መዝሙር
ንኣላዪ። ናይ ዳዊት።
ተግባሮም ብልሹው፡ ግብሮም ከኣ ፍንፉን እዩ፣
ጽቡቕ ዚገብር የልቦን።+
2 የሆዋ ግና፡ ልቦና ዘለዎ፡ ንየሆዋ እውን ዚደልዮ እንተሎ ኺርኢ፡
ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ኣንቈልቊሉ ይጥምት።+
3 ኵላቶም ኣልጊሶም፡+
ኵላቶም ብሓደ ተበላሽዮም እዮም።
ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፣
ሓደ እኳ የልቦን።
4 ገበርቲ ኽፉእዶ ኣይርድኡን እዮም፧
ንህዝበይ ከምቲ እንጌራ ዚብላዕ ገይሮም ይበልዕዎ።
ናብ የሆዋ ኣይምህለሉን።
5 ግናኸ፡ የሆዋ ምስ ወለዶ ጻድቕ እዩ እሞ፡
ብዓብዪ ሽበራ ኺምልኡ እዮም።+
6 ኣቱም ገበርቲ ኽፉእ፡ ንውጥናት ትሑት ከተፍሽሉ ትፍትኑ፡
የሆዋ ግና ዕቝባኡ እዩ።+
7 ኣየ፡ ድሕነት እስራኤል ካብ ጽዮን እንተ ዚመጽእ!+
የሆዋ ንምሩኻት ህዝቡ ኺመልስ ከሎ፡
ያእቆብ ይተሓጐስ፡ እስራኤል እውን ባህ ይበሎ።