ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 31
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ሞት ሳኦልን ሰለስተ ደቁን (1-13)

1 ሳሙኤል 31:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 14:52፣ 29:1
  • +1ሳሙ 28:4፣ 2ሳሙ 1:21፣ 1ዜና 10:1-5

1 ሳሙኤል 31:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 13:2
  • +1ዜና 8:33

1 ሳሙኤል 31:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 1:4, 6

1 ሳሙኤል 31:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከይጻወቱለይንሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 17:26፣ 2ሳሙ 1:20
  • +1ዜና 10:4

1 ሳሙኤል 31:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 26:10፣ 1ዜና 10:13

1 ሳሙኤል 31:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 28:19፣ 1ዜና 10:6, 7

1 ሳሙኤል 31:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐልን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 13:6

1 ሳሙኤል 31:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 28:4፣ 31:1፣ 2ሳሙ 1:6፣ 1ዜና 10:8-12

1 ሳሙኤል 31:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብያተ መቕደስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 16:23
  • +2ሳሙ 1:20

1 ሳሙኤል 31:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 17:11፣ መሳ 1:27

1 ሳሙኤል 31:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 11:1, 9-11

1 ሳሙኤል 31:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 21:12
  • +2ሳሙ 2:4, 5

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 31:11ሳሙ 14:52፣ 29:1
1 ሳሙ. 31:11ሳሙ 28:4፣ 2ሳሙ 1:21፣ 1ዜና 10:1-5
1 ሳሙ. 31:21ሳሙ 13:2
1 ሳሙ. 31:21ዜና 8:33
1 ሳሙ. 31:32ሳሙ 1:4, 6
1 ሳሙ. 31:41ሳሙ 17:26፣ 2ሳሙ 1:20
1 ሳሙ. 31:41ዜና 10:4
1 ሳሙ. 31:51ሳሙ 26:10፣ 1ዜና 10:13
1 ሳሙ. 31:61ሳሙ 28:19፣ 1ዜና 10:6, 7
1 ሳሙ. 31:71ሳሙ 13:6
1 ሳሙ. 31:81ሳሙ 28:4፣ 31:1፣ 2ሳሙ 1:6፣ 1ዜና 10:8-12
1 ሳሙ. 31:9መሳ 16:23
1 ሳሙ. 31:92ሳሙ 1:20
1 ሳሙ. 31:10እያ 17:11፣ መሳ 1:27
1 ሳሙ. 31:111ሳሙ 11:1, 9-11
1 ሳሙ. 31:132ሳሙ 21:12
1 ሳሙ. 31:132ሳሙ 2:4, 5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 31:1-13

1 ሳሙኤል

31 ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኡ።+ ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፡ ብዙሓት እውን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ተቐቲሎም ወደቑ።+ 2 ፍልስጥኤማውያን ድማ ንሳኦልን ንደቁን እግር እግሮም ሰዓብዎም፣ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንዮናታንን+ ንኣቢናዳብን ንማልኪ-ሹዓን ደቂ ሳኦል+ ቀተልዎም። 3 እቲ ውግእ ድማ ንሳኦል በርትዖ፡ ቀስተኛታት ከኣ ረኸብዎ፡ በቶም ቀስተኛታት እውን ብብርቱዕ ቈሰለ።+ 4 ሽዑ፡ ሳኦል ነቲ ተሰካም ኣጽዋሩ፡ “እዞም ዘይግዙራት+ እዚኦም መጺኦም ከይወግኡንን ከይጭክኑለይንሲ፡* ሰይፍኻ መሊሕካ ብእኡ ውግኣኒ” በሎ። እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ግና፡ እምብዛ ፈሪሁ ስለ ዝነበረ፡ ኣበየ። ሽዑ፡ ሳኦል ሰይፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ።+ 5 እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ኸኣ ሳኦል ሞይቱ ምስ ረኣየ፡+ ንሱ እውን ኣብ ሰይፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ። 6 በዚ ኸምዚ፡ ሳኦልን ሰለስተ ደቁን ተሰካም ኣጽዋሩን ኵሎም ሰቡን በታ መዓልቲ እቲኣ ብሓደ ሞቱ።+ 7 እቶም ኣብ ዞባ ስንጭሮን* ኣብ ዞባ ዮርዳኖስን ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል፡ ሰብ እስራኤል ከም ዝሃደሙ፡ ሳኦልን ደቁን ድማ ከም ዝሞቱ ምስ ረኣዩ፡ ነተን ከተማታት ሓዲጎምወን ሃደሙ።+ ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ሓዝወን።

8 ንጽብሒቱ፡ ፍልስጥኤማውያን ነቶም ቅቱላት ኪገፍፍዎም ምስ መጹ፡ ንሳኦልን ንሰለስተ ደቁን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።+ 9 ርእሱ ቘሪጾም፡ ኣጽዋሩ እውን ገፊፎም ከኣ፡ ኣብ ኣባይቲ* ጣኦታቶምን+ ኣብቲ ህዝብን ኬውርዩ ናብ ኵላ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ወረ ለኣኹ።+ 10 ኣጽዋሩ ድማ ኣብ ቤት ምስልታት ኣሽቶረት ኣንበርዎ፣ ሬሳኡ ኸኣ ኣብ መካበብያ ቤት-ሻን+ ሰቐልዎ። 11 ነበርቲ ያቤሽ-ጊልዓድ፡+ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ፡ 12 ኵሎም ጀጋኑ ተንሲኦም፡ ምሉእ ለይቲ ተጓዒዞም፡ ሬሳ ሳኦልን ሬሳታት ደቁን ካብ መንደቕ ቤት-ሻን ወሰድዎ እሞ፡ ናብ ያቤሽ ተመሊሶም ኣብኡ ኣንደድዎ። 13 ኣዕጽምቶም ወሲዶም ድማ፡+ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ያቤሽ ዘላ ኦም ዕቦል ቀበርዎ፣+ ሸውዓተ መዓልቲ ኸኣ ጾሙ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ