2 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
‘“ንሱ ንኣዕጽምቲ ንጉስ ኤዶም ኖራ ኪኸውን ኢሉ ኣንዲድዎ እዩ እሞ፡
ስለ ሰለስተ በደል ሞኣብ፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ።
2 ስለዚ፡ ናብ ሞኣብ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣
ንእተዓርደ ግምብታት ቄሪዮት ከኣ ኪበልዖ እዩ፣+
ሞኣብ ኣብ መንጎ ዕግርግር፡
ብጭድርታ ውግእን ብደሃይ መለኸትን ኪመውት እዩ።+
3 ንገዛኢ ኻብ ማእከላ ኸልግሶ፡
ንዅሎም መሳፍንታ ድማ ምስኡ ክቐትሎም እየ”+ ይብል የሆዋ።’
4 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
‘ሕጊ የሆዋ ነጺጎም፡
ስርዓታቱ እውን ኣይሓለዉን፡+
የግዳስ፡ እቲ ኣቦታቶም ዝሰዓብዎ ሓሶት ኣስሒትዎም እዩ እሞ፡+
ስለ ሰለስተ በደል ይሁዳ፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ።
5 ስለዚ፡ ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣
ንእተዓርደ ግምብታት የሩሳሌም ከኣ ኪበልዖ እዩ።’+
6 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
‘ንጻድቕ ብብሩር፡
ንድኻ ድማ ብጽምዲ ሳእኒ ሸይጦምዎ እዮም እሞ፡+
ስለ ሰለስተ በደል እስራኤል፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ።
7 ኣራእስ ትሑታት ኣብ ሓመድ ምድሪ ረጊጾም፡+
መገዲ ዓቃላት እውን ዓጽዮም እዮም።+
ሰብኣይን ኣቦኡን ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ኣትዮም፡
ነቲ ቕዱስ ስመይ ከኣ ኣርኪሶምዎ እዮም።
8 ኣብ ጥቓ ዅሉ መሰውኢ፡+ ብትሕጃ ኣብ ዝወሰድዎ ኽዳውንቲ በጥ ይብሉ፣+
እቲ ኣብ ቤት ኣማልኽቶም ዚሰትይዎ ወይኒ ድማ ካብቶም ብመቕጻዕቲ ዘኽፈልዎም እተረኽበ እዩ።’
9 ‘ግናኸ፡ ነቲ ኸም ቄድሮስ ዝቝመቱን ከም ገዚፍ ኦም ዝብርታዐኡን
ኣሞራዊ ኻብ ቅድሚኦም ዘጥፋእክዎ ኣነ እየ፣+
ንፍሪኡ ኻብ ላዕሊ፡ ንሰራውሩ ኻብ ታሕቲ ኣጥፊአዮ።+
10 ካብ ምድሪ ግብጺ ድማ ኣውጺአኩም፣+
ንምድሪ እቲ ኣሞራዊ ኽትርስተዩ ኸኣ፡
40 ዓመት ብበረኻ መሪሐኩም።+
11 ካብ ደቅኹም ነብያት፡+
ካብ ኣጕባዝኩም ድማ ናዝራውያን ኣተንሲአ።+
ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ከምኡ ደይኰነን፧’ ይብል የሆዋ።
12 ‘ንስኻትኩም ግና ንናዝራውያን ኪሰትዩስ ወይኒ መመሊስኩም ሂብኩምዎም፡+
ንነብያት ከኣ “ኣይትነበዩ” ኢልኩም ኣዚዝኩምዎም።+
13 ስለዚ፡ ከምቲ ዕጹድ እኽሊ እተጻዕነት ሰረገላ ኣብ ትሕቲኣ ንዘሎ እትጭፍልቖ፡
ኣነ እውን ኣብ ቦታኹም ክጭፍልቐኩም እየ።
14 ፈጣን ዚሃድመሉ ኣይኪህልዎን፡+
ብርቱዕ ከኣ ሓይሊ ኣይኪተርፎን፡
ጅግና ድማ ምስ ህይወቱ ኣይኬምልጥን እዩ።
15 ቀስተኛ ኣብ መትከሉ ደው ኣይኪብልን፡
ፈጣን ዝእግሩ ኸኣ ኣይኬምልጥን፡
ፈረሰኛ ድማ ምስ ህይወቱ ኣይኬምልጥን እዩ።
16 ካብቶም ጀጋኑ እቲ ኣዝዩ ተባዕ ዝዀነ እኳ፡
በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራዩ ኺሃድም እዩ’+ ይብል የሆዋ።”