ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘሌዋውያን 25
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘሌዋውያን—ትሕዝቶ

      • ዓመት ሰንበት (1-7)

      • ዓመት እልልታ (8-22)

      • ምምላስ ርስትን ቤትን (23-34)

      • ኣተሓሕዛ ድኻ (35-38)

      • ሕጊ ባርነት (39-55)

ዘሌዋውያን 25:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 15:16
  • +ዘሌ 26:34፣ 2ዜና 36:20, 21

ዘሌዋውያን 25:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 23:10, 11

ዘሌዋውያን 25:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 16:30፣ 23:27, 28

ዘሌዋውያን 25:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 61:1, 2፣ ሉቃ 4:18, 19፣ ሮሜ 8:20, 21
  • +ዘሌ 27:24፣ ዘሁ 36:4፣ ዘዳ 15:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    12/2019፡ ገጽ 8-9

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1520

ዘሌዋውያን 25:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:5

ዘሌዋውያን 25:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 23:11፣ ዘሌ 25:6

ዘሌዋውያን 25:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:29, 30፣ 27:24

ዘሌዋውያን 25:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 12:3፣ ምሳ 14:31

ዘሌዋውያን 25:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 27:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 1/2021፡ ገጽ 5

ዘሌዋውያን 25:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 33:22
  • +ዘሌ 19:13፣ ምሳ 22:22
  • +ዘሌ 25:43፣ ምሳ 1:7፣ 8:13

ዘሌዋውያን 25:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:10፣ መዝ 4:8፣ ምሳ 1:33

ዘሌዋውያን 25:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 67:6
  • +ዘሌ 26:3-5

ዘሌዋውያን 25:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:4, 5፣ ማቴ 6:25

ዘሌዋውያን 25:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 26:12፣ ዘዳ 28:8፣ ሚል 3:10

ዘሌዋውያን 25:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 24:1
  • +1ዜና 29:15
  • +1ነገ 21:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2011፡ ገጽ 17

ዘሌዋውያን 25:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሩት 2:20፣ 4:4-6

ዘሌዋውያን 25:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:50

ዘሌዋውያን 25:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 27:24
  • +ዘሌ 25:10, 13

ዘሌዋውያን 25:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:25-27

ዘሌዋውያን 25:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 35:2, 8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 1/2021፡ ገጽ 5

ዘሌዋውያን 25:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 18:20፣ 35:2, 4፣ ዘዳ 18:1
  • +ዘሌ 25:28

ዘሌዋውያን 25:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 35:7፣ እያ 14:4

ዘሌዋውያን 25:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 22:21፣ 23:9፣ ዘሌ 19:34፣ ዘዳ 10:18
  • +ዘዳ 15:7፣ መዝ 41:1፣ 112:5፣ ምሳ 3:27፣ 19:17፣ ማር 14:7፣ ግብ 11:29፣ 1ጢሞ 6:18፣ 1ዮሃ 3:17

ዘሌዋውያን 25:36

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓረጣ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 22:25፣ ዘዳ 23:19፣ መዝ 15:5፣ ምሳ 28:8
  • +ምሳ 8:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2004፡ ገጽ 24

ዘሌዋውያን 25:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 23:20፣ ሉቃ 6:34, 35

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2004፡ ገጽ 24

ዘሌዋውያን 25:38

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 6:7
  • +ዘጸ 20:2፣ 1ነገ 8:51

ዘሌዋውያን 25:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 21:2፣ ዘዳ 15:12
  • +1ነገ 9:22

ዘሌዋውያን 25:40

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:53

ዘሌዋውያን 25:41

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 21:3፣ ዘሌ 25:10

ዘሌዋውያን 25:42

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 1:13, 14፣ 19:5፣ ዘሌ 25:55

ዘሌዋውያን 25:43

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 3:7፣ ኤፌ 6:9፣ ቈሎ 4:1
  • +ዘሌ 25:17፣ መክ 12:13

ዘሌዋውያን 25:45

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:38፣ እያ 9:21

ዘሌዋውያን 25:46

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:39, 43

ዘሌዋውያን 25:48

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:25

ዘሌዋውያን 25:49

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ስጋኡ ዝዀነ ዘመዱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:26, 27

ዘሌዋውያን 25:50

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:10
  • +ዘሌ 25:15, 16
  • +ዘዳ 15:18

ዘሌዋውያን 25:53

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:40, 43፣ ቈሎ 4:1

ዘሌዋውያን 25:54

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 21:3

ዘሌዋውያን 25:55

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:2፣ ዘሌ 25:42

ሓፈሻዊ

ዘሌ. 25:2ዘፍ 15:16
ዘሌ. 25:2ዘሌ 26:34፣ 2ዜና 36:20, 21
ዘሌ. 25:3ዘጸ 23:10, 11
ዘሌ. 25:9ዘሌ 16:30፣ 23:27, 28
ዘሌ. 25:10ኢሳ 61:1, 2፣ ሉቃ 4:18, 19፣ ሮሜ 8:20, 21
ዘሌ. 25:10ዘሌ 27:24፣ ዘሁ 36:4፣ ዘዳ 15:1
ዘሌ. 25:11ዘሌ 25:5
ዘሌ. 25:12ዘጸ 23:11፣ ዘሌ 25:6
ዘሌ. 25:13ዘሌ 25:29, 30፣ 27:24
ዘሌ. 25:141ሳሙ 12:3፣ ምሳ 14:31
ዘሌ. 25:15ዘሌ 27:18
ዘሌ. 25:17ኢሳ 33:22
ዘሌ. 25:17ዘሌ 19:13፣ ምሳ 22:22
ዘሌ. 25:17ዘሌ 25:43፣ ምሳ 1:7፣ 8:13
ዘሌ. 25:18ዘዳ 12:10፣ መዝ 4:8፣ ምሳ 1:33
ዘሌ. 25:19መዝ 67:6
ዘሌ. 25:19ዘሌ 26:3-5
ዘሌ. 25:20ዘሌ 25:4, 5፣ ማቴ 6:25
ዘሌ. 25:21ዘፍ 26:12፣ ዘዳ 28:8፣ ሚል 3:10
ዘሌ. 25:23መዝ 24:1
ዘሌ. 25:231ዜና 29:15
ዘሌ. 25:231ነገ 21:3
ዘሌ. 25:25ሩት 2:20፣ 4:4-6
ዘሌ. 25:27ዘሌ 25:50
ዘሌ. 25:28ዘሌ 27:24
ዘሌ. 25:28ዘሌ 25:10, 13
ዘሌ. 25:29ዘሌ 25:25-27
ዘሌ. 25:32ዘሁ 35:2, 8
ዘሌ. 25:33ዘሁ 18:20፣ 35:2, 4፣ ዘዳ 18:1
ዘሌ. 25:33ዘሌ 25:28
ዘሌ. 25:34ዘሁ 35:7፣ እያ 14:4
ዘሌ. 25:35ዘጸ 22:21፣ 23:9፣ ዘሌ 19:34፣ ዘዳ 10:18
ዘሌ. 25:35ዘዳ 15:7፣ መዝ 41:1፣ 112:5፣ ምሳ 3:27፣ 19:17፣ ማር 14:7፣ ግብ 11:29፣ 1ጢሞ 6:18፣ 1ዮሃ 3:17
ዘሌ. 25:36ዘጸ 22:25፣ ዘዳ 23:19፣ መዝ 15:5፣ ምሳ 28:8
ዘሌ. 25:36ምሳ 8:13
ዘሌ. 25:37ዘዳ 23:20፣ ሉቃ 6:34, 35
ዘሌ. 25:38ዘጸ 6:7
ዘሌ. 25:38ዘጸ 20:2፣ 1ነገ 8:51
ዘሌ. 25:39ዘጸ 21:2፣ ዘዳ 15:12
ዘሌ. 25:391ነገ 9:22
ዘሌ. 25:40ዘሌ 25:53
ዘሌ. 25:41ዘጸ 21:3፣ ዘሌ 25:10
ዘሌ. 25:42ዘጸ 1:13, 14፣ 19:5፣ ዘሌ 25:55
ዘሌ. 25:43ዘጸ 3:7፣ ኤፌ 6:9፣ ቈሎ 4:1
ዘሌ. 25:43ዘሌ 25:17፣ መክ 12:13
ዘሌ. 25:45ዘጸ 12:38፣ እያ 9:21
ዘሌ. 25:46ዘሌ 25:39, 43
ዘሌ. 25:48ዘሌ 25:25
ዘሌ. 25:49ዘሌ 25:26, 27
ዘሌ. 25:50ዘሌ 25:10
ዘሌ. 25:50ዘሌ 25:15, 16
ዘሌ. 25:50ዘዳ 15:18
ዘሌ. 25:53ዘሌ 25:40, 43፣ ቈሎ 4:1
ዘሌ. 25:54ዘጸ 21:3
ዘሌ. 25:55ዘጸ 20:2፣ ዘሌ 25:42
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
  • 44
  • 45
  • 46
  • 47
  • 48
  • 49
  • 50
  • 51
  • 52
  • 53
  • 54
  • 55
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘሌዋውያን 25:1-55

ዘሌዋውያን

25 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡+ እታ ምድሪ ንየሆዋ ሰንበት ተብዕል።+ 3 ሽዱሽተ ዓመት ግራትካ ዝራእ፡ ሽዱሽተ ዓመት ከኣ ወይንኻ ጠጥፍ፡ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ኣክብ።+ 4 ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና፡ ነታ ምድሪ ናይ ሰንበት ምሉእ ዕረፍቲ፡ ንየሆዋ ሰንበት ይኹን። ግራትካ ኣይትዝራእ፡ ወይ ወይንኻ ኣይትጠጥፍ። 5 ነቲ ድሕሪ ዓጺድ ዝባለገ እኽሊ ኣይትዕጸዶ፣ ነቲ ኸይጠጠፍካዮ ዝፈረየ ወይኒ እውን ኣይትኣክቦ። ነታ ምድሪ፡ ዓመት ምሉእ ዕረፍቲ ይኹነላ። 6 ነቲ ኣብታ ምድሪ ብሰንበት ዝበቘለ ግና፡ ንስኻን ግዙእካን ግዝእትኻን ዕሱብካን ምሳኻ ዚቕመጥ ጓናን ብልዕዎ፣ 7 እንስሳ ዘቤትካን እንስሳ ዘገዳም ምድርኻን እውን ከምኡ። እታ ምድሪ ዘፍረየቶ ዅሉ ይበላዕ።

8 “‘ሸውዓተ ዓመታት ሰንበት፡ ሸውዓተ ሳዕ ሸውዓተ ዓመት፡ ቍጸር፣ መዓልትታት እተን ሸውዓተ ዓመታት ሰንበት ድማ 49 ዓመት ይኹና። 9 ሽዑ፡ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ፡+ ዓው ኣቢልኩም መለኸት ንፍሑ፣ ደሃይ እቲ መለኸት ከኣ ኣብ ኵላ ምድርኹም ይሰማዕ። 10 ነታ መበል 50 ዓመት ቀድስዋ፣ ኣብታ ምድሪ ድማ፡ ኣብኣ ንዚነብሩ ዅሎም ሓርነት ኣውጁ።+ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፣ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ነናብ ዓሌቱ ይመለስ።+ 11 እታ መበል 50 ዓመት፡ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም። ኣይትዝርኡ፡ ወይ ነቲ ዝባለገ እኽሊ ኣይትዕጸዱ፡ ወይ ነቲ ኸይተጠጠፈ ዝፈረየ ወይኒ ኣይትኣክቡ።+ 12 ዓመት እልልታ እያ እሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። እታ ምድሪ ባዕላ ዘፍረየቶ ጥራይ ብልዑ።+

13 “‘በዛ ዓመት እልልታ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ።+ 14 ንብጻይኩም ዝዀነ ነገር እንተ ሼጥኩምሉ፡ ወይ ካብኡ እንተ ዓዲግኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተዓማመጹ።+ 15 ካብ ብጻይካ ኽትዕድግ ከለኻ፡ ቍጽሪ እተን ድሕሪ ዓመት እልልታ ዘለዋ ዓመታት ኣብ ግምት ኣእቱ፣ ንሱ ድማ ብመሰረት ቍጽሪ እተን እታ ምድሪ እኽሊ እተፍርየሉ ዝተረፋ ዓመታት ይሽጠልካ።+ 16 ብቝጽሪ እቲ ዚፈሪ እኽሊ እዩ ዚሸጠልካ ዘሎ እሞ፡ ብዙሓት ዓመታት እንተ ተሪፈን፡ ዋጋኣ ይወስኽ፣ ሒደት ዓመታት እንተ ተሪፈን ድማ፡ ዋጋኣ ይነኪ። 17 ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ እሞ፡+ ካባታትኩም ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይዓምጽ፡+ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ።+ 18 ሕግታተይ ግበሩ፡ ፍርድታተይ ከኣ ሓልዉ። ኣብታ ምድሪ ድማ ብደሓን ክትቅመጡ ኢኹም።+ 19 እታ ምድሪ ፍሪኣ ኽትህበኩም እያ፡+ ንስኻትኩም ከኣ ክሳዕ እትጸግቡ ኽትበልዑ፡ ኣብኣ እውን ብደሓን ክትቅመጡ ኢኹም።+

20 “‘ግናኸ፡ “እንተ ዘይዘሪእናን እኽሊ እንተ ዘይኣኪብናን፡ ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት እንታይ ክንበልዕ ኢና፧” እንተ ኢልኩም፡+ 21 ኣብታ ሻድሸይቲ ዓመት በረኸተይ ክእዝዘልኩም እየ፣ እታ ምድሪ ድማ ንሰለስተ ዓመት ዚኸውን እኽሊ ኸተፍሪ እያ።+ 22 ንስኻትኩም ከኣ ኣብታ ሻምነይቲ ዓመት ክትዘርኡ፡ ክሳዕ እታ ታሽዐይቲ ዓመት ድማ ካብቲ ነባር እኽሊ ኽትበልዑ ኢኹም። እኽላ ኽሳዕ ዚኣቱ፡ ነቲ ነባር ክትበልዑ ኢኹም።

23 “‘እታ ምድሪ ናተይ እያ፡+ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ቅድመይ ጓኖትን ሰፈርትን ኢኹም እሞ፡+ እታ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ።+ 24 ኣብ ብዘላ ምድሪ ርስትኹም፡ ነታ ምድሪ መሰል ምብጃው ሃቡ።

25 “‘ሓውካ እንተ ደኽዩ እሞ ገለ ኻብ ርስቱ እንተ ሸይጡ፡ እቲ ዚቐርቦ ዘመዱ ዝዀነ ተበጃዊ መጺኡ ነቲ ሓዉ ዝሸጦ ይበጀዎ።+ 26 ሓደ እኳ ዚብጀዎ እንተ ዘይብሉ፡ ንሱ ግና እንተ ሃብቲሙ እሞ፡ ንምብጃው ዚኣክል እንተ ረኺቡ፡ 27 ዋጋ እቲ ኻብታ ዝሸጠላ እዋን ኣትሒዙ ዘሎ ዓመታት ይጸብጽብ እሞ፡ እቲ ዝተረፎ ነቲ ዝሸጠሉ ይሃቦ። ሽዑ፡ ናብ ርስቱ ይመለስ።+

28 “‘ካብኡ ኺመልሶ እንተ ዘይክኢሉ ግና፡ እቲ ዝሸጦ ምስቲ ዓዳጊ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ይጽናሕ።+ ኣብ ዓመት እልልታ ድማ ይመለሰሉ፣ ንሱ ኸኣ ናብ ርስቱ ይመለስ።+

29 “‘ሰብ ብመካበብያ ኣብ እተኸብበት ከተማ ቤት እንተ ሸይጡ፡ እታ ዝሸጠላ ዓመት ክሳዕ እትውዳእ መሰል ምብጃው ኣለዎ፣ ዓመት ምሉእ፡ መሰል ምብጃው+ ኣለዎ። 30 ክሳዕ መወዳእታ ሓደ ምሉእ ዓመት እንተ ዘይተበጅይዋ ግና፡ እታ ብመካበብያ ኣብ እተኸብበት ከተማ ዘላ ቤት ነቲ ዓዳጊኣ ንውሉድ ወለዶኡ ናይ ሓዋሩ ርስቲ ትኹነሉ። ኣብ ዓመት እልልታ ሓራ ኣይትውጻእ። 31 ኣብ ዙርያኡ መካበብያ ኣብ ዘይብሉ ሰፈራት ዚርከባ ኣባይቲ ግና፡ ምስ ግራውቲ እቲ ገጠር ይቈጸራ። መሰል ምብጃው ይሃልወን፡ ኣብ ዓመት እልልታ ድማ ሓራ ይውጽኣ።

32 “‘ብዛዕባ እተን ኣብ ከተማታቶም ዘለዋ ኣባይቲ ሌዋውያን ግና፡+ ሌዋውያን ንሓዋሩ መሰል ምብጃው ኣለዎም። 33 እተን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ፡ ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ርስቶም እየን እሞ፡+ ርስቲ ሌዋውያን ዚብጀዋ እንተ ዘይረኺባ፡ እታ ኣብ ከተማ ዘላ እተሸጠት ቤቶም እውን ኣብ ዓመት እልልታ ሓራ ትውጻእ።+ 34 ናይ ሓዋሩ ርስቶም እዩ እሞ፡ ኣብ ዙርያ ኸተማታቶም ዘሎ መጓሰዪ+ እውን ኣይሸየጥ።

35 “‘ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ሓውካ እንተ ደኽዩ እሞ ኢዱ እንተ ሓጺርዎ፡ ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኺነብር፡ ከምቲ ንጓናን ንሰፋርን እተናብሮ+ ጌርካ ኣናብሮ።+ 36 ካብኡ ወለድ ወይ መኽሰብ* ኣይትውሰድ።+ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ፣+ ሓውካ ድማ ምሳኻ ብህይወት ኪነብር እዩ። 37 ገንዘብካ ብወለድ+ ኣይተለቅሓዮ፡ ወይ ምግብኻ ብመኽሰብ ኣይትሃቦ። 38 ኣምላኽኩም ክኸውን፡+ ምድሪ ከነኣን ከኣ ክህበኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።

39 “‘ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ሓውካ እንተ ደኽዩ እሞ ገዛእ ርእሱ እንተ ሸይጡልካ፡+ ከም ባርያ ኣይትግዝኣዮ።+ 40 ከም ዕሱብን+ ከም ሰፋርን ይኹን። ክሳዕ ዓመት እልልታ የገልግልካ። 41 ሽዑ ንሱ፡ ደቁ ኸኣ ምስኡ፡ ካባኻ ይውጻእ፡ ናብ ዓሌቱ ድማ ይመለስ። ናብ ርስቲ ኣቦታቱ ይመለስ።+ 42 ከመይሲ፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም።+ ከምቲ ባርያ ዚሽየጥ ገይሮም፡ ገዛእ ርእሶም ኣይሽጡ። 43 ብጭከና ኣይትሓዞ፡+ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ።+ 44 ግዙእኩምን ግዝእትኹምን ኣብ ዙርያኹም ካብ ዘለዉ ኣህዛብ ኣምጽኡ፣ ካባታቶም ግዙእ ወይ ግዝእቲ ኽትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም። 45 ካብ ደቂ እቶም ምሳኻትኩም ዚነብሩ ጓኖት ሰፈርቲ እውን፡+ ካባታቶምን ኣብ ምድርኹም ካብ እተወልዱሎም ዓሌታቶምን ባሮት ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም፣ ጥሪትኩም ከኣ ይኹኑ። 46 ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ውርሲ ጌርኩም ሃብዎም እሞ፡ ናይ ሓዋሩ ጥሪት ገይሮም ይውረስዎም። ዓየይቲ ይኹኑልኩም፣ ንኣሕዋትኩም እስራኤላውያን ግና፡ ብጭከና ኣይትሓዝዎም።+

47 “‘ኣብ መንጎኻ ዘሎ ጓና ወይ ሰፋሪ እንተ ሃብቲሙ፡ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ሓውካ ድማ እንተ ደኽዩ፡ ነቲ ኣብ መንጎኻ ዘሎ ጓና ወይ ሰፋሪ ወይ ንሓደ ኻብ ዓሌት ጓና ኸኣ ገዛእ ርእሱ እንተ ሸይጡ፡ 48 ገዛእ ርእሱ ምስ ሸጠ እውን፡ መሰል ምብጃው ኣለዎ። ሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ይበጀዎ።+ 49 ወይ ሓው ኣቦኡ ወይ ወዲ ሓው ኣቦኡ ይበጀዎ፣ ወይ ከኣ ቀረባ ዘመዱ፡* ሓደ ኻብ ዓሌቱ ይበጀዎ።

“‘ወይ ንሱ እንተ ሃብቲሙ፡ ንገዛእ ርእሱ ይበጀዋ።+ 50 ምስቲ ዝዓደጎ ዀይኑ ኻብታ ገዛእ ርእሱ ንዕኡ ዝሸጠላ ዓመት ክሳዕ ዓመት እልልታ ዘሎ ግዜ ይጸብጽብ፣+ እቲ እተሸጠሉ ዋጋ ድማ ማዕረ ቝጽሪ እተን ዓመታት ይኹን።+ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ገምጋም መዓልትታት ዕዮኡ ብመጠን ዕሱብ ይኹን።+ 51 ብዙሓት ዓመታት እንተ ተሪፈን፡ ብመጠን እተን ዝተረፋ ዓመታት ዋጋ መበጀዊኡ ይኽፈል። 52 ክሳዕ ዓመት እልልታ ሒደት ዓመታት ጥራይ እንተ ተሪፈን ድማ፡ ይጸብጽበን እሞ፡ ብመጠን እተን ዝተረፋ ዓመታት ዋጋ መበጀዊኡ ይኽፈል። 53  ዓመት ዓመት ከም ዕሱብ የገልግሎ፡ ብጭከና ኸይሕዞ ኸኣ ተጠንቀቕሉ።+ 54 በዚ ኸምዚ ንገዛእ ርእሱ ኺብጀዋ እንተ ዘይክኢሉ ግና፡ ንሱ፡ ደቁ ኸኣ ምስኡ፡ ኣብ ዓመት እልልታ ሓራ ይውጻእ።+

55 “‘ከመይሲ፡ እስራኤላውያን ባሮተይ እዮም። ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ