ኢሳይያስ
47 ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፡
ውረዲ፡ ኣብ ሓመድ ከኣ ተቐመጢ።+
ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡
ዝፋን ኣብ ዘይብሉ ምድሪ ተቐመጢ።+
ደጊምሲ ተነቃፊትን ሕንቅቕትን ኢሎም ኣይኪጽውዑኽን እዮም።
2 መጥሓን ሓዚ እሞ ሓርጭ ጥሓኒ።
መጐልበቢኺ ቕልዒ።
ወሰን ክዳንኪ ቐንጥጢ፡ ኣእጋርኪ እውን ቅልዒ።
ኣፍላግ ተሳገሪ።
3 ዕርቃንኪ ኪቕላዕ እዩ።
ሕፍረትኪ ኺርአ እዩ።
ሕነ ኽፈዲ እየ፣+ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ መገደይ ኣይኪቐውምን እዩ።*
6 ንህዝበይ ተቘጢዐዮ።+
ንስኺ ግና ኣይምሓርክዮምን።+
ኣብ ኣረገውቲ እኳ ኸቢድ ኣርዑት ኣንቢርኪ።+
7 “ወትሩ፡ ንዘለኣለም እመቤት* ክኸውን እየ” ኢልኪ።+
ነዚ ኣብ ልብኺ ኣየሕደርክዮን፣
መወዳእታ እቲ ነገር ኣይሓሰብክዮን።
መበለት ኣይክኸውንን እየ።
ውሉዳት ከቶ ኣይክስእንን እየ” እትብሊ፡ ነዚ ስምዒ።+
9 እዚ ኽልተ ነገር ብሃንደበት፡ ብሓንቲ መዓልቲ ኺመጸኪ እዩ፦+
ስእነት ውሉድን ምብልውናን።
10 ብእከይኪ ተኣሚንኪ።
“ሓደ እኳ ኣይርእየንን” ኢልኪ።
ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሒቱኪ፣
ብልብኺ ድማ፡ “ኣነ እየ እምበር፡ ካልእ የልቦን” ኢልኪ።
11 ግናኸ፡ መዓት ኪመጸኪ፡
መዐዘሚኺ ኸኣ ኣይኪዓግቶን እዩ።*
መከራ ኺወርደኪ እዩ፣ ከተወግድዮ ድማ ኣይክትክእልን ኢኺ።
ኣቐዲምኪ ዘይትፈልጥዮ ሃንደበታዊ ዕንወት ኪመጸኪ እዩ።+
12 ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ዝጸዓርክሉ
ስራይን ብዙሕ ኣስማትን እስከ ቐጽሊ።+
ምናልባት ክትጥቀሚ ትኽእሊ ትዀኒ፣
ምናልባት ንሰባት ተፍርሂ ትዀኒ።
13 ብብዝሒ ኣማኸርትኺ ደኺምኪ።
14 እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም።
ሓዊ ኼንድዶም እዩ።
ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ፡ ርእሶም* ኬድሕኑ ኣይክእሉን እዮም።
እዝስ ንምማቝ ዚኸውን ጓህሪ፡
ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ሓዊ ድማ ኣይኰነን።
15 ዓዘምትኺ ንዓኺ ኸምኡ ኪዀኑ፡
እቶም ካብ ንእስነትኪ ዝጸዓርክሎም እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም።
ነፍሲ ወከፎም በብኣንፈቶም* ኰለል ኪብሉ እዮም።
ሓደ እኳ ዜድሕነኪ የልቦን።+