ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ሳሙኤል ነብዪ ኪኸውን ተጸውዐ (1-21)

1 ሳሙኤል 3:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 2:11, 18
  • +ዘሁ 12:6፣ 1ዜና 17:15

1 ሳሙኤል 3:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 4:15

1 ሳሙኤል 3:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ እቲ ማሕደር።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 24:2
  • +1ሳሙ 1:9፣ 3:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2005፡ ገጽ 21-22

1 ሳሙኤል 3:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 64

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2010፡ ገጽ 16

1 ሳሙኤል 3:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣሞ 3:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2002፡ ገጽ 8-9

1 ሳሙኤል 3:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    9/2018፡ ገጽ 24

1 ሳሙኤል 3:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 64

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2010፡ ገጽ 16-17

1 ሳሙኤል 3:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 4:17

1 ሳሙኤል 3:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 23:19፣ 1ሳሙ 2:31-34፣ ኢሳ 55:10, 11

1 ሳሙኤል 3:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 15:30፣ 1ሳሙ 2:12, 17
  • +1ሳሙ 2:22, 23፣ ዮሃ 15:22፣ ያእ 4:17
  • +መክ 8:11

1 ሳሙኤል 3:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 4:11፣ 22:21፣ 1ነገ 2:27

1 ሳሙኤል 3:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 2:21

1 ሳሙኤል 3:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 3:1, 4፣ መዝ 99:6

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 3:11ሳሙ 2:11, 18
1 ሳሙ. 3:1ዘሁ 12:6፣ 1ዜና 17:15
1 ሳሙ. 3:21ሳሙ 4:15
1 ሳሙ. 3:3ዘሌ 24:2
1 ሳሙ. 3:31ሳሙ 1:9፣ 3:15
1 ሳሙ. 3:7ኣሞ 3:7
1 ሳሙ. 3:111ሳሙ 4:17
1 ሳሙ. 3:12ዘሁ 23:19፣ 1ሳሙ 2:31-34፣ ኢሳ 55:10, 11
1 ሳሙ. 3:13ዘሁ 15:30፣ 1ሳሙ 2:12, 17
1 ሳሙ. 3:131ሳሙ 2:22, 23፣ ዮሃ 15:22፣ ያእ 4:17
1 ሳሙ. 3:13መክ 8:11
1 ሳሙ. 3:141ሳሙ 4:11፣ 22:21፣ 1ነገ 2:27
1 ሳሙ. 3:191ሳሙ 2:21
1 ሳሙ. 3:211ሳሙ 3:1, 4፣ መዝ 99:6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 3:1-21

1 ሳሙኤል

3 ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤሊ ንየሆዋ የገልግሎ ነበረ፣+ በተን መዓልትታት እቲአን ግና፡ ቃል የሆዋ ውሒዱ ነበረ፣ ራእያት+ እውን ብዙሕ ኣይነበረን።

2 ሓደ መዓልቲ፡ ኤሊ ኣብ ቦታኡ ደቂሱ ነበረ፣ ኣዒንቱ ኸኣ ሓሚቐን ነበራ፣ ኪርኢ እውን ኣይክእልን ነበረ።+ 3 መብራህቲ ኣምላኽ+ ድማ ገና ኣይጠፍአን ነበረ፣ ሳሙኤል እውን ኣብታ ታቦት ኣምላኽ ዘለዋ መቕደስ*+ የሆዋ ደቂሱ ነበረ። 4 የሆዋ ኸኣ ንሳሙኤል ጸውዖ። ንሱ ድማ፡ “እነኹ” ኢሉ መለሰ። 5 ናብ ኤሊ ጐይዩ ድማ፡ “ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ፡ እነኹ” በሎ። ንሱ ግና፡ “ኣይጸዋዕኩን። መሊስካ ደኣ ደቅስ” በሎ። ንሱ ኸኣ ከይዱ ደቀሰ። 6 የሆዋ ድማ መሊሱ፡ “ሳሙኤል” ኢሉ ጸውዐ። ሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኸይዱ፡ “ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ፡ እነኹ” በሎ። ንሱ ግና፡ “ወደየ፡ ኣነስ ኣይጸዋዕኩን። መሊስካ ደኣ ደቅስ” በሎ። 7 (ሳሙኤል ድማ ንየሆዋ ገና ኣይፈለጦን ነበረ፣ ቃል የሆዋ እውን ገና ኣይተገልጸሉን ነበረ።)+ 8 የሆዋ ኸኣ መሊሱ ሳልሳይ ሳዕ፡ “ሳሙኤል” ኢሉ ጸውዐ። ንሱ ድማ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኸይዱ፡ “ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ፡ እነኹ” በሎ።

ኤሊ ድማ ነቲ ቘልዓ ዚጽውዖ ዝነበረ የሆዋ ምዃኑ ኣስተውዓለ። 9 ኤሊ ኸኣ ንሳሙኤል፡ “ኪድ ደቅስ፣ እንተ ጸዊዑካ ድማ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ ጊልያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ተዛረብ’ በል” በሎ። ሳሙኤል ከኣ ከይዱ ኣብታ ቦታኡ ደቀሰ።

10 የሆዋ ድማ መጺኡ ኣብኡ ደው በለ፣ ከምቲ ኻልእ ግዜያት ከኣ፡ “ሳሙኤል፡ ሳሙኤል” ኢሉ ጸውዐ። ሳሙኤል ድማ፡ “ጊልያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ተዛረብ” በለ። 11 የሆዋ ኸኣ ንሳሙኤል ከምዚ በሎ፦ “እንሆ፡ ኣነ ኣብ እስራኤል ንዚሰምዖ ዘበለ ኽልቲአን ኣእዛኑ ጸላዕላዕ ዜብል ነገር ክገብር እየ።+ 12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ቤት ኤሊ እተዛረብክዎ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ኣብ ልዕሊኡ ኽፍጽሞ እየ።+ 13 ደቁ ንኣምላኽ ይረግሙ+ ኸም ዘለዉ እናፈለጠስ፡+ ብዘይምግናሑ+ ስሕተት ስለ ዝገበረ፡ ኣብ ቤቱ ናይ ሓዋሩ ፍርዲ ኸም ዘምጽእ ንገሮ። 14 ስለዚ እየ ስሕተት ቤት ኤሊ ብመስዋእቲ ወይ ብመባእ ከቶ ኸም ዘይዕረቕ ብዛዕባ ቤት ኤሊ ዝመሓልኩ።”+

15 ሳሙኤል ድማ ክሳዕ ዚነግህ ደቂሱ፡ መዓጹ ቤት የሆዋ ኸፈተ። ሳሙኤል ንኤሊ ብዛዕባ እቲ ራእይ ከይነግሮ ፈርሀ። 16 ኤሊ ግና ንሳሙኤል፡ “ሳሙኤል ወደይ” ኢሉ ጸውዖ። ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ” በለ። 17 ንሱ ድማ፡ “እንታይ መልእኽቲ ተዛሪቡካ፧ በጃኻ፡ ካባይ ኣይትሕብኣዮ። ካብ ኵሉ እቲ እተዛረበካ ሓንቲ ቓል እኳ እንተ ሓቢእካለይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበርካ፡ ከምዚ ድማ ይወስኸሉ” በሎ። 18 ሽዑ፡ ሳሙኤል ኵሉ ነገሮ፡ ካብኡ እውን ገለ ኣይሓብአን። ኤሊ ኸኣ፡ “ንሱ የሆዋ እዩ። ኣብ ኣዒንቱ ጽቡቕ ዝዀነ ይግበር” በለ።

19 ሳሙኤል ድማ ይዓቢ ነበረ፣ የሆዋ ኸኣ ምስኡ ነበረ፣+ ካብ ኵሉ እቲ ቓሉ ድማ ገለ እኳ ናብ ምድሪ ኣየውደቐን። 20 ብዘሎ እስራኤል ካብ ዳን ክሳብ ብኤር-ሸባዕ ከኣ፡ ሳሙኤል ብርግጽ ነብዪ የሆዋ ምዃኑ ፈለጠ። 21 የሆዋ ድማ ንሳሙኤል ብቓል የሆዋ ኣብ ሺሎ ይግለጸሉ ነበረ እሞ፡ የሆዋ ኣብ ሺሎ ይርኣዮ ነበረ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ