ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ሳኦል ንጉስ ኪኸውን ተቐብአ (1-16)

      • ሳኦል ንጉስ ኰይኑ ምስ ህዝቢ ተፋለጠ (17-27)

1 ሳሙኤል 10:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 16:13፣ 2ነገ 9:2, 3
  • +ዘጸ 19:5፣ ዘዳ 32:9
  • +1ሳሙ 9:16፣ ግብ 13:21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 73

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/1/2011፡ ገጽ 27

1 ሳሙኤል 10:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:19
  • +1ሳሙ 9:3, 5

1 ሳሙኤል 10:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 28:19, 22

1 ሳሙኤል 10:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክራርን።”

1 ሳሙኤል 10:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 11:25
  • +1ሳሙ 10:10

1 ሳሙኤል 10:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 7:15, 16፣ 11:14

1 ሳሙኤል 10:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 14:5, 6፣ 1ሳሙ 11:6፣ 16:13
  • +1ሳሙ 10:6፣ 19:23

1 ሳሙኤል 10:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምስላ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 19:24

1 ሳሙኤል 10:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 9:3

1 ሳሙኤል 10:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 7:5

1 ሳሙኤል 10:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 13:14፣ ዘዳ 4:34

1 ሳሙኤል 10:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “በብእንዳኹምን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 8:7፣ 12:12

1 ሳሙኤል 10:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 7:16-18፣ ግብ 1:24
  • +1ሳሙ 9:21

1 ሳሙኤል 10:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 13:21

1 ሳሙኤል 10:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 1:1፣ 20:18, 28፣ 1ሳሙ 23:2

1 ሳሙኤል 10:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 9:2

1 ሳሙኤል 10:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 17:14, 15፣ 1ሳሙ 9:17

1 ሳሙኤል 10:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 8:11-18

1 ሳሙኤል 10:26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2015፡ ገጽ 10

1 ሳሙኤል 10:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንሱ ኸኣ ከም ዓባስ ኰነ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 11:12
  • +1ነገ 10:1, 10፣ 2ዜና 17:5

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 10:11ሳሙ 16:13፣ 2ነገ 9:2, 3
1 ሳሙ. 10:1ዘጸ 19:5፣ ዘዳ 32:9
1 ሳሙ. 10:11ሳሙ 9:16፣ ግብ 13:21
1 ሳሙ. 10:2ዘፍ 35:19
1 ሳሙ. 10:21ሳሙ 9:3, 5
1 ሳሙ. 10:3ዘፍ 28:19, 22
1 ሳሙ. 10:6ዘሁ 11:25
1 ሳሙ. 10:61ሳሙ 10:10
1 ሳሙ. 10:81ሳሙ 7:15, 16፣ 11:14
1 ሳሙ. 10:10መሳ 14:5, 6፣ 1ሳሙ 11:6፣ 16:13
1 ሳሙ. 10:101ሳሙ 10:6፣ 19:23
1 ሳሙ. 10:121ሳሙ 19:24
1 ሳሙ. 10:141ሳሙ 9:3
1 ሳሙ. 10:171ሳሙ 7:5
1 ሳሙ. 10:18ዘጸ 13:14፣ ዘዳ 4:34
1 ሳሙ. 10:191ሳሙ 8:7፣ 12:12
1 ሳሙ. 10:20እያ 7:16-18፣ ግብ 1:24
1 ሳሙ. 10:201ሳሙ 9:21
1 ሳሙ. 10:21ግብ 13:21
1 ሳሙ. 10:22መሳ 1:1፣ 20:18, 28፣ 1ሳሙ 23:2
1 ሳሙ. 10:231ሳሙ 9:2
1 ሳሙ. 10:24ዘዳ 17:14, 15፣ 1ሳሙ 9:17
1 ሳሙ. 10:251ሳሙ 8:11-18
1 ሳሙ. 10:271ሳሙ 11:12
1 ሳሙ. 10:271ነገ 10:1, 10፣ 2ዜና 17:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 10:1-27

1 ሳሙኤል

10 ሽዑ፡ ሳሙኤል ሓደ መቐርሰሚቶ ዘይቲ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ሳኦል ኣፍሰሶ።+ ስዒሙ ድማ ከምዚ በሎ፦ “የሆዋ ኣብ ልዕሊ ርስቱ+ መራሒ ኽትከውን ደይኰነን ዝቐብኣካ፧+ 2 ሎሚ ኻባይ ምስ ከድካ፡ ኣብ ጥቓ መቓብር ራሄል፡+ ኣብ ምድሪ ብንያም፡ ኣብ ጸልጻሕ ክልተ ሰባት ክትረክብ ኢኻ፣ ንሳቶም ከኣ፡ ‘እተን ክትደልየን ኬድካ ዝነበርካ ኣእዱግ ተረኺበን፣ ሕጂ ግና ኣቦኻ ብዛዕባ እተን ኣእዱግ ምሕሳብ ሓዲጉስ፡+ “ብዛዕባ ወደይ እንታይ ክገብር እየ፧” እናበለ ብዛዕባኻ ይጭነቕ ኣሎ’ ኺብሉኻ እዮም። 3 ካብኡ ሓሊፍካ ናብ ዓብዪ ኦም ታቦር ምስ መጻእካ ኸኣ፡ ኣብኡ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ቤት-ኤል+ ዚድይቡ ሰለስተ ሰባት፡ ሓዲኦም ሰለስተ ማሕስእ፡ ሓዲኦም ሰለስተ እንጌራ፡ ሓዲኦም ከኣ ገንኢ ወይኒ ጾይሩ ኽትረክብ ኢኻ። 4 ብዛዕባ ድሕንነትካ ኺሓትቱኻ፡ ክልተ እንጌራ ድማ ኪህቡኻ እዮም፣ ንስኻ እውን ነቲ እንጌራ ተቐበሎም። 5 ድሕርዚ፡ ናብቲ ዝዓረደ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ዘለውዎ ዅርባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክትመጽእ ኢኻ። ናብታ ኸተማ ኽትመጽእ ከለኻ፡ ጕጅለ ነብያት ካብቲ በሪኽ ኪወርዱ ኽትረክብ ኢኻ፣ ቀቅድሚኦም በገናን ከበሮን ሻምብቆን መሰንቆን* ኪውቃዕ ከሎ ድማ፡ ንሳቶም ኪንበዩ እዮም። 6 መንፈስ የሆዋ ኸኣ ኣኽእሎ ኺህበካ እዩ፣+ ምሳታቶም ድማ ክትንበ፡ ናብ ካልእ ሰብ እውን ክትልወጥ ኢኻ።+ 7 እዚ ምልክታት እዚ ምስ ተፈጸመ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምሳኻ ስለ ዝዀነ፡ ኢድካ እትኽእሎ ዘበለ ግበር። 8 ሽዑ፡ ቅድመይ ናብ ጊልጋል ውረድ፣+ ኣነ ኸኣ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ከቕርብ ናባኻ ናብኡ ኽወርድ እየ። ኣነ ኽሳዕ ዝመጸካ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ተጸበ። ሽዑ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ኽነግረካ እየ።”

9 ሳኦል ካብ ሳሙኤል ኪኸይድ ዝባኑ ምስ መለሰ፡ ኣምላኽ ንልቡ ኸም ናይ ካልእ ገይሩ ለወጠሉ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኵሉ እዚ ምልክታት እዚ ተፈጸመ። 10 ካብኡ ድማ ናብታ ዅርባ ኸዱ፣ ጕጅለ ነብያት ከኣ ተቐበልዎ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣኽእሎ ሃቦ እሞ፡+ ኣብ መንጎኦም ኰይኑ ተነበየ።+ 11 ኵሎም እቶም ኣቐዲሞም ዚፈልጥዎ ዝነበሩ፡ ምስ ነብያት ኰይኑ ኺንበ ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶም፡ “ወዲ ቂስ ደኣ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ ሳኦል እውንዶ ምስ ነብያት እዩ፧” ተባሃሃሉ። 12 ሓደ ኣብኡ ዚነብር ሰብኣይ ከኣ፡ “ንዓታቶምከ መን ድዩ ኣቦኦም፧” በለ። ስለዚ እዩ፡ “ሳኦል እውንዶ ምስ ነብያት እዩ፧” ዚብል ብሂል* ዝዀነ።+

13 ተነብዩ ምስ ወድአ ድማ፡ ናብቲ በሪኽ መጸ። 14 ሓው ኣቦ ሳኦል ከኣ ንዕኡን ንጊልያኡን፡ “ናበይ ኬድኩም ኔርኩም፧” በሎም። ንሱ ድማ፡ “ኣእዱግ ክንደሊ፣+ ኣብኡ ኸም ዘየለዋ ምስ ረኣና ግና፡ ናብ ሳሙኤል ኬድና” በሎ። 15 ሓው ኣቦ ሳኦል ድማ፡ “ሳሙኤል እንታይ ኢሉኩም፧ በጃኻ ንገረኒ” ኢሉ ሓተተ። 16 ሳኦል ከኣ ንሓው ኣቦኡ፡ “ኣእዱግ ድሮ ኸም እተረኽባ ነጊሩና” በሎ። እቲ ሳሙኤል ብዛዕባ ነገር ንግስና ዝበሎ ግና ኣይነገሮን።

17 ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ናብ የሆዋ ኣብ ሚጽጳ ጸውዖም፣+ 18 ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ በሎም፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ንእስራኤል ካብ ግብጺ ዘደየብክዎ፡ ካብ ኢድ ግብጽን+ ካብ ኢድ ኵለን ዚጭቍናኹም ዝነበራ መንግስትታትን ዘናገፍኩኹም ኣነ እየ። 19 ሎሚ ግና ንስኻትኩም ነቲ ኻብ ኵሉ ኽፉእን ጭንቅን ዜድሕነኩም ኣምላኽኩም ንዒቕኩምዎስ፡+ “ኣይፋልን፡ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ኣንግሰልና” ኢልኩም። ሕጂ ኸኣ፡ በብነገድኩምን በብሽሕኩምን* ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው በሉ።’”

20 ሳሙኤል ከኣ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣቕረቦም፣+ ነገድ ብንያም ድማ ተሓርየ።+ 21 ንነገድ ብንያም ከኣ በብዓሌቱ ኣቕረቦ፣ ዓሌት ማትራውያን ድማ ተሓርየ። ድሕርዚ፡ ሳኦል ወዲ ቂስ ተሓርየ።+ ምስ ደለይዎ ግና፡ ኣይተረኽበን። 22 ስለዚ፡ “እቲ ሰብኣይ ናብዚዶ መጺኡ ኣሎ፧” ኢሎም ንየሆዋ ሓተትዎ።+ የሆዋ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ኣብ መንጎ ኣቕሑ ተሓቢኡ ኣሎ” ኢሉ መለሰ። 23 ጐይዮም ድማ ካብኡ ኣምጽእዎ። ንሱ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ደው ምስ በለ ኸኣ፡ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኻብ መንኵቡ ንላዕሊ ነውሖ።+ 24 ሳሙኤል ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ፡ “እቲ የሆዋ ዝሓረዮ፡+ ኣብ ኵሉ ህዝቢ ኸምኡ ዝበለ ኸም ዘየልቦ ርኢኹምዶ፧” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!” ኢሎም ጨደሩ።

25 ሽዑ፡ ሳሙኤል ነቲ ህዝቢ ብዛዕባ ግቡእ ነገስታት ነገሮ፡+ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፉ እውን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣንበሮ። ሳሙኤል ከኣ ንዅሉ እቲ ህዝቢ፡ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ሰደዶ። 26 ሳኦል እውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ኸደ፣ የሆዋ ልቦም ዝተንከዮም ጀጋኑ ድማ ምስኡ ኸዱ። 27 ገሊኦም ዘይጠቕሙ ሰባት ግና፡ “እዚ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኼድሕነና እዩ፧” በሉ።+ ስለዚ፡ ነዓቕዎ፡ ህያብ ድማ ኣየምጽኡሉን።+ ንሱ ግና ብዛዕባኡ ሓንቲ እኳ ኣይበለን።*

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ