እዮብ
34 ኤሊሁ ድማ ወሲኹ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፦
2 “ኣቱም ጥበበኛታት፡ ዘረባይ ስምዑ፣
ኣቱም ብዙሕ እትፈልጡ፡ ናባይ ጽን በሉ።
3 ከምቲ ልሳን* ንምግቢ እተስተማቕሮስ፡
እዝኒ ንቓላት ትፍትኖ እያ።
4 ቅኑዕ ዘበለ ባዕልና ንገምግም፣
ጽቡቕ ዘበለ ኣብ መንጎና ንወስን።
6 ፍርደይ እንታይ ኪኸውን ከም ዚግባእዶ ምሓሰኹ፧
ኣበሳ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ቍስለይ ዘይሓዊ እዩ’ ኢሉ ኣሎ።+
7 ንባጫ ኸም ማይ ዚሰትዮ፡
ከም እዮብ ዝበለ መን ኣሎ፧
8 ምስ ገበርቲ ኽፉእ ይመሓዞ፣
ምስ እኩያት ከኣ ይሓብር።+
9 ከመይሲ፡ ‘ሰብ ንኣምላኽ ባህ ብምባል፡
ኣይጥቀምን እዩ’ ኢሉ ኣሎ።+
11 ንሱስ ንሰብ ከም ግብሩ ይፈድዮ፣+
ሳዕቤናት መገድታቱ ድማ ኣብ ልዕሊኡ የምጽኣሉ።
13 ኣብ ልዕሊ ምድሪ ሓላፍነት ዝሃቦ መን እዩ፧
ኣብ ልዕሊ ብዘላ ዓለም ዝሸሞኸ መን እዩ፧
16 ኣእምሮ እንተ ኣሎካስ፡ ነዚ ስምዓዮ፣
ናብቲ ዝብለካ ጽን በል።
17 ፍትሒ ዚጸልእዶ ኺቈጻጸር እዩ፧
ጻድቕ ንዝዀነ ሓያልሲ ምዀነንካዮዶ፧
18 ንንጉስ፡ ‘ኣይትጠቅምን ኢኻ፡’
ንልዑላን ድማ፡ ‘እኩያት ኢኹም’ ምበልካዮምዶ፧+
21 ኣዒንቲ ኣምላኽሲ ኣብ መገድታት ሰብ እየን፣+
ኵለን ስጕምትታቶም ከኣ ይርእየን እዩ።
23 ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ንፍርዲ ኪቐርብሲ፡
ኣምላኽ ምዱብ ግዜ ኣይወሰነሉን።
24 ኪምርምር ከየድለዮ ንሓያላት ይሰብሮም፣
ኣብ ክንዳኦም ከኣ ካልኦት የቕውም።+
26 ኵሉ ኺርእዮ ኣብ ዚኽእል
ብኽፍኣቶም ይወቕዖም፣+
27 ንሳቶምሲ ኻብ ምስዓቡ ኣልጊሶም እዮም፣+
ንመገድታቱ ድማ ግዲ የብሎምን፣+
28 ኣውያት እቲ ረዳኢ ኣልቦ ምእንቲ ኺሰምዕሲ፡
ንድኻ ናብኡ ኸም ዜእዊ ይገብርዎ።+
29 ኣምላኽ ስቕ ምስ ዚብል፡ መን ኪዅንኖ ይኽእል፧
ገጹ ምስ ዚሓብእከ፡ መን ኪርእዮ ይኽእል፧
31 ንኣምላኽሲ ኸምዚ ዚብሎዶ ኣሎ፧
33 ፍርዱ ብምንጻግካስ፡ ዓስቢዶ ኺህበካ እዩ፧
ኣነ ዘይኰንኩስ፡ ንስኻ ወስን።
ሃየ፡ ነቲ ኣጸቢቕካ እትፈልጦ ንገረኒ።
34 ሰብ ኣእምሮ* ይብሉኒ፦