ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 58
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ጾም (1-12)

      • ሰንበት ብምሕላው ደስታ ምርካብ (13, 14)

ኢሳይያስ 58:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:2፣ 31:6፣ 59:13

ኢሳይያስ 58:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 29:13፣ ህዝ 33:32
  • +ኢሳ 1:14, 15

ኢሳይያስ 58:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስና።”

  • *

    ወይ፡ “ደስታ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚል 3:14
  • +ዘሌ 16:29
  • +ኤር 34:15, 16፣ ሚክ 3:2-4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/4/2009፡ ገጽ 29

ኢሳይያስ 58:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሱ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/1996፡ ገጽ 5

ኢሳይያስ 58:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 34:8, 9
  • +ምሳ 28:27

ኢሳይያስ 58:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 41:1፣ 112:9፣ ምሳ 19:17፣ 22:9
  • +ህዝ 18:7, 8፣ ያእ 2:15, 16፣ 1ዮሃ 3:17

ኢሳይያስ 58:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 4:18
  • +ዘጸ 14:19፣ ኢሳ 52:12

ኢሳይያስ 58:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 32:6፣ 59:3

ኢሳይያስ 58:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻ።”

  • *

    ወይ፡ “ንውጹዓት ነፍሳት እንተ ኣጽጊብካየን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 15:7, 8
  • +መዝ 37:5, 6

ኢሳይያስ 58:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍስኻ ኼጽግብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 49:10
  • +ኢሳ 61:11፣ ኤር 31:12

ኢሳይያስ 58:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ጋግ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 2:5፣ ኤር 31:38
  • +ኢሳ 61:4
  • +ነህ 6:1፣ ኣሞ 9:11, 14

ኢሳይያስ 58:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ደስታ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እግርኻ እንተ መሊስካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 13:15፣ ኢሳ 56:2፣ ኤር 17:21
  • +ዘዳ 5:12-14

ኢሳይያስ 58:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብርስቲ ኣቦኻ ያእቆብ ከሐጕሰካ እየ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:13
  • +መዝ 105:10, 11፣ ኤር 3:18

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 58:1ኢሳ 1:2፣ 31:6፣ 59:13
ኢሳ. 58:2ኢሳ 29:13፣ ህዝ 33:32
ኢሳ. 58:2ኢሳ 1:14, 15
ኢሳ. 58:3ሚል 3:14
ኢሳ. 58:3ዘሌ 16:29
ኢሳ. 58:3ኤር 34:15, 16፣ ሚክ 3:2-4
ኢሳ. 58:6ኤር 34:8, 9
ኢሳ. 58:6ምሳ 28:27
ኢሳ. 58:7መዝ 41:1፣ 112:9፣ ምሳ 19:17፣ 22:9
ኢሳ. 58:7ህዝ 18:7, 8፣ ያእ 2:15, 16፣ 1ዮሃ 3:17
ኢሳ. 58:8ምሳ 4:18
ኢሳ. 58:8ዘጸ 14:19፣ ኢሳ 52:12
ኢሳ. 58:9ኢሳ 32:6፣ 59:3
ኢሳ. 58:10ዘዳ 15:7, 8
ኢሳ. 58:10መዝ 37:5, 6
ኢሳ. 58:11ኢሳ 49:10
ኢሳ. 58:11ኢሳ 61:11፣ ኤር 31:12
ኢሳ. 58:12ነህ 2:5፣ ኤር 31:38
ኢሳ. 58:12ኢሳ 61:4
ኢሳ. 58:12ነህ 6:1፣ ኣሞ 9:11, 14
ኢሳ. 58:13ነህ 13:15፣ ኢሳ 56:2፣ ኤር 17:21
ኢሳ. 58:13ዘዳ 5:12-14
ኢሳ. 58:14ዘዳ 32:13
ኢሳ. 58:14መዝ 105:10, 11፣ ኤር 3:18
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 58:1-14

ኢሳይያስ

58 “ብምሉእ ጐረሮኻ ጨድር፣ ርእስኻ ኣይትግታእ!

ድምጽኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል።

ንህዝበይ ዕልወቶም፡

ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም።+

 2 ያኢ ጽድቂ ኸም ዚገብርን

ፍትሒ ኣምላኹ ኸም ዘይሓደገን ህዝብስ፡+

መዓልቲ መዓልቲ ይደልዩኒ፡

መገድታተይ ኪፈልጡ ደስ ከም ዚብሎም ከኣ ይገልጹ።

ቅኑዕ ፍርድታት ደልዮም ይሓትቱኒ፣

ናብ ኣምላኽ ምቕራብ እውን ደስ ይብሎም፦+

 3 ‘ክንጸውም ከለና ስለምንታይ ዘይረኣኻና፧+

ርእስና* ኸነሕስም ከለናኸ ስለምንታይ ዘየስተብሃልካልና፧’+

ስለምንታይሲ፡ ብመዓልቲ ጾምኩም፡ ጥቕሚ* ርእስኹም ኢኹም እትደልዩ፣

ንሸቃሎኹም ከኣ ትጭቍኑ።+

 4 ጾምኩም ብቘየቛን ብባእስን ይውዳእ፣

ብሕሱም ጕስጢ ድማ ትወቕዑ።

ከምዚ ሎሚ እትገብርዎ ዘለኹም ጌርኩም እናጾምኩምሲ፡ ድምጽኹም ኣብ ሰማይ ኣይስማዕን እዩ።

 5 እቲ ኣነ ዝሓርዮ ጾም ከምዚ ድዩ፧

ከምታ ሰብ ንርእሱ* ዜሕስመላ መዓልቲ፡

ርእሱ ኸም ሰቲ ምድናንን

ኣብ ማቕን ሓምዅሽትን ምድቃስን ድዩ፧

ነዚ ዲኻ ጾምን ንየሆዋ ባህ ዜብሎ መዓልትን እትብሎ ዘለኻ፧

 6 እቲ ኣነ ዝሓርዮ ጾምሲ እዚ እዩ፦

መቓውሕ እከይ ምልጋስ፡

ማእሰርቲ ኣርዑት ምፍታሕ፡+

ንጭቍናት ሓራ ምውጻእ፡+

ንዅሉ ኣርዑት ምስባር፡

 7 እንጌራኻ ንጥሙይ ምምቃል፡+

ንድኻታትን ቤት ንዘይብሎምን ናብ ቤትካ ምእታው፡

ዕሩቕ ምስ እትርኢ ምኽዳን፡+

ንስጋኻ እውን ዝባንካ ዘይምምላስ እዩ።

 8 ሽዑ፡ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ኺበርህ፡+

ምሕዋይካ እውን ቀልጢፉ ኺበቍል እዩ።

ጽድቅኻ ቐቅድሜኻ ኪኸይድ፡

ክብሪ የሆዋ ድማ ደጀንካ ኪኸውን እዩ።+

 9 ሽዑ፡ ክትጽውዕ፡ የሆዋ ኸኣ ኪምልስ እዩ፣

ከተእዊ፡ ንሱ ኸኣ፡ ‘እነኹ!’ ኪብል እዩ።

ንኣርዑት ካብ መንጎኻ እንተ ኣርሒቕካ፡

ብኣጻብዕካ ዊጥ ምባልን ክፉእ ምዝራብን እንተ ሓዲግካ፡+

10 ንጥሙይ እቲ ንስኻ* እትምነዮ እንተ ሂብካዮ፡+

ንውጹዕ ድማ እንተ ኣጽጊብካዮ፡*

ሽዑ፡ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪበርህ፡

ድነኻ እውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ።+

11 የሆዋ ወትሩ ኺመርሓካ፡

ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ኬጽግበካ* እዩ፣+

ንኣዕጽምትኻ ኼበርትዖ፡

ንስኻ ድማ ማይ ከም ዝመልኦ ስፍራ ኣታኽልቲ፡+

ማዩ ኸም ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ ክትከውን ኢኻ።

12 ሳላኻ ነቲ ናይ ጥንቲ ዑናታት ዳግም ኪሃንጽዎ እዮም፣+

መሰረታት ዝሓለፈ ወለዶታት ከኣ ክትሕድስ ኢኻ።+

ጸጋኒ ዝፈረሰ መንደቕ፡*+

ዓራዪ መንበሪ ዚኸውን መገድታት ተባሂልካ ኽትጽዋዕ ኢኻ።

13 ብምኽንያት ሰንበት፡ በታ ቕድስቲ መዓልተይ ጥቕሚ* ርእስኻ ኻብ ምስዓብ እንተ ተቘጢብካ፡*+

ንሰንበት ከኣ ዓብዪ ደስታ፡ ቅድስቲ መዓልቲ የሆዋ፡ ክትክበር ዘለዋ መዓልቲ ኢልካ እንተ ጸዊዕካያ፡+

ጥቕሚ ርእስኻ ኣብ ክንዲ እትስዕብን ከንቱ ቓላት ኣብ ክንዲ እትዛረብን፡ ንዓኣ እንተ ኣኽቢርካያ፡

14 ሽዑ፡ ብየሆዋ ደስ ኪብለካ እዩ፣

ኣነ እውን ኣብ ልዕሊ በረኽቲ ምድሪ ኸወጥሓካ እየ።+

ኣፍ የሆዋ ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡

ካብ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብ ከብልዓካ እየ።”*+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ