ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 31
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ውድቀት ግብጺ፡ እቲ ነዊሕ ዝቝመቱ ቄድሮስ (1-18)

ህዝቅኤል 31:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 46:2፣ ህዝ 29:2

ህዝቅኤል 31:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ስፍራ ኣታኽልቲ።”

  • *

    ወይ፡ “ተርሚን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 2:8፣ ህዝ 28:12, 13

ህዝቅኤል 31:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣዚኻ ነዊሕ ስለ ዝዀንካ።”

ህዝቅኤል 31:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 30:10, 11፣ ኣን 1:6

ህዝቅኤል 31:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 32:5, 6

ህዝቅኤል 31:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 29:5፣ 32:4

ህዝቅኤል 31:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መቓብር።”

ህዝቅኤል 31:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ህዝቅኤል 31:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መቓብር።”

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 31:9

ህዝቅኤል 31:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቅልጽሙን።”

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 30:6፣ 32:31
  • +ህዝ 32:18, 20

ህዝቅኤል 31:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 31:9፣ 32:19

ሓፈሻዊ

ህዝ. 31:2ኤር 46:2፣ ህዝ 29:2
ህዝ. 31:8ዘፍ 2:8፣ ህዝ 28:12, 13
ህዝ. 31:11ህዝ 30:10, 11፣ ኣን 1:6
ህዝ. 31:12ህዝ 32:5, 6
ህዝ. 31:13ህዝ 29:5፣ 32:4
ህዝ. 31:16ህዝ 31:9
ህዝ. 31:17ህዝ 30:6፣ 32:31
ህዝ. 31:17ህዝ 32:18, 20
ህዝ. 31:18ህዝ 31:9፣ 32:19
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 31:1-18

ህዝቅኤል

31 ኣብ መበል 11 ዓመት፡ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን ንጭፍራኡን ከምዚ በሎ፦+

‘ብዕቤትካ ንመን ኢኻ እትመስል፧

 3 እንሆ፡ ሓደ ኣሶራዊ፡ ከም ናይ ጣሻ ዝበለ ጽላል ዝነበሮ ጽቡቕ ዝጨናፍሩ፡

ነዊሕ ዝቝመቱ ቄድሮስ ኣብ ሊባኖስ ነበረ፣

ጫፉ ኣብ መንጎ ደበናታት ነበረ።

 4 ማያት ኣዕበዮ፡ ዓሚቝ ዓይኒ ማያት ኣንውሖ።

ኣብ ዙርያ እቲ እተተኽለሉ፡ ወሓይዝ ነበረ፣

እቲ ናቱ መትረባት ከኣ ንዅሉ ኣእዋም መሮር የስቲ ነበረ።

 5 ስለዚ፡ ካብ ኵሉ ኣእዋም መሮር ነውሐ።

ሳላ እቲ ኣብ ወሓይዙ ዘሎ ብዙሕ ማይ፡

ጨናፍሩ በዝሐ፡ ቅርንጫፋቱ ኸኣ ነውሐ።

 6 ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጨናፍሩ ሰፈራ፣

ኵለን እንስሳታት መሮር ኣብ ትሕቲ ቕርንጫፋቱ ወለዳ፣

ኵሎም ብዙሓት ኣህዛብ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ተቐመጡ።

 7 ሱሩ ናብ ብዙሕ ማያት ወሪዱ ነበረ እሞ፡

ብጽባቐኡን ብንውሓት ቅርንጫፋቱን ዓብዪ ነበረ።

 8 ኣብ ገነት* ኣምላኽ+ ካብ ቄድሮሳት ምስኡ ዚወዳደር ኣይነበረን።

ካብ ኣእዋም ጽሕዲ* ኸኣ ከም ናቱ ዝበለ ጨናፍር ዝነበሮ ኣይነበረን።

ካብ ኣእዋም ዓርሞን ድማ ምስ ቅርንጫፋቱ ዚመሳሰል ዝነበሮ ኣይነበረን።

ኣብ ገነት ኣምላኽ ምስ ጽባቐኡ ዚመዓራረ ኦም ኣይነበረን።

 9 ብብዝሒ ልሙዕ ጨናፍሩ ጽቡቕ ገበርክዎ፣

ኵሉ ኣእዋም ኤደን፡ ገነት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ፡ ቀንኣሉ።’

10 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣዝዩ ነዊሕ ስለ ዝዀነ፡* ጫፉ ኣብ መንጎ ደበናታት ልዕል ስለ ዝበለ፡ ልቡ ኸኣ ብቝመቱ ስለ እተዓበየ፡ 11 ኣብ ኢድ እቲ ሓያል ገዛኢ ኣህዛብ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ።+ ንሱ ድማ ብርግጽ ኣብ ልዕሊኡ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ፣ ኣነ እውን ብሰሪ እከዩ ኽድርብዮ እየ። 12 እቶም ካብ ኣህዛብ ኣዝዮም ጨካናት ዝዀኑ ጓኖት ኪቘርጽዎ፡ ኣብ ኣኽራን እውን ኪሓድግዎ እዮም፣ እቲ ልሙዕ ጨናፍሩ ኣብ ኵሉ ስንጭሮታት ኪወድቕ፡ ቅርንጫፋቱ ተሰባቢሩ ኣብ ኵሉ ወሓይዝ ምድሪ ኪኸውን እዩ።+ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኻብ ጽላሉ ኼልግሱን ኪሓድግዎን እዮም። 13 ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብቲ ዝወደቐ ጕንዱ፡ ኵለን እንስሳታት መሮር እውን ኣብ ቅርንጫፋቱ ኺነብራ እየን።+ 14 ኣብ ጥቓ ማያት ዚርከብ ዘበለ ኦም ኣዝዩ ኸይነውሕ ወይ ጫፉ ኣብ መንጎ ደበናታት ልዕል ከይብል እሞ ማይ ኣጸቢቑ ዝሰተየ ኦም ቍመቱ ኣብኡ ኸይበጽሕ እዩ እዚ ዚኸውን። ኵላቶምሲ ምስቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ደቂ ሰብ፡ ንሞት፡ ንታሕተዋይ ምድሪ ኣሕሊፍካ ኺውሃቡ እዮም።’

15 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘በታ ንሱ ናብ መቓብር* ዚወርደላ መዓልቲ፡ ኣነ ንሰብ ከሕዝን እየ። ስለዚ፡ እቲ ብዙሕ ማያት ምእንቲ ኺግታእ፡ ንዓሚቝ ማያት ክኸድኖን ንወሓይዙ ኽዓግቶን እየ። ብሰሩ ንሊባኖስ ከጸልምታ እየ፣ ኣእዋም መሮር ድማ ኪጽምልዉ እዮም። 16 ምስ ኵሎም እቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ናብ መቓብር* ምስ ኣውረድክዎ፡ ብደሃይ ውድቀቱ ንኣህዛብ ራዕራዕ ከብል እየ፣ ኵሎም ኣእዋም ኤደን፡+ ሕሩያትን ብሉጻትን ሊባኖስ፡ ኵሎም እቶም ማይ ኣጸቢቖም ዝሰተዩ፡ ኣብታ ታሕተወይቲ ምድሪ ኺጸናንዑ እዮም። 17 ንሳቶም ምስኡን ምስቶም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣብ ጽላሉ ዚነብሩ ዝነበሩ ደገፍቱን*+ ናብ መቓብር፡* ናብቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ወሪዶም ኣለዉ።’+

18 “‘ብኽብርን ብዕቤትን ካብ ኣእዋም ኤደን ንዓኻ ዚመስል ኣየናይ እዩ፧+ ግናኸ፡ ምስ ኣእዋም ኤደን ብርግጽ ናብታ ታሕተወይቲ ምድሪ ኽትድርበ ኢኻ። ኣብ መንጎ እቶም ዘይግዙራት፡ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ በጥ ክትብል ኢኻ። ፈርኦንን ኵሎም ጭፍራኡን ከምዚ ኪዀኑ እዮም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ