ቀዳማይ መጽሓፍ
(መዝሙር 1-41)
1 ብምኽሪ እኩያት ሰባት ዘይመላለስ፡
ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፡+
ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ ሰብ ሕጉስ እዩ።+
 2 ንሱ ብሕጊ የሆዋ ደኣ ይድሰት፣+
ነቲ ሕጉ እውን መዓልትን ለይትን ብትሕቲ መልሓሱ የንብቦ።+
 3 ንሱ ኸምታ ፍሪኣ በብግዜኣ እተፍሪ፡
ኣቝጽልታ ኸኣ ዘይጽምሉ፡
ኣብ ጥቓ ወሓይዝ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን።
ዚገብሮ ዅሉ እውን ይሰልጦ።+
 4 እኩያት ከምኡ ኣይኰኑን፣
ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቝቡቝ ደኣ እዮም።
 5 ስለዚ እዮም እኩያት ኣብ ፍርዲ፡+
ሓጥኣን እውን ኣብ ኣኼባ ጻድቃን ዘይቈሙ።+
 6 ከመይሲ፡ የሆዋ ንመገዲ ጻድቃን ይፈልጣ እዩ፣+
መገዲ እኩያት ግና ክትጠፍእ እያ።+