ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 47
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ውድቀት ባቢሎን (1-15)

        • ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ተቓልዑ (13-15)

ኢሳይያስ 47:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 137:8፣ ኤር 50:41, 42
  • +ዳን 5:30

ኢሳይያስ 47:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንሓደ እኳ ብጽቡቕ ኣይክቕበልን እየ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:35, 41፣ መዝ 94:1

ኢሳይያስ 47:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 41:14፣ 43:3፣ 44:6

ኢሳይያስ 47:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 47:1
  • +ኢሳ 13:19፣ 14:4፣ ራእ 17:5

ኢሳይያስ 47:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:15, 16፣ ኢሳ 42:24, 25፣ ዘካ 1:15
  • +ዘዳ 28:63፣ ህዝ 24:21
  • +ኤር 52:14
  • +2ነገ 25:18-21፣ መዝ 137:8
  • +ዘዳ 28:49, 50

ኢሳይያስ 47:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 4:30፣ ራእ 18:7

ኢሳይያስ 47:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 18:3
  • +ዳን 5:22, 23
  • +ራእ 18:7

ኢሳይያስ 47:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብዙሕ ኣስማትክን ኵሉ ብርቱዕ ስራይክን እናሃለወኪ ኽነሱ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 18:10
  • +ህዝ 21:21፣ ዳን 5:7፣ ራእ 18:23
  • +ኤር 51:29

ኢሳይያስ 47:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክትዕዝምዮ ኸኣ ኣይክትክእልን ኢኺ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 18:10

ኢሳይያስ 47:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 2:2

ኢሳይያስ 47:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እቶም ንሰማያት ዚመቕሉ፣ እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 5:7

ኢሳይያስ 47:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሶም።”

ኢሳይያስ 47:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነናብ ዞባኦም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 51:6

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 47:1መዝ 137:8፣ ኤር 50:41, 42
ኢሳ. 47:1ዳን 5:30
ኢሳ. 47:3ዘዳ 32:35, 41፣ መዝ 94:1
ኢሳ. 47:4ኢሳ 41:14፣ 43:3፣ 44:6
ኢሳ. 47:5ኢሳ 47:1
ኢሳ. 47:5ኢሳ 13:19፣ 14:4፣ ራእ 17:5
ኢሳ. 47:62ዜና 36:15, 16፣ ኢሳ 42:24, 25፣ ዘካ 1:15
ኢሳ. 47:6ዘዳ 28:63፣ ህዝ 24:21
ኢሳ. 47:6ኤር 52:14
ኢሳ. 47:62ነገ 25:18-21፣ መዝ 137:8
ኢሳ. 47:6ዘዳ 28:49, 50
ኢሳ. 47:7ዳን 4:30፣ ራእ 18:7
ኢሳ. 47:8ራእ 18:3
ኢሳ. 47:8ዳን 5:22, 23
ኢሳ. 47:8ራእ 18:7
ኢሳ. 47:9ራእ 18:10
ኢሳ. 47:9ህዝ 21:21፣ ዳን 5:7፣ ራእ 18:23
ኢሳ. 47:9ኤር 51:29
ኢሳ. 47:11ራእ 18:10
ኢሳ. 47:12ዳን 2:2
ኢሳ. 47:13ዳን 5:7
ኢሳ. 47:15ኤር 51:6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 47:1-15

ኢሳይያስ

47 ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፡

ውረዲ፡ ኣብ ሓመድ ከኣ ተቐመጢ።+

ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡

ዝፋን ኣብ ዘይብሉ ምድሪ ተቐመጢ።+

ደጊምሲ ተነቃፊትን ሕንቅቕትን ኢሎም ኣይኪጽውዑኽን እዮም።

 2 መጥሓን ሓዚ እሞ ሓርጭ ጥሓኒ።

መጐልበቢኺ ቕልዒ።

ወሰን ክዳንኪ ቐንጥጢ፡ ኣእጋርኪ እውን ቅልዒ።

ኣፍላግ ተሳገሪ።

 3 ዕርቃንኪ ኪቕላዕ እዩ።

ሕፍረትኪ ኺርአ እዩ።

ሕነ ኽፈዲ እየ፣+ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ መገደይ ኣይኪቐውምን እዩ።*

 4 “እቲ ተበጃዊና፡

—ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ፡—

ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።”+

 5 ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡

ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ፡ ናብ ጸልማት ኪዲ፣+

ደጊም እመቤት* መንግስትታት ኣይኪብሉኽን እዮም።+

 6 ንህዝበይ ተቘጢዐዮ።+

ንርስተይ ፈንፊነዮ፣+

ኣብ ኢድኪ ኸኣ ኣሕሊፈ ሂበዮ።+

ንስኺ ግና ኣይምሓርክዮምን።+

ኣብ ኣረገውቲ እኳ ኸቢድ ኣርዑት ኣንቢርኪ።+

 7 “ወትሩ፡ ንዘለኣለም እመቤት* ክኸውን እየ” ኢልኪ።+

ነዚ ኣብ ልብኺ ኣየሕደርክዮን፣

መወዳእታ እቲ ነገር ኣይሓሰብክዮን።

 8 ሕጂ ድማ፡ ኣቲ ፈታዊት ተድላ፡+

ኣቲ ብደሓን እተቐመጥኪ፡ ኣቲ ብልባ፡

“ኣነ እየ እምበር፡ ካልእ የልቦን።+

መበለት ኣይክኸውንን እየ።

ውሉዳት ከቶ ኣይክስእንን እየ” እትብሊ፡ ነዚ ስምዒ።+

 9 እዚ ኽልተ ነገር ብሃንደበት፡ ብሓንቲ መዓልቲ ኺመጸኪ እዩ፦+

ስእነት ውሉድን ምብልውናን።

ብሰንኪ እቲ ብዙሕ ኣስማትክን ኵሉ እቲ ብርቱዕ ስራይክን፡*+

መስፈሪ መሊኡ ኺመጸኪ እዩ።+

10 ብእከይኪ ተኣሚንኪ።

“ሓደ እኳ ኣይርእየንን” ኢልኪ።

ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሒቱኪ፣

ብልብኺ ድማ፡ “ኣነ እየ እምበር፡ ካልእ የልቦን” ኢልኪ።

11 ግናኸ፡ መዓት ኪመጸኪ፡

መዐዘሚኺ ኸኣ ኣይኪዓግቶን እዩ።*

መከራ ኺወርደኪ እዩ፣ ከተወግድዮ ድማ ኣይክትክእልን ኢኺ።

ኣቐዲምኪ ዘይትፈልጥዮ ሃንደበታዊ ዕንወት ኪመጸኪ እዩ።+

12 ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ዝጸዓርክሉ

ስራይን ብዙሕ ኣስማትን እስከ ቐጽሊ።+

ምናልባት ክትጥቀሚ ትኽእሊ ትዀኒ፣

ምናልባት ንሰባት ተፍርሂ ትዀኒ።

13 ብብዝሒ ኣማኸርትኺ ደኺምኪ።

እቶም ንሰማያት ዜምልኹ፡* እቶም ንኸዋኽብቲ ዚጥምቱ፡+

እቶም ብዛዕባ ዚመጸኪ ነገራት

ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ፍልጠት ዚህቡ፡

ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ።

14 እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም።

ሓዊ ኼንድዶም እዩ።

ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ፡ ርእሶም* ኬድሕኑ ኣይክእሉን እዮም።

እዝስ ንምማቝ ዚኸውን ጓህሪ፡

ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ሓዊ ድማ ኣይኰነን።

15 ዓዘምትኺ ንዓኺ ኸምኡ ኪዀኑ፡

እቶም ካብ ንእስነትኪ ዝጸዓርክሎም እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም።

ነፍሲ ወከፎም በብኣንፈቶም* ኰለል ኪብሉ እዮም።

ሓደ እኳ ዜድሕነኪ የልቦን።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ