16 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦
2 “ከምዚ ዝበለስ ብዙሕ ሰሚዐ ኣለኹ።
ኵላትኩም እተሸግሩ መጸናናዕቲ ኢኹም!+
3 ባዶ ቓላትሲ ይውዳእ ድዩ፧
ከምዚ ኢልካ ኽትምልስ ዜለዓዕለካኸ እንታይ እዩ፧
4 ኣነ እውን ከም ናታትኩም ገይረ ኽዛረብ እኽእል እየ።
ንስኻትኩም ኣብ ቦታይ እንተ ትዀኑ፡
ዜእምን ዘረባ ኣንጻርኩም ክዛረብ፡
ርእሰይ እውን ክንቕንቐልኩም ምኸኣልኩ ነይረ።+
5 ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ብቓላት ኣፈይ መበርታዕኩኹም፡
ብምጽንናዕ ከናፍረይ እውን እፎይታ መምጻእኩልኩም ነይረ።+
6 እንተ ተዛሪበ፡ ቃንዛይ ዝግ ኣይብልን እዩ፣+
ምዝራብ እንተ ሓዲገኸ፡ ቃንዛይ ክንደይ እዩ ዚንኪ፧
7 ሕጅስ ኣድኪሙኒ፣+
ንብዘለዉ ቤተ ሰበይ እውን ኣዕንይዎም።
8 ንስኻ ድማ ሒዝካኒ፡ እዚ ኸኣ ምስክር ኰይኑኒ፣
ዕብራነይ ተንሲኡ እውን ኣብ ገጸይ ይምስክረለይ።
9 ቍጥዓኡ ይሰላልዓኒ፣ ንሱ ድማ ይጸልኣኒ።+
ኣስናኑ ይሕርቅመለይ።
ተጻራርየይ ብኣዒንቱ ይወግኣኒ።+
10 ኣፎም ሃህ ኣቢሎምለይ፣+
እናጸረፉ ኸኣ መዓጕርተይ ይጸፍዑኒ፣
ብዙሓት ድማ ኣንጻረይ ይእከቡ።+
11 ኣምላኽ ኣብ ኢድ ቈልዑ ኣሕሊፉ ሂቡኒ፡
ኣብ ኣእዳው እኩያት ከኣ ደርብዩኒ።+
12 ከይተሸገርኩ እነብር ነይረ፡ ንሱ ግና ሓምሺሹኒ፣+
ብኽሳደይ ሒዙ ሰባቢሩኒ፣
ዕላማኡ ገይሩ ድማ ኣቚሙኒ።
13 ቀስተኛታቱ ኸቢቦምኒ፣+
ብዘይ ርሕራሐ ንዀላሊተይ+ ይወግአን፣
ንሓሞተይ ከኣ ኣብ ምድሪ የፍስሶ።
14 ፍሩስ ድሕሪ ፍሩስ ገይሩ የፈራርሰኒ፣
ከም ጅግና ይህንደደኒ።
15 ቈርበተይ ንምሽፋን፡ ማቕ ሰፍየ፣+
ክብረይ ድማ ኣብ ሓመድ ደብየዮ።+
16 ገጸይ ብብኽያት ቀይሑ፣+
ኣብ ከበሮ ዓይነይ ከኣ ብርቱዕ ጽላሎት ኣሎ፣
17 ግናኸ፡ ኣእዳወይ ዓመጻ ኣይገበራን፡
ጸሎተይ ድማ ንጹህ እዩ።
18 ኦ ምድሪ፡ ንደመይ ኣይትኸውልዮ!+
ንኣውያተይ እውን መዕረፊ ኣይወሃቦ!
19 ሕጂ እውን፡ ምስክረይ ኣብ ሰማያት፡
እቲ ኺምስክረለይ ዚኽእል ከኣ ኣብ ላዕሊ እዩ ዘሎ።
20 ኣዒንተይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪነብዓ ኸለዋ፡+
ብጾተይ የላግጹለይ።+
21 ከምቲ ኣብ መንጎ ሰብን ብጻዩን ዚዳኒ፡
ኣብ መንጎ ሰብን ኣምላኽን ዚዳኒ ይሃሉ።+
22 እተን ዚመጻ ዓመታትሲ ሒደት እየን፣
በታ ዘይምለሰላ መገዲ ድማ ክኸይድ እየ።+