ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 18
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ዕርክነት ዳዊትን ዮናታንን (1-4)

      • ዓወታት ዳዊት ንሳኦል ኣቕንኦ (5-9)

      • ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ፈተነ (10-19)

      • ዳዊት ንሚካል ጓል ሳኦል ተመርዓዋ (20-30)

1 ሳሙኤል 18:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተኣስረት።”

  • *

    ወይ፡ “ከም ነፍሱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 14:1, 49
  • +1ሳሙ 19:2፣ 20:17, 41፣ 2ሳሙ 1:26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ዓንቀጽ 3

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2021፡ ገጽ 21-22

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 48

1 ሳሙኤል 18:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 8:11፣ 16:22፣ 17:15

1 ሳሙኤል 18:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከም ነፍሱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 17:17፣ 18:24
  • +1ሳሙ 20:8, 42፣ 23:18፣ 2ሳሙ 9:1፣ 21:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ዓንቀጽ 3

1 ሳሙኤል 18:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ዓንቀጽ 3

1 ሳሙኤል 18:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብጥበብ ይመላለስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:30
  • +1ሳሙ 14:52

1 ሳሙኤል 18:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ዑድ ከም ጊታር እትመስል ናይ ኣውታር መሳርያ ሙዚቃ እያ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 15:20, 21፣ መሳ 5:1
  • +መሳ 11:34

1 ሳሙኤል 18:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 21:11፣ 29:5

1 ሳሙኤል 18:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 4:5፣ ምሳ 14:30
  • +1ሳሙ 13:14፣ 15:27, 28፣ 16:13፣ 20:31፣ 24:17, 20

1 ሳሙኤል 18:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ዓንቀጽ 3

1 ሳሙኤል 18:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከም ነብዪ ዀነ።”

  • *

    ወይ፡ “ብኽራር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 16:14
  • +1ሳሙ 16:16, 23
  • +1ሳሙ 19:9, 10

1 ሳሙኤል 18:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 20:33

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/9/2008፡ ገጽ 4

1 ሳሙኤል 18:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 16:14
  • +1ሳሙ 18:28, 29

1 ሳሙኤል 18:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ይወጽእን ይኣቱን ነበረ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 5:2

1 ሳሙኤል 18:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብጥበብ ይመላለስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:5
  • +ዘፍ 39:2፣ እያ 6:27፣ 1ሳሙ 10:7፣ 16:18

1 ሳሙኤል 18:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 14:49
  • +1ሳሙ 17:25
  • +1ሳሙ 25:28
  • +1ሳሙ 18:25

1 ሳሙኤል 18:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/4/2004፡ ገጽ 15

1 ሳሙኤል 18:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 21:8

1 ሳሙኤል 18:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 14:49፣ 19:11፣ 25:44፣ 2ሳሙ 3:13፣ 6:16

1 ሳሙኤል 18:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሰብኣይ ጓለይ ኩነኒ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:17

1 ሳሙኤል 18:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:18

1 ሳሙኤል 18:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 17:26, 36፣ 2ሳሙ 3:14
  • +ዘፍ 29:18

1 ሳሙኤል 18:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:21

1 ሳሙኤል 18:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 17:25

1 ሳሙኤል 18:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 16:13፣ 24:17, 20
  • +1ሳሙ 18:20

1 ሳሙኤል 18:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:9, 12፣ 20:33

1 ሳሙኤል 18:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብጥበብ ይመላለስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:5
  • +2ሳሙ 7:9

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 18:11ሳሙ 14:1, 49
1 ሳሙ. 18:11ሳሙ 19:2፣ 20:17, 41፣ 2ሳሙ 1:26
1 ሳሙ. 18:21ሳሙ 8:11፣ 16:22፣ 17:15
1 ሳሙ. 18:3ምሳ 17:17፣ 18:24
1 ሳሙ. 18:31ሳሙ 20:8, 42፣ 23:18፣ 2ሳሙ 9:1፣ 21:7
1 ሳሙ. 18:51ሳሙ 18:30
1 ሳሙ. 18:51ሳሙ 14:52
1 ሳሙ. 18:6ዘጸ 15:20, 21፣ መሳ 5:1
1 ሳሙ. 18:6መሳ 11:34
1 ሳሙ. 18:71ሳሙ 21:11፣ 29:5
1 ሳሙ. 18:8ዘፍ 4:5፣ ምሳ 14:30
1 ሳሙ. 18:81ሳሙ 13:14፣ 15:27, 28፣ 16:13፣ 20:31፣ 24:17, 20
1 ሳሙ. 18:101ሳሙ 16:14
1 ሳሙ. 18:101ሳሙ 16:16, 23
1 ሳሙ. 18:101ሳሙ 19:9, 10
1 ሳሙ. 18:111ሳሙ 20:33
1 ሳሙ. 18:121ሳሙ 16:14
1 ሳሙ. 18:121ሳሙ 18:28, 29
1 ሳሙ. 18:132ሳሙ 5:2
1 ሳሙ. 18:141ሳሙ 18:5
1 ሳሙ. 18:14ዘፍ 39:2፣ እያ 6:27፣ 1ሳሙ 10:7፣ 16:18
1 ሳሙ. 18:171ሳሙ 14:49
1 ሳሙ. 18:171ሳሙ 17:25
1 ሳሙ. 18:171ሳሙ 25:28
1 ሳሙ. 18:171ሳሙ 18:25
1 ሳሙ. 18:182ሳሙ 7:18
1 ሳሙ. 18:192ሳሙ 21:8
1 ሳሙ. 18:201ሳሙ 14:49፣ 19:11፣ 25:44፣ 2ሳሙ 3:13፣ 6:16
1 ሳሙ. 18:211ሳሙ 18:17
1 ሳሙ. 18:231ሳሙ 18:18
1 ሳሙ. 18:251ሳሙ 17:26, 36፣ 2ሳሙ 3:14
1 ሳሙ. 18:25ዘፍ 29:18
1 ሳሙ. 18:261ሳሙ 18:21
1 ሳሙ. 18:271ሳሙ 17:25
1 ሳሙ. 18:281ሳሙ 16:13፣ 24:17, 20
1 ሳሙ. 18:281ሳሙ 18:20
1 ሳሙ. 18:291ሳሙ 18:9, 12፣ 20:33
1 ሳሙ. 18:301ሳሙ 18:5
1 ሳሙ. 18:302ሳሙ 7:9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 18:1-30

1 ሳሙኤል

18 ዳዊት ምስ ሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ዮናታንን+ ዳዊትን ኣዝዮም ዚፋተዉ ኣዕሩኽ ኰኑ፣* ዮናታን ከኣ ከም ርእሱ* ገይሩ ፈተዎ።+ 2 ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር፡ ሳኦል ንዳዊት ምስኡ ገበሮ፣ ናብ ቤት ኣቦኡ ኺምለስ እውን ኣይፈቐደሉን።+ 3 ዮናታን ንዳዊት ከም ርእሱ* ገይሩ ስለ ዝፈተዎ ድማ፡+ ኪዳን ተኣታተዉ።+ 4 ዮናታን ከኣ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ኣውጺኡ ንዳዊት ሃቦ፣ ክዳውንቱን ሰይፉን ቀስቱን ዕጣቑን እውን ሃቦ። 5 ዳዊት ከኣ ይወጽእ ነበረ፣ ሳኦል ኣብ ዝሰደዶ ዘበለ ድማ ይሰልጦ* ነበረ።+ ሳኦል ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ተዋጋእቲ ሓለቓ ገበሮ፣+ እዚ ኸኣ ንዅሉ ህዝብን ንገላዉ ሳኦልን ባህ ኣበሎም።

6 ዳዊትን ካልኦትን ንፍልስጥኤማውያን ቀቲሎም ኪምለሱ ኸለዉ፡ ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ንንጉስ ሳኦል ኪቕበላኦ ብደርፍን+ ብሳዕስዒትን ብኸበሮን+ ብታሕጓስን ብዑድን* ይወጻ ነበራ። 7 እተን ዚጻወታ ኣንስቲ ድማ ከምዚ ኢለን ይደርፋ ነበራ፦

“ሳኦል ኣሽሓቱ ቐተለ፡

ዳዊት ከኣ ኣእላፋቱ።”+

8 ሳኦል ከኣ ኣዝዩ ተቘጥዐ፣+ እዚ ደርፊ እዚ ድማ ኣጕሃዮ እሞ፡ “ንዳዊት ኣእላፋት ሂበናኦ፡ ንዓይ ግና ኣሽሓት ሂበናኒ። ነዚ ደኣ ንግስና ጥራይ እያ ተሪፋቶ” በለ።+ 9 ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር፡ ሳኦል ንዳዊት ወትሩ ብጥርጣረ ይርእዮ ነበረ።

10 ንጽብሒቱ፡ ካብ ኣምላኽ ክፉእ መንፈስ ናብ ሳኦል መጸ+ እሞ ኣብ ውሽጢ ቤቱ ዘይልሙድ ጠባይ ኣርኣየ፣* ዳዊት ከኣ ከም ካልእ ኣጋጣሚታት ብመሰንቆ* ሙዚቃ ይጻወት ነበረ።+ ሳኦል ድማ ኣብ ኢዱ ዂናት ነበሮ፣+ 11 ‘ንዳዊት ምስ መንደቕ ከላግቦ እየ’ ኢሉ ኸኣ ነቲ ዂናት ወርወሮ።+ ዳዊት ግና ክልተ ሳዕ ካብኡ ኣምለጠ። 12 የሆዋ ኻብ ሳኦል ኣልጊሱ+ ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ ድማ፡ ሳኦል ንዕኡ ፈርሆ።+ 13 ስለዚ፡ ሳኦል ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ፣ ዳዊት ከኣ ነቲ ሰራዊት ናብ ውግእ ይመርሖ ነበረ።*+ 14 ዳዊት ድማ ኣብ ኵሉ ዚገብሮ ይሰልጦ* ነበረ፡+ የሆዋ እውን ምስኡ ነበረ።+ 15 ሳኦል ከኣ ብዙሕ ይሰልጦ ኸም ዘሎ ምስ ረኣየ፡ ፈርሆ። 16 ኵሎም እስራኤልን ይሁዳን ግና፡ ኣብ ወፈራታቶም ይመርሖም ስለ ዝነበረ፡ ንዳዊት ፈተውዎ።

17 ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ “እታ ዓባይ ጓለይ ሜራብ እንሃ።+ ሰበይቲ ኽትኰነካ ኽህበካ እየ።+ ሓንትስ፡ ተባዕ ደኣ ዅነለይ፡ ውግእ የሆዋ ድማ ተዋጋእ” በሎ።+ ከመይሲ፡ ሳኦል፡ ‘ኢደይ ኣንጻሩ ኣይትኹን። ኢድ ፍልስጥኤማውያን ደኣ ትውቅዓዮ’ ኢሉ ነበረ።+ 18 ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ “ሰብኣይ ጓል ንጉስ ዝኸውንሲ ኣነ መን እየ፧ ቤተ ሰበይን ዓሌት ኣቦይንከ ኣብ እስራኤል መን እዮም፧” በሎ።+ 19 በታ ሜራብ ጓል ሳኦል ንዳዊት እትውሃበላ ግዜ ግና፡ ንዓድርኤል+ እቲ መሖላታዊ ሰበይቲ ኽትኰኖ ተዋሂባ ነበረት።

20 ሚካል+ ጓል ሳኦል ከኣ ንዳዊት ኣፍቀረቶ፣ እዚ ድማ ንሳኦል ተነግሮ፡ እቲ ነገር ከኣ ባህ ኣበሎ። 21 ሳኦል ድማ፡ “ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ መፈንጠራ ኽትኰኖ ንዓኣ ኽህቦ እየ” በለ።+ ስለዚ፡ ሳኦል ንዳዊት ካልኣይ ሳዕ፡ “ሎሚ ምሳይ ክትዋሰብ ኢኻ”* በሎ። 22 ሳኦል ከኣ ንገላዉኡ፡ “ንዳዊት፡ ‘እንሆ፡ ንጉስ ብኣኻ ባህ ኢልዎ ኣሎ፣ ኵሎም ገላዉኡ ድማ ይፈትዉኻ እዮም። ሕጂ ኸኣ ምስ ንጉስ ተዋሰብ’ ኢልኩም ብምስጢር ንገርዎ” ኢሉ ኣዘዞም። 23 እቶም ገላዉ ሳኦል እዚ ነገር እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ፡ ዳዊት፡ “ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብኣይ ክነሰይ፡ ምስ ንጉስ ምውሳብሲ ቐሊል ነገር ድዩ ዚመስለኩም፧” በለ።+ 24 እቶም ገላዉ ሳኦል ከኣ፡ “ዳዊት እተዛረቦ ዘረባ እዚ እዩ” ኢሎም ነገርዎ።

25 ሳኦል ድማ፡ “ንዳዊት ከምዚ በልዎ፦ ‘ኣብቶም ጸላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኺፈድስ፡ ንጉስ ብዘይካ 100 ዕልቦ+ ፍልስጥኤማውያን፡ ካልእ ገዝሚ ኣይደልን እዩ’”+ በለ። ሳኦልሲ፡ ዳዊት ብኢድ ፍልስጥኤማውያን ኪወድቕ ሓሲቡ ነበረ። 26 እቶም ገላዉኡ ድማ፡ እዚ ዘረባ እዚ ንዳዊት ነገርዎ፣ ዳዊት ምስ ንጉስ ኪዋሰብ፡ ንዕኡ ባህ ኣበሎ።+ ቅድሚ እቲ እተመደበ ግዜ ኸኣ፡ 27 ዳዊት ምስ ሰቡ ኸይዱ፡ 200 ፍልስጥኤማውያን ሰብኡት ቀተለ፣ ዳዊት ድማ ምስ ንጉስ ምእንቲ ኺዋሰብ፡ ምሉእ ቍጽሪ ዕልቦኦም ናብ ንጉስ ኣምጽአ። ስለዚ፡ ሳኦል ንሚካል ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ።+ 28 ሳኦል ከኣ፡ የሆዋ ምስ ዳዊት ከም ዘሎ፡+ ሚካል ጓሉ እውን ከም ዘፍቀረቶ ተገንዘበ።+ 29 ብሰንኪ እዚ ድማ ሳኦል ንዳዊት ብዝያዳ ፈርሆ፣ ሳኦል ከኣ ብምሉኡ ዝተረፈ ህይወቱ ጸላእ ዳዊት ኰነ።+

30 መሳፍንቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብ ውግእ ይወጹ ነበሩ፣ በብዝወጹሉ ግዜ ግና፡ ዳዊት ካብ ኵሎም ገላዉ ሳኦል ብዝያዳ ይሰልጦ* ነበረ፣+ ስሙ ኸኣ ኣዝዩ ኸበረ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ