ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 24
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ዳዊት ንህይወት ሳኦል ነሓፋ (1-22)

        • ዳዊት ንቕቡእ የሆዋ ዝነበሮ ኣኽብሮት (6)

1 ሳሙኤል 24:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 23:28, 29

1 ሳሙኤል 24:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ዓንቀጽ 3

1 ሳሙኤል 24:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣእጋሩ ኪኸድን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 57:ልዕለ ጽሑፍ፣ 142:ልዕለ ጽሑፍ

1 ሳሙኤል 24:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 26:8, 23

1 ሳሙኤል 24:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሕልናኡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 24:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽናዕ፡ ገጽ 18

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2007፡ ገጽ 21-22

1 ሳሙኤል 24:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 22:28፣ 1ሳሙ 26:11፣ 2ሳሙ 1:14፣ 1ዜና 16:22

1 ሳሙኤል 24:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “በተኖም” ኪኸውን ይኽእል።

1 ሳሙኤል 24:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 26:17

1 ሳሙኤል 24:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 26:19

1 ሳሙኤል 24:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:4
  • +1ሳሙ 9:16፣ 10:1፣ 26:9፣ መዝ 105:15

1 ሳሙኤል 24:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 23:14
  • +1ሳሙ 26:18፣ መዝ 35:7

1 ሳሙኤል 24:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 26:23
  • +ዘዳ 32:35
  • +1ሳሙ 26:11

1 ሳሙኤል 24:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 26:20

1 ሳሙኤል 24:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 25:39፣ መዝ 35:1

1 ሳሙኤል 24:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 26:17

1 ሳሙኤል 24:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 26:21

1 ሳሙኤል 24:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:4, 10

1 ሳሙኤል 24:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 26:25፣ መዝ 18:20

1 ሳሙኤል 24:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 13:14፣ 15:28፣ 18:8፣ 20:31፣ 23:17

1 ሳሙኤል 24:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 9:1፣ 21:7
  • +ዘሌ 19:12፣ ዘዳ 6:13

1 ሳሙኤል 24:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:34
  • +1ሳሙ 23:29

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 24:11ሳሙ 23:28, 29
1 ሳሙ. 24:3መዝ 57:ልዕለ ጽሑፍ፣ 142:ልዕለ ጽሑፍ
1 ሳሙ. 24:41ሳሙ 26:8, 23
1 ሳሙ. 24:52ሳሙ 24:10
1 ሳሙ. 24:6ዘጸ 22:28፣ 1ሳሙ 26:11፣ 2ሳሙ 1:14፣ 1ዜና 16:22
1 ሳሙ. 24:81ሳሙ 26:17
1 ሳሙ. 24:91ሳሙ 26:19
1 ሳሙ. 24:101ሳሙ 24:4
1 ሳሙ. 24:101ሳሙ 9:16፣ 10:1፣ 26:9፣ መዝ 105:15
1 ሳሙ. 24:111ሳሙ 23:14
1 ሳሙ. 24:111ሳሙ 26:18፣ መዝ 35:7
1 ሳሙ. 24:121ሳሙ 26:23
1 ሳሙ. 24:12ዘዳ 32:35
1 ሳሙ. 24:121ሳሙ 26:11
1 ሳሙ. 24:141ሳሙ 26:20
1 ሳሙ. 24:151ሳሙ 25:39፣ መዝ 35:1
1 ሳሙ. 24:161ሳሙ 26:17
1 ሳሙ. 24:171ሳሙ 26:21
1 ሳሙ. 24:181ሳሙ 24:4, 10
1 ሳሙ. 24:191ሳሙ 26:25፣ መዝ 18:20
1 ሳሙ. 24:201ሳሙ 13:14፣ 15:28፣ 18:8፣ 20:31፣ 23:17
1 ሳሙ. 24:212ሳሙ 9:1፣ 21:7
1 ሳሙ. 24:21ዘሌ 19:12፣ ዘዳ 6:13
1 ሳሙ. 24:221ሳሙ 15:34
1 ሳሙ. 24:221ሳሙ 23:29
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 24:1-22

1 ሳሙኤል

24 ሳኦል ንፍልስጥኤማውያን ካብ ምስጓጕ ምስ ተመልሰ፡ “እንሆ፡ ዳዊት ኣብ በረኻ ዔን-ገዲ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።+

2 ሳኦል ድማ ካብ ኵሉ እስራኤል እተሓርዩ 3,000 ሰብኡት ወሲዱ፡ ንዳዊትን ንሰቡን ኪደልዮም ናብ ኣጻድፍ ኣኻውሕ ወይጠል ከደ። 3 ሳኦል ናብቲ ጥቓ መገዲ ዘሎ ደምበታት ኣባጊዕ መጸ፣ ኣብኡ ኸኣ በዓቲ ነበረ። ንሱ ኸኣ ጾር ኬፋዅስ* ኣተወ፣ ዳዊትን ሰቡን ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ።+ 4 ሽዑ፡ ንዳዊት እቶም ሰቡ፡ “እታ የሆዋ፡ ‘እንሆ፡ ንጸላኢኻ ኣብ ኢድካ እህበካ ኣለኹ፡+ ጽቡቕ ዝመሰለካ ዘበለ ድማ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ’ ዝበለካ መዓልቲ፡ እዚኣ እያ” በልዎ። ዳዊት ከኣ ተንሲኡ ቐስ ኢሉ ኸይዱ፡ ጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ሳኦል ቈረጸ። 5 ግናኸ፡ ዳዊት ጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ሳኦል ስለ ዝቘረጸ፡ ድሕሪኡ ልቡ* ወቕዖ።+ 6 ነቶም ሰቡ ድማ፡ “ንሱ ቕቡእ የሆዋ እዩ እሞ፡ ኢደይ ኣንጻሩ ብምልዓል፡ ንጐይታይ ቅቡእ የሆዋ እዚ ኽገብሮስ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይሕሰብ እዩ” በሎም።+ 7 ዳዊት ከኣ በዘን ቃላት እዚአን ንሰቡ ዓገቶም፡* ንሳኦል ኬጥቅዕዎ ድማ ኣይፈቐደሎምን። ሳኦል ከኣ ካብቲ በዓቲ ተንሲኡ ኸደ።

8 ሽዑ፡ ዳዊት ተንሲኡ፡ ካብቲ በዓቲ ወጸ፡ ደድሕሪ ሳኦል ድማ፡ “ጐይታይ ንጉስ” ኢሉ ጸውዐ።+ ሳኦል ከኣ ንድሕሪኡ ግልጽ በለ፣ ዳዊት ድማ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ። 9 ዳዊት ከኣ ንሳኦል ከምዚ በሎ፦ “ዘረባ እቶም፡ ‘እንሆ፡ ዳዊት ኪጐድኣካ ይደሊ ኣሎ’ ዚብሉኻ ሰባት ስለምንታይ እትሰምዕ፧+ 10 በዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣብቲ በዓቲ የሆዋ ንዓኻ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ ኸም ዝነበረ ኣዒንትኻ ርእየን እየን። ሓደ ድማ ክቐትለካ ምስ ተዛረበኒ፡+ ኣነ ደንጊጸልካስ፡ ‘ንሱ ቕቡእ የሆዋ እዩ እሞ፡ ኢደይ ኣንጻር ጐይታይ ኣየልዕልን እየ’ ኢለ።+ 11 ኣቦየ፡ ርአ፣ እወ፡ ጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ናይ ላዕሊ ቐምሽካ ክቘርጽ ከለኹ ኣይቀተልኩኻን እሞ፡ ጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ናይ ላዕሊ ቐምሽካ ኣብ ኢደይ ርአ። ክጐድኣካ ወይ ክዓሉ ኸም ዘይሓስብ ክትፈልጥን ክትርእን ትኽእል ኢኻ፣ ንስኻ ህይወተይ* ከተጥፍእ እናሃደንካኒ ኽነስኻስ፡+ ኣነ ኣይበደልኩኻን።+ 12 የሆዋ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፣+ የሆዋ ኸኣ ንዓኻ ሕነ ይፍደየለይ፣+ ኢደይ ግና ኣንጻርካ ኣይክትከውንን እያ።+ 13 ከምቲ ምስላ ቐዳሞት ዚብሎ፡ ‘ካብ እኩይ እከይ ይወጽእ፡’ ኢደይ ግና ኣንጻርካ ኣይክትከውንን እያ። 14 ንጉስ እስራኤልከ ደድሕሪ መን እዩ ወጺኡ ዘሎ፧ ንመንከ ኢኻ እትሰጕጎ ዘለኻ፧ ንምዉት ከልቢ፧ ንሓደ ቝንጪ፧+ 15 የሆዋ ዳኛ ዀይኑ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፣ ንሱ ንጕዳየይ ይርኣየለይን ይማጐተለይን+ ይፍረደለይን፡ ካብ ኢድካ እውን የናግፈኒ።”

16 ዳዊት ነዚ ዘረባ እዚ ንሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ሳኦል፡ “እዚ ድምጽኻ ድዩ፡ ዳዊት ወደይ፧” በለ።+ ሳኦል ከኣ ዓው ኢሉ በኸየ። 17 ንዳዊት ድማ ከምዚ በሎ፦ “ጽቡቕ ጌርካለይ ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ክፉእ ፈድየካ እየ እሞ፡ ካባይሲ ንስኻ ትጸድቕ።+ 18 እወ፡ የሆዋ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ምስ ሃበኒ ብዘይምቕታልካ፡ ዝገበርካለይ ጽቡቕ ሎሚ ነጊርካኒ ኢኻ።+ 19 ንጸላኢኡ ረኺቡ፡ ከይጐድአ ዚሰድዶ ሰብዶ ኣሎ፧ ስለቲ ሎሚ ዝገበርካለይ፡ የሆዋ ጽቡቕ ይፍደኻ።+ 20 ሕጂ ድማ እንሆ፡ ንስኻ ብርግጽ ክትነግስ ምዃንካ፡ መንግስቲ እስራኤል እውን ኣብ ኢድካ ኸም እትጸንዕ እፈልጥ እየ።+ 21 ሕጂ ኸኣ፡ ድሕረይ ንዘርአይ ከይትድምስሶን ስመይ ካብ ቤት ኣቦይ ከይተጥፍእን፡+ ብየሆዋ ምሓለለይ።”+ 22 ዳዊት ድማ ንሳኦል መሓለሉ፣ ድሕርዚ፡ ሳኦል ናብ ቤቱ ኸደ።+ ዳዊትን ሰቡን ግና፡ ናብ ዕርዲ ኸዱ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ