ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 22
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ዳዊት ኣብ ዓዱላምን ኣብ ሚጽጰን (1-5)

      • ሳኦል ንኻህናት ኖብ ኣቕተሎም (6-19)

      • ኣብያታር ኣምለጠ (20-23)

1 ሳሙኤል 22:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 21:10
  • +እያ 15:20, 35፣ 2ሳሙ 23:13፣ መዝ 34:19፣ 56:13

1 ሳሙኤል 22:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሶም እተመረረትን።”

1 ሳሙኤል 22:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሩት 4:10, 17፣ 1ሳሙ 14:47

1 ሳሙኤል 22:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 22:1

1 ሳሙኤል 22:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 24:11, 12፣ 1ዜና 21:9, 10፣ 29:29፣ 2ዜና 29:25
  • +1ሳሙ 23:3

1 ሳሙኤል 22:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 10:26

1 ሳሙኤል 22:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሩት 4:22
  • +1ሳሙ 8:11, 12

1 ሳሙኤል 22:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:3፣ 20:17

1 ሳሙኤል 22:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 21:1, 7፣ መዝ 52:ልዕለ ጽሑፍ
  • +መዝ 52:2, 3
  • +1ሳሙ 14:3፣ 22:20

1 ሳሙኤል 22:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 21:6, 9

1 ሳሙኤል 22:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 19:4፣ 20:32፣ 24:11፣ 26:23
  • +1ሳሙ 17:25፣ 18:27
  • +1ሳሙ 18:5, 13

1 ሳሙኤል 22:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 22:10
  • +1ሳሙ 21:1, 2

1 ሳሙኤል 22:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 2:27, 32፣ 14:44፣ 20:31

1 ሳሙኤል 22:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ጐየይቲ።”

1 ሳሙኤል 22:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 52:ልዕለ ጽሑፍ
  • +ዘፍ 25:30
  • +1ሳሙ 2:27, 31

1 ሳሙኤል 22:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 21:1፣ 22:9

1 ሳሙኤል 22:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 23:6፣ 30:7፣ 2ሳሙ 20:25፣ 1ነገ 2:27

1 ሳሙኤል 22:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብነፍሳት ኵለን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 21:1, 7

1 ሳሙኤል 22:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍስኻ።”

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሰይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 2:26

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 22:11ሳሙ 21:10
1 ሳሙ. 22:1እያ 15:20, 35፣ 2ሳሙ 23:13፣ መዝ 34:19፣ 56:13
1 ሳሙ. 22:3ሩት 4:10, 17፣ 1ሳሙ 14:47
1 ሳሙ. 22:41ሳሙ 22:1
1 ሳሙ. 22:52ሳሙ 24:11, 12፣ 1ዜና 21:9, 10፣ 29:29፣ 2ዜና 29:25
1 ሳሙ. 22:51ሳሙ 23:3
1 ሳሙ. 22:61ሳሙ 10:26
1 ሳሙ. 22:7ሩት 4:22
1 ሳሙ. 22:71ሳሙ 8:11, 12
1 ሳሙ. 22:81ሳሙ 18:3፣ 20:17
1 ሳሙ. 22:91ሳሙ 21:1, 7፣ መዝ 52:ልዕለ ጽሑፍ
1 ሳሙ. 22:9መዝ 52:2, 3
1 ሳሙ. 22:91ሳሙ 14:3፣ 22:20
1 ሳሙ. 22:101ሳሙ 21:6, 9
1 ሳሙ. 22:141ሳሙ 19:4፣ 20:32፣ 24:11፣ 26:23
1 ሳሙ. 22:141ሳሙ 17:25፣ 18:27
1 ሳሙ. 22:141ሳሙ 18:5, 13
1 ሳሙ. 22:151ሳሙ 22:10
1 ሳሙ. 22:151ሳሙ 21:1, 2
1 ሳሙ. 22:161ሳሙ 2:27, 32፣ 14:44፣ 20:31
1 ሳሙ. 22:18መዝ 52:ልዕለ ጽሑፍ
1 ሳሙ. 22:18ዘፍ 25:30
1 ሳሙ. 22:181ሳሙ 2:27, 31
1 ሳሙ. 22:191ሳሙ 21:1፣ 22:9
1 ሳሙ. 22:201ሳሙ 23:6፣ 30:7፣ 2ሳሙ 20:25፣ 1ነገ 2:27
1 ሳሙ. 22:221ሳሙ 21:1, 7
1 ሳሙ. 22:231ነገ 2:26
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 22:1-23

1 ሳሙኤል

22 ዳዊት ድማ ካብኡ ኸይዱ+ ናብ በዓቲ ዓዱላም ኣምለጠ።+ ኣሕዋቱን ብዘለዉ ቤት ኣቦኡን እዚ ምስ ሰምዑ፡ ናብኡ ወረዱ። 2 ኵሎም እቶም ጭንቅን ዕዳን መረረትን* ዘለዎም ከኣ ናብኡ ተኣከቡ፣ ንሱ ድማ ሓለቓኦም ኰነ። ምስኡ ኸኣ ኣስታት 400 ሰብኡት ነበሩ።

3 ዳዊት ድማ ካብኡ ናብ ሚጽጰ ናይ ሞኣብ ከደ እሞ፡ ንንጉስ ሞኣብ፡+ “ኣምላኽ ዚገብረኒ ኽሳዕ ዝፈልጥሲ፡ በጃኻ ኣቦይን ኣደይን ምሳኻትኩም ይጽንሑ” በሎ። 4 ምስ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ሓደጎም፣ ኣብ ኵሉ እቲ ዳዊት ኣብ ዕርዲ ዝነበረሉ እዋን ድማ፡ ንሳቶም ምስኡ ጸንሑ።+

5 ነብዪ ጋድ+ ከኣ ንዳዊት፡ “ኣብዚ ዕርዲ ኣይትቀመጥ። ካብኡ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ” በሎ።+ ስለዚ፡ ዳዊት ከይዱ ናብ ዱር ሓረት መጸ።

6 ሳኦል ድማ፡ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከም እተረኽቡ ሰምዐ። ሳኦል ከኣ ኣብ ጊብዓ+ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኣብ በሪኽ ቦታ ዘሎ ኦም ዕቦል፡ ኲናቱ ሒዙ ተቐሚጡ ነበረ፣ ኵሎም ገላዉኡ ድማ ኣብ ዙርያኡ ደው ኢሎም ነበሩ። 7 ሽዑ፡ ሳኦል ነቶም ኣብ ዙርያኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ገላዉኡ ኸምዚ በሎም፦ “ኣቱም ብንያማውያን፡ በጃኹም እስከ ስምዑ። ወዲ እሴይ+ እውንዶ ንዅላትኩም ግራውትን ኣታኽልቲ ወይንን ኪህበኩም እዩ፧ ንዅላትኩምዶኸ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ገይሩ ኺሸመኩም እዩ፧+ 8 ኵላትኩም ውዲት ኣሊምኩምለይ ኣለኹም! ወደይ ምስ ወዲ እሴይ ኪዳን ከም እተኣታተወ፡ ሓደ እኳ ኣይነገረንን!+ ወደይ ንጊልያይ ከምዚ ሕጂ ገይርዎ ዘሎ ንምድባይ ኬለዓዕሎ ኸሎ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ዝደንገጸለይን ዝነገረንን የልቦን።”

9 ሽዑ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ገላዉ ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ ዶኤግ+ እቲ ኤዶማዊ፡+ “ወዲ እሴይ ናብ ኖብ ናብ ኣሒሜሌክ ወዲ ኣሒጡብ መጺኡ ርእየዮ።+ 10 ንሱ ድማ ንየሆዋ ሓቲቱሉ፡ ስንቂ ኸኣ ሂብዎ። ሰይፊ ጐልያድ እቲ ፍልስጥኤማዊ እውን ሂብዎ”+ ኢሉ መለሰ። 11 ሽዑ፡ እቲ ንጉስ ንኻህን ኣሒሜሌክ ወዲ ኣሒጡብን ንዅሎም እቶም ኣብ ኖብ ዝነበሩ ኻህናት ቤት ኣቦኡን ልኢኹ ጸውዖም። ኵላቶም ከኣ ናብ ንጉስ መጹ።

12 ሳኦል ድማ፡ “ኣታ ወዲ ኣሒጡብ፡ በጃኻ እስከ ስምዓኒ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ ጐይታይ” ኢሉ መለሰ። 13 ሳኦል ድማ፡ “ንዕኡ እንጌራን ሰይፍን ብምሃብካ፡ ንኣምላኽ እውን ብምሕታትካ፡ ንስኻን ወዲ እሴይን ስለምንታይ ኢኹም ውዲት ዝኣለምኩምለይ፧ ንሱ ይጻረረኒ ኣሎ፡ ከምዚ ሕጂ ገይርዎ ዘሎ ኸኣ ኣድብዩለይ ኣሎ” በሎ። 14 ኣሒሜሌክ ድማ ንንጉስ፡ “ካብ ኵሎም ገላዉኻኸ ኸም ዳዊት ገይሩ እሙን ዝዀነ መን ኣሎ፧+ ንሱ ሰብኣይ ጓል ንጉስን+ ሓለቓ ዘብዐኛታትካን ኣብ ቤትካ ኽቡርን እዩ።+ 15 ሎሚ ድየ ንፈለማ ግዜ ንኣምላኽ ሓቲተሉ፧+ እዚ እትብሎ ዘለኻ፡ ብኣይ ዘይሕሰብ እዩ! ጊልያኻ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ነገር እዚ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ንጉስ ንጊልያኡን ንብዘላ ቤት ኣቦይን ዋላ ሓንቲ ኣይሓዘሎም” ኢሉ መለሰሉ።+

16 ንጉስ ግና፡ “ኣሒሜሌክ፡ ንስኻን ብዘላ ቤት ኣቦኻን ብርግጽ ክትሞቱ ኢኹም” በለ።+ 17 ንጉስ ከኣ ነቶም ኣብ ዙርያኦም ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓለውቲ፡* “ምስ ዳዊት ስለ ዝወገኑ፡ ዜርኩም ንኻህናት የሆዋ ቕተልዎም! ከም ዝሃደመ ፈሊጦም ክነሶም ኣይነገሩንን” በሎም። እቶም ገላዉ ንጉስ ግና ንኻህናት የሆዋ ኪወቕዑ ኢሎም ኢዶም ኬልዕሉ ኣይደለዩን። 18 ንጉስ ድማ ንዶኤግ፡+ “ንስኻ ዜርካ ነዞም ካህናት ውቕዓዮም!” በሎ። ብኡብኡ፡ ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ+ ኸይዱ፡ ነቶም ካህናት ወቕዖም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ በፍታ ኤፎድ እተኸድኑ 85 ሰብኡት ቀተለ።+ 19 ንኖብ+ ከተማ ኻህናት እውን ብሰይፊ ወቕዓ፣ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ቈልዑን ሕጻናትን፡ ብዕራይን ኣድግን በጊዕን ብሰይፊ ወቕዐ።

20 ኣብያታር+ ዝስሙ ወዲ ኣሒሜሌክ፡ ወዲ ኣሒጡብ ግና ኣምለጠ፡ ንዳዊት ኪስዕብ ከኣ ሃደመ። 21 ኣብያታር ከኣ ንዳዊት፡ “ሳኦል ንኻህናት የሆዋ ቐቲልዎም” ኢሉ ነገሮ። 22 ዳዊት ድማ ንኣብያታር፡ “ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ ኣብኡ ኸሎ፡ ንሳኦል ብርግጽ ከም ዚነግሮ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ፈሊጠ ነይረ።+ ብሞት ኵሎም* ቤት ኣቦኻ ኣነ ተሓታቲ እየ። 23 ምሳይ ኩን። እቲ ንህይወትካ* ዚደልያስ፡ ንህይወተይ* ይደልያ እዩ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ ዕቝባይ ኢኻ፡ ኣይትፍራህ” በሎ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ