ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መሳፍንቲ 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

መሳፍንቲ—ትሕዝቶ

      • የሆዋ ንእስራኤል ፈተኖ (1-6)

      • ዖትኒኤል እቲ ቐዳማይ መስፍን (7-11)

      • ኤሁድ ንንጉስ ዔግሎን ቀተሎ (12-30)

      • ሻምጋር (31)

መሳፍንቲ 3:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 8:2፣ መሳ 2:10

መሳፍንቲ 3:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መእተዊ ሓማት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 1:18, 19
  • +እያ 13:1, 4፣ መሳ 1:31
  • +ዘሁ 34:2, 8፣ እያ 13:1, 5
  • +እያ 13:1, 6
  • +እያ 9:1, 2

መሳፍንቲ 3:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 23:33፣ መሳ 2:21, 22

መሳፍንቲ 3:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 1:29፣ መዝ 106:34

መሳፍንቲ 3:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 34:15, 16፣ ዘሁ 25:1, 2፣ ዘዳ 7:3, 4፣ 1ነገ 11:1, 4

መሳፍንቲ 3:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 31:16፣ መሳ 2:11፣ 10:6
  • +ዘጸ 34:13፣ ዘዳ 12:3፣ 16:21

መሳፍንቲ 3:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣራም-ናሃራዪም።”

መሳፍንቲ 3:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:30፣ መሳ 10:10, 15
  • +መሳ 2:16, 18፣ 3:15
  • +1ዜና 4:13

መሳፍንቲ 3:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣራም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 11:16, 17፣ መሳ 6:34፣ 11:29፣ 14:5, 6፣ 15:14፣ 1ሳሙ 11:6፣ 16:13፣ 2ዜና 15:1

መሳፍንቲ 3:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሰላም ረኸበት።”

መሳፍንቲ 3:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:19
  • +ዘፍ 19:36, 37

መሳፍንቲ 3:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 19:36, 38፣ መሳ 11:4, 5
  • +ዘጸ 17:8፣ መሳ 6:3
  • +ዘዳ 34:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/1997፡ ገጽ 29

መሳፍንቲ 3:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:48

መሳፍንቲ 3:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 78:34
  • +መሳ 4:1
  • +ዘፍ 49:27
  • +መሳ 20:15, 16
  • +መሳ 3:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2004፡ ገጽ 29-30

    15/3/1997፡ ገጽ 29

መሳፍንቲ 3:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ምናልባት 38 ሰ.ሜ. ኣቢሉ ዚኸውን ሓጺር እመት እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2004፡ ገጽ 30

    15/3/1997፡ ገጽ 29-30

መሳፍንቲ 3:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/1997፡ ገጽ 30

መሳፍንቲ 3:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2004፡ ገጽ 30

    15/3/1997፡ ገጽ 30

መሳፍንቲ 3:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እምኒ ዚፍሓረሉ ቦታ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 4:19፣ 5:8, 9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2004፡ ገጽ 30

    15/3/1997፡ ገጽ 30

መሳፍንቲ 3:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መንበሩ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2004፡ ገጽ 30

    15/3/1997፡ ገጽ 30

መሳፍንቲ 3:21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2005፡ ገጽ 26

    15/3/1997፡ ገጽ 30

መሳፍንቲ 3:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2004፡ ገጽ 30

መሳፍንቲ 3:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መተንፍሶ” ኪኸውን ይኽእል።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2004፡ ገጽ 30-31

    15/3/1997፡ ገጽ 30-31

መሳፍንቲ 3:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣእጋሩ ይኸድን ኣሎ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2004፡ ገጽ 30-31

    15/3/1997፡ ገጽ 30-31

መሳፍንቲ 3:25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/1997፡ ገጽ 31

መሳፍንቲ 3:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እምኒ ዚፍሓረሉ ቦታ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/1997፡ ገጽ 31

መሳፍንቲ 3:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 7:24
  • +መሳ 6:34፣ 1ሳሙ 13:3

መሳፍንቲ 3:28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2004፡ ገጽ 31

መሳፍንቲ 3:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:7
  • +ዘሌ 26:7, 8

መሳፍንቲ 3:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሰላም ረኸበት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:11

መሳፍንቲ 3:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ከብቲ ንምዅብካብ ዜገልግል በሊሕ ዝኣንፉ በትሪ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 5:6
  • +መሳ 15:3, 15፣ 1ሳሙ 17:47, 50
  • +እያ 13:1, 2

ሓፈሻዊ

መሳ. 3:1ዘዳ 8:2፣ መሳ 2:10
መሳ. 3:3መሳ 1:18, 19
መሳ. 3:3እያ 13:1, 4፣ መሳ 1:31
መሳ. 3:3ዘሁ 34:2, 8፣ እያ 13:1, 5
መሳ. 3:3እያ 13:1, 6
መሳ. 3:3እያ 9:1, 2
መሳ. 3:4ዘጸ 23:33፣ መሳ 2:21, 22
መሳ. 3:5መሳ 1:29፣ መዝ 106:34
መሳ. 3:6ዘጸ 34:15, 16፣ ዘሁ 25:1, 2፣ ዘዳ 7:3, 4፣ 1ነገ 11:1, 4
መሳ. 3:7ዘዳ 31:16፣ መሳ 2:11፣ 10:6
መሳ. 3:7ዘጸ 34:13፣ ዘዳ 12:3፣ 16:21
መሳ. 3:9ዘዳ 4:30፣ መሳ 10:10, 15
መሳ. 3:9መሳ 2:16, 18፣ 3:15
መሳ. 3:91ዜና 4:13
መሳ. 3:10ዘሁ 11:16, 17፣ መሳ 6:34፣ 11:29፣ 14:5, 6፣ 15:14፣ 1ሳሙ 11:6፣ 16:13፣ 2ዜና 15:1
መሳ. 3:12መሳ 2:19
መሳ. 3:12ዘፍ 19:36, 37
መሳ. 3:13ዘፍ 19:36, 38፣ መሳ 11:4, 5
መሳ. 3:13ዘጸ 17:8፣ መሳ 6:3
መሳ. 3:13ዘዳ 34:3
መሳ. 3:14ዘዳ 28:48
መሳ. 3:15መዝ 78:34
መሳ. 3:15መሳ 4:1
መሳ. 3:15ዘፍ 49:27
መሳ. 3:15መሳ 20:15, 16
መሳ. 3:15መሳ 3:9
መሳ. 3:19እያ 4:19፣ 5:8, 9
መሳ. 3:26መሳ 3:19
መሳ. 3:27መሳ 7:24
መሳ. 3:27መሳ 6:34፣ 1ሳሙ 13:3
መሳ. 3:29ዘዳ 28:7
መሳ. 3:29ዘሌ 26:7, 8
መሳ. 3:30መሳ 3:11
መሳ. 3:31መሳ 5:6
መሳ. 3:31መሳ 15:3, 15፣ 1ሳሙ 17:47, 50
መሳ. 3:31እያ 13:1, 2
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መሳፍንቲ 3:1-31

መሳፍንቲ

3 ንዅሎም እቶም ውግእ ከነኣን ዘይፈልጡ ኻብ እስራኤል ዘበሉ ኺፍትንዎም ኢሉ የሆዋ ዝሓደጎም ኣህዛብ እዚኣቶም እዮም፣+ 2 (እዚ ኸኣ እቶም ዚስዕቡ ወለዶታት እስራኤላውያን፡ እቶም ከምዚ ዝበለ ኣቐዲሞም ዘይፈልጡ፡ ውግእ ምእንቲ ኺፈልጡ ተባሂሉ እዩ)፦ 3 እቶም ሓሙሽተ ጐይተት ፍልስጥኤማውያንን+ ኵሎም ከነኣናውያንን ሲዶናውያንን+ ካብ ከረን በዓል-ሄርሞን ክሳብ ለቦ-ሓማት*+ ኣብ ከረን ሊባኖስ+ ዚነብሩ ሒዋውያንን።+ 4 እቲ ንኣቦታቶም ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞም ትእዛዛት የሆዋ ዚእዘዙ እንተ ዀይኖም ምእንቲ ኺፈልጥ፡ እዚኣቶም ንእስራኤል ዚፍትኑ ነበሩ።+ 5 ስለዚ፡ እስራኤላውያን ኣብ መንጎ ከነኣናውያንን+ ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን ተቐመጡ። 6 ኣዋልድ እቲኣቶም ኣንስቲ ኪዀናኦም ይወስዱ፡ ኣዋልዶም ድማ ንኣወዳቶም ይህቡ ነበሩ፣ ንኣማልኽቶም እውን ኣገልገልዎም።+

7 እስራኤላውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ፣ ንየሆዋ ኣምላኾም ረሲዖም፡ ንበዓላትን+ ንኣዕኑድ ኣምልኾን* የገልግሉ ነበሩ።+ 8 ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ እስራኤል ነደደ፣ ኣብ ኢድ ኩሻን-ሪሻታይም ንጉስ መሶጶታምያ* ድማ ሸጦም። እስራኤላውያን ከኣ ንኩሻን-ሪሻታይም ሸሞንተ ዓመት ተገዝእዎ። 9 እስራኤላውያን ናብ የሆዋ ምስ ተማህለሉ፡+ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዜድሕኖም መድሓኒ፡+ ዖትኒኤል+ ወዲ ቄናዝ፡ ንእሽቶ ሓዉ ንካሌብ፡ ኣተንስኣሎም። 10 መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ መጸ እሞ፡+ ፈራዲ እስራኤል ኰነ። ኪዋጋእ ምስ ወጸ፡ የሆዋ ንኩሻን-ሪሻታይም ንጉስ መሶጶታምያ* ኣብ ኢዱ ሃቦ እሞ፡ ንኩሻን-ሪሻታይም ሰዓሮ። 11 ድሕርዚ፡ እታ ምድሪ 40 ዓመት ዓረፈት።* ዖትኒኤል ወዲ ቄናዝ ከኣ ሞተ።

12 እስራኤላውያን ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ።+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ስለ ዝገበሩ ኸኣ፡ የሆዋ ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ+ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪዕወት ሓደጎ። 13 ንሱ ድማ ዓሞናውያንን+ ኣማሌቃውያንን+ ኣኽተተሎም። ንሳቶም ከኣ ንእስራኤል ኣጥቅዕዎ፡ ነታ ኸተማ ኣእዋም ተምሪ እውን ሓዝዋ።+ 14 እስራኤላውያን ድማ ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ 18 ዓመት ተገዝእዎ።+ 15 እስራኤላውያን ከኣ ናብ የሆዋ ተማህለሉ፣+ የሆዋ ድማ፡ ኤሁድ+ ወዲ ጌራ፡ ብንያማዊ፡+ ዓኼላይ+ ሰብኣይ፡ መድሓኒ ኣተንስኣሎም።+ እስራኤላውያን ከኣ ናብ ዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ብእኡ ግብሪ ሰደዱ። 16 ኤሁድ ድማ ክልተ ዝኣፋ እመት* ዝንውሓታ ሰይፊ ገበረ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ኣብ የማናይ ማዕጥቖኡ ዓጠቓ። 17 እቲ ግብሪ ኸኣ ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ኣቕረበሉ። ዔግሎን ድማ ኣዝዩ ኸሪሹ ነበረ።

18 ኤሁድ ነቲ ግብሪ ኣቕሪቡ ምስ ወድአ፡ ነቶም ነቲ ግብሪ ጾይሮም ዝነበሩ ህዝቢ ሰደዶም። 19 ኣብቲ ኣብ ጊልጋል+ ዘሎ ጽሩብ ምስልታት* ምስ በጽሐ ግና፡ ተመልሰ እሞ፡ “ኦ ንጉስ፡ ምስጢራዊ መልእኽቲ ኣሎኒ” በለ። እቲ ንጉስ ድማ፡ “ስቕ በል!” በሎ። እቶም ኣገልገልቱ ኸኣ ካብኡ ወጹ። 20 ንሱ ኣብታ ዝሕል ዝበለት ደርቢ ኾፍ ኢሉ ኸሎ ድማ፡ ኤሁድ ናብኡ ቐረበ። ኤሁድ ከኣ፡ “ካብ ኣምላኽ ንዓኻ ዝነግረካ መልእኽቲ ኣሎኒ” በሎ። ንሱ ድማ ካብ ዝፋኑ* ተንስአ። 21 ኤሁድ ከኣ ብጸጋመይቲ ኢዱ ነታ ሰይፊ ኻብ የማናይ ማዕጥቖኡ መሊሑ፡ ናብ ከብዱ ሸኸተሉ። 22 እታ ሰይፊ ምስ ለዓታ ኣተወት፣ ነታ ሰይፊ ኻብ ከብዱ ኣየውጽኣን እሞ፡ ነታ ሰይፊ ስብሒ ሸፈና፣ ፈርሲ ድማ ወጸ። 23 ኤሁድ ከኣ በቲ ገበላ* ኣቢሉ ወጸ፡ መዓጹ እታ ደርቢ ድሕሪኡ ዓጽዩ ድማ ሸጐሮ። 24 ንሱ ምስ ከደ፡ እቶም ገላዉ ተመልሱ እሞ፡ መዓጹ እታ ደርቢ ተሸጒሩ ረኣዩ። ስለዚ፡ “ናብታ ዝሕል ዝበለት ውሽጣዊት ክፍሊ ኣትዩ ደገ ይወጽእ ኣሎ”* በሉ። 25 ክሳዕ ዚሓፍሩ ድማ ተጸበዩ፣ ንመዓጹ እታ ደርቢ ኸም ዘይከፈቶ ምስ ረኣዩ ግና፡ መፍትሕ ወሲዶም ከፈትዎ እሞ፡ ጐይታኦም ሞይቱ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ረኣዩ።

26 ኤሁድ ከኣ ኪደናጐዩ ኸለዉ ኣምለጠ፡ በቲ ጽሩብ ምስልታት*+ ሓሊፉ ድማ ናብ ሰዒራ ብደሓን በጽሐ። 27 ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም+ መለኸት ነፍሐ፣+ እስራኤላውያን ድማ፡ ንሱ ርእሶም ኰኖም እሞ፡ ካብ ኣኽራን ወረዱ። 28 ንሱ ኸኣ፡ “የሆዋ ንጸላእትኹም፡ ንሞኣባውያን፡ ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም ኣሎ እሞ፡ ስዓቡኒ” በሎም። ንሳቶም ድማ ሰዓብዎ፡ ሞኣባውያን ዚሳገሩሉ መሳገሪታት ዮርዳኖስ እውን ሓዙ፣ ሓደ እኳ ኺሓልፍ ኣይፈቐዱን። 29 በታ ግዜ እቲኣ፡ 10,000 ሞኣባውያን ቀተሉ፣+ ኵሎም ድማ ሓያላትን ጀጋኑን ሰብኡት ነበሩ፣ ሓደ እኳ ኣየምለጠን።+ 30 ሞኣብ ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ብኢድ እስራኤል ተምበርከኸ፣ እታ ምድሪ ድማ 80 ዓመት ዓረፈት።*+

31 ድሕሪኡ፡ ሻምጋር+ ወዲ ዓናት ብመጕጠዪ ኸብቲ*+ ገይሩ 600 ፍልስጥኤማውያን ቀተለ፣+ ንሱ እውን ንእስራኤል ኣድሓኖ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ