10 ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከኣ ኣብታ ምድርን ኣብ ደሴታት ባሕርን ብግዲ ኣሸቀለ።
2 ኵሉ ብርቱዕን ሓያልን ግብሩ፡ ከምኡ እውን ዝርዝር ጸብጻብ እቲ ንጉስ ልዕል ዘበሎ ዕቤት+ ማርዶካይ፡+ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን+ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን ተጻሒፉዶ የሎን፧+ 3 ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳውስ ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ካልኣዩ ነበረ። ኣብ መንጎ ኣይሁድ ዓብዪ፡ ብብዙሓት ኣሕዋቱ ድማ ዚኽበር፡ ንጽቡቕ ህዝቡ ዚዓይን ንድሕንነት ኵሎም ዘርኦም ዚጣበቕን ነበረ።