147 ንያህ ወድስዎ!
ንኣምላኽ ውዳሰ ምዝማር ጽቡቕ እዩ፣
ምውዳሱስ ክንደይ ባህ ዜብልን ግቡእን ኰን እዩ!+
 2 የሆዋ ንየሩሳሌም ይሃንጻ፣+
ንእተበተኑ ህዝቢ እስራኤል ይእክቦም።+
 3 ልቦም ንእተሰብሩ የሕውዮም፣
ንኣቝሳሎም ከኣ ይዝንን።
 4 ቍጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር፣
ንዅላቶም በብስሞም ይጽውዖም።+
 5 ጐይታና ዓብይን ብርቱዕ ዝሓይሉን እዩ፣+
ኣእምሮኡ ኺልካዕ ዚከኣል ኣይኰነን።+
 6 የሆዋ ንዓቃላት የተንስኦም፣+
ንእኩያት ግና ናብ ምድሪ ይድርብዮም።
 7 ንየሆዋ ብምስጋና ዘምሩሉ፣
ንኣምላኽና ብመሰንቆ ውዳሰ ዘምሩሉ፣
 8 ንሱስ ንሰማያት ብደበናታት ዚሽፍኖ፡
ንምድሪ ዝናም ዚህባ፡+
ኣብ ኣኽራን ድማ ሳዕሪ ዜብቍል እዩ።+
 9 ንእንስሳታት ምግቢ ይህቦም፡+
ጩቝጩቝ ንዚብሉ ጨቓዊት ኳዃት እውን ይምግቦም።+
10 ብሓይሊ ፈረስ ደስ ኣይብሎን፡+
ብብርቱዕ ኣእጋር ሰብ እውን ኣይግረምን እዩ።+
11 የሆዋ በቶም ዚፈርህዎ፡+
በቶም ነቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ዚጽበዩ ባህ ይብሎ እዩ።+
12 ኦ የሩሳሌም፡ ንየሆዋ ኣሞግስዮ።
ኦ ጽዮን፡ ንኣምላኽ ወድስዮ።
13 ንሱስ ተገዳማት ኣፍ ደገኺ የጽንዕ፣
ኣብ ውሽጥኺ ንዘለዉ ደቅኺ ይባርኾም።
14 ኣብ ዓድኺ ሰላም የምጽእ፣+
ብብሉጽ ስርናይ የጽግበኪ።+
15 ትእዛዙ ናብ ምድሪ ይሰድድ፣
ቃሉ ብፍጥነት ይጐዪ።
16 ንውርጪ ኸም ጸምሪ ይሰድዶ፣+
ንኣስሓይታ ኸም ሓምዅሽቲ ፋሕ የብሎ።+
17 ንበረዱ ኸም ቍርስራስ እንጌራ ይድርብዮ።+
ንቝሩኸ መን ኪጻወሮ ይኽእል፧+
18 ቃሉ ይሰድድ እሞ የምክኾ።
ንፋሱ የንፍስ+ እሞ ማያት ይውሕዙ።
19 ቃሉ ንያእቆብ፡
ስርዓታቱን ፍርድታቱን ከኣ ንእስራኤል ይነግሮ።+
20 ንኻልኦት ህዝቢ ኸምኡ ኣይገበረሎምን፣+
ብዛዕባ ፍርድታቱ ኣይፈልጡን እዮም።
ንያህ ወድስዎ!+