እዮብ
15 ኤሊፋዝ+ እቲ ቴማናዊ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦
2 “ጥበበኛ ሰብዶ ብባዶ መጐተ* ይምልስ እዩ፧
ወይስ ብንፋስ ምብራቕዶ ኸብዱ ይመልእ እዩ፧
3 ብቓላት ጥራይ ምግናሕ ኣይጠቅምን እዩ፣
ዘረባ ጥራይ ከኣ ኣይረብሕን እዩ።
4 ንስኻስ ንፍርሃት ኣምላኽ ተዳኽሞ፡
ንኣምላኽ ምሕሳብ ድማ ተቃልሎ ኣለኻ።
5 ስሕተትካስ ነቲ እትብሎ ይጸልዎ ኣሎ፣*
ዘረባ ጕርሒ ኸኣ ትሓሪ ኣለኻ።
6 ኣፍካ እያ እትዅንነካ ዘላ፡ ኣነ ኣይኰንኩን፣
ከናፍርካ እየን ኣንጻርካ ዚምስክራ ዘለዋ።+
7 እቲ ቐዳማይ እተወልደ ሰብዶ ንስኻ ኢኻ፧
ወይስ ቅድሚ ዅርባታትዶ ተወሊድካ ኢኻ፧
8 ንምስጢራዊ ዘረባ ኣምላኽዶ ትሰምዖ ኢኻ፧
ወይስ ንጥበብዶ ንበይንኻ ጌርካያ ኢኻ፧
9 ንሕና ዘይንፈልጦስ ንስኻ እንታይ ትፈልጥ፧+
ንሕና ዘይተረዳእናዮኸ ንስኻ እንታይ ትርዳእ፧
10 ብዕድመ ኻብ ኣቦኻ እኳ ኣጸቢቖም ዚዓብዩ
ሸያባትን ኣረገውትን ኣብ መንጎና ኣለዉ።+
11 መጸናንዒ ኣምላኽ
ወይ ብልእመት እተዘርበካ ቓላትዶ ኣይኣኽለካን፧
12 ስለምንታይ እዩ ልብኻ ዚወስደካ ዘሎ፧
ስለምንታይከ እየን ኣዒንትኻ ብቝጥዓ ዜፍጥጣ ዘለዋ፧
13 ንመንፈስካስ ኣንጻር ኣምላኽ ትገብሮ ኣለኻ፣
ከምዚ ዝበለ ዘረባ ኸኣ ካብ ኣፍካ ተውጽእ ኣለኻ።
17 ክነግረካስ፡ ስምዓኒ!
19 ምድሪ ንበይኖም ተዋሂባቶም፣
ብመንጎኦም ድማ ካልእ ኣይሓለፈን።
20 እኩይ ኵሉ መዓልትታቱ፡
ብዅሉ እቲ ንጨቋኒ እተመደበ ዓመታት ይሳቐ።
21 ዜሸብር ደሃይ ኣብ ኣእዛኑ ኣሎ፣+
ብግዜ ሰላም፡ ዘመትቲ የጥቅዕዎ።
22 ካብ ጸልማት ከም ዜምልጥ ኣይኣምንን፣+
ንሰይፊ እተሓዝአ እዩ።
23 እንጌራ ደልዩ ዀለል ይብል፡—ኣበይ ኣሎ፧
መዓልቲ ጸልማት ከም ዝቐረበት ኣጸቢቑ ይፈልጥ።
24 ጭንቅን ጓህን የሸብርዎ፣
ኬጥቅዕ ከም እተዳለወ ንጉስ ኰይኖም ይሕይልዎ።
25 ኣንጻር ኣምላኽሲ ኢዱ የልዕል፡
ነቲ ዅሉ ዚኽእል እውን ኪዳፈሮ* ይፍትን፣
26 ረጒድ ድልዱል ዋልታ* ሒዙ፡
ብንቕጽና ኣንጻሩ ይሓንን፣
27 ገጹ ብስብሒ ይሽፍን፡
ሕቘኡ ብስብሒ የህጥር፣
28 ኣብ ዚዓንዋ ኸተማታት፡
ኵምራ ኣእማን ኣብ ዚዀና
ሓደ እኳ ኣብ ዘይቅመጠን ኣባይቲ ይነብር።
29 ንሱ ኣይብልጽግን፡ ሃብቱ ድማ ኣይውህለልን፡
ጥሪቱ እውን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣይዝርጋሕን።
31 ዓስቡ ኸንቱ እዩ ዚኸውን እሞ፡
ስሒቱ ብኸንቱ ኣይተኣመን።
32 እዚ እውን ቅድሚ መዓልቱ እዩ ዚኸውን፣
ጨናፍሩ ድማ ኣይኪልምልምን እዩ።+
33 ዘይበሰለ ፍረ ወይኒ ኸም እተውድቕ ተኽሊ ወይኒ፡
ዕምባባኡ ኸም ዜርግፍ ኦም ኣውልዕ ይኸውን።
35 ሽግር ጠኒሶም፡ እከይ ይወልዱ፣
ማሕጸኖም ድማ ተንኰል የፍሪ።”