወጠጦን 3,000 ከብትን ሃቦም። እዚ ንመስዋእቲ ፋስጋ ዚኸውን ኰይኑ፡ ካብ ጥሪት ንጉስ ነበረ።+ 8 መሳፍንቱ እውን ነቲ ህዝብን ነቶም ካህናትን ነቶም ሌዋውያንን፡ መስዋእቲ ፍታው ዚኸውን ሃብዎም። ሒልቅያን+ ዘካርያስን የሒኤልን እቶም መራሕቲ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ፡ ነቶም ካህናት 2,600 መስዋእቲ ፋስጋን 300 ከብትን ሃብዎም። 9 ኮናንያን ኣሕዋቱ ሸማዕያን ናትናኤልን፡ ምስቶም ሓሻብያን የዒኤልን ዮዛባድን ዚብሃሉ ኣሕሉቕ ሌዋውያን ኰይኖም፡ ንሌዋውያን 5,000 መስዋእቲ ፋስጋን 500 ኸብትን ሃብዎም።

10 እቲ ኣገልግሎት ከኣ ተዳለወ፣ ከምቲ እቲ ንጉስ ዝኣዘዞም ድማ፡ እቶም ካህናት ኣብ ቦታኦም፡ እቶም ሌዋውያን እውን በብኽፍሎም ደው በሉ።+ 11 መስዋእቲ ፋስጋ ድማ ሓረዱ፣+ እቶም ሌዋውያን ነቶም እንስሳታት ኪጠብሑ ኸለዉ ኸኣ፡+ እቶም ካህናት ነቲ ደም ካባታቶም ተቐቢሎም ነጸግዎ።+ 12 እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኸምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጻሒፉ ዘሎ ዀይኑ ንየሆዋ ምእንቲ ኪቐርብ ድማ፡ ነቶም በብማይ ቤት እተጐጀሉ ዝተረፉ ህዝቢ ምእንቲ ኺዕድልዎ ኣዳለውዎ፣ ነቶም ከብቲ እውን ከምኡ ገበርዎም። 13 ነቲ መስዋእቲ ፋስጋ ድማ ከምቲ ልምዲ ኣብ ሓዊ ኣብሰልዎ፣*+ ነቲ ቕዱስ መስዋእቲ ኸኣ ኣብ ቍራዓትን ኣብ ዓበይቲ ቝራዓትን ኣብ መቕሎታትን ኣብሲሎም፡ ቀልጢፎም ናብ ኵሉ እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኣምጽእዎ። 14 ድሕሪኡ፡ ንርእሶምን ንኻህናትን ኣዳለዉ፣ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ክሳዕ ለይቲ ዚሓርር መስዋእትን ስብሕን ይስውኡ ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ሌዋውያን ንርእሶምን ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮንን ኣዳለዉ።

15 እቶም ዘመርቲ ደቂ ኣሳፍ ድማ፡+ ከም ትእዛዝ ዳዊትን+ ኣሳፍን+ ሄማንን የዱቱን+ እቲ ናይ ንጉስ ብዓል ራእይን ኣብ በቦታኦም ነበሩ፣ እቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኸኣ ኣብ እተፈላለየ ኣፍ ደገታት ነበሩ።+ ኣሕዋቶም እቶም ሌዋውያን የዳልዉሎም ስለ ዝነበሩ፡ ካብ ኣገልግሎቶም ኬልግሱ ኣየድልዮምን ነበረ። 16 ከም ትእዛዝ ንጉስ ዮስያስ ድማ፡+ ፋስጋ ኺብዓልን+ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ የሆዋ ኪቐርብን በታ መዓልቲ እቲኣ ዅሉ ኣገልግሎት የሆዋ ተዳለወ።

17 እቶም ኣብኡ እተረኽቡ እስራኤላውያን ከኣ በታ ግዜ እቲኣ ፋስጋ ኣብዓሉ፣ በዓል ቅጫ እውን ሸውዓተ መዓልቲ ኣብዓሉ።+ 18 ካብ ዘመን ነብዪ ሳሙኤል ኣትሒዙ፡ ኣብ እስራኤል ከምኡ ዝበለ ፋስጋ ኣይተባዕለን፣ ካብ ነገስታት እስራኤል፡ ከምቲ ዮስያስን እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን ኵሎም ኣብኡ እተረኽቡ ይሁዳን እስራኤልን ነበርቲ የሩሳሌምን ዝገበርዎ ገይሩ ፋስጋ ዘብዓለ ሓደ እኳ የልቦን።+ 19 እዚ ፋስጋ እዚ፡ ኣብ መበል 18 ዓመት ንግስና ዮስያስ ተባዕለ።

20 ድሕሪ እዚ ዅሉ፡ ዮስያስ ነታ ቤተ መቕደስ* ምስ ኣዳለዋ፡ ኔኮ+ ንጉስ ግብጺ ኣብ ከርከሚሽ ጥቓ ኤፍራጥስ ኪዋጋእ ደየበ። ዮስያስ ከኣ ኪጻረሮ ወጸ።+ 21 ንሱ ድማ፡ “ኦ ንጉስ ይሁዳ፡ እዚ ምሳኻ እንታይ ኣለዎ፧ ውግአይ ምስ ካልእ ቤት ደኣ እዩ እምበር፡ ሎሚ ናባኻ ኣይኰንኩን ዝመጽእ ዘለኹ፣ ኣምላኽ ድማ ክቕልጥፍ ኣዚዙኒ እዩ። ምእንቲ ርእስኻ ኢልካ ነቲ ምሳይ ዘሎ ኣምላኽ ምጽራር ሕደግ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ኬጥፍኣካ እዩ” ኢሉ ልኡኻት ለኣኸሉ። 22 ዮስያስ ግና ካብኡ ኣይተመልሰን፣ የግዳስ፡ ምስኡ ኺዋጋእ ትርኢቱ ለወጠ፣+ ነቲ ኻብ ኣፍ ኣምላኽ ዝመጸ ቓል ኔኮ ኸኣ ኣይሰምዖን። ኣብ ጐልጐል መጊዶ ድማ ኪዋጋእ መጸ።+

23 ቀስተኛታት ከኣ ንንጉስ ዮስያስ ወግእዎ፣ ንጉስ ድማ ንገላዉኡ፡ “ብብርቱዕ ቈሲለ እየ እሞ፡ ካብዚ ኣውጽኡኒ” በሎም። 24 ገላዉኡ ኸኣ ካብቲ ሰረገላ ኣውሪዶም ኣብ ካልኣይ ሰረገላ ኣደይቦም ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎ። በዚ ኸምዚ ሞተ፡ ኣብ መቓብር ኣቦታቱ ኸኣ ተቐብረ፣+ ኵሎም ይሁዳን የሩሳሌምን ድማ ንዮስያስ ሓዘኑሉ። 25 ኤርምያስ+ ከኣ ንዮስያስ ኣልቀሰሉ፣ ኵሎም እቶም ተባዕትዮን ኣንስትዮን ዘመርቲ+ ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ልቕሶኦም ብዛዕባ ዮስያስ የልቅሱ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ኣብ እስራኤል ኪልቀስ ወሰኑ፣ ኣብ ልቕሶታት ድማ ተጻሒፉ ኣሎ።

26 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮስያስን እቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ የሆዋ ተጻሒፉ ዘሎ ብተኣማንነት ብዘርኣዮ ፍቕሪ ዝገበሮ ግብርታትን 27 እቲ ዝገበሮን፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጻሒፉ ኣሎ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ