ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 18
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ተሓታቲ እዩ (1-32)

        • እታ እትሓጥእ ነፍሲ ኽትመውት እያ (4)

        • ወዲ ብሓጢኣት ኣቦኡ ኣይቅጻዕን (19, 20)

        • ብሞት እኩይ ባህ ኣይብሎን (23)

        • ንስሓ፡ ህይወት የምጽእ (27, 28)

ህዝቅኤል 18:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 31:29, 30

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 53

ህዝቅኤል 18:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኵሉ ህይወት።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

  • *

    ወይ፡ “እቲ ዚሓጥእ ሰብ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1997፡ ገጽ 19

ህዝቅኤል 18:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:2፣ ኤር 3:6
  • +ዘሌ 20:10
  • +ዘሌ 18:19፣ 20:18

ህዝቅኤል 18:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 14:21
  • +ዘዳ 24:12, 13
  • +ዘሌ 6:2, 4
  • +ዘዳ 15:11
  • +ኢሳ 58:6, 7፣ ያእ 2:15, 16

ህዝቅኤል 18:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 22:25፣ መዝ 15:5፣ ሉቃ 6:34, 35
  • +ዘሌ 19:35
  • +ዘሌ 19:15፣ 25:14፣ ዘዳ 1:16

ህዝቅኤል 18:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:5

ህዝቅኤል 18:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣፍሳሲ ደም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 19:13
  • +ዘፍ 9:6፣ ዘጸ 21:12

ህዝቅኤል 18:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 15:7, 8
  • +ዘሌ 26:30
  • +2ነገ 21:11

ህዝቅኤል 18:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 22:12

ህዝቅኤል 18:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 16:20፣ ሮሜ 10:5

ህዝቅኤል 18:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እቲ ዚሓጥእ ሰብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 24:16፣ ኤር 31:30፣ ህዝ 18:4
  • +ኢሳ 3:10, 11፣ ገላ 6:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2010፡ ገጽ 28-29

    1/10/1997፡ ገጽ 19

ህዝቅኤል 18:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 55:7፣ ህዝ 3:21፣ 33:12, 19፣ ግብ 3:19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2012፡ ገጽ 18

ህዝቅኤል 18:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣይኪዝከረሉን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 33:12, 13፣ መዝ 25:7፣ ኢሳ 43:25
  • +ህዝ 33:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2012፡ ገጽ 18

    ንቕሑ!፡

    8/10/1999፡ ገጽ 12

ህዝቅኤል 18:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 3:33፣ ህዝ 33:11፣ 1ጢሞ 2:3, 4፣ 2ጴጥ 3:9
  • +ሚክ 7:18

ህዝቅኤል 18:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እንተ ዓሚጹን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 33:12, 18፣ እብ 10:38፣ 2ዮሃ 8
  • +ምሳ 21:16፣ ህዝ 3:20

ህዝቅኤል 18:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዮ 35:2፣ ምሳ 19:3፣ ህዝ 33:17, 20
  • +ዘዳ 32:4
  • +ኢሳ 55:9፣ ኤር 2:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2010፡ ገጽ 3-4

ህዝቅኤል 18:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሱ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 55:7፣ 1ጢሞ 4:16

ህዝቅኤል 18:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 18:25፣ መዝ 145:17፣ ኢሳ 40:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2013፡ ገጽ 11-12

ህዝቅኤል 18:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዮ 34:11፣ ሮሜ 2:6

ህዝቅኤል 18:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ግበሩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 34:14፣ ኢሳ 1:16
  • +መዝ 51:10፣ ኤር 32:39፣ ህዝ 11:19፣ ኤፌ 4:23, 24
  • +ዘዳ 30:15፣ ምሳ 8:36፣ ግብ 13:46

ህዝቅኤል 18:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 29:11፣ ድጕ 3:33፣ ህዝ 33:11፣ ሉቃ 15:10፣ 2ጴጥ 3:9
  • +ዘዳ 30:16

ሓፈሻዊ

ህዝ. 18:2ኤር 31:29, 30
ህዝ. 18:6ዘዳ 12:2፣ ኤር 3:6
ህዝ. 18:6ዘሌ 20:10
ህዝ. 18:6ዘሌ 18:19፣ 20:18
ህዝ. 18:7ምሳ 14:21
ህዝ. 18:7ዘዳ 24:12, 13
ህዝ. 18:7ዘሌ 6:2, 4
ህዝ. 18:7ዘዳ 15:11
ህዝ. 18:7ኢሳ 58:6, 7፣ ያእ 2:15, 16
ህዝ. 18:8ዘጸ 22:25፣ መዝ 15:5፣ ሉቃ 6:34, 35
ህዝ. 18:8ዘሌ 19:35
ህዝ. 18:8ዘሌ 19:15፣ 25:14፣ ዘዳ 1:16
ህዝ. 18:9ዘሌ 18:5
ህዝ. 18:10ዘሌ 19:13
ህዝ. 18:10ዘፍ 9:6፣ ዘጸ 21:12
ህዝ. 18:12ዘዳ 15:7, 8
ህዝ. 18:12ዘሌ 26:30
ህዝ. 18:122ነገ 21:11
ህዝ. 18:13ህዝ 22:12
ህዝ. 18:19ዘዳ 16:20፣ ሮሜ 10:5
ህዝ. 18:20ዘዳ 24:16፣ ኤር 31:30፣ ህዝ 18:4
ህዝ. 18:20ኢሳ 3:10, 11፣ ገላ 6:7
ህዝ. 18:21ኢሳ 55:7፣ ህዝ 3:21፣ 33:12, 19፣ ግብ 3:19
ህዝ. 18:222ዜና 33:12, 13፣ መዝ 25:7፣ ኢሳ 43:25
ህዝ. 18:22ህዝ 33:16
ህዝ. 18:23ድጕ 3:33፣ ህዝ 33:11፣ 1ጢሞ 2:3, 4፣ 2ጴጥ 3:9
ህዝ. 18:23ሚክ 7:18
ህዝ. 18:24ህዝ 33:12, 18፣ እብ 10:38፣ 2ዮሃ 8
ህዝ. 18:24ምሳ 21:16፣ ህዝ 3:20
ህዝ. 18:25እዮ 35:2፣ ምሳ 19:3፣ ህዝ 33:17, 20
ህዝ. 18:25ዘዳ 32:4
ህዝ. 18:25ኢሳ 55:9፣ ኤር 2:17
ህዝ. 18:27ኢሳ 55:7፣ 1ጢሞ 4:16
ህዝ. 18:29ዘፍ 18:25፣ መዝ 145:17፣ ኢሳ 40:14
ህዝ. 18:30እዮ 34:11፣ ሮሜ 2:6
ህዝ. 18:31መዝ 34:14፣ ኢሳ 1:16
ህዝ. 18:31መዝ 51:10፣ ኤር 32:39፣ ህዝ 11:19፣ ኤፌ 4:23, 24
ህዝ. 18:31ዘዳ 30:15፣ ምሳ 8:36፣ ግብ 13:46
ህዝ. 18:32ኤር 29:11፣ ድጕ 3:33፣ ህዝ 33:11፣ ሉቃ 15:10፣ 2ጴጥ 3:9
ህዝ. 18:32ዘዳ 30:16
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 18:1-32

ህዝቅኤል

18 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “እዚ ኣብ ምድሪ እስራኤል እትምስልዎ፡ ‘ኣቦታት መጺጽ ወይኒ በልዑ፣ ግናኸ፡ ኣስናን ደቂ ኰዀየ’ ዚብል ምስላ እንታይ ማለት እዩ፧+

3 “‘ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ነዚ ምስላ እዚ ድሕሪ ደጊም ኣብ እስራኤል ኣይክትምስልዎን ኢኹም። 4 እንሆ፡ ኵለን ነፍሳት* ናተይ እየን። ነፍሲ ኣቦን ነፍሲ ወድን ናተይ እየን። እታ እትሓጥእ ነፍሲ፡* ንሳ ኽትመውት እያ።

5 “‘ሓደ ሰብ ጻድቕ እንተ ዀይኑ፡ ፍትሕን ቅንዕናን ዚገብር፡ 6 ኣብ ኣኽራን ንጣኦት ዝቐረበ መስዋእቲ ዘይበልዕ፡+ ናብቶም ጽዩፋት ጣኦታት* ቤት እስራኤል ዘይጥምት፡ ሰበይቲ ብጻዩ ዘየርክስ፡+ ብጻግኒኣ ናብ ዘላ ሰበይቲ ዘይኣቱ፡+ 7 ንሓደ እኳ ዘይገፍዕ፡+ የግዳስ ነቲ ብዓል ዕዳ ዝሃቦ ትሕጃ ዚመልስ፡+ ንሓደ እኳ ዘይዘምት፡+ የግዳስ እንጌራኡ ንጥሙይ ዚህብን+ ንዕሩቕ ክዳን ዚኸድንን፡+ 8 ወለድ ዘየኽፍል፡ ሓረጣ ዘየሕርጥ፡+ የግዳስ ካብ ዓመጻ ርእሱ ዚገትእ፡+ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ካልእን ፍትሒ ዜውጽእ፡+ 9 ብሕግታተይ ዚመላለስ፡ ብተኣማንነት ምእንቲ ኺመላለስ ድማ ፍርድታተይ ዚሕሉ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ ጻድቕ እዩ፡ ብርግጽ ከኣ ብህይወት ኪነብር እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።

10 “‘ግናኸ፡ ንሱ ዘማቲ+ ወይ ቀታል ነፍሲ*+ ወይ ሓደ ኻብዚ ነገራት እዚ ዚገብር ወዲ እንተ ወሊዱ፡ 11 (እቲ ኣቦ ሓደ ኻብዚ ነገራት እዚ እኳ እንተ ዘይገበረ፡)—ንሱ ኣብ ኣኽራን ንጣኦት ዝቐረበ መስዋእቲ ዚበልዕ፡ ሰበይቲ ብጻዩ ዜርክስ፡ 12 ንስኡንን ንድኻን ዚገፍዕ፡+ ዘሚቱ ዝወስድ፡ ትሕጃ ዘይመልስ፡ ናብ ጽዩፋት ጣኦታት ዚጥምት፡+ ፍንፉን ተግባራት ዚገብር፡+ 13 ሓረጣ ዜሕርጥ፡ ወለድ ድማ ዜኽፍል እንተ ዀይኑ፡+ እቲ ወዲ ብህይወት ኣይኪነብርን እዩ። ብሰሪ ዅሉ እዚ ዝገበሮ ፍንፉን ነገራት፡ ብርግጽ ኪቕተል እዩ። ደሙ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።

14 “‘ግናኸ፡ ሓደ ኣቦ ወዲ እንተ ወሊዱ እሞ፡ ንሱ ድማ ኣቦኡ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት ዚርኢ ኽነሱ፡ ከምኡ ዘይገብር እንተ ዀይኑ፡ 15 ኣብ ኣኽራን ንጣኦት ዝቐረበ መስዋእቲ ዘይበልዕ፡ ናብ ጽዩፋት ጣኦታት ቤት እስራኤል ዘይጥምት፡ ሰበይቲ ብጻዩ ዘየርክስ፡ 16 ንሓደ እኳ ዘይገፍዕ፡ ትሕጃ ዘይሕዝ፡ ዘሚቱ ዘይወስድ፡ እንጌራኡ ንጥሙይ ዚህብ፡ ንዕሩቕ ክዳን ዚኸድን፡ 17 ንድኻ ኻብ ምጭቋን ርእሱ ዚገትእ፡ ሓረጣ ዘየሕርጥ፡ ወለድ ዘየኽፍል፡ ፍርድታተይ ዚፍጽም፡ ብፍርድታተይ ድማ ዚመላለስ እንተ ዀይኑ፡ ብስሕተት ኣቦኡ ኣይኪመውትን እዩ። ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ። 18 ኣቦኡ ግና ዓማጺ ስለ ዝዀነን ንሓዉ ስለ ዝዘመተን ኣብ መንጎ ህዝቡ ኽፉእ ስለ ዝገበረን፡ ንሱ ብስሕተቱ ኺመውት እዩ።

19 “‘ንስኻትኩም ግና፡ “ስለምንታይ እዩ ወዲ ብስሕተት ኣቦኡ በደል ዘይጸውር፧” ትብሉ ኢኹም። እቲ ወዲ ፍትሕን ጽድቅን ስለ ዝገበረ፡ ኵሉ ሕግታተይ ድማ ስለ ዝሓለወን ስለ ዝገበረን፡ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።+ 20 እታ እትሓጥእ ነፍሲ፡* ንሳ ኽትመውት እያ።+ ወዲ ብስሕተት ኣቦኡ በደል ኣይኪጸውርን እዩ፣ ኣቦ ኸኣ ብስሕተት ወዱ በደል ኣይኪጸውርን እዩ። ጽድቂ ጻድቕ ንዕኡ ጥራይ እዩ ዚቝጸረሉ፣ እከይ እኩይ እውን ንዕኡ ጥራይ እዩ ዚቝጸረሉ።+

21 “‘እኩይ ድማ ካብ ኵሉ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት እንተ ተመሊሱ እሞ፡ ሕግታተይ እንተ ሓልዩ፡ ፍትሕን ጽድቅን ድማ እንተ ገይሩ፡ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣይኪመውትን እዩ።+ 22 ካብቲ ዝገበሮ ኣበሳ ብሓደ እኳ ተሓታቲ ኣይኪኸውንን* እዩ።+ ጽድቂ ብምግባሩ ብህይወት ኪነብር እዩ።’+

23 “‘ብሞት እኩይዶ ባህ ይብለኒ እዩ፧’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘ካብ መገድታቱ ተመሊሱ ብህይወት ኪነብር ደይኰንኩን ዝመርጽ፧’+

24 “‘ግናኸ፡ ጻድቕ ጽድቁ እንተ ሓዲጉን እንተ በዲሉን፡* እኩይ ዚገብሮ ዅሉ ፍንፉን ድማ እንተ ገይሩ፡ ብህይወትዶ ኺነብር እዩ፧ ካብቲ ጽድቁስ ሓደ እኳ ኣይኪዝከረሉን እዩ።+ ብዝጠለሞ ጥልመትን ብዝገበሮ ሓጢኣትን ኪመውት እዩ።+

25 “‘ንስኻትኩም ግና፡ “መገዲ የሆዋ ኣይቅኑዕን እዩ” ትብሉ ኢኹም።+ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ በጃኹም ስምዑ! መገደይ ድዩ ዘይቅኑዕ፧+ መገድታትኩም ደይኰነን ዘይቅኑዕ፧+

26 “‘ጻድቕ ጽድቁ እንተ ሓዲጉን እንተ በዲሉን ብሰሩ እንተ ሞይቱን፡ ብበደሉ እዩ ዚመውት።

27 “‘እኩይ ድማ ካብቲ ዝገበሮ እከይ እንተ ተመሊሱ እሞ ፍትሕን ጽድቅን እንተ ገይሩ፡ ንሱ ህይወቱ* ኼድሕን እዩ።+ 28 ኣስተውዒሉ ኻብ ኵሉ እቲ ዝገበሮ ኣበሳ እንተ ተመሊሱ፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣይኪመውትን እዩ።

29 “‘ግናኸ፡ ቤት እስራኤል፡ “መገዲ የሆዋ ኣይቅኑዕን እዩ” ይብሉ እዮም። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ መገድታተይ ድዩ ዘይቅኑዕ፧+ መገድታትኩም ደይኰነን ዘይቅኑዕ፧’

30 “‘ስለዚ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መገድታትኩም ክፈርደኩም እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘ተመለሱ፣ እወ፡ በደልቲ ዚገብረኩም መዐንቀፊ ኸይኰነኩምሲ፡ ካብ ኵሉ ኣበሳኹም ጠሪስኩም ተመለሱ። 31 ርእስኹም ካብ ኵሉ እቲ ዝኣበስኩምዎ ኣበሳ ኣርሕቑ፣+ ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ኣጥርዩ።*+ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለምንታይከ እትሞቱ፧’+

32 “‘ብሞት ሓደ እኳ ባህ ኣይብለንን እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘ስለዚ፡ ተመለሱ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።’”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ